ኣብ 2016 ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ዝተበገሱ 32 ኤርትራውያን ኣበይ ተሸርቡ?
![ኣይመንን ኣንዋርን [ላዕሊ] ኣንዋርን ኣሮንን [ታሕቲ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/472c/live/8ed5d0c0-0d77-11ed-93ba-314ede9cd985.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Family
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ 2016፡ ብመገዲ ኣሰጋግርቲ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብመኪና ምስ ዝተበገሱ 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣንዋርን ኣይመንን ዝተባህሉ ክልተ ኣሕዋት ነበሩ።
ኣብቲ ግዜ'ቲ ወዲ 14 ዓመትን መንፈቕን ዝነበረ ኣንዋር ማሕሙድ ኣሕመድ ታልከ፡ ሽዑ ወዲ 24 ዓመት ምስ ዝነበረ ሓዉ ኣይመን ማሕሙድ ኣሕመድ ታልከን ወዲ ሓወቦኦም ጀማል ታልከ ኣሕመድን፡ ከምኡ'ውን ኣሮንን ኣወልኬርን ዝተባህሉ ክልተ ኣዕሩኽቶምን ዝርከብዎም 32 ሰባት፡ ብ02 ሰነ 2016 ካብ ካርቱም ተበጊሶም ናብ ግብጺ ኣምርሑ።
ኣይመንን ኣንዋርን ኣብ ስዑድያ እዮም ተወሊዶም ዓብዮም።
ተቐማጢት ስዑድ ዓረብ ወላዲቶም ወይዘሮ ሳዕድያ ዓሊ ዑመር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ደቃ፡ ናብ ዶብ ግብጺ ቀሪብና ኣለና ኢሎም መልእኽቲ ከም ዝሰደዱላ ትሕብር። ድሕሪኡ ግን ደሃዮም ኣይሰምዐትን።
ወይዘሮ ሳዕድያ ሕንቕንቕ እናበለት፡ “ብ11 ሰነ 2016 ከኣ [ደቅኺ] ሞይቶም’ዮም ዝብል ዘይወግዓዊ መርድእ መጺኡና” ትብል።
ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ሬሳ ክልተ ደቃ ዘይርኣየትሉ መርድእ ስለዘየቕበጻ፡ ንመንግስቲ ግብጺ ደሃይ ደቃ ክትሓትት ክልተ ሳዕ ናብ ግብጺ ተመላሊሳ።

ምንጪ ስእሊ, Sadia
ምስዞም ንግብጺ ብሓባር ዝተበገሱ 32 ኤርትራውያን ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ኣብቲ እዋን ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ ኣሮን ሃይለማርያም ኪዳነ’ውን ነይሩ።
ኣብ ሃገረ ፈረንሳ እትነብር ወላዲቱ ወይዘሮ መኣዛ ተስፋማርያም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ናብ ግብጺ ክብገስ እንከሎ ይብገስ ኣለኹ ኢሉ ነጊርና ነይሩ” ትብል።
ኣሮን ኣብ 2016’ዩ ናብ ሱዳን ሰጊሩ፡ ኣብ ሰነ ኸኣ ምስቶም ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ ናብ ኤርትራ፡ ኣስመራ ናብ እንዳ ኣቦሓጐኦም ክምጽኡ እንከለዉ ዝተላለዮም ኣንዋርን ኣይመንን ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ ናብ ግብጺ ተበጊሱ።
ወይዘሮ መኣዛ፡ ብቤላ ቤለው ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ኣለው ዝብል ዘረባ እንተዘይኰይኑ ክሳብ ሕጂ ደሃይ ውላዶም ከምዘይሰምዑ ትዛረብ።
ወላዲኡ ንኣሮን ኣቶ ሃይለማርያም ኪዳነ ብወገኑ፡ “ኣብ ግብጺ ኣብ ኵሉ እዩ ተሓቲቱ፣ ሓንቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ከባቢ ኣስዋን እትርከብ ከቢድ ገበን ኣለዎም ዝበሃሉ ሰባት ዝእሰሩላ ቤት ማእሰርቲ እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ኵሉ ብሰብ ገይርና ሓቲትና ኢና፤ ደሃይ ዝበሃል ክንረክብ ኣይክኣልናን” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Hailemariam Kidane
እቲ ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ክብገሱ እንከለው ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ ኣወልኬር ኢብራሂም፡ ሕሳስ ልደ ስድራ ኰይኑ ኣብ ሚያዝያ 2016 እዩ ናብ ሱዳን ሰጊሩ።
ተቐማጢት መካ ስዑድ ዓረብ ዝዀነት ፎዝያ ኢብራሂም ሱሌማን በዅሪ ሓፍቱ ንኣወልኬር ኢብራሂም፡ “ናብ ግብጺ ክብገስ እንከሎ ደዊሉ ሕጂ ንብገስ ኣለና፡ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ክትኣትዉ ኢኹም ኢሎሙና ኣለዉ ምስ ኣተና ክድውለልኪ’የ” ኢሉኒ ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
ደጋጊማ ‘ብመሰንጀር’ ትጽሕፈሉ ከምዝነበረት ግን መልሲ ከምዘይረኸበት፡ ኣብ ጾመ ሮሞዳን ግን ብናይ ግብጺ ቍጽሪ ገይሮም ኣብ ግብጺ ናብ እትርከብ ዘመድ ደዊሎም ከምዝነበሩ፡ እንተዀነ ኣብ መስጊድ ስለዝነበረት ከምዘይተቐበለቶም ትጠቕስ። ድሒሩ ናብታ ዝተደወለታ ቍጽሪ ተመሊሳ ምስ ደወለት ከኣ ሓደ ግብጻዊ ተቐቢሉ፡ “ካብ ሱዳን ብሳህራ ገይሮም ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ሰባት’ዮም ኣደውለና ኢሎሙኒ” ክብል ስለዝመለሰላ፡ ነዚኣ ኣብ ግብጺ ከምዝኣተዉ እትሕብር መርትዖ ገይራ ከምእትርእያ ትዛረብ።
እቲ ካብ ሱዳን ዘበገሶም ኣሰጋጋሪ ሰባት፡ ንወይዘሮ ሳዕድያ እቶም ክልተ ደቃ ዝርከብዎም 32 ስደተኛታት ብማይ ጽምኢ ከምዝሞቱ ሓቢሩ ዝብል ሓበሬታ ክመጽኣ እንከሎ፤ ፎዝያ ከኣ ካብ ተመሳሳሊ ኣስጋራይ መኪና ተገልቢጦም ከምዝሞቱ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝመጽኦም ትገልጽ።
“ዝተፈላለየን ዝዋቃዕን ሓበሬታ እዩ ዝመጽኣና፤ እቲ ተጋላባጥን በበይኑን ዘረባ ናይቲ ኣስጋራይ ድማ’ዩ እቲ ዘረባታት ሓቂ ክኸውን ከምዘይክእል ዘእምነና” ትብል ፎዝያ።
ኣብቲ እዞም 32 ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ዝሰገርሉ እዋን፡ ኣብቲ ዶባት ሞት ከምዘይነበረ ስለዝተሓበረ ግን፡ ኮንዶኾን እዞም ሰባት ኣብ ገለ ብህይወት ይህልው ይዀኑ ዝብል ሓሳብ ኣሕዲሩለን።
እንተዀነ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ካብቶም ብሓባር ዝተበገሱ 32 ሰባት ሓደ እውን ይዅን “ኣብዚ ኣለና” ዝብል ሰብ ኣይተረኸበን።

ምንጪ ስእሊ, Fozia
ኣብ ዓለማዊ ስደት ሓበሬታት ዝእክብ፡ መጽናዕቲ ዘካይድን ፖሊሲ ዘወጽእን ሚክስድ ማይግረሽን ሰንተር [Mixed migration centre] ዝተባህለ ማሕበር፡ ብ9 ለካቲት 2017 ንሓፈሻዊ ስደት ኤርትራውያን ዝምልከተ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ትካል ኣብ 2016፡ ቍጽሪ ናይቶም ብመንግስታት ሱዳንን ግብጽን ዝተኸተሩ፡ ዝተኣሰሩን ናብ ዓዶም ዝተጠረዙን ኤርትራውያን ስደተኛታት ቍጽሮም ዝለዓለ ምንባሩ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ ኣሎ።
መንግስቲ ግብጺ’ውን ኣብቲ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 12,192 (ዓሰርተ ክልተ ሽሕን ሚእትን ተስዓን ክልተን) ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ግብጺ ክኣትዉን ካብ ግብጺ ክወጽኡን ብሓለዋ ዶብ ግብጺ ከምዝተተሓዙ ሓቢሩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ካብዚኦም ክንደይ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ምዃኖም ግን ኣብቲ ጸብጻብ ኣይተገልጸን።
ብ16 ሰነ 2022 ኤርትራውይና ዲያስፖራ ምብራቕ ኣፍሪቃ [EDEA)፡ ምትሕብባር ኤርትራውይን ንሰባዊ መሰላት፡ (ECHR) ትካል ሰባዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕባሕሪ (RSAHRO) ዝርከብዎም ሽዱሽተ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላትን ውልቀ ሰባትን ብዛዕባ እዞም ስደተኛታት ኣመልኪቶም ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም።
እዞም ማሕበራት፡ ገለ ካብዞም ኣብ ጕዕዞ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መንጐ ሓለዋ ዶብ ግብጽን እቶም ኣስገርትን ብዝተገበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ተቐቲሎም ዝብል መርድእ ክመጽኦም እንከሎ; ገለ ስድራ ቤታት ከኣ ኣብ ዞባ ኣስዋን ግብጺ ‘ስጂን ሲምበል’ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ምህላዎም ሓበሬታ ከምዘሎ ገሊጾም።
ወይዘሮ ሳዕድያ ዓሊ ዑመር ግን ደቃን መጓዕዝቶምን “ብጽምኢ ማይ ሞይቶም” ዝብል ዘይወግዓዊ መርድእ ከምዝመጽኣ እያ ንቢቢሲ ገሊጻ።
እዞም ሽዱሽተ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ስድራ ናይዞም ደሃዮም ዘይተረኽበ 32 ኤርትራውያን ኣብ ሰንፈላል ከምዝርከቡ ብምግላጽ፡ ደሃይ እቶም ዝጠፍኡ ስደተኛታት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጐስጓስ ዓቕሞም ወዳዲቦም ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።
ካብ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ዝርከብዎም ዓለምለኻውያን ማሕበራት ደገፍ ክግበርሎም'ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ጥሪ 2022 ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ዝነበረን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስግጋሮም ዝዝከር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተበሃሉ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2014 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ግብጺ ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ንሸሞንተን ዓሰርተን ዓመታት ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጐስጓስ ካብ ምጥራዝ ድሒኖም ናብ ካናዳ ተሰጋጊሮም።
እቶም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተባህሉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣለም ኣብ 2012፡ ክብሮም ከኣ ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ'ኳ እንተኣተው፡ ካብ መንግስቲ ግብጺ ዝዀነ ይዅን ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎም እዮም እቶም ንጕዳዮም ዝከታተሉ ዝነበሩ ተጣበቕቲ መሰላት ዝዛረቡ።
ካብዚ ብምብጋስ’ዩ እዞም ኣብ ሰነ 2016 ኣትሒዞም ደሃዮም ዘይተረኸበ 32 ኤርትራውያን ኣብ ገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ’ዶ ይህልዉ ይዀኑ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ዘሎ።
ወይዘሮ ሳዕድያ፡ “ቍስለይ፡ ቍስሊ ዅሎም 'ቶም ደሃይ ደቈም ዝጠፍኦም ወለዲ’ዩ፡ ለይትን መዓልትን ከመይ ይሓልፎ ከምዘለኹ ስለዝፈልጥ፡ ኣደታቶም ከመይ ይሓልፍኦ ከምዘለዋ ኣይጠፍኣንን’ዩ፣ ንዅለን ወኪለ ደሃይ ደቅና ክርከብ ይጽዕር ኣለኹ” ኢላ።
ዘረባኣ ብምቕጻል፡ “ኣነ ደቀይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ’ዩ ዝርድኣኒ፡ ርግጽ ድማ’ዩ፤ እንተዀነ ኣበየነይቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ ኢና ክንፈልጥ ዘይክኣልና፡” ትውስኽ።
ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ግብጺ እናኸደት ንደቃን መጓዕዝቶምን ከምዝደለየቶም እትገልጽ ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ኣብ ዝሓተትሉ ቤት ጽሕፈት፡ “ኣስማቶም ሃብና ምስ ረኸብናዮም ደሃይ ክንሕብረኪ ኢና” እናበሉ ከምዘፋንውዋ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመልሲ ሓለፍቲ ግብጺ ዘይዓገበት ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ’ውን ከምዝኸደት ትሕብር።
“ምስ ከድክዎም ኣሰንዮምንን፡ ምሳይ ኰይኖም ደልዮምን፣ ኮለል ምስ በዝሐ ደሓን ንሕና ክንደልዮም ኢና ኢሎም ንዓይ ኣፋንዮሙኒ። ዳሕራይ ግዜ ምስ ነውሐ ግን ‘ሓቲትና ኢና የለዉን’ ዝብል መልሲ ሂቦሙኒ” ትብል ወይዘሮ ሳዕድያ።
ኣብቲ ደቃን መጓዕዝቶምን ዝሰገርሉ እዋን፡ ኣብቲ ዶብ ዝዀነ ሓደጋ ከምዘየጋጠመ ብመንገዲ ኤምባስን ንሰባት ሓታቲታ ከምዘረጋገጸትን እትዛረብ ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ደቃ ብህይወት ኣለው ዝብል እምንቶኣ ልዑል ምዃኑ ትሕብር።
“ኣነስ ነተን ኵለን ከምዛ ኸማይ እናሓመማን እናተሳቐያን ደሃይ ደቀን ብተስፋ ዝጽበያ ዘለዋ ኣደታት ጭንቀተን ናብ ሓጐስ ዝቕየረሉ መዓልቲ እየ ብተስፋ ዝጽበ ዘለኹ” ከኣ ትብል።
ወላዲኡ ንኣሮን ኣቶ ሃይለማርያም ኪዳን፡ “ይትረፍ ሰብ ጥሪት ጠፊእካ’ውን ደቂስካ ኣይሕደርን’ዩ፣ ክሳብ ሕጂ ሰለም ኣየበልናን ዘለና፣ ኣብዚ ኣለዉ፡ ኣብዚኣ ተቐቢሮም እንተንበሃል፡ ሓደ ቅባጸት’ዩ፡ እዚ ኢልና ዘይግለጽ ስቅያት ኢና ነሕልፍ ዘለና” ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ 2016 ካብቶም ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ስደተኛታት ገሊኦም ናብቲ ዝደለይዎ ቦታ ከይበጽሑ ከምዝሞቱ እዩ ሚክስድ ማይግረሽን ሴንተር ኣብ ጸብጻቡ ዝገልጽ።
ኣብ 2016፡ ኣስታት 5079 ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ከምዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ብምግላጽ፡ ካብኦም እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ይሕብር።
ብዘይካ'ዚ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ብወሕዱ 2500 ስደተኛታት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ንምብጻሕ ኣብ ዝገበርዎ ናይ መሬት ጕዕዞ ከምዝሞቱ ሚክሲድ ማይግረሽን ሰንተር ይገልጽ።
ካብ 2009 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ግዜ’ውን መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ካብ 5000 ክሳብ 10,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ግብጺ ከምዝሞቱ ይግለጽ።
ኣብ 2016 ከኣ ካብ 48 ክሳብ 60 ሽሕ ዝቝጽሮም ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ከም ዝተሰደዱን ካብኦም ኣስታት 20,718 ( ዕስራ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን) ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉን ጸብጻብ 'ቲ ትካል የረድእ።
እዚ ቝጽሪ እዚ ምስቶም ቅድሚ 2016 ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምንጽጻር፡ ብ50 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ዝገልጽ ሚክሲድ ማይግረሽን ሰንተር፡ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ኣብ ሱዳንን ግብጽን ብርቱዕ ማእሰርቲ፡ ግፋን ምጥራዝን ስለዝነበረ’ዩ ክብል ኣስፊሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







