ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ህጻናት እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?

ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ህጻናት እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣስታት 100 መዓልታት ኣቝጺሩ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ኲናት፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኩነታት ብምህላው፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ጥምየትን ሕጽረት መግብን ከጥቅዖም ከም ዝኽእል የጠንቅቑ ኣለው።

ዋና ጸሓፊ ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሚልዮናት ህጻናት፣ ኣደታትን ደቂ ተባዕትዮን፣ ከምኡ'ውን ስደተኛታት ሓገዝን ሓለዋን ኣብ ዘይብሉ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።

ነቶም ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላሊዮዎም ዘሎ ንምሕጋዝ ድማ መገዲ ክመቻችአሎም እቶም ወሃብቲ ሓገዝ ትካላት ይሓቱ ኣለው።

መንግስቲ ብወገኑ፡ ክሳብ ሕጂ ን1.8 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዛት ከም ዘብጽሐ ብምግላጽ ን2.5 ሚልዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ ድልውነት ከም ዝገበረ ይገልጽ።

እዚ ኲናት ምኽንያት ምዝንባልን፣ ብሳልሳይ ወገን ዘይተጻረየ ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ህጻናት ድማ ዚያዳ ተቓላዕቲ እቲ ኲናት ኮይኖም ከም ዘለው ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ሕጽረት ምግቢ ኣብ ህጻናት

ጉዳይ ትምህርቲ ህጻናትን ቘልዑትን እቲ ክልል ዘሻቕል ከም ዝኾነ ዝሕብር ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ተወካሊ ዩኒሴፍ ሚስተር ሚካኤል ሰርቫዲ ብዝሒ ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ህጻናት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

"ቀደሙ'ውን ኣብ ትግራይ ዝኸፍአ ጸገም ዝተመጣጠነ መግቢ ነይሩ። ቅድሚ እቲ ቅልውላው ኣብ 2020 ሓያሎ ተጠቀምቲ ነይሮምና። ምስ ኮሮናቫይረስ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ብዝተኣሳሰር 34 ሚእታዊት ብከቢድ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዑ ነይሮም፤ እቲ ሕጂ እንረኽቦ ዘለና ጸብጻብ ከኣ ካብ'ቲ ዝነበረ ዝዛየደ ከም ዝኾነ እዩ ዘርኢ" ኢሉ።

ሕጽረት መግቢ፡ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ቀንዲ ምኽንያት ሞት ህጻናት እዩ።

ኣብ ዓለም ኣስታት 35 ሚእታዊት ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ምስ ሕጽረት መግቢ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ካብ ሆስፒታል መቐለ ሓበሬታ ዝሃበና ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና፡ ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ህጻናት ይመጽኡ ከም ዘለው ክገልጽ እንከሎ፡ ነዚ ዝወሃቡ መድሃኒታት ዘይምርካብ ጸቕጢ ክፈጥረሉ ከም ዝጀመረ ይዛረብ።

"መግቢ ምብላዕ ኣብዩዎም ከብዶም ሓቢጡ፣ ቆሲሎም ዝመጽኡና ህጻናት ኣለው። በዚ ምኽንያት ውጽኣትን ኒሞንያን የጥቅዖም ኣሎ። እዚ ካብ ሕጽረት መግቢ ዝነቅል ምዃኑ ይፍለጥ እዩ። 'ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢና ቀኒና'፣ 'ዝስተ ማይ ኣይረኸብናን'፣ 'ኣብ በረኻ ኢና ቀኒና' እዮም ዝብሉኻ፤ ስለዚ እኹል ቀረብ መግቢ ዘይረኸቡ ምዃኖም እዩ ዘርእየካ" ይብል።

ንሸሞንተ ሽሕ ህጻናት ክኸውን ዝኽእል ሸሞንተ ሽሕ ካርቶን ቀረብ ዝተመጣጠነ መግቢ ናብቲ ክልል ልኢኽና ኢና ዝብል ዩኒሴፍ፡ ዳርጋ ፍርቂ ከም ዘባጸሐ'ኳ እንተገለጸ፡ እኹል ግን ኣይኮነን ኢሉ።

