ስደት፡ ኣብ መዳጎኒ ህጻናት ኣመሪካ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነታት

መዳጎኒ ህጻናት

ኣብ ዶብ ኣመሪካ በረኻታት ቴክሳ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ፡ ህጻናት ስደተኛታት ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዝርከቡ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ መዳጎኒ ሕማም፣ ናይ መግቢ ጸገማትን ጸብጻባት ጾታዊ ዓመጽን ከም ዘለው ምስ ሰራሕተኛታትን ህጻናትን ብዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ምርግጋጽ ተኻኢሉ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣመሪካ ብዙሓት ካብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝመጽኡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ክተተኣናግድ ተራእዩ።

ጎንጺ፣ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቦም ዝመጽኡ ቑጠባዊ ጸገማትን ገለ ምኽንያታት እቲ ልዑል ቑጽሪ ስደት ከም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ገሊኦም ድማ ምምሕዳር ባይደን ንስደተኛታት ዘለዎ ፖሊሲ ኣብዚ ቅልውላው ተራ ኣለዎ ይብሉ።

ኣብቲ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት፡ ንብሕቶም ዶብ ኣመሪካ - ሜክሲኮ ሰጊሮም ዝመጽኡ ምስ ኣብ ኣመሪካ ዘለው ስድራቤቶም ክጽምበሩ ዝጽበዩ ህጻናት ዝተዓቖብሉ ኮይኑ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ህጻናት ኣለው።

ቢቢሲ ኣብቲ መዓስከር ብዘካየዶ መርመራ፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ባልዓትን፣ ሕክምና ንምርካብ ሰዓታት ምጽባይ፣ ጉድለት ጽሬት ምህላዎምን ዝጠመዮ ቖልዓ ብዝግባእ ዘይበሰለ ስጋ ከም ዝቐርበሉን ተዓዚቡ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዞም ጉዳያት ንሰራሕተኛታት እቲ መዓስከር ከዘራርብ እንከሎ፡ ናይ ስእልን ምስልን መረዳእታ'ውን በጺሑዎ'ዩ።

ኩነታት እቲ መዓስከር እንታይ'ዩ ዝመስል?

እዚ ፎርት ብሊስ ዝተባህለ መዓስከር፡ ብውሑድ 12 ካብ ቴንዳ ዝተሰርሑ ዳሳት ኣለውዎ። ገሊኦም ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ሚኢቲ ህጻናት ክሕዙ'ዩ ዝግበር።

እቶም ህጻናት ዝበዝሕ ግዝኦም ኣብ ውሽጢ እዚ ድንኳን ዘሕልፉ ኮይኖም፡ ንሓደ ወይ ንክልተ ሰዓት ኣየር ክቕበሉ ወይ ድማ ንመግቢ ክስለፉ ጥራይ'ዮም ዝወጽኡ።

ሓደ ሰራሕተኛ ንቢቢሰ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ መግቢ ክብላዕ ዝኽእል'ዩ'ኳ እንተበለ፡ ኣብ ቀረባ ዝወጽአ ወዲ 15 ዓመት ቖልዓ ግን: ዘይበሰለ መግቢ ከም ዝቐርብ ገሊጹ።

"ሓሓሊፉ ደርሆ ምስ ደማ፣ ቀይሕ ዘይበሰለ ስጋ እዩ ዝቐርብ። እቲ ጥምየት ክንጻወሮ ስለ ዘይንኽእል ግን ንበልዖ፤ መሊስና ከኣ ንሓምም" ኢሉ።

ዝሓመሙ ህጻናት ዝተኣናገዱሎም ብዙሓት ድንኳናት ክስርሑ ከለው፡ እቶም ህጻናት ነቲ ቦታ 'ናይ ኮቪድ ከተማ' ኢሎም ይጽውዑዎ።

ሰራሕተኛታት ብዛዕብኡ ክዛረቡ ስለ ዘይፍቀዶም ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ሓደ ሰራሕተኛ "ኣማኢት ህጻናት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም'ዮም" ኢሉ።

ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ መዓስከር ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ዝኽፈት ንነጀው ለበዳ ጉንፋዕን ሕማማት ጉሮሮን ከም ዝተራእየ ይግለጽ።

ስለ ዝኾነ ድማ ገለ ትኹረት ዝተነፍጎም ህጻናት ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት የድልዮም ኣሎ።

እቲ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ወዲ 15 ዓመት ህጻን፡ ን38 መዓልታት'ዩ ኣብቲ መዓስከር ጸኒሑ።

ኣብኡ ምስ በጽሐ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከም ዝነበረን ተዛሪቡ። ምስ ሓወየ ከኣ ኣብ ዝተጨናነቐ ክፍሊ ክነብር ስለ ዝተገብረ ዳግም ከም ዝሓመመ ገሊጹ።

