3,000 ዶላር ዝግመት ወርቂ ንስደተኛ ኣደታት ዝለገሰ ስነ ጥበባዊ መርከብ ቦኒታ

ምንጪ ስእሊ, Merkeb Bonitua
መርከብ ባርያጋብር (ቦኒታ) ‘ሂፕሃፕ ጓይላ’ ብዝበሃል ሓድሽ ቅዲ ሙዚቃ ትግርኛ ዝፍለጥ ስነ ጥበባዊ እዩ። ኣፍላ መንእሰይ ኮይኑ ኣብ ከተማ መቐለ ሙዚቃ ዝጀመረ መርከብ፡ ዛጊድ ልዕሊ 20 ዝበጽሑ ንጽል ዜማታት ሰሪሑ። ካብኣተን ኣግርጭው፡ ተጐምጸጽ፡ ማርሺ ቀይር፡ ጉጅምጅምን ካልኦትን እተን ፍሉጣትን ኣብ ዩትዩብ ብሚልዮናት ተረኣይነት ዝረኸባ ዝጥቀሳ ስርሓቱ እየን።
ቦኒታ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተወለዐን፡ ጠንቂ ሞትን ምፍንቓልን ሚልዮናት ዝዀነን ኲናት ድማ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ንዝርከቡ ተፈናቐልቲ ብዝገብሮ ሓገዛት ዓቢይ ኣድናቆት ረኺቡ ኣሎ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ዝጀመርሉ፡ መርከብ እውን ልክዕ ከም ካልኦት ስነ-ጥበባውያን፡ ኣብ ስርሓቱ ሃተምተም ይብል ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኲናት ልክዕ ከም ካልኦት ስነጥበባውያን ተጋሩ ኣብቲ ልሙድ ሞያኡ ክነጥፍ ኣይከኣለን።
“ኵሉ ትልሚታትና፡ ዕላማታትና፡ ኣብ ናትና ናይ ሙዚቃ ኢንዳስትሪ ጀሚርናዮ ዘይተወደአ ናይ ፍቕሪ ስራሕቲ ስለ ዝነበሩ፡ ቪድዮ ክሊፓት ሰሪሕናን ደኺምናን፡ ኣጉል ተሪፎም፡” ይብል።
እቲ ኲናት ንስነጥበብን ስነጥበበኛታት ተጋሩን ብሓፈሻ ብኣሉታ ከም ዝጸለዎም እውን ካብ ተመኵሮኡ የረድእ፡፡
“ናይ ፍቕሪ ክትሰርሕ እንከለኻን ናይ ዓዲ ክትሰርሕ እንከለኻን ተቐባልነቱ በበይኑ እዩ። ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኵሉ ስለዝምልከቶ እትረኽቦ ቅርሺ እውን ብዙሕ እዩ። ብናይ ኮንሰርት ስራሕቲ ዓለም ክንዘውር እንተለና ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን የስርሑና ነይሮም። ናዓና ምንም ማለት ኣይኮነን ናይ ህዝብና ነገር ይዓቢ። ኰይኑ ግን እቲ ኲናት ንሙዚቃ ትግርኛን ተጋሩ ኣርቲስትታትን ግን ንድሕሪት ጐቲቱና እዩ።”
መርከብ፡ ዋላ'ኳ ኣቐዲሙ ካብ ዝተለሞም ስራሕቲ እንተበዀረን ኣቐዲሙ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊታት እንተሰኣነን፡ ግዜኡ፡ ክእለቱን ገንዘቡን ነቶም ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ከርፋሕ ናብራ ስደት ዝመርሑ ዘለዉ ወገናቱ ምሕጋዝ፡ “ዕግበት” ከም ዝፈጥረሉ ይገልጽ።
“ስደትና ኣረሲዕካና”
ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሎም ኣብ መዓስከራት ሱዳን ንዝርከቡ ተጋሩ ንምሕጋዝ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት ሙዚቃ ንምስታፍ፡ ንፈለማ እዋን ናብ ሱዳን ዝተጓዕዘ መርከብ ቦኒታ፡ እቶም ዝረኣዮም ጸገማት፡ ሓንሳብ ተቐልቂሉ ከይጠፍእ ከም ዝገበርዎ ይዛረብ።