እቲ ዘሎ ኩነታት ናብ ኩሉ ቦታ ክትበጽሕ ዘፍቅድ ብዘይምዃኑ፣ መብዛሕትኡ ኣብ ገጠር ከባቢ ዝነበረ መሓውር እቲ ትካል ኣብ ስራሕ ቦታ ካብ ዘይምህላዩ ዝነቅል ምዃኑ ሚስተር ሚኪኤል ሓቢሩ።

"ልዕሊ 600 ሰራሕተኛታት ጥዕና ናብ መቐለ ተመዛቢሎም'ዮም፤ ካብ 40 ሆስፒታላት እቶም 14 ተሰሪቖም ጥርሖም ተሪፎም፣ ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ 8 ትካላት ጥዕና ምህላዎም ሓበሬታ ኣለና"።

ሻቕሎት ስነ ልቦናዊ ቅልውላው

ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ከተማ መቐለ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ከም ዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

ኣደ ሰለስተ ቘልዑት ምዃና እትዛረብ ነባሪት ከተማ መቐለ ወይዘሮ ለተብርሃን ግደይ፡ ብንኡሽቶ ንግዲ ናብርኣ ክትመርሕ ምጽንሓ ትገልጽ።

ሃንደበት እዚ ቅልውላው ምስ ተፈጥረ ዋላ'ውን ቀሊል ንዘይትብሎ ማሕበረ - ቁጠባዊ ጸገም እንተተቓልዐት ስነ ልቦና ደቃ ምሕዋይ ግን ኣዝዩ ከም ዝኸበዳ ትዛረብ።

"ብፍላይ እቲ ቘልዓ ሓሙሽተ ዓመት ብዛዕባ ኲናት ዝፈልጦ ነገር የብሉን። መቐለ ክትትሓዝ ከላ ብዝነበረ ደብዳብ ነፈርትን ድምጺ ከበድቲ ብረትን ብዝደንገጸ (ዝሰንበደ) ግን ከምኣ ኢሉ ኣሎ። ብርትዕ ዝበለ ድምጺ ክሰምዕ ከሎ ይበኪ፣ ከም ሕንጣይ ኣብ ጓጓይ ተሓቚፉ ክወጽእ ኣይደልን" ትብል።

ኣብ ከባቢ ተንቤን ሓያልን ተደጋጋምን ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ከም ዝነበረ እትዛረብ ጓል 29 ዓመት ትርሓስ ብወገና፡ ንሰሙናት ብእግሪ ተጓዒዛ ናብ መቐለ ከም ዝኣተወት ገሊጻ።

"ክሳብ እዛ ዕለት ኣነ ዝስምዓኒ ስንባደ እሞ ንግደፎ፡ ጓል ክልተ ዓመት ጓለይ ትኾኖ ዘላ ክዛረብ እንተኾይነ ኣብዚ ድምጺ ስሩዕ ነፋሪት ክትሰምዕ እንከላ 'መጺኣትኒ' እናበለት ትድሃለኒ። ኣጆኺ መርዓ'ዩ፣ ናትና እያ እናበልኩ የታልላ" ትብል።

ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ዝነበር ሕብረተሰብ ዕድመ ከይፈለየ ከም ዝጉዳእ ዘጠራጥር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዝተፈለየ መገዲ ድማ ኣረጋውያን፣ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ብቐሊሉ ተጠቃዕቲ እቲ ጸገም ዝኾኑሉ ኩነታት ምህላው ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ኣብ መላእ እቲ ክልል 1.3 ሚልዮን ህጻናት ተመዛቢሎም ኣለው