"መድሃኒት ክንሓቶም ክንከይድ ከለና ሕማቕ ኣጠማምታ'ዮም ዝጥምቱና፤ ይስሕቑና ከኣ" ኢሉ።

ካልእ ሰራሕተኛ እቲ መዓስከር ከኣ "ባልዕ ተኸሲቱ'ዩ። ነዚ ዝኸውን መድሃኒት ከኣ ሕጽረት ኣሎ" ክብል እንከሎ፡ ኣስታት 800 ደቂ ኣንስትዮ ዝነብራሉ ዝነበረ ድንኳን ብምኽንያት ቑማል ከም ዝተዓጸወ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ሕጽረት ናይ ውሽጢ ክዳን፣ ጫማን ካልኦት መሰረታዊ ነገራትን ከም ዘሎ ሰራሕተኛታት ገሊጾም።

"ዛንትኦም ክትሰምዖ ከለኻ ልብኻ'ዩ ዝሰብር፤ ብዙሕ ስቓይ ስለ ዝበጽሖም ብተደጋጋሚ'ዮም ዝጠርዑ። ሓደ ህጻን ንውሑዳት መዓልታት ምስ ጸንሐ በጃኹም ካብዚ ኣውጽኡኒ'ዩ ዝብል። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው መሲሉ'ዩ ዝሰምዓኒ" ክብል ሓደ ሰራሕተኛ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ህጻናት ብኮሮናቫይረስ ሓሚሞም

ሰብ መዚ እንታይ ይብሉ?

ነቲ መዓስከር ንምምሕዳር ናይ ውልቂ ተኾናተርቲ ዝቖጽር ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን፡ ንግልጽነት ከም ዝሰርሕ'ኳ እንተገለጸ ቢቢሲ ናብቲ መዓስከር ኣትዩ ክዕዘብ ግን ኣየፍቀደሉን።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዙርያ መዓስከር ፎርት ብሊስ ንዝቐርቡ ክስታት ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበን።

ይኹን'ምበር "ህጻናት ዘድልዮም ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት፡ ማለት ጽሩይን ምቹእን መደቀሲ ቦታታት፣ መግቢ፣ ናይ ንጽህና ቦታታት፣ መሕጸቢ ክዳን፣ ትምህርትን መናፈሲ ቦታታትን ሓዊሱ ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ዘኽእሎም ኣገልግሎት ይህብ'የ" ክብል ኣብ ዘውጽኢ መግለጺ ሓቢሩ።

ብኣንጻሩ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሓደ ናይ ስልጠና መድረኽ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ድምጺ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኸ ኮይኑ፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ "ካብ ስነ ምግባር ወጻኢ ዝኾነ ነገር ክፍጽም ዝሓዝናዮ ሰራሕተኛ ኣሎ" ክትብል ትስማዕ።

ካልእ ሰራሕተኛ ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ጉዳይ ዓመጽ ምስ ሰራሕተኛ እቲ መዓስከር ከም ዝተዘራረበ ገሊጻ።

"እቲ ቤት ጽሕፈት ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝነበረ ኣልዒሉ'ዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ መርመራ ጥንሲ ክወስዳ ይገብሩ'ዮም። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ክፍሊ ኣትዩ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመ ሰሚዐ'የ" ትብል።

ብዙሓት ኣብ ፎርት ብሊስ ዝርከቡ ህጻናት ኣብ ጭንቀት ከም ዘለው ይግለጽ።

"ካብቲ ቦታ ክወጽእ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ ስድራይ ክርእዮም'የ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ሓሓሊፉ ለይቲ ለይቲ ንበኪ ነይርና። ሓደ እዋን እሞ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም'ውን በጺሐ ነይረ" ክብል እቲ ካብቲ መዓስከር ዝወጽአ ወዲ 15 ዓመት ህጻን ተዛሪቡ።

እቶም ንቢቢሲ ቃሎም ክህቡ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣብቲ መዓስከር ተታሒዞም ኣለው።

እቶም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ዘለው ኣስታት 12 ሽሕ ህጻናት ዘለውሉ ኩነታት ኣይፍለጥን።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ስደኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትው ከም ዝፈተኑ ጸብጻባት የረድኡ።

መብዛሕትኦም ብምኽንያት ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ብዝተደንገጉ መምርሒታት ጥዕና ሕትኦም ክንጸግ እንከሎ፡ ምምሕዳር ባይደን ግን መብዛሕትኦም ህጻናት ክጸንሑ ፍቓድ ሂቡ።

እቶም ህጻናት መብዛሕትኦም ካብ ጓቲማላ፣ ሆንዱራስን ኤል ሳቫዶርን ዝመጽኡ'ዮም።

80 ሚኢታዊት ናብ ኣመሪካ ክኣትው ዕድል ዝረኸቡ ህጻናት ምስ ስድርኦም ዝጽንበርሉ ዕድል ይረኽቡ። ይኹን'ምበር እዚ ነዊሕ እዋን ስለ ዝወስድ እቲ ምንግልታዕ ይበዝሕ።