ጀርመን ኣብ ጉዳይ ካሕሳ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንጥልያን ከሲሳ

ቤት ፍርዲ ዘሄግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጀርመን ኣብቲ ንካልኣይ ኲናት ዓለም መንቀሊ ዝኾነ መጥቃዕቲ-ናዚ፡ ብዝምልከት ካሕሳ ንምሕታት ሕጋዊ ምንቅስቓሳት ኣሎ ክትብል ኣብ ዓለማዊ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሲ መስሪታ።

ጀርመን፡ ኣብቲ ናብ ዓለማዊ መጋባእያ ፍትሒ [ International Court of Justice] ዘቕረቶ ጥርዓን፡ ኣብ 2012 ዝተዋህበ ብይን ብዝጻባእ መልክዑ፡ ኣብ ጣልያን ሕቶ ካሕሳ ገበናት ኲናት-ናዚ ይስማዕ ኣሎ ዝብል እዩ።

ድሕሪ እቲ ናይ 2012 ብይን፡ ልዕሊ 25 ጉዳያት ካሕሳ ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰሚዖም ይብል እቲ ክሲ።

ኣብ ገለ ገሊኦም ድማ፡ ጀርመን ካሕሳ ክትከፍል ብይናት ዝተዋህቦም ምዃኖም ድማ እቲ ጥርዓን የመልክት።

እዚ ናይ ሕዚ ጥርዓን ቀሪቡ ዘሎ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ጣልያን ዝርከብ ብጀርመን ዝውነን ንብረት ንካሕሳ ንክውዕሉ ክህገር ዝጠልቡ፡ ክልተ ክስታት ኣብ ከይዲ ስለ ዘለዉ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣብ ጣልያን ዝርክብ ቤትፍርዲ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ፣ ታሪኻውን ባህላውን ህንጻታትን ጀርመን ዝሓቖፈ ትካል ኣመልኪቱ፡ ግንቦት 25 ብይን ክህበሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ክትዕ ኣብ 2008 ዝተጀመረ እዩ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጣልያን፡ ቱስካኒ ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት ካብ ሓይልታት ጀርመን ካብ ዝተቐትሉ 203 ሰባት ነቶም ኣባላት ስድራ 9 ሰባት፡ ጀርመን ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ክትከፍሎም ከም ዝበየነ ይዝከር።

ጀርመን፡ ኲናት ካልኣይ ዓለም ኣብ 1945 ምስተዛዘመ፡ በቲ ኲናት ንዝተሃሰያ ሃገራት ብቢልዮናት ዶላር ዝቑጸር ገንዘብ፡ ካሕሳ ከፊላ ኢላ እያ ትምጉት።

እቲ ሕዚ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ጥርዓን ድማ፡ ጣልያን "ብመሰረት ሕጊ ዓለምለኸ ንብረት ጀርመን ናይ ዘይምትንካፍ መሰል ናይ ምኽባር ግቡኣ ኣይተዋጸአትን" ክትብል እያ ከሲሳ ዘላ።

እቲ ዓለማዊ መጋበእያ፡ ኣብቲ ጉዳይ ብይን ንክህብ ዓመታት ክወስደሉ ይኽእል እዩ።

እንተኾነ፡ እዚ ዓቢዪ ጉዳይ ዕልባት ክሳብ ዝረክብ፡ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ጣልያን ዘሎ ጉዳያይ ንግዚኡ ጠጠው ክብል እዩ ዝሓትት።

ምቕማጡ ኣብ ከተማ ሄግ ኔዝርላንድስ ዝኾነ እዚ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ፡ ቀንዲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ብኣውርኡ ዝምለከቶም ጉዳያት ድማ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘጋጥሙ ሕጋዊ ክትዓት እዩ።