ኣብ ኢጣልያ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ቍጠዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, POLIZIA DI STATO/QUESTURA DI MACERATA
ኣብ ኢጣልያን፡ ብቐትሪ ኣብ ማእከል ከተማ ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ሞት ዘጋጠሞ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ቍጠዐ ፈጢሩ።
እቲ ኣብ ጽርግያ እናሸቀጠ ዝናበር ናይጀርያዊ ስደተኛ ብዓርቢ’ዩ ኣብ ከተማ ሲቪታኖቫ ማርች ብሓደ ጻዕዳ ተቐቱሉ።
ሓደ ጻዕዳ መንእሰይ፡ ነቲ ናይጀርያዊ ብኽሳዱ ሓኒቝ ኣብ መሬት ኣውዲቝ እዩ ቀቲልዎ።
እቲ ፈጻመ ብቪድዮ ተሳኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ከኣ ኣብ ብዙሓት ቍጠዐ ፈጢሩ ኣሎ።
እቶም ቪድዮ ዝስእሉ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኣብ መሬት ወዲቑ ብኽሳዱ ተሓኒቝ ዝጽዓር ዝነበረ ናይጀርያዊ ስደተኛ ክገላግልዎ ዘይምፍታኖም’ውን እቲ ኻልእ ቍጠዐ ፈጢሩ ዘሎ ነጥቢ’ዩ።
እቲ ወዲ 32 ዓመት ተወላዲ ኢጥልያን በቲ ዝፈጸሞ ገበን፡ ብቕትለትን ስርቅን ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።
እቲ ነቲ ኢጣያውን ናይጀርያውን ናብ ረጽሚ ዘእተዎም ምኽንያት’ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ዝርኣዩ ሰባት ነቲ ተግባር ብትሪ ኮኒኖምውዎ ኣለዎ።
ጻውዒት ንፍትሒ
እቲ ብቐትሪ ኣብ ማእከል ጐደና ብኢጣልያዊ ዝተቐተለ ናይጀርያዊ ስደተኛ፡ ኣሎካ ኦጎርኡከዉ ዝበሃል ኰይኑ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ውሉዳትን’ዩ።
በዓልቲ ቤቱ ቻሪቲ ኦሪቾ፡ ሬሳ በዓል ቤታ ኣብ ማእከል ጽርግያ ብጻዕዳ ጨርቂ ተሸፊኑ ምስ ርኣየት ስንባድኣ ክትቈጻጸሮ ከምዘይክኣለትን ንማዕከናት ዜና ገሊጻ።
ትማሊ ቀዳም፡ ኣማኢት ናይጀርያውያን ናብ ጐደታት ከተማ ሲቪታኖቫ ማርቸ ብምውጻእ ሞት ኣሎካ ኦጎርኡከዉ ፍትሒ ክረክብ ብነድሪ ጻውዒት ከቕርቡ ውዒሎም።
እቲ ቅትለት ብፖለቲከኛታት ኢጣልያ’ውን ተዀኒኑ ኣሎ።
ሓላፊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጸጋማይ ክንፍ ኢንሪኮ ለታ፡ ነቲ ተግባር “ዘሰንብድ” ኢሉ ገሊጽዎ።
ንሱ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ “ዝዀነ መመኽነይታ ዘይብሉ፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጭካነን ልዕሊ ዓቐን ዝስፋሕፍሐ ዘይተገዳስነትን'ዩ” ኢሉ።
ላዕለዋይ ሓላፊ የማናይ ክንፊ ማትዮ ሳልቫኒ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ሓለዋ ጸጥታ ሕብሪ ኣይፈልን’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ኵሉ ብዘይኣፈላላይ ድሕነቱ ሕሉው ዝዀነሉ ባይታ ክጣጣሕ ኣለዎ፡ ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







