ፕረዚደንት ትራምፕ ከይሓሰቦ ዘቃለዖ ትልሚ ስደተኛታት ሜክሲኮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ምስ ሜክሲኮ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዕ፡ ካብ ዝሓዛ ወረቐት ወዝቢ ተቓሊዑ።
ብዛዕባ እቲ ስምምዕ 'ምስጢር እዩ' ብምባል ንሪፖርተራት ዘይተዛረበ እቲ ፕረዚደንት፤ ነታ ስምምዕ ዝሓዘት ኣብ ኢዱ ዝነበረት ወረቐት ጋዜጠኛታት ስእሊ ስኢሎምዋ።
ካብቶም ብጉዳያት ወጻኢ ዝተገለጹ ስምምዓት ብተወሳኺ ሜክሲኮ ከም 'ውሑስቲ ሳልሰይቲ ሃገር' ዝቕበል ትልሚ ከምዘሎ ኣብቲ ወረቐት ተገሊጹ ። እዚ እንተኾይኑ ድማ ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ወጻእ፡ ኣብ ሜክሲኮ ምስላጥ ይከኣል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሜክሲኮ 'ሳልሰይቲ ውሑስቲ ሃገር' ንምዃን፡ ከምኣድላይነቱ ሕግታታ ንምኽላስ ድሉውቲ ምዃና እቲ ሰነድ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ምስ ዑቕባ ምስላጥ ተተሓሒዙ፡ ከባብያዊ ትልሚ ዑቕባ ዝተፈላለያ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ፡ ኣብቲ ሰነድ ተኻቲቱ እዩ።
ሜክሲኮ፡ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ እንታይ ትብል?
ሜክሲኮ፡ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ስደት ምንቁጽጻር ዘለዋ ተኽእሎ፡ ሓለዋ ደቡባዊ ዶባ ብምጥንኻር ክተርኢ፡ 45 መዓልቲ ከም ዝተውሃባ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ሜክሲኮ፡ ኢብራርድ ይዛረብ።
ነዚ ድማ ንምግባር ድማ ምስ ጓቲማላ ኣብ ዘዋስና ዶብ 6 ሽሕ ወታሃደራት ኣብ ምውፋር ትርከብ።
እቲ ሓሳብ፡ ነቲ ደቡባዊ ክፍሊ ከምቲ ሰሜናዊ ዶብ ውሑስ ንምግባር ከምዝኾነ ይገልጽ። እዚ እንተ ዘይሰሊጡ ድማ ሜክሲኮ ከም ሳልሰይቲ ውሑስቲ ሃገር ክትቁጸር ከም ዝተሰማመዐት እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ይዛረብ።
ነዚ ውዕል ሚክሲኮ ንነዊሕ እዋን ከይተቐበለቶ'ያ ጸኒሓ።
ሜክሲኮ ነቲ ዘቕረበቶ ሓሳብ ክትፍጽሞ እትኽእል ምዃና ብግዜ ወሲንና ምርኣይ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ካልኦት መፍትሒታት ከምኣድላይነቱ ምንዳይ ኣብ ዝብል ምስምመዖም ጽቡቕ ከምዝኾነ ኢብራርድ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሜክሲኮ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ 45 መዓልቲታት ምዕጋት እንተዘይክኢላ፡ ካልኦት ሃገራት ናብቲ ውዕል ክኣትዋ እየን።
ብተወሳኺ ናብ ኣመሪካ መተሓላለፊ ስደተኛታት ምስዝኾና ሃገራት ብራዚል፣ ፓናማን ጓቲማላን፡ ኣብ ምስላጥ ከይዲ ዑቕባ ስደተኛታት ክሕግዛ ዝኽእላ ምዃነን ንምርኣይ ዘተ ክግበር እዩ።
ተዛተይቲ ኣመሪካ፡ ሜክሲኮ መጠን ዶባ ዘቋርጹ ስደተኛታት ናብ ዜሮ ክወርድ ከም ዝጠለቡ ዝዛረብ ኢብራርድ፡ እዚ ግን 'ፈጺሙ ዘይከኣል' ከምዝኾነ ተዛሪቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







