ኣመሪካ፡ ኣብ ናይ ናዚ መዳጎኒ ዋርድያ ንዝነበረ ወዲ 95 ዓመት ንጀርመን ኣረኪባቶ

ምንጪ ስእሊ, US DOJ
ኣመሪካ፡ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ናዚ ሓላዊ ንዝነበረ ሕጂ ወዲ 95 ዓመት ኮይኑ ንዘሎ ውልቀ ሰብ ንጀርመን ኣሕሊፋ ሂባቶ።
እዚ ፈረደሪክ ካርል ዝተብሃለ ጀርመናዊ፡ ድሕሪ ምፍራስ ናዝን ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለምን ካብ 1959 ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ክነብር ዝጸንሐ ኮይኑ ትማሊ'ዩ ናብ ጀርመን ተረኪቡ።
በርገር ኑንጋሜ ተባሂሎ ኣብ ዝጽዋዕ ናዚ ከም መዳጎኒ ዝጥቀመሉ ኣብ ዝነበረ መዓስከር ከም ዋርድያ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ፈረደሪክ ካርል ኣብቲ ቦታ ይሰርሕ ከምዝነበረ እኳ እንተኣመነ ኣብ'ቲ ቦታ እሱራት ክሳቐዩ ኾነ ክቕተሉ ከምዘይረኣየ ገሊጹ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ኣቐድም ኣቢሎም ንፈረደሪክ ካርል ኣእማኒ መርትዖ ስለዘይረኸቡሉ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ክምስርትዎ ዝሓሰቡ ክሲ ክገድፍዎ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እንተኾነ ፖሊስ ጀርመን ነቲ ውልቀ ሰብ ንመርመራ ይደልዮ'የ ስለዝበለ እዩ ናብ ጀርመን ተረኪቡ ዘሎ፡ ስለ'ዚ ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ብሕጂ ኣብ ልዕሊ ፈረድሪክ ክሲ ክምስርቱን ዘይክምስርቱን ፖሊስ ንፈረደሪክ መርሚሩ ምስ ወደአ ኣብ ዝህቦ ጸብጻብ እዩ ክምርኮስ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዳኛ ንሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ዝምልከት ቤት ፍርዲ ሬቤካ ሆልት፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ትሕቲ መዳጎኒ ማእከላት ዝነበሩ እሱራት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ልዕሊኦም ብዝፍጸም ዝነበረ በደልን ብጥምየት ይሞቱ ከምዝነበሩ ብምምልካት ፈረደሪክ ናብ ጀርመን ክርከብን መርመራ ክግበረሉን ከምዝወሰነት ይዝከር።
እታ ዳኛ፡ ፈረደሪክ ሓደ እዋን ካብቲ ቤት መዳጎኒ ክሃድሙ ዝፈተኑ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሒዙ ከምዝመለሶም መርትዖ ከምዝተረኸበ ገሊጻ።
ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣመሪካ ሞንቲ ዊልኪንሰን፡ ኣመሪካ ንፈረደሪክ ናብ ጀርመን ኣሕሊፋ ምሃባ፡ ኣመሪካ ፍትሒ ንኽነግስ ዘለዋ ድሌት ዘርኢ እዩ ኢሉ።
እቲ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ "ኣመሪካ መሕብኢ ናይቶም ኣብ እዋን ናዚ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈጸመ ገበናት ዝተሳተፉ፡ ኣብ ምቕታል ኮነ መሰላት ደቂ ሰባት ኣብ ምግሃስ ኢድ ናይ ዝነበሮም ውልቀ ሰባት መሕብኢት ኣይኮነትን" ኢሉ።
ፈረደሪክ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ኣብቲ መዳጎኒ መዓስከር ይሰርሕ ምንባሩ ብምእማን፡ ንሓጺር ግዜ ከምዝሰርሐን ብረት ሒዙ ከምዘይፈልጥን ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ኣመሪካ ካብ 1959 ጀሚሩ ክነብር ዝጸንሐ ፈረደሪክ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ካብ ገዝኡ ክውሰድ እንከሎ "ድሕሪ 75 ዓመታት፡ ኣዝዩ ዝገርምን ንምእማኑ ዘጸግምን እዩ፡ ካብ ገዛይ ብሓይሊ ኢኹም ተውጽኡኒ ዘለኹም" ክብል ከምዝተሰምዐ ተገሊጹ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ኣብ እዋን ናዚ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ንዝሰርሑ ዝነበሩ ውልቀሰባት ክሳብ ሕጂ እዮም ዝሃድንዎም ዘለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







