ስደት፡ ዛንታ ናይቲ ካብ 39 መጋይሽቱ ንበይኑ ዝደሓነ ስደተኛ

እቲ ኣብ ዝተገልበጠት ጃልባ ተሰቒሉ ህይወቱ ዝደሓነ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ

ምንጪ ስእሊ, US Coast Guard

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ዝተገልበጠት ጃልባ ተሰቒሉ ህይወቱ ዝደሓነ ጅዋን

ስእሊ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ዝተገልበጠት ጃልባ ኣብ ማእከል ኣትለካንቲካዊ ውቅያኖስ ብጭንቀት ኮፍ ኢሉ እንከሎ እተርኢ ስእሊ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሕ ሰብ ብሓዘኔታ ክቐባበለላ ተራእዩ።

እቲ ሰብ መን'ዩ? ወደበይ ሃገር? እንታይ'ዩኸ ኣጋጢምዎ ዝብል ኣብ መጀመርታ ነታ ስእሊ መግለጺ ስለዘይተሰነያ ንቡዙሓት ሕንቅል-ሕንቂሊተይ'ዩ ነይሩ።

ቢቢሲ ቋንቋ ሙንዶ ድሕሪ ዝገበሮ ዳህሳስን ቃለ መሕተትን እቲ ኣብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ንበይኑ ዝርአ ሰብ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ዝብሃል ወዲ 22 ዓመት ኮሎምብያዊ ምዃኑ ክፈልጥ ክኢሉ።

እቲ ኣብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ንሓያለ ሰዓታት ድሕሪ ምጽንሑ ብህይወቱ ዝድሓነ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ካልኦት 39 ሰባት ካብ ብሃማስ እትብሃል ሃገር ከምዝተበገሱ እዩ ተገሊጹ።

ካብ መንጎ መጓዕዝቱ ንእሽተይ ሓፍቱ ማርያ ካማላ'ውን ነይራ እያ፡ እንተኾነ እታ ጃልባ ምስ ተገልበጠት ንሓፍቱ ኣብ ከባቢኡ ክረኽባ ኣይክኣለን። ንሱ'ውን ተጋዲሉ'ዩ ናብ ዝባን እታ ዝተገልበጠት ጃልባ ደይቡ።

ሓለዋ ዶብ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ካበቢ እታ ጃልባ ዝጠሓለትሉ ሬሳ ናይ ሓሙሽተ ሰባት ክረኽቡ ክኢሎም'ዮም፡ ብሕጂ ብህይወት ክጸንሕ ዝኽእል ሰብ ኣይክህሉን'ዩ ኣብ ዝበልሉ ኸኣ እቲ ናይ ምድላይ መስርሕ ኣቋሪጾሞ።

ንወደብ ፒርስ፡ ሃገራት ባሃማስ፡ሃይትን ኩባን ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ንወደብ ፒርስ፡ ሃገራት ባሃማስ፡ሃይትን ኩባን ዘርኢ ካርታ

ብሰሉስ፡ ካብ ፍሎሪዳ ወደብ ፒርስ 72 ኪሎሜተር ርሑቑ ኣብ ዝርከብ መስመር ካብ ትሓልፍ ዝነበረት ናይ ንግዲ መርከብ፡ ሓደ ኣብ ዝተገልበጠት ጃልባ በይኑ ኮፍ ዝበል ሰብ ከምዝርኣዩ ባሕረኛታት ናይታ መርከብ ንሰብ መዚ ኣመሪካ ሓበሬታ ሂቦም።

ሰብ መዚ ኣመሪካ እታ ጃልባ ናይ ዘይሕጋወያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ክትከውን ከምእትኽእል'ዮም ዝሕብሩ።

እቲ ካብ ዞባ ካውካ ናይ ኮሎምብያ ዝተበገሰ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ኩሎም እቶም [40 ተሳፈርቲ] ዝኾነ ካብ ምጥሓል ዝከላኸል ጃኬት [ላይፍ ጃኬት] ከምዘይነበሮም'ዩ ነቶም ዘድሓንዎ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ነጊርዎም።

ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ብሰሉስ ብሓለዋ ዶብ ኣመሪካ ኣብ ዝድሓነሉ መራሒ ናይታ ዘድሓነቶ መርከብ ንሞንቶያ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጭንቀት ተዋሒጡ ከምዝረኸብዎ እዩ ገሊጹ።

እቲ 'ካፒተይን' ንቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ልክዕ ሰዓት 8:05 ናይ ንግሆ ካብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ናብታ መርከብና ሰቒልናዮ ክቱር ጽምኢ ማይ፡ ጥምየትን ድኻምን ነይርዎ ኩሉ ሓገዛት ኸኣ ብቅጽበት ገይርናሉ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ኣብታ ጀልባ 40 ርእሱ ከምዝነበረ እዩ ገሊጹልና፡ ካብ ቀዳም ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ካብ ቢሚኒ ዝብሃል ቦታ ናይ በሃማስ ምስ ተበገሱ ድሕሪ ናይ ሓያለ ሰዓታት ጉዕዞ እታ ጃልባ ከምዝተገልበጠት'ዩ ሓቢሩና" ኢሉ።

20 ዝኾኑ ካብቶም ስደተኛታት ናብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ንምስቃል ንስዓታት ካምዝተጋደሉ እንተኾነ ብጀካ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ዝተረፉ ደኺሞም ከምዝጠሓሉ ኢስታባን ንኣባላት ናይታ ዘድሓነቶ መርከብ ከምዝነገሮም ገሎጾም።

እቲ መስመር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ካብ ብሃማስን ካልኦት ሃገራትን ተረበጊሶም ናብ ደቡባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኣትውሉ ከምዝኾነ ኣዛዚ ሓለዋ ባሕሪ ምያሚ ካፕተይን ጆ ኣን ቡርድያን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ እታ ጃልባ ዝተገልበጠትሉ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ማዕበልን ዛሕልን ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ፥

ጠንቂ ምግልባጥ እታ ጃልባ'ውን ብርቱዕ ማዕበል ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብቲ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ዝተረኸበሉ መዓልቲ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ 191 ካባ ባሃማስ፡ 88 ኸኣ ካብ ሃይቲ ዝተበገሱ ስደተኛታት ናብ ዝመጽእሉ ከምዝመልሶም ተገሊጹ።

መግለጺ ቪድዮ, ሓሙሽተ ኣብ ስደት ኣብ ፖለቲካ ዕዙዝ ዓወታት ካብ ዘመዝገቡ ትውልደ ኤርትራውያን ክነላልየኩም!