ዛጊድ “ሓሙሽተ ግዜ” ናብቲ መዓስከር ተመላሊሱ፤ ሰለስተ ግዜ ድማ ምርኢት ሙዚቃ ኣቕሪቡ። እቲ ምድላው ነቶም ተፈናቀልቲ “ንምድርራዕ” እምበር ኣታዊ ዝረኽበሉ ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Samon Haile/FB
“ምእንቲ ደስ ክብሎም ዝተፈላለዩ ኣርቲስታት ሒዘሎም ይኸይድ እየ፤ ሙዚቃ ነቕርበሎም። በቲ ሙዚቃ ርእሶም ክምለስ ንገብር። ዳርጋ ዘይተሰደድና፣ ስደትና ኣርሲዕኻና ዝብሉ እውን ኣለዉ። ደርፊ ደሪፈ እቲ ህዝብና ነታ ስደቱ ንንኡሽተይ ግዘ እኳ ክርስዓ እንተገይረ ዓብዪ ነገር እዩ ኢለ ይኣምን” ይብል።
ካብቶም ዘካይዶም ምርኢታት ሙዚቃ ብተወሳኺ ፡ ኣብቶም ተፈናቐልቲ ዝርእዮም ጸገማት፡ ክዳኑ ከይተረፈ ክልግስ ከምዝግድድዎ እዩ ዝገለጽ እዚ መንእሰይ ስነጥበባዊ።
“ሒዘዮ ዝመጻኹ ገንዘብን ክዳነይን ከይተረፈ እየ ኣውጺአ ዝህቦም። ምኽንያቱ ነዐኦም ክትርኢ እንከለኻ ዝሓዝካዮ ኵሉ የጽለአካ። ኣብ ሑመራ ሰብ ሃፍቲ ዝነበሩ ሐዚ ተጸጊሞም እንትትርእይ፤ ሆቴል፡ ዶዘርን መኪናን ዝነበረን ኣዶ ሐዚ ስዋ እናሸጣ እንትትርእየን ይኸብደካ። ኣብ ዝባነይ ዝነበረት ክዳን ጥራይ ተኸዲነ ዝተመለስኩሉ መዓልቲ ይዝክር እየ፡” ብምባል ሕሰም ናብራ እቶም ካብ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ስደት ዝርከቡ ወገናቱ የዘንቱ።
ኣምባሳደር 'ኣስመላሽ ግራንት ፋውንዴሽን'
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ንዝነብሩ ተፈናቐልቲ ኣብ ምሕጋዝ ዝርከብ ትካል ግብረሰናይ፡ ኣስመላሽ ግራንት ፋውዴሽን (ኤጂኤፍ)፡ ንስነጥበባዊ መርከብ ቦኒታ ኣምባሳደሩ ገይሩ ከም ዝመረጾ ኣብ ፈይስቡክ ገጹ ብዕሊ ኣፍሊጡ ነይሩ።
በዚ መሰረት እቲ ስነጥበባዊ፡ ነቲ ገባርሰናይ ትካል ኣብ ምፍላጥ ይሰርሕ ከምዘሎ ይዛረብ።
“ከም ኣምባሳደር ነቲ ትካል ሰብ ክፈልጦ ይገብር። ሓደስቲ ኣጋይሽ እንትመጹ የርእዮም፤ መድሃኒት ድዩ ወይ ኣምቡላንስ ድዩ ዘድሊ ግንዛብ ንምፍጣር ይሰርሕ። ኣብ ዝኸድክዎም ዓድታት ድማ ሰብ ንኽሕግዝ ይሰርሕ።”

ምንጪ ስእሊ, Merkeb Bonitua
ኤጂኤፍ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ምስ ተሓባበርቲ ኣካላት ብምዃን ብኣስታት 100 ሽሕ ዶላር ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብናጻ ዝሕከምሉ ክሊኒክ ከምዝኸፈተ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ነቲ ክሊኒክ ዘድሊ ኣምቡላንስ ንምግዛእ ምንቅስቓስ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣርቲስት መርከብ ቦኒታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Merkeb Bonitua
'ካብ ኣደታት ዝረኸብክዎ ሽልማት ንኣደታት ሂበዮ'
ስነጥበባዊ መርከብ ባርያጋብር (ቦኒታ) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሸለሞም ናይ ኢድን ክሳድን ኣዋርቕ፡ ኣብ ሱዳን ንዝርከባ ኣደታት ከበርክት እንከሎ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ሰባት ከሰጋግርዎን ኣድናቘቶም ክገልጹሉን ተራእዩ ነይሩ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣብ ክሳዱን ኢዱን ዝነበሩ መጋየጺታት በብሓደ ብምውጻእ፡ ኣብ ክሳዱ መስቀል ዝኣሰረላ ፈትሊ ጥራይ ተሪፋ ትረኣይ።
ኣብቲ ናይ ምርኽካብ ስነስርዓት ዝተረኸባ ኣደታት፡ ገሊአን ክበኽያን ነቲ ስነጥበባዊ ከመስግናን ክምርቓን እውን ተራእየን ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, Merkeb Bonitua/youtube
እቲ ወርቂ ኣብ ምርኢት ሙዚቃ ከምዝተሸለሞ ዝገልጽ መርከብ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከባ ምዃነንን ከምኡ'ውን ኣደታት ትግራይ ንወርቂ ዝህባኦ ክብርን፡ ሽልማቱ ክህበን ከምዘበገሶ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“እቲ ወርቂ ኣብ ቤሩት ኣብ ዝነበረኒ ናይ ሙዚቃ ስራሕ፡ ‘በቲ እትገብሮ ነገር ሕጉሳት ስለዝኾንና፡ ክትቅጽለሉን ሞራል ክኾነካን’ ብምባል ኣብ ቤሩት ዝነብራ ኣዴታት ዝሃባኒ እዩ። ተጋሩ ጥራሕ ግን ኣይኮናን፤ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት እውን ትግራይ ዝብል ወርቂ ሸሊማትኒ። እቲ ዘርኣዩኒ ሓልትዮን ፍቕርን ዝገርም ነይሩ።"
“ኣብ ሱዳን ናብ መዓስከራት ምግቢ እናሰርሓ ዝልእካ ኣዴታት ኣለዋ። ገሊአን ኣብቲ ሃሩር ጸሓይ ሻሂ እናሸጣ እየን ዝናበራ። 'ሓደ መዓልቲ ሰብ እንተሓገዘናስ ኣብ ሚድያ ኣፋልጠና ኢኻ' ኢለናኒ ነይረን። እተን ኣደታት ኣብ ቤሩት እንትሽልማኒ ድማ እዘን ኣብ ካርቱም ዘለዋ ኣደታት ትዝ ስለዝበላኒ ነዐአን ሂበየን። ኣደታትና ድማ ንወርቂ ፍሉይ ቦታ እየን ዝህበኦ። ነዚ እየ መጺአ ሂበየን፡” ይብል።
ኣብቲ እዋን ግብረመልሲ 'ተን ኣደታት ካብ ዝተጸበዮ ንላዕሊ ምንባሩ እውን ይዛረብ።
“ኣብ ከቢድ ግዜ በጺሕካልና፤ ኣብዚ መዓልቲታት ተጨኒቕና ኢና ኔርና ክብላኒ ከለዋ ኣዝየ ሓዚነ። ካብዚ ንላዕሊ እንተዝኾነለይ እሞ ምወሰኽኩወን ኢለ ተመንየ።"
መርከብ ክብደት እቲ ወርቂ ክንደይ ከምዝኾነ ከምዘይፈልጦ እዩ ዝገልጽ፡፡
‘ትግራይ ሰብ ኣለዋ ዝብል ስምዒት ፈጢሩልና’
ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ኣብ ካርቱም ሱዳን ኣብ ንግዲ ተዋፊራ ዝጸንሐት ኣበባ ደስታ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ገዛኦም ገዲፎም ናብ ሱዳን ንዝተሰደዱ ተጋሩ ንምሕጋዝ ናይ ዝተመስረተት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ነበርቲ ሱዳን፡ ኣደ መንበር እያ፡፡
ኣባላት እታ ማሕበር ዋላ'ኳ ናይ ባዕለን ዝተፈላለየ ጸገማት እንተለወን፡ እቶም ተሰዲዶም ዝመጹ ካባና ዝገደዱ እዮም ብምባል፡ ገንዘብ እናዋጽኣን ካብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ገንዘብ እናተኣኻኸባን፡ ምግብን ዝተፈላለየ ሓገዛትን ናብቲ መዓስከር ከምዝልእካ ትገልጽ፡፡
‘‘ዝተፈላለና ማሕበራት ኣለና፤ ነቲ ኣብ መከራን ጸገምን ዘሎ ህዝብና ክዳን፡ ዘይቲ፡ ሕሩጭ እናኣከብና፡ ካብዚ ናብቲ ኣብ መዓስከር ዘሎ ንልእኽ’’ እትብል ኣበባ፡ ምስ ኣርቲስት መርከብ ቦኒታ፡ ኣብ መድረኽ ምትእኽኻብ ሓገዝ ከም ዝተራኸቡ ትዝክር፡፡
‘‘ኣነ ቅድሚ ናብ ቀጠር ምኻዱ ሓደ ሕቶ ኣቕሪበሉ ነይረ፤ ሓደ ፕሮግራም ብሽምና እንተ ተዳልወልና እሞ ሓደ ነገር እንተንሰርሕ እንታይ ይመስለካ ኢለዮ ነይረ፡፡ ሽዑ ኣይጠዓሞን፤ ግን ቃል ኣትዩለይ ከይዱ ነይሩ፡፡ ክሕግዘክን እየ፤ ንህዝበይ ዘይኮነ ንመን?’’ ኢሉኒ ትብል፡፡

ምንጪ ስእሊ, Merkeb Bonitua
ብመሰረት እቲ ነታ ማሕበር ንምሕጋዝ ዝኣተዎ ቃል ድማ፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ካብ ዝነበሮ ምርኢት ሙዚቃ ዝረኸቦ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ነተን ኣደታት ክኸውን ለጊስዎ፡፡
‘‘ሽዑ እንጀራ እናጋገርና ኔርና፤ ልክዕ ኣብታ ዝኣተወላ ምሸት ደዊሉለይ፡፡ እምበኣር ጽባሕ ነተን ኣብቲ ስራሕ ዝተሳተፋ ኣደታት ክጽወዐን እሞ ኣብ ቅድሚአን ክቕበለካ ኢለዮ፡፡ ብቓሉ መሰረት ሓጊዙና፡፡
‘‘እቲ ወርቂ ጠቕላላ 45.4 ግራም እዩ፡፡ ክልተ ሰንሰለት፡ ሓንቲ ብራስሌት፡ ከምኡ ድማ ሓንቲ 22 ግራም ብሩር እየን፡፡ ‘እዚአን ነተን ኣብዚ ሓዊ እናተቓጸልክን ዝነበርክን ኣዴታተይን፡ ናዓኽን እዩ’ ኢሉ ሂቡና’’ ትብል፡፡
ጠቕላላ እቲ ህያብ ኣስታት 3 ሽሕ ናይ ኣመሪካ ዶላር ከምዘውጽእ እትገልጽ ኣበባ፡ እቲ መንእሰይ ስነ ጥበባዊ ዝገበረለን ሓገዝ ‘‘ትግራይ ሰብ ኣለዋ’’ ክንብል ገይሩና ትብል፡፡
‘‘ኣብኡ ክዛረብ እውን ኣይከኣልኩን፤ ቅድሚ ሕዚ ፕሮግራም ኣዳልዩልና ነይሩ እዩ፡፡ ናይ ሻሂ፡ ሓሙሽተ ሳንቲም እውን ኣይወሰደን፡፡ ሕዚ ድማ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ዝረኸቦ መጺኡ ከወፊ ከሎ፡ ትግራይ ሰብ ኣለዋ ዝብል ሓቦን ሕራነን ተሰሚዑና፡፡
