ቅልውላው ትግራይ፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝተዓቖብሉ መዓስከር ሱዳን ብሓያል ዝናብ ዓንዩ

ካብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ዝነብሩሉ መዓስከር ተነድባ ብሓያል ዝናብ ዓንዩ

ምንጪ ስእሊ, kASSA HAILEMARIYAM/ FACEBOOK

ኣብ ሱዳን: ዞባ ገዳሪፍ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተነድባ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሃረመ ህቦብላ ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ነቲ ብቴንዳታት ዝተሰርሐ ግዝያዊ መጽለሊ ምዕናዉን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡን ተገሊፁ።

ኣብቲ መዓስከራት ዘለዉ ልዕሊ 21 ሽሕ ካብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ብሰንኪ እቲ ዝወረዶም ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝርከቡ ድማ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ክፍለ ግዝኣት ገዳሪፍ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተነድባ ዝነብሩ ስደተኛታት ዝኾነት ወይዘሮ ሂወት፡ እቲ ዘፅልልሉ መዓስከር፡ ብዘጋጠመ ሓያል ዝናብን ንፋስን ከምዝፈረሰን፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ቆልዑን ዝርከብዎም ንፀገም ከምዝተቓልዑን ሓቢራ።

"እቲ ቴንዳ ዘተኣምምን ኣይኮነን፡ እቲ መሬት'ውን ጭቃ እዩ። ዓብይን ቆልዓን ዘለዎ መዓስከር እዩ። ብጣዕሚ ዘፀግም እዩ። ብዙሕ ገዛ እዩ ፈሪሱ፤ ሰብ ኣብ ፀገም እዩ ወዲቑ ዘሎ። ናይ መጀመርታ ሓሊፉ፡ እዚ ድማ ተመስገን ኢሉ፡ ሰብ ኩሉ ተመስገን ኢሉ ተረጋጊዑ ፀግዑ ምስ ሓዘ፡ መሊሱ ካልኣይ፡ ካብ ሰዓት ሓደ ለይቲ ጀሚሩ ሙሉእ ለይቲ ወቒዑ፡ እቲ መፅለሊ'ውን ፈሪሱ። ሕማቕ ለይቲ'ያ፡ ተካል ለይቲ ሓዲርና" ብምባል፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ መፅለሊ ዝነበሩ ስደተኛታት ከምዝሓርበቶም ገሊፃ።

ካልእ ነባሪ መዓስከር ስደተኛታት: ተነድባ ኣይተ መጎስ ድማ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኣስታት 600 ስደተኛታት ዘፅልሎም ቴንዳታት፡ ብክልተ ዙር ብዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ መዓስከር ተነድባ 10 መፅለሊ ብሎካት ከምዘሎን ኣብ ሕድሕደን ኣስታት 500 ስደተኛታት ከም ዝተዓቑቡሉን ዝገልፅ ኣይተ መጎስ፡ እቲ ቦታ ብሰንኪ እቲ ዝሃረመ ዝናብ ሙሉእ ብሙሉእ ብማይ ከምዘዕለቕለቐ ተዛሪቡ።

"መዓት ገዛውቲ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ። ኣብ ብሎክ ኤ ጥራሕ ክሳብ ከባቢ 500 ቴንዳ ኣሎ፤ ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛ ድማ ኣብዚ ኣሎ። መጀመርታ ብዝነበረ ዝናብ 80 ሚእታዊት ዝኣክል መፅለሊ ፈሪሱ እዩ። 100 ሚእታዊት ዝኾን ድማ፡ ብማይ ኣዕለቕሊቑ እዩ። ስለዚ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ ኮይኑ ዘሎ፤ ለይቲ ብጣዕሚ ኣውያት ኔሩ፡ ሓደ ረዳኢ ዘይብለን ሰባት ኣለዋ" ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዝተውሃቦም ምግቢ ብሰንኪ እቲ ዝናብ ከምዝተበላሸወ ዝገለፁ እቶም ስደተኛታት፡ እቲ ከባቢ ጭቃ ብምዃኑ ዝስተ ማይ ዘቕርባ መኻይን ከምዘይመፃን ተደራቢ ፀገም ከምዝኾኖምን ገሊፆም።

