ጀርመን፡ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ናዚ ዝነበረ ወዲ 100 ዓመት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
76 ዓመታት ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ቅትለት እቶም ኣብ ጥቓ በርሊን ዝርከብ ሳችሰንሃውሰን ዝነበሩ 3518 እሱራት ተሓባቢሩ ዝተባህለ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ነበር ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡፡
እቲ ጆሴፍ ኤስ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኲናት ሶቭየት ብጥይት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ካልኦት እሱራት ብጋዝ ዛይክሎን ቢ ኣብ ዝተፈጸመ ቅትለታት ተሓባባሪ ነይሩ ብዝብል እዩ ተኸሲሱ፡፡
ኣብ እዋን ናዚ ዝነበሩ ገበነኛታት ብምኽንያት ዕድመ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡሉ ዕድል ዝጸብብ ዘሎ ኮይኑ፡ እዚ ተኸሳሲ ብዕድመ ዝዓበየ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ሰብ ኮይኑ ኣሎ፡፡
ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ ሓላፍነት ስርዓት ናዚ ዝነበሩ ሰባት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምግባር እውን ኣብ ቀረባ ዓመታት እዩ ተጀሚሩ፡፡
ብምኽንያት መንነት ክሱሳት ከይግለጽ ዝኽልክል ሕጊ ጀርመን፡ እቲ ጆሴፍ ኤስ ዝብል ሽም ዝተዋህቦ ወዲ 100 ዓመት ተኸሳሲ ናብቲ ኣብ ብራንደንበርግ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብዊልቸይር እናተደፍአ ዝመጽአ ኮይኑ ናብቲ መጋባእያ ድማ ብመደገፊ ምርኩዝ ተሓጊዙ ኣትዩ፡፡
ጠበቕኡ ስቲፋን ዋተርካምፕ፡ ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዝስየም መጋባእያ እቲ ክሱስ ብዛዕባ ዝርከበሉ ኩነታት እምበር ብዛዕባ እቲ ዝቐርበሉ ክሲ መልሲ ከም ዘይህብ ገሊጹ፡፡
ጆሴፍ ኤስ ኣብ 1942 ወዲ 21 ዓመት እንከሎ እዩ ኣብ ሳችሰንሃውሰን ሓላዊ ኮይኑ፡፡ ናብ 101 ዓመት ተጸጊዑ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ እዋን ድማ፡ መዓልታዊ ክሳብ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ንዝኸውን ግዘ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ክሱ ክከታተል ተኽእሎ ከም ዘለዎ እዩ ዝግመት፡፡
እቲ መጋባእያ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ዝቕጽል ኮይኑ፡ እቲ ተኸሳሲ ነቲ ካብ 1941 ክሳብ 1945 ዝተፈጸመ ቅትለት ብፍላጡን ብድልየቱን ከም ዝተሓባበረ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ፡፡
ኣብቲ ኣብ ሰሜን በርሊን ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ተዋጋእቲ፣ ኣይሁድ፣ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፣ ሕደ-ጾታውያን ምሩኻት ኲናትን ሞይቶም እዮም፡፡
ኲናት ናብ ከተማ በርሊን እናቐረበ ብምምጽኡ፡ ኣብ 1943 ንጉዕዞ ብቑዓት ኣይኮኑን ዝተባህሉ ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት፡ ኣብ ሳችሰንሃወሰን ናይ ጋዝ መሽን ብምትካል ክጭፍጨፉ ተገይሩ እዩ፡፡
እቲ ብሓሙስ ዝነበረ መጋባእያ ካብ ሳችሰንሃውሰን ዘምለጡ ሰባት እውን ዝተረኸቡሉ እዩ ነይሩ፡፡
ክሪስቶፈል ሄጀር፡ ንወላዲኡ ጆሀን ሃንድሪክ ሄጀር ንመወዳእታ ግዘ እንትርእዮ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ነይሩ፡፡
ሃንድሪክ ካብቶም ኣብቲ መዳጎኒ ዝተቐተሉ 71 ተዋጋእቲ ደች ሓደ እዩ ነይሩ፡፡
ክሪስቶፈል ‘‘ቅትለት ጽሕፍቶ ኣይኮነን፤ ብብዝሒ እዋን ሕጋዊ ኮይኑ ዝድምሰስ ገበን ኣይኮነን’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ሊዮን ሽዋርዘንባውም ዝተባህለ ካብቲ ጨፍጫፍ ዘምለጠ ወዲ 100 ዓመት ድማ እቲ መጋባእያ ፍትሒ ብምሃብ ከም ዝዛዘም ተስፍኡ ገሊጹ፡፡
መብዛሕትኦም ሓለውቲ መዳጎኒታት ናዚ ግን ናብ ፍርዲ ኣይቐርቡን፡፡
ኣብ መዳጎኒ ስታቶፍ ካብ ዝነበሩ ኣስታት 3 ሽሕ ሓለውቲ 50 ጥራሕ እዮም ናብ ፍርዲ ቀሪቦም፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







