ቅልውላዉ ትግራይ፡ “ኣብ ስደት ተወሊደ ሎሚ ድማ ምስ ደቀይ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ተመሊሰ”

ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ሃይለስላሴን ኣይተ ሙሉጌታ በርሀን
መግለጺ ስእሊ, ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ሃይለስላሴን ኣይተ ሙሉጌታ በርሀን

ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ሃይለስላሴ ቅድሚ 27 ዓመታት ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኡም-ራቕባ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ከለዉ ዳግም ስደተኛ ኮይኖም ናብ መዓስከር ክምለሱ ትጽቢት ኣይነበሮምን።

ካብቲ ኣብ 1977 (1984) ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ዘጋጠመ ኲናትን ጥምየትን ናብ ስደት ሃዲሞም ኣብ 30ታት ዕድሚኦም ከቢድ ዝኾነ ስቓይ ከምዘሕለፉ ይዛረቡ።

ንሶም ሓደ ካብቶም ካብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ኲናትን ጥምየትን ሃዲሞም ንመዓልታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባር ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኣሸሓት ስደተኛታት’ዮም።

“ብዙሓት ሰባት ኣብ መገዲ ሞይቶም” ይብሉ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ነቲ ኩነታት ብምዝካር። “ብምኽንያት ኣብ እዋን ደርግ ይፍጸም ዝነበረ ቅትለት ኣብ ገዛና ብሰላም ምንባር ኣይከኣልናን። ካብቲ ዝነበረ መከራ ክንሃድም ግድን ነይሩ” ድማ ይብሉ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት 10 ዓመታት ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ክልተ ቆልዑ ኣፍሪዮም’ዮም። ስርዓት ደርግ ምስወደቐ ከኣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናብታ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ንኡሽተይ ከተማ ራውያን ተመሊሱም ሓድሽ ህይወት ጀሚሮም።

ኣብ ራውያን ኣብ ሕርሻ ተዋፊሮም ናብራ እናመርሑ ካብ ካልአይቲ ሰበይቶም ተወሰኽቲ ቖልዑት ረኺቦም።

ድሕሪ 27 ዓመታት ግን: ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድሚኦም: ናብቲ ንኻልኣይ ጊዜ ክርእይዎ ዘይሓስብዎ ዝነበሩ መዓስከር ስደተኛታት ዶብ ሰጊሮም ክምለሱ ተገዲዶም ኣለዉ።

ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ካብ ሞንጎ’ቶም ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሃዲሞም ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ሓደ እዮም።

ካብቶም ስደተኛታት ገሊኦም ልክዕ ከም ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር 30 ዓመታት ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ንኻልኣይ ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ።

ኲናት ትግራይ ብ 24 ጥቅምቲ (04 ሕዳር) እቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ወተሃደራዊ እዚ ብሓይልታት እቲ ክልል ተጠቒዑ ዝበለ መንግስቲ ፌደራል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ምስኣዘዘ ከምዝተጓሃሃረ ይዝከር።

እቲ ኲናት ኣብ ዝተወለዐሉ እዋን ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ምስ ስድርኦም ብምዃን ንዘራእቲ ሕርሽኦም ይከናኸኑ ነይሮም።

“እቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ነይርና፤ ክልተ ለይቲ ድማ ኣብኡ ኣሕሊፍና። ብድሕሪኡ ናብ ገዛና ተመሊስና ተወሳኺ ሓደ ለይቲ ኣሕሊፍና” ይብሉ።

እቲ ኩነታት እናተጓሃሃረ ብምምጽኡ ግን ህይወቶም ንምትራፍ ንኹሉ ነገር ገዲፎም ምስ ስድርኦም ናብ ሱዳን ክስደዱ ግድን ኮነ። እቶም ወዲ 70 ዓመት ወላዲ ከምዝብልዎ ህይወቶም ከትርፉ ዘይከኣሉ ሰባት ብዙሓት’ዮም።

“ዓይነስውራን ሰባት ተቐቲሎም። ኣበነብሰይ ዝርከብዎም ኣቕሽሽቲ’ውን ተቐቲሎም” ብምባል ነቲ ካብ ኣዒንቶም ክፈስስ ዝበለ ንብዓቶም ክቆጻጸሩ እናፈተኑ ነቲ ኩነታት ዘከሩ።

ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሕብርዎ ብሰንኪ’ቲ ጎንጺ ኣሸሓት ሲቪል ሰባት ተቐቲሎም’ዮም። እንተኾነ ንቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብዘይሻራዊ ኣካል ምርግጋጽ ኣይተኸኣለን።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብ30 ሕዳር ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ “ዋላ ሓደ ሲሺል ብሰራዊትና ኣይተቐተለን” ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