"እቲ ዝሃቡና [ናይ] ረድኤት እኽሊ'ውን ኣበይ ክነስጥሖ? ጭቃ እዩ። እቲ ቴንዳ እውን ስለ ዝወደቐ፡ ሰብ ፀግዒ ሒዙ እዩ ኮፍ ኢሉ ዘሎ፡ ኣማራፂ የለን። ብሙሉኡ ምግብታት ተበላሽዩ'ዩ፡ ዝሃቡና ምሸላ ተበላሽዩና" ኢሎም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ሽድሽተ ወርሒ ዘቑፀረን ኩናት ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ዶክተር ኣላዩ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሞይኡ ንስደተኛታት ሓገዝ ሕክምና ኣብ ምሃብ ይርከብ። ብተወሳኺ ድማ ነቶም ስደተኛታት ዝቐርቡ ሓገዛት የተሓብብር።

"እቲ ኩነታት የፍርሕ እዩ ኔሩ። ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ንፋስን ዝናብን ወቒዑ። ሕዚ ነተን ዝነበራ ኬላታት በናቒርወን፡ ዝተረፈ የለን። ሎሚ መዓልቲ ሪፖርት ጌሮምልና፡ ሎሚ መዓልቲ'ውን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ወፅዮም መፅዮም ኣለዉ። ታይ መልሲ ከምዝህቡና ክንርኢ ኢና። እዚ ህዝቢ ኣበይ ከምዝሓድር እውን ጨኒቑና እዩ ዘሎ" ብምባል፡ ኩነታት እቲ ኣብ መዓስከር ተነድባ ዘጋጠመ ሓደጋ ገሊፁልና።

ካብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ዝነብሩሉ መዓስከር ተነድባ ብሓያል ዝናብ ዓንዩ

ምንጪ ስእሊ, kASSA HAILEMARIYAM/ FACEBOOK

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ዘዘራረብናዮ ተወካሊ ኮምሽን ስደተኛታትን ኣብ ሱዳንን በዓል ስልጣን ግዝኣት ገዳሪፍን ዓብዱል ሓፊዝ መሓመድ ካልል፡ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ሰፊሕ ምዃኑ ይገልፅ።

" ኩነታት ፅቡቕ የለን። ፅቡቕ ክኸውን ከምዘይኽእል ኣቐዲምና ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ክንሕብር ፀኒሕና ኢና። ክራማት ገና ኣይጀመረን ዘሎ፡ ቅድሚ ምጅማሩ ከኣ መንበሪኦም ክቕየር ክንሕብር ፀኒሕና ኢና። ክቕየር እውን ኣለዎ" ኢሉ።

ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 21 ሽሕን 200 ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝገለፀ እቲ በዓል፡ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምቅላል እኹል ናውቲ ከምዘይብሎም ሓቢሩ።

"እቲ ዝበፅሖም ሓደጋ ንምቅላል ኣብ ኢድና ዘሎ ቴንዳ ስለዘይኣክል፡ ዕንጨይትን ሳዕርን ተጠቒምና፡ ኣጉዶታትን መፅለልን ኢና ክንሰርሕ'ምበር ካልእ ኣማራፂ የብልናን። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ገለ ትካላት ሓገዝ ክገብሩልና ክንሓትት ፀኒሕና ኢና። ሕዚ'ውን ምሕፅንታና ንቕፅል ኣለና" ኢሉ።

ነቶም ብሰንኪ ይመፅእ ዘሎ እዋን ክራማት ከቢድ ስግኣት ዘንፀላለዎም ስደተኛታት፡ ናብ ውሑስ ከባቢ ክሰግሩ ንምግባር ኣብ ገዳሪፍ ቦታ ከምዝተውሃቦም ዝሓበረ እቲ ተወካሊ፡ ዛጊድ ግና ኣድላይ ናውቲ ተማሊኡ ህንፀት ከምዘይተጀመረ ገሊፁ።

እቶም ዘዘራረብናዮም ስደተኛታት ዝምልከቶም ኣካላትን ኩሉ ግዱስን ንፀገሞም ተገንዚቡ፡ ካብቲ ዝርከብሉ ፀገም ከውፅኦም ተማሕፂኖም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ካብ ትግራይ ናብ ጎረቤት ሱዳን ከምዝተመዛበሉ ይፍለጥ።