ቅልውላው ስደት ቴክሳስ፡ ቁጥዐ ዘልዓሉ ስእልታት ፈረሰኛታት ሓለውቲ ዶብ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቴክሳስ ጥቓ ሩባ ሪዮ ግራንዴ ሓለውቲ ዶባት ኣመሪካ ኣብ ፈረስ ተወጢሖም ስደተኛታት ከጓይዩ ዘርእዩ ምስልታትን ቪድዮታትን ምስ ተዘርግሑ ኣብታ ሃገር ቁጥዐ ኣልዒሉ።
ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ነዞም ዝርኣዩ ምስልታት "ዘሰንብዱ" ኢሉ ጸዊዑዎም።
በዚ ምኽንያት መብዛሕትኦም ሃይታውያን ዝኾኑ ኣስታት 12 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ከተማ ቴክሳስ ዝኾነት ሬል ሪዮ ምስ ኣብ ሜክሲኮ ዘላ ሲዩዳድ ኣኩና ዘራኽብ ድልድል ተኣኪቦም።
እዚ መርኣያ እቲ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት እዩ።
ንኣተኣላልያ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝቐረበ ነቐፌታታት፡ "ምስ ዋዒ ተዛሚዱ ክመጽኡ ብዝኽእሉ ሕማማት ጉድኣት ንከይበጽሕ ንምክልኻል፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ድልድል ዴል ሪዮ ዘሎ ዝተሓዝአ ከባቢ፡ ግዝያዊ መጸበዪ ስደተኛታት ኮይኑ የገልግል ኣሎ" ክብሉ ሰብ መዚ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኡዎ መግለጺ ሓቢሮም።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሰንበት ኣማኢት ስደተኛታት ክጥርዝ እንከሎ ካልኦት ኣማኢት ሃይታውያን ናብ ሸነኽ ሜክሲኮ ንክምለሱ ንምግዳድ ንዶብ ዴል ሪዮ ዓጽዩ'ዩ።
እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
እቶም ስደተኛታት፡ ናብቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ቅድሚ ምምላሶም ኣብቲ ድልድል ምስ ኣዕረፉ ንባዕሎምን ንስድርኦምን ዝኸውን መግብን ማይን ንምዕዳግ [ብሸነኽ ዶብ ኣመሪካ ንዘለው ሕጽረት ቀረባት ዘጋጠሞም] ናብ ሜክሲኮ ሰጊሮም።
ሰኣላይ ኤኤፍፒ ፖል ራቲጅ ኣብ ጥቓ እቲ እቶም ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ንምእታው ወይ ንምምላስ ዝሰግሩዎ ሩባ ኮይኑ ስኢሉዎም።
"ኩሉ ሰብ ይሰግር ነይሩ፤ ሃንደበት ገለ ፖሊስ ምስ መጽኡ ሰባት ከባርሩ ጀሚሮም። ድሓር ሓለውቲ እቲ ዶብ ብፈረስ መጺኦም ሰባት ክሰጉ ጀሚሮም" ክብል ንዋሽንግተን ፖስት ተዛሪቡ።
እቶም ስእልታት፡ እቶም ሓለውቲ ገለ ሻብ "ኩርማጅ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ በትሪ ሒዞም ከም ዝነበሩ የርእዩ።
ሰብ መዚ ግን እቶም ሓለውቲ "ናህሪ እቲ ፈረስ ንምቁጽጻር" ዝሕዙዎ ነዊሕ ምራን ወይ ልጓም'ዩ ክብሉ ይምጉቱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"እቶም ሓለውቲ ብተደጋጋሚ 'ብፍጹም፤ ኣይትኣትውን። ናብ ሜክሲኮ ተመለሱ" ይብሉ ነይሮም። እቶም ሰባት ድማ 'ስድራይ ግን ኣብዚ'ዮም ዘለው' ክብሉ ይስምዑ ነይሮም ክብል ራቲጅ ንዋሽንግተን ፖስት ተዛሪቡ።
እዚ ክሳብ እቶም ኣብ ፈረስ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሓደ ኣብ ሻንጣ መግቢ ሒዙ ዝነበረ ስደተኛ ዝሕዙ ቐጺሉ።
ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ስደተኛታት ነቲ ሩባ ሰጊሮም ናብቲ መዓስከር ክኣትው ክኢሎም ይብል እቲ ጸብጻብ፥
ብሓፈሻ ግን መልክኣ ምድሪ እቲ ከባቢ እቶም ዋርድያታት ፈረስ ሒዞም ክሕልው ዝምችእ ኣይኮነን።
ንሳቶም፡ ስደተኛታት ናብ ሜክሲኮ ክምለሱ ኣለዎም ኢሎም ከም ዝካትዑ ጋዜጠኛ ዋሽንግተን ፖስት ይገልጽ።
ብሰኑይ፡ ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ጄን ፖሳኪ "ዋላ ሓደ ነዞም ስእልታት ወይ ቪድዮታት ዝረእየ ሰብ እቲ ተግባር ቕቡል'ዩ ወይ ልክዕ'ዩ ክብል'ዩ ኢለ ኣይሓስብን" ኢላ።
ወሲኻ "ሙሉእ ምስሊ የብለይን። በየናይ መልክዕ ትኽክል ክኸውን ከም ዝኽእል'ውን ክግምቶ ኣይኽእልን። እቶም ሓለውቲ ዶብ ክደግሙዎ የብሎም . . . ግን ክኣ እቲ ዝርኣናዮ ዘሰንብድ'ዩ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባል ኮንግረንስ ዴሞክራት ኢልሃን ኦማር ነቲ ኩነታት "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ከምኡ'ውን "ጨካን፣ ዘይሰብኣውን ሃገራውን ዓለምለኻውን ሕግታት ዝጥሓሰ" ክትብል እያ ገሊጻቶ።