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሞትን ኣካላዊ መጉዳትን ከምኡ'ውን ምምዝባል ዘስዐቦ ድማ፡ ናባዪ ዘይብሎም ዝተርፉ ወይ ካብ ስድርኦም ዝፈላለዩ ቘልዑትን ህጻናትን ክህልው ይኽእሉ'ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ተወካሊ ዩኒሴፍ ሚኪኤል ሰርቫዲ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት መብዛሕትኦም ህጻናት ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ በጺሑዎም'ዩ ኢሉ።

"ኣብ ውሽጢ ትግራይ 220 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም እዮም፤ ካብ ባይታ እኳ እንተዘይኣረጋገጽናዮ ጾታዊ ዓመጻት ይፍጸሙ ኣለው ዝብሉ ጸብጻባት ኣዝዮም ዘሻቕሉ'ዮም። በዝን ካልእን እቶም ህጻናት ንስነ ልቦናዊ ማሕበራዊ ጸገም ተቓላዕቲ ስለ ዝኾኑ፡ ርእሶም ናብ ንቡር ክምለስን ናብ ትምህርቲ ክኸቱን ከድሊ'ዩ" ዝብል እምነት ኣለዎ።

ኣብታ ኣነ ዝነበረላ ከተማ መቐለ እኳ ብዙሕ ዝርኣይ ነገር'ዩ ዘሎ ዝብል ሙሁር ማሕበራዊ ዕዮ (ሶሻል ወርክ) ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ቢነጋ ሃይለስላሰ፡ እቲ ቅልውላው ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ከብጽሖ ዝኽእል ስነ ልቦናዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ማህሰይቲ ብዙሕ ምዃኑ ገሊጹ።

"ኣብ ትግራይ ድምጺ ነፋሪት ወይ መኪና ሰሚዑ ዝሕጎስ ህጻን የለን፤ ኩሎም ሰንቢዶም'ዮም ዘለው" ኢሉ ዝዛረብ እቲ ሙሁር፡ እቲ በብከባቢኡ ዝነበረን ይቕጽል ከም ዘሎ ዝግለጽን ድምጺ ከበድቲ ብረት ኣብ ስነ ልቦና እቶም ህጻናት በሰላ ገዲፎም ከም ዝሓልፉ ይዛረብ።

እዚ ብኣጸዋውዓ ሞያ ስነ ልቦና 'ስኬማታ' ከም ዝብሃል ከብርህ እንከሎ፡ እዞም 'ስኬማታ' እዚኦም ናይቶም ናይ ሕሉፍ ፍጻመ ኣብ ስነ ልቦና ደቂ ሰባት ዝተርፍ ምስሊ እዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ብምግባር ክዕረዩ እንተዘይክኢሎም፡ ናብ ሕማም ስነ ኣእምሮ ክኸይድ ከምዝኽእልን፡ እቲ 'ፖስት ትሮማቲክ ዲስኦርደር' ዝብሃል ከይዱ ከይዱ ከም ኤፕሌፕሲ ዝበሉ ሕማማት ናይ ምስፋሕ ተክእሎ ከም ዝህሉን ስግኣቱ ይገልጽ።

"ስለዚ ሕዚ ቀዲምና ኣብቶም ህጻናት እንተዘይሰሪሕና ኣብ ኣእምሮኦም ተቐሪጹ ተሪፉ ዘሎ ነገር ከኽብዶ ይኽእል እዩ"።

ሳዕቤን ምቁራጽ ትምህርቲ

ሚኪኤል ሰርቫዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ክሊ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ልዑል ጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ዕጹዋት ምዃኖም፣ ልዑል ስነ ልቦናዊ ማሕበራዊ ጸገም ምህላው ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ይገብሮ ኢሉ።

"ኣብ መላእ እቲ ክልል 1.3 ሚልዮን ህጻናት ካብ ትምህርቲ ቦዂሮም ኣለው። ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዓነው ኮይኖም ኣብ መቐለ ጥራሕ ኣስታት 10 ሽሕ ተመዛበልቲ ንገለ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዕቝቦም ኣለው። ነቲ ዘጋጠመ ስነ ልቦናዊ ጸገም ዝሕክም ሓገዝ ከድሊ'ዩ" ይብል።

ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ካልእ ዘሻቕል ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ዕብየት ኣእምሮን ትምህርቲ ናይ ምቕባልን ተኽእሎን ሓደ ህጻን ክፈጥሮ ዝኽእል ጸቕጢ ምህላው ሓጋዚ ፕሮፌሰር ቢነጋ ይዛረብ።

ኣብዚ እዋን ካብ ኣጸደ ህጻናት ጀሚሩ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ዕጹዋት እንትኾና፡ "መምሃራን ስነ ልቦና ምዕባለ ህጻናት ከም ዝብሉዎ፡ ናይ ሓደ ህጻን ዕብየት ኣእምሮ ዝውሰነሉ ዕድመ ክሳብ 7 ዓመት እዩ፤ ስለዚ እንተድኣ እተን መውዐሊ ህጻናት ተዓጽየን ውዒለን፣ መባእታዊ ትምህርቲ እንተተዓጽዩ፡ እቲ ናይ ኣእምሮ ዕብየት መሰረታዊ ቅርጺ ዝሕዘሉ ግዘ ይሓልፍ ኣሎ ማለት እዩ" ኢሉ።

ተመዛቢሎም ዘለው ሰባት

መጻኢ ዕድል እዞም ህጻናት

መጻኢ ዕድል እዞም ህጻናት ንምትዕርራይ፡ ኣብ ኣፍ ሞትን ህይወትን ኮይንኻ ስነ ልቦናዊ ሓገዛት ዝጥምቱ ስራሕቲ ክትሰርሕ ከም ዝኸብድ፡ ሓ/ፕሮፌሰር ቢነጋ ይዛረብ።

"እቲ ኣብ ገጠር ዝነበር 85 ሚኢታዊት ህዝቢ ኣብ ጸገም'ዩ ዘሎ። መሰረታዊ ቀረብ የለን፣ ከቢድ ይኹን ቀሊል ተኹሲ ይቕጽል ኣሎ'ዩ፤ በዚ ምኽንያት ብቑጽሪ ዘይንፈልጦም ስነ ልቦናዊ ጸገም ኣጋጢሙዎም ዘለው ህጻናት ናይ ድሕነትን ውሕሰንትን ስምዒት ክስምዖምን እቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝተፈጥረ ረሲዖም ሓድሽ ህይወት ክህልዎምን ይግባእ።

"እዚ ንምዕራይ መጀመርታ ሰላም ክመጽእ ኣለዎ፤ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምስራሕ፣ ስልጠና ንምሃብ፣ ዝተፈላለዩ ስድራ ንምርኻብ ብዓል ሞያ ክተዋፍር ስለ ዘድሊ ሰላም ክህሊ ኣለዎ" ይብል ሓ/ፕሮፌሰር ቢነጋ።

ኣብ ባይታ ዘለው ጠለባት ብዙሓት ምዃኖም ዝገልጽ ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ተወካሊ ዩኒሴፍ ሚኪኤል ሰርቫዲ ብወገኑ፡ ንዝተፈላለዩ ጎነጻት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ህጻናት ብምህላዮም ኩሎም ወገናት ህጻናትን ሲቪላትን ካብ ጥቕዓት ክከላኸሉ ይጽውዕ።

ብተወሳኺ "ኣብ ዝተረጋግኡ ቦታታት ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ ምግባርን ስነ ልቦና እቶም ህጻናት ክሕከም ምግባርን ቁልፊ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ቀረብን ዕዳጋን ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከጋጥም ስለ ዝኽእል ነቲ ስርዓት ጥዕና ትኹረት ክወሃቦ ኣለዎ" ኢሉ።

ነዞም ህጻናት ንምሕጋዝ ዝሓሸ መገዲ ክኽፈት ኢና ንደሊ ዝብል ሚኪኤል፡ እዚ ንምምችቻእ ምስ መንግስቲ ይሰርሑ ከም ዘለውን ድልውነት ምህላዩን ሓቢሩ።