ኣባል ናዚ ምንባሩ ዝተጠርጠረ ወዲ ሚእቲ ዓመት ሽማግለ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስሙ ብወግዒ ዘይተገልጸ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣባል ናዚ ጀርመናዊ ብተሓታትነት ቅትለት 3518 ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ሽማግለ ካብ 1942 ክሳብ 1945 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ጥቓ በርሊን ኣብ እትርከብ መዓስከር ብጥይትን መርዛም ጋዝን ቕትለት ከምዝፍጸም ገይሩ ተባሂሉ እዩ ተጠርጢሩ ዘሎ።
ዓቃቢ ሕጊ ናይቲ ቦታ እቲ ሽማግለ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዝውዕል መጋባእያ ቀሪቡ ፍርዱ ክሰምዕ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ገሊጹ።
ብምቕጻል እቲ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ጥርጡር ዋላኳ ዕድመ እንተደፍአ ብዝተገብረሉ ሕክምናዊ መርመራ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ።
እቶም ናይ ሕጊ ኪኢላታት እቲ ጥርጡር እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ንክልተ ሰዓት ኣብ መጋባእያ ክቐርብ ከምዝኽእል ኣረጋጊጽና ኢና ኢሎም።
ነቲ ውሳነ ከኣ ቬልት አም ሶንታግ ዝተባህለ ጀርመናዊ ጋዜጣ ኣብ ዓምድታቱ ኣውጺኡዎ። እቲ ጋዜጣ ቶማስ ዋልተር ንዝተባህለ ናይ ሕጊ ጠበቓ ብምጥቃስ ከምዝጸሓፎ መብዛሕቶም እቶም ከሰስቲ ልክዕ ከምቲ ክሱስ ዕድመ ዝደፍኡ እዮም ክብል ተዛሪቡ።
መራኸቢ ብዙሃን ጀርመን እዚ መጋባእያ እዚ መጨረሻ ናይቲ ኣሰቃቒ ወረ ናዚ እዩ ክብላ ይገልጸኦ። ኣብ ዘበነ ናዚ ገበን ዝፈጸሙን ዝተፈጸሙን ሰባት ደጊም ዕድመ ደፊኦም እዮም።
ካብ 1936 ክሳብ 1945 ዓመተ ምሕረት ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 200 ሽሕ ንላዕሊ እሱራት ኣብ መዓስከር ሳችሴንሃውሰን ተኣሲሮም ነይሮም።
ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ኣብ ኵናት ዝተኣስሩ ሰባት ከምኡ እውን ብናዚ እተፈርዱ ጉጅለታት ኤስኤስ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ጀርመን ናይ ጸጥታን ስለያን ድርጅት ተታሒዞም ጸኒሖም።
እቲ ሕጂ ናብ ሙዜም ተቐይሩ ዘሎ ቤት ማእስርትን ማእከል ቅትለትን ዝነበረ መዓስከር ሳችሴንሃውሰን ከምዘረጋግጾ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ብዘጋጠሞም ሕሱም ጥሜት ሕማምን ምዝመዛ ጉልበትን ሞይቶም።
ቅድሚ 10 ዓመት ጀርመን ንሓደ ኣብ መዓስከር ናዚ ተሓባባሪ ጃምላዊ ህልቂት ነይሩ ዝበለቶ ሰብ ከምዝፈረደት ይዝከር።
ዋላ’ኳ እቲ ክሱስ ይግባይ ብምሕታቱ ዝተወሰነሉ ፍርዲ ከይሰምዐ እንተሞተ እቲ ውሳነ ከቢድ ምንባሩ ይዝረብ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ምስ ናዚ ይተሓባበሩ ነይሮም ኢሎም ዝኸሱ ሰባት እቶም ክሱሳት ኣብቲ ፍጻሜ ከምዝነበሩ ዘረጋግጽ ጭብጥን መረዳእታን ከቕርቡ ግዴታ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ወዲ 93 ዓመት ሓላው መዓስከር ናዚ ነበር ሽማግለ ኣብ ቅትለት ልዕሊ 5ሽሕ ሰባት ተሓባባሪ ነይሩ ብዝብል ክሲ ተፈሪዱ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