መሰኻኽር ዓይኒን ብተጣበቕቲ መሰላት ወግዓዊ ዝተገበሩ ጸብጻባትን ግን ንሰራዊት ምክልኻል ፌደራል፣ ሓይልታት ህወሓት፣ ሚሊሻታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ብቕትለት ሲቪላት ተሓተትቲ ይገብሩ።

“ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዝበለ ኣይረኣኹን”

ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ነቲ ሕዚ ዘሎ ኲናት ምስቲ ዕጡቓት ትግራይ ካብ 1967 ክሳብ 1983 (1975 ክሳብ 1991) ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዘካየድዎ ናይ 17 ዓመታት ቃልሲ የነጻጽርዎ።

“ኣንጻር ደርግ ተቓሊስና ኢና። ሽዑ ግን ደርግ ምሳና’ዩ ዝዋጋእ ዝነበረ እምበር ንዘይዓመጹ ሓረስቶት ኣይቐትልን ነይሩ። ኣብያተ ክርስትያን እውን ኣይቃጸሉን ነይሮም” ክብሉ የረድኡ።

ሲቪላት ድሕነቶም ክሕሎ ኣብ ምግባር እውን እንተኾነ ደርግ ካብቲ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ከምዝነበረ ይዛረቡ።

“ኣብ ዕድመይ ብሰንኪ ዘጋጠሙ ኲናት ሰለስተ ጊዜ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ክፈናቐል ተገዲደ እየ። ናይ ሎሚ ግን ከቢድ እዩ፤ ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዝበለ ርእየ ኣይፈልጥን። ኣብዚ ኮይነ ቀትርን ለይትን እነብዕ። እንምገቦ ምሸላን እንድቅሰሉ መንጸፍን ተዋሂቡና’ሎ። ግን ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዓዲ [ትግራይ] ዝጠመዩ እሓስብ። ጠምዮም ኣለዉ፤ ዝረድኦም የለን። ንዝተወለድኩላ መዓልቲ’የ ረጊመያ” ይብሉ ብንብዓት ተሓጺቦም።

ናብ ዝተወለደሉ መዓስከር ስደተኛታት ዝተመለሰ ሙሉጌታ!

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ንኻልኣይ ጊዜ ስደተኛ ኮይኖም ዘለዉ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ጥራይ ኣይኮኑን።

ሙልጌታ በርሀ እውን ንኻልኣይ ጊዜ ስደተኛ ብምዃን ተመሳሳሊ ዛንታ ኣለዎ።

ዛንታ ሙሉጌታ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ናብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ቱንያድባህ ምምላሱ እዩ።

ንሱን ኣርባዕተ ደቁን ካብ ሞንጎ ኣብቲ ካብ ገዳሪፍ ኣስታት 136 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ዝተዓቖቡ 13 ሽሕ ስደተኛታት ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ፈለማ 1970ታት (ኣውሮጳ) ካብ'ቲ ኣብ ትግራይ ምስ 'ኢድዩ' ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ዝሃደሙ ወለዲ ሙልጌታ ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም።

ሙልጌታ ኸኣ፡ ጸኒሑ ኣብ መዓስከር ቱንድባህ ተወሊዱ።

“ኣብ ስደት ተወሊደ፤ ስደተኛ ኮይነ ዓብየ፤ ናብ ትግራይ ቅድሚ ምምላሰይ ድማ ኣብዚ ተማሂረን ሓዳር ገይረን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ: ሙልጌታ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ድሕሪ 20 ዓመታት ምስ ደቀይ ናብዚ ተወሊደ ዝዓበኹሉ መዓስከር ተመሊሰ” ኢሉ።

ሙልጌታን ካልኦት ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታትን ካብ ገዝኦም ክፈናቐሉ ትጽቢት ኣይነበሮምን። እቲ ኲናት ተወሊዑ’ውን ነገራት ተኻሪሮም ናብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክበጽሑን ከባቢኦም ገዲፎም ክፈናቐሉን ዘይገመትዎ'ዩ ነይሩ።።

“ንኻልኣይ ጊዜ ስደተኛ ክኸውን ሓሲበዮ ኣይፈልጥን። ኣብ ሑመራ ጽቡቕ መነባብሮ ነይሩኒ። ኣርባዕተ ደቀይ ኣብኡ እዮም ተወሊዶም” ይብል ነቲ ኩነታት ከረድእ ከሎ።

“ሱዳን ካልአይቲ ገዛና እያ”

ሙልጌታ በቲ ሕዚ ዝርከበሉ ናይ ስደት ናብራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ይገብር። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኸተማ ሑመራ ብኸበድቲ ኣጽዋር ክድብድብ ብምጅማሩ ንሱን ስድርኡን ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከምዝተገደዱ ይዛረብ።

“ኣነ ስደተኛ ኮይነ ዓብየ ደቀይ እውን ኣነ ብዝሓለፍክዎ ክሓልፉ ምርኣየይ የሕዝነኒ። ደቀይ ነቲ ኣነ ዘሕለፍክዎ ጉዕዞ