ኣብ ኣመሪካ፡ ተፈልዮም ዝጸንሑ 121 ስደተኛታት ህጻውንቲ ምስ ወለዶም ክራኸቡ እዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ምሕደራ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝተኸተሎ ፖሊሲ ምኽንያት ብዙሓት ስደተኛታት ህጻናት ካብ ወለዶም ክፍለዩ ክኢሎም እዮም፡ ኤንቢሲ ኒውስ ከምዝጸብጸቦ።
ባይደን፡ ብህጹጽ ክስራሕ ኣለዎ ብዝበሎ፡ ስድራ ምስ ደቆም ናይ ምርኻብ ውሳነ መሰረት፡ ዛጊድ 121 ህጻናት ተረኺቦም።
እቲ አለሻ ቀጻሊ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ቅድም ክብል በዝሖም 545 ጥራሕ ምዃኑ ተገሊጹ እንተነበረ’ኳ ፡ ሕዚ ድማ እቲ ብዝሒ፡ 666 ህጻናት ካብ ስድረኦም ተፈልዩም ከምዝጸንሑ እዩ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እታ ሃገር ብፍላይ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዋስና ዶብ ዘይሕጋዊ ስደት ደው ንምባል ናይ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ውጽኢት እዩ።
እዚ ትራምፕ ኣዝዩ ዝንቀፈሉ ፖሊሲ፡ ኣብ መጀመርታ 2018 ክጅመር ተሃቂኑ እንተበረ’ኳ፡ ብዙሕ ተቓውሞ ስለዝገጠሞ ድሕሪ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ እዩ ተፈጻሚ ክኾን ጀሚሩ ።
ብኡ መሰረት ድማ፡ እቶም ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ሰጊሮም ወይከኣ ክሰግሩ እንተለዉ ዝተትሐዙ ‘ዘይሕጋዊ’ ስደተኛታት፡ ወለዶም ሽዑ ንሸዑ ክባረሩ እንትግበር ደቆም ግን ተፈልዮም ክጸንሑ ተገይሩ።
ሕዚ ግን ነቶም ወለዶም ዘተኣላልሽ ጉጅለ ጠበቓታት ተመዲብሉ ይስረሐሉ ኣሎ።
ነቲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕጊ ዝመርሕ፡ ስቴቨን ሄርዞግ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ኢመይል መልእኸቲ፡ እቲ ብዝሒ ምውሳኹ ብኣግባቡ ወለዶም ዘይተመዝገቡ ህጻናት ምንባሮም ኣብሪሁ፤ንመንግስቲ ድማ ወሲኹ ነቒፉ።
“እቲ መንግስቲ ነቶም ዝተረፉ ህጻናት ምስ ወለዶም ምእንቲ ክራኸቡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክረክብን ክተሓባርን እንተኽኢሉ ጽቡቕ ምኾነ” ድማ ኢሉ።
እዚ ‘ባዶ ትዕግስቲ’ [zero tolerance] ብዝብል ዝፍለጥ ፖሊሲ ትራምፕ፡ ካብ መጋቢት 2018 ብዕሊ ይታኣወጅ እምበር ቅድም ኢሉ ኣብ 2017 ውን ኣብ ገለ ከባብታትት ብመደብ ክስረሐሉ ከም ዝጸንሐ እዩ ተባሂሉ።
ብኡ መሰረት ድማ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት ካብ ስድረአም ክፍለዩ ተገዲዶም።
እቲ ፖሊሲ ብዕሊ ምስተኣወጀ ግን፡ ካብ ስድረኦም ዝተፈለዩ ህጻናት ፎቓዶ መገዲ ደቂሶምን ንወለዶም ኣለሻ ክበኽዩን ዘርእዩ ምስልታት ምስተዘርግሑ፡ እቲ ፖሊሲ ብዙሕ ተነቒፉ ምንባሩ ይዝከር።
‘ኣመሪካን ሲቪል ላይበሪቲስ ዩኒየን’ ዝበሃል ማሕበር እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዱ፡ እቶም ህጻናት ኣብ ‘ውሽጢ 30 መዓልታት ምስ ስድረኦም ክራኸቡ’ ከምዘፍረደ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ እቲ ብይን፡ ነቶም ቅድሚ 2018 ብመደብ ዝተፈላለዩ ስድራ ኣይምልከትን ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ፖሊሲ ብዙሓት ህጻናት ንሓዋሩ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ክተርፉ ከምዝኽእሉ’ውን ሓደ ሪፖርት ቀሪቡ ነይሩ።
ሓድሽ ተመራጺ ፕዚደንት ጆ ባይደን፡ ኩሎም ዝተበተኑ ስድራቤታት ንክራኸቡ ዝገብር ‘ግበረ-ሓይሊ’ ከምዘጣይሽ ተዛሪቡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







