ቅልውላው ትግራይ፡ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትግራይ ተታሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሞንጎ ዝተወሰዱ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ስብሓት ነጋን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂምን ዝርከብዎም ተጠርጠርቲ ትማሊ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።
ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝጸብጸቦ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ 20 መሪሕነት'ዮም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ መጋባእያ ኣራዳ ዝቐረቡ ኮይኖም፤ ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም፣ ኣብርሃም ተኸስተ (ዶ/ር)፣ ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋ፣ ወ/ሮ ሙሉ ገብረእግዚኣብሄርን ኣይተ ኣባዲ ዘሞን ይርከብዎም።
እቶም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት፡ 'ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብምውዳብ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ክፍጸም ብምግባር፤ መናእሰይ ናብ ኲናት ክወፍሩ ብምልዕዓል፤ መኸዘኒ ነዳዲ ክዝመት ብምግባር፤ ህይወት ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክጠፍእ ብምግባር' ብዝብሉ ጉዳያት ከምዝተጠርጠሩ ሃገራዊት ቴሌቪዥን - ኢቢሲ - ጸብጺባ።
ብተወሳኺ'ውን ስልጣኖም ብዘይኣገባብ ብምጥቃም ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ርክብ ንምፍጣር፣ ገንዘብ ንምትእኽኻብ፣ ኣብ ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ሮኬት ክትኮስ ብምግባር ህይወት ንጹሃን ዜጋታት ክጠፍእ ኣብ ምግባር ዝብሉ ገበናት ከምዝተሳተፉ ጉጅለ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።
እቶም ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ብወገኖም ፖሊስ ንዘቕረቦም ገበናት ኩሉ ከምዘይወዓልዎም ነቲ ቤት ፍርዲ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።
ካብ ሞንጎ እቶም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተረኣየ ተጠርጠርቲ ግን ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣይተ ኣባይ ወልዱን ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት እታ ከተማ ዝነበረን ሰለሞን ኪዳነ (ዶ/ር) ኣብ ሕክምና ብምንባሮም ኣብቲ መጋባእያ ኣይቀረቡን።
ነቲ ጉዳይ ዝምርምር ዘሎ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም 20 ተጠርጠርቲ ንዘካይዶ ምጽራይ 14 ተወሳኺ መዓልቲ ክወሃቦ ነቲ ቤት ፍርዲ ብምሕታቱ ፍቓድ ረኺቡ'ሎ።
24 ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ክፍጸም ገይሮም ድሕሪ ምባሉ፤ ኣብ ትግራይ ኲናት ተወሊዑ'ዩ።
ህወሓት ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ከኣ ዝተፈላለዩ ኣብቲ ውድብ ዝነበሩ መሪሕነት ይድለዩ ኣለዉ።
ዋና ዓቃቢ ሕግን ፖሊስ ፌደራልን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መሪሕነት ህወሓት ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዘውጽኡ ይዝከር።
መዝነት ናይቶም ዝተወሰኑ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ?
ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ ላዕለዎት መሪሕነት ሓደ ዝኾኑን 86 ዓመት ዝዕድሚኦምን ኣይተ ስብሓት ነጋ፡ መሪሕነት ህወሓትን ኣብ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝለኣለ ተሰማዕነት ዝነበሮም ከምኡ'ውን ትእምት [ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ] ንዝተበሃለ ዓብዪ ናይ ፍርያትን ኣገልግሎትን ትካል ዝመርሑ።
ኣብ ናይ መወዳእታ ግዜ ስልጣኖም ድማ ኣብ ትካል መጽናዕቲ ስትራቴጂያዊ ናይ ደገ ርክባት ብዋና ዳይረክተርነት ኣገልጊሎም።
ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብኣፈ ጉባኤነት ዘገልገለት ኮይና፤ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፌደራል መንግስቲን ዝነበረ ወጥሪ እናኸረረ ናብ ጎንጺ ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ ኣዋርሕ ስልጣን ገዲፋ ናብ ትግራይ ኣትያ። እቲ ጎንጺ ምስተወለዐ ድማ ብቐዳምነት ኢዳ ዝሃበት ምዃና ይግለጽ።
ወይዘሮ ሙሉ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ኣባል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ኣብ ሚንስትሪ መጓዓዝያ ብሚንስትር ዲኤታነት ዘገልገለትን'ያ።
ኣይተ ኣባል ወልዱ - ካብ ሞንጎ ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ኮይኖም፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ስራሕ ዘገልገሉን ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበሩን እዮም።
ዶክተር ኣብርሃም ተከስተ ኣብ 2010 ኣ.ኢ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ቅድሚ ምክያዱ፤ ሚንስትር ድኤታ ልምዓት ገንዘብን ቁጣባን ብምዃኑ የገልግል ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ናብ ትግራይ ብምኻድ ብምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን የገልግል ነይሩ።
ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋ [ምንኣስ ሓፍቱ ንኣይተ ስብሓት ነጋ] ሓንቲ ካብ ቀዳሞት ደቂኣንስትዮ ተጋደልቲ ህወሓት እያ። ኣባል ማእከላይን ፈጻሚት ስራሕን ኮሚቴታት ኮይና ኣገልጊላ። ብዘይካ'ዚ ከንቲባ ከተማ መቐለን ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ክልል ትግራይን ብምዃን'ውን ንዓመታት ሰሪሓ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