‘‘ኣብ ሕድሕድ ገዛ ኬድካ ንመርከብ ዘይትምርቕ ኣዶ የላን፤ ኣብ መዓስከር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብዚ ንዘለዋ ኣደታት'ውን እዩ ዝሕግዝ፡፡’’ ትብል ልግሲ እቲ ስነ ጥበባዊ ንምግላጽ ቃላት ከምዝሓጽራ እትዘረብ ኣደ መንበር ደቂ ኣንስት ሱዳን ኣበባ ደስታ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ሓንቲ ወርቀን ብዕጡቓት ከምዝተወሰደ ዝነገራኦ ኣብ መዓስከር ዝነብራ ኣደ እውን ኣብ ክሳዱ ዝነበረ ሰንሰለት ወርቂ ኣውጺኡ ከምዝሃበን ሓደ ዓርኩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
እተን ኣርቲስት መርከብ ባርያጋብር (ቦኒታ) ወርቅን ብሩርን ዝሸለመን ኣደታት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ብወገነን፡ እቲ ህያብ ንውልቀን ዘይኮነስ ንዝተጸገሙ ወገናት ክውዕል ኣለዎ ብምባል ንመኸተ ሰለስተ ከምዘወፈየኦ እየን ዝሕብራ፡፡
‘‘እንተዘይተዓንገልና እውን፡ ካብቲ ኣብ ጸሓይን ሃሩርን ዘሎ ህዝብና ንሕና ንሓይሸ’’ ትብል ኣበባ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Merkeb Bonitua
ባህጊ መርከብ፡ ‘ተሎ ኢሎም ናብ መረበቶም ክምለሱ እምነ’
እቶም ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከር ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጸገም ክገልጾ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ከምዝኾነ ዝዛረብ መርከብ፡ ቀልጢፎም ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ኵነታት ክፍተር ከምዝጽሊ ይገልጽ፡፡
‘‘እቲ ጸገም ሓደ ሰብን ትካልን ክፈትሖ እዩ ዝበሃለ ኣይኮነን፡፡’’
ኵነታት ኣየር እቲ ከባቢ እውን ካልእ ምድራዊ ፈተና እዩ፡፡
እንተኾነ ንህዝብን መንግስትን ሱዳን ዘለዎ ምስጋና ሰፊሕ ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር፡፡
‘‘ኣነ ናብ ሱዳን ክመጽእ እንተለኹ ኣብ ትግራይ ዘለኹ ይመስለኒ፡፡’’
ኣብ መወዳእታ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዘሕልፎም መዓልቲታት ዝሰመዕዎን ድቃስ ዝኸልእዎን ዛንታታት ከምዘለዉ እውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ናይ ኵሉ ሰብ ታሪኽ ከቢድን ዘሰምብድን እዩ፡፡ ብፍላይ ነተን ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮ እናኸደኩ ይረኽበን እየ፡፡ ብዙሕ ስቓይ እየን ርእየን፡፡ ክትሰምዖ እውን ይዝግንን፡፡ ሽዱሽተ ኮይኖም ዝደፈርዋ ኣላ፤ ናዓኣ ደፊሮም ንሰብኣያ ዝቐተሉላ ኣላ፡፡ ኣብ ገዛ ኣሲሮም ንብዙሕ ግዜ ዝደፈሩዋ ኣላ፡፡ ሓንቲ ነቲ ስቓይ ክትጻወሮ ስለዘይከኣለት ህይወታ ዘጥፈአት ኣላ፡፡ ኣብ ኮፍ ዝበልካዮ ሓደ ነገር ኢኻ ትሰምዕ፡፡’’

ምንጪ ስእሊ, Merkebe Bonitua




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