ሚኒስትር ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኣሌጃንድሮ ማዮርካስ ብወገኑ ኩነታት እቶም ስደተኛታት "ኣጸጋምን ልብኻ ዝሰብርን'ዩ" ብምባል ክገልጾ እንከሎ እቲ ፍጻመ ክምርመር ምዃኑ ሓቢሩ።
ይኹን'ምበር "ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣመሪካ እንተመጺእኹም ክትምለሱ ኢኹም። ጉዕዞኹም ዕውት ዝኾነሉ ምክንያት የለን፤ በዚ ህይወትኩምን ህይወት ስድራኹምን ኢኹም ኣብ ሓደጋ ተእትው" ክብል ኣጠንቂቑ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ውሽጢ ዓዲ (DHS) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሕ ግህሰት ኣይጻወርን" ኢሉ።
"እዚ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ብዝካየድ መርመራ ዝርከቡ ሓቅታት መሰረት ብምግባር ዝውሰዱ ስጉምታት ስነ ምግባር ክነፍልጥ ኢና" ብምባል ሓቢሩ።
ኣዛዚ ሓለዋ ዶብ ኣመሪካ ራውል ኦርቲዝ እቲ ክስተት መርመራ ከም ዝተኻየደሉ ብምግላጽ "ቕቡል" ኣይነበረን ከም ዝበለ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ወሲኹ እቶም ሓለውቲ፡ ድሕነት እቶም ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰባት ንምርካብ ዝፍትኑ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ዘጸግም ኩነታት ኮይኖም ይሰርሑ ምንባሮም ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓድሽ ቅልውላው ዶብ
እቲ ኩነታት ንምምሕዳር ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ዝገጥሞ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ከም ዝኾነ ዘርኢ'ዩ።
ንሱ፡ ንሓተትቲ ዕቑባ ካብቲ ቅድሚ ዝነበረ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓሸ "ሰብኣዊ" ክኸውን'የ ክብል መብጽዓ ኣትዩ ነይሩ።
ሃይቲ፡ ኣብ ቀረባ ብክልተ ቅልውላው ተጠቒዓ'ያ- ቕትለት ፕሬዝደንት ጆቬኔል ሞይስን ንመብዛሕትኡ ደቡብ ምዕራብ እታ ሃገር ዝሃሰየ ራዕዲ መሬትን።
መብዛሕትኦም ኣብ ዶባት ኣመሪካ ዘለው ዜጋታት እታ ሃገር ግን ቅድሚ ብዙሓት ዓመታት ብምኽንያት እቲ ህይወት 200 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ብ2010 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዘጋጠመ ራዕዲ መሬት ካብ ሃገሮም ዝወፍኡ ምዃኖም ጸብጻባት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ከም ብራዚልን ቺለን ዝበላ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ክሰርሑ ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት 560 ስደተኛታት ናብ ሃይቲ ክምለሱ እንከለው፤ ካልኦት ኣሽሓት ኣብ መዓስከር ቴክሳስ ከም ዘለው ይግለጽ።
ብሰኑይ 233 ዝተጠረዙ ዜጋታት ሃይቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፤ ካብዚኦም እቶም 45 ህጻናት፣ 45 ደቂ ኣንስትዮ'ዮም።
ገለ ጸብጻባት ዳርጋ ኩለን እተን ዝተመልሳ ደቂ ኣንስትዮ ቖልዓ ዝሓዛ'የን ይብሉ።
ብተወሳኺ ልዕሊ 6000 ደቂ ሃይቲ ናብ ካልኦት ማእከላት መስርሕ ስደት ከም ዝተሰጋገሩ ክግለጽ እንከሎ፡ እዚኦም'ውን ክጥረዙ ከም ዝክእሉ ገለ ሰብ መዚ ኣመሪካ ገሊጾም።
ገሊኦም፡ ብሓለውቲ ዶብ ኣመሪካ ምስርጣይ ከም ዝበጽሖም ይዛረቡ።
"ከም ሌያቡ'ዮም ዝርእዩኻ፤ ግን ሰረቕቲ ኣይኮንናን። ዝሓሸ ህይወት እነመዓዱ ሰባት ኢና። ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከምዚ ኣይትሕዙዎምን። ዓሌታውነት'ዩ" ክትብል ሓንቲ ዜጋ ሃይቲ ንዓለምለኻዊ ማዕኸን ዜና ስፔን ዝኾነ ኢኤፍኢ ተዛሪባ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







