ብቅዲ ናዚ ሰላምታ ዘቕረበት በጻሒት ዓዲ ተቐጺዓ

ናዚ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እታ ሆላንዳዊት ጋሻ ኦስቺዝ-ቢርኬና ኣብ ዝተባህለ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝተፈጸመሉ ማእከል ብናይ ናዚ ቅዲ ሰላምታ ብምቕራባ ከም ዝተቐጽዐት ፖሊስ ሓቢሩ።

ጓል 29 በጻሒት ኣብ ሓደ መእተዊ ኣፍደገ እቲ መዓስከር እያ ከምኡ ዓይነት ምልክት ኣርእያ።

ዓቀብቲ ሕጊ፡ እታ ስማ ዘይተጸርሐ ሰበይቲ፡ ናዚ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቅዲ ኣብ ግብሪ ኣውዒላ ኢሎም እዮም ከሲሶምዋ።

ነቲ መቕጻዕቲ ከፊላ ከም ዝኸደት ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ፥።

ኣብ ፖላንድ ዝርከብ ፒኤፒ ዝተባህለ መራኺቢ ብዙሃን፡ እታ ሰበይቲ ነቲ ተግባር ከም ጻውቲ/ቀልዲ ከም ዝፈጸመቶ ምግላጻ ሓቢሩ።

ኣብቲ እዋን ምስ በዓል ገዛኣ ኾይና’ያ ስእሊ ትሰኣል ነይራ።

እዚ ናይ ናዚ ፕሮፖጋንዳ ኣብቲ ከባቢ ሰባት ክጥቀሙ ምርኣይ ናይ መጀመርታ እዋን ኣይኮነን።

ብዙሓት ከምኡ ክገብሩ ተታሒዞም ተቐጺዖም እዮም። እቲ ገበን ድማ ክሳብ ክልተ ዓመት ዘእስር እዩ ተባሂሉ።

ኣብ 2013፡ ከምኡ ዝገበራ ክልተ ቱርካውያን ተምሃሮ፡ ነፍሲወከፍ ሽድሽተ ወርሒ ዝተቐጽዓ ኾይነን ንሰለስተ ዓመት ድማ ናብቲ ከባቢ ከይኣትዋ ተኣጊደን።

ኣብ ምጅማር ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፖላንድ ዝተቖጻጸረ ናዚ ጀርመን፡ ኦስወዪዝ ኣብ ዝተባህለት ደቡባዊት ከተማ ፖላንድ እዩ ነዚ መቕተልቲ ዝፍጸመሉ መዓስክር [ዴዝ ካምፕ] ሃኒጹ።

ስርዓት ናዚ ጀርመን፡ ኣብዚ መዓስከር ጥራይ ብውሕዱ 1.1 ሚልዮን ሰባት ዝጨፍጨፈ ኾይኑ፡ ካብኣቶም እቶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣይሁዳውያን እዮም።

ናብቲ መዓስከር ዝተዳጎኑ ግዳያት፡ ብጋዛ ተዓፊኖም፣ ጠምዮም፣ ናብ ሞት ዘብጽሕ ግዱድ ስራሕ ክሰርሑ ተገይሮምን ገሊኦም ድማ ብመድሓኒት ተቐቲሎም።

መብዛሕትኦም ኣብቲ መዳጎኒ ብጋዝ ተዓፊኖም ክሞቱ ከም ዝተገብረ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ኣብቲ ናይ ናዚ ጀርመን፡ ወፍሪ ዓሌት ምጽናት ጀዊሽ [ኣይሁድ] ኣብ ኣውሮጳ፡ ሽድሽተ ሚልዮን ኣይሁዳውያን ከም ዝተቐትሉ ሰነዳት ይሕብሩ።

ማእከል ኣስችዊዝ ሓደ ካብቶም ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝተፈጸመሎም እዩ። ሰራዊት ሶቭየት ሕብረት ድማ ኣብ 1945 ነቲ ኸባቢ ነጻ ኣውጺኦምዎ።