ሞ-ፋራሕ፡ ሓቀኛ መንነቱ ኣግሂዱ

ሞ ፋራሕ ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ርእሱ ተዛሪቡ

ወዲ ትሽዓተ ዓመት እንከሎ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣተወ ሰር፡ ሞ-ፋራሕ፡ ብቝልዕነቱ ሰራሕተኛ ገዛ ኰይኑ ክሰርሕ ከም ዝእተገደደ ሓቢሩ።

እቲ ኰኾብ ኦሎምፒክ፡ በቶም ካብ ጅቡቲ ሒዞምዎ ንብሪጣንያ ዝኣተው ሰባት መሓመድ ፋራሕ ዝብል ስም ከም ዝተዋህቦ ሓቀኛ ስሙ ግን ሑሴን ዓብዲ ካሂን ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወዲ ትሽዓተ ዓመት እንከሎ ምስ ሓንቲ ቅድሚኡ ርእይዋ ዘይፈልጥ ሰበይቲ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጂቡቲ ንዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተወ ንደቂ ካልእ ስድራ ቤት ቈልዑ ክከናኸን ከም ዝተገደደ ተዛሪቡ።

እቲ ስሙይ ኣትሌት ብሪጣኒያ "[ነቲ ምስጢር] ንሓያሎ ዓመታት እየ ሒዘዮ ጸኒሐ” ብማለት ሕጂ ነቲ ሓቀኛ ስሙ ገሊጹ።

ሞ-ፋራሕ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ሶማል ምስ ወለዱ ከም ስደተኛ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ከም ዝመጽአ እዩ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ብቢቢሲን ሬድ ቡር ስቱድዮን ተዳልዩ ጽባሕ ረቡዕ ዝፍኖ ሰነዳዊ ምድላው [ዶክመንታሪ] ኣደኡን ክልተ ኣሕዋቱን ኣብታ ንርእሳ ናጻ ሃገር ኢላ እትጽውዕ ሶማሊላንድ ኣብ ገጠር ብሕርሻ ከም ዝነባበሩ ተዛሪቡ።

ወላዲኡ ኣቶ ኣብዲ፡ ሰር ሞ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ብጥይት ተቐቲሉ።

ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ናጽነታ'ኳ እንተኣወጀት ክሳብ ሕጂ ብማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ኣይረኸበትን።

ሰር-ሞ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ጂቡቲ ምስ ሓንቲ ስድራ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ሓንቲ ዘይፈልጣን ዘይትዛመዶን ሰበይቲ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣትዩ።

እታ ሰበይቲ ምስ ኣዝማዱ ንኽነብር ናብ ኤውሮጳ ትወስዶ ምንባራ ምስ ገለጸትሉ ቅድሚኡ ብነፋሪት ተጓዒዙ ስለ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ባህ ከም ዝበሎ ሓቢሩ።

እታ ሰበይቲ፡ 'መሓመድ' ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕን ኣብ ጥቓ እቲ ስእሉ እተጠቅዖ ሰነድ ከኣ "መሓመድ ፋራሕ" ዝብል ስም ከም ዘሎን ነገረቶ።

ስኑዕ ሰነዳት ሞ-ፋራሕ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኣተው ከኣ ናብቲ ኣብ ሃንስሎው ዝተባህለ ኣብ ምዕራብ ለንደን ዝርከብ ገዛኣ ወሲዳ ነቲ ናይ ኣዝማዱ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ ሰነድ ኣውጺኣ ኣብ ቅድሚኡ ቀዲዳ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ከም ዘእተወቶን ተዛሪቡ።

ሽዑኡ ፋራሕ፡ “ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተኹ ተረዲኡኒ” ይብል።

ሰር ሞ ኵነታት ቍልዕነት ከዘንቱ እንከሎ፡ እታ ሰበይቲ "እኽሊ ክለክፍ እንተደልየ፡ ናይ ገዛ ዕዮ ክዓይን ቈልዑ ክሕዝን ትነግረኒ ነይራ። ንስድራ ቤትካ ዳግማይ ክትርእዮም እንተደሊኻ ዋላ ሓንቲ ቃል ከይተምሉቕ" ትብለኒ ነይራ ኢሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መሕጸቢ ሰብነት ኣትዩ ተዓጽዩ ይበኪ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ዓመታት፡ እታ ስድራ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ኣይፈቐደትሉን።

ዳሕራይ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ግን ኣብ ፈልተም ኮሚዩኒቲ ኮሌጅ ተመዝጊቡ።

እቶም መማህራን ከኣ ሶማላዊ ስደተኛ ምዃኑ ተነግሮም።

ሳራ ሬኒ ዝስማ ናይ ቀደም መምህሩ፡ ሞ - ፋራሕ፡ ብዙሕ ግዜ ንትምህርቲ ወዘልዘል ኢሉ ይመጽእ ምንባሩን፡ ሕጽረት ቋንቋ እንግሊዝ ስለዝነበሮ “ብባህልን ልምድን” [እተጸቕጠ] ዘይዛረብ ስቕ በሃላይ ቈልዓ ከም ዝነበረ፡ እቶም ወለዱ ኢና ዝብሉ ሰባት ከኣ ኣብ ዝኾነ ኣኼባታት ወለዲ ተሳቲፎም ከም ዘይፈጡ ንቢቢሲ ሓቢራ።

መምህር ኣትሌቲክስ ፋራሕ፡ ኣለን ዋትኪንሰን፡ እቲ ቘልዓ ኣብ ጉያ ንፉዕ ምዃኑ ኣስተብሂሉ።

"ሞ ፋራሕ ዝርድኦ ሓደ ቋንቋ፡ ቋንቋ ስፖርት ጥራይ እዩ ነይሩ" ኢሉ ።

ሰር ሞ፡ ስፖርት ከም መድሕን ህይወት ገይሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ።

"ካብዚ [ህያው ኵነታት] ንምርሓቕ፡ እቲ እንኮ ክገብሮ ዝኽእል ነገር፡ ምጉያይ ጥራይ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነቱን ብዛዕባ ኣተዓባብያኡን ብዛዕባ እቶም ብግዲ ንኽዓዩ ዘገድዱዎ ዝነበሩ ስድራ ቤት ምስ ናይ ስፖርት መምህሩ ዋትኪንሰን ተዘራሪቡሉ።

'እቲ ናይ ሓቂ ሞ-ፋራሕ'

ብድሕሪ'ዚ ናይ ስፖርት መምህሩ ንክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዓባይ ብሪጣንያ ብምሕባር፡ ሞ-ፋራሕ ምስ ካልእ ሶማላዊት ስድራ ከም ዝነብር ተገብረ።

"ሽዑ እውን እንተኰነ፡ ነቶም ናይ ሓቂ ስድራ ቤተይ እናፍቘም ነይረ፣ ግን ካብታ ህሞት እቲኣ ንደሓር ኵሉ ነገር ተመሓይሹ ‘ዩ” ይብል።

“እቲ ነገር ምስ ተገልጸ ካብ ዝባነይ ብዙሕ ሰከም ዝተላዕለለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ፤ ሽዑ ከኣ እቲ ናይ ሓቂ ሞ ክደምቕ ጀሚሩ” ኢሉ።

ሞ-ፋራሕ ኣብ ብዙሓት ውድድራት ኣትሌቲክ ዝተሰምየ ብሉጽ ተወዳዳሪ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰር ሞ ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ ንእንግሊዝ ወኪሉ ኣብ ላቲቭያ ኣብ ዝግበር ውድድር ኣብያተ-ትምህርቲ ክሳተፍ ዕድመ ቐረበሉ፤ እንተዀነ ሰነዳት ጕዕዞ ኣይነበሮን።

ሚስተር ዋትኪንሰን ኣብ ሓምለ 2000 ነቲ ዳሕራይ መጸውዒኡ ዝዀነ መሓመድ ፋራሕ ብዝብል ስም ዜግነት ብሪጣንያ ንኽሓትት ተሓጋጊዝዎ።

ኣብቲ ሰነዳዊ ጽሑፍ፡ [ኣብ ቤት ፍርዲ ዝማጎት ጠበቓኡ] ባሪስተር ኣላን ብሪዶክ ንሰር - ሞ፡ ዜግነቱ ብቴክኒካዊ መገዲ "ብምጥፍፋእ ወይ ብጌጋ ብምቕራብ" ክሰናኸል ከም ዝኽእል ሓቢርዎ።

ሓደ ሰብ እንተደኣ ብናይ ሓሶት ዛንታን ሽምን፡ ብምድንጋር፡ ዜግነት ብሪጣንያ ሒዙ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ዜግነት ብሕጋዊ መገዲ ብቐጥታ’ዩ ዝስርዞ።

ይዅን እምበር፡ ሚስተር ብሪዶክ ኣብ ጉዳይ ሞ-ፋራሕ እቲ ሓደጋ ትሑት ምዃኑ ይገልጽ ።

"ብመሰረቱ፡ ትርጕም ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት “ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ሰባት ምምዝማዝ” ተባሂሉ ከም ዝግለጽን ኣብ ጉዳይ ሞ ብዙሕ ዘሻቕል ነገር ከም ዘየለን ንሰር ሞ ገሊጹሉ።

"ንባዕልኻ ቘልዓ ክንስኻ ንቘልዑ ክትከናኸንን ክትሕሉን፡ ኣገልጋሊ ቤት ክትከውንን ከም ዝተገደድካ፡ እቲ እትጽወዓሉ ዘለኻ ስም ስምካ ከም ዘይኮነ፡ ንዝምልከቶም ሰብ መዚ እንተነጊርካዮም ንዜግነትካ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ክንክዮ ይኽእል እዩ" ክብል ሓቢርዎ ።

'ጉያ እዩ ኣድሒኑኒ'

ሰር-ሞ፡ ብዛዕባ ንግዲ ደቂ ሰባትን ባርነትን ንዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ ዛንታኡ ክነግር ከም ዝደሊ ይገልጽ።

"ሽዑ ከማይ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን ነይረ። ኣነ ግን ዕድለኛ ምዃነይ ጥራይ እየ ዝርዳእ" ይብል።

እቲ ብሓቂ ዘድሓነንን ካብ ካልኦት ዝተፈለኹ ዝገበረንን ኣትሌቲክስ - ጉያ እዩ" ኢሉ ።

ቢቢሲ ነታ ንሰር ሞ ናብ ሎንደን ዘምጽኣቶ ሰበይቲ ከዘራርባ'ኳ እንተፈተነ ንሳ ግን ምላሽ ኣይሃበትን።

ንሰነዳዊ ምድላው ዛንታ ሰር ሞ ፈራሕ ክትከታተሉ እትደልዩ፡ ረቡዕ 13 ሓምለ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት (ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ) “ እቲ ናይ ብሓቂ ሞ ፋራሕ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቢቢሲ ኣይ ፕለየርን ቢቢሲ ዋንን ክትከታተሉ ትኽእሉ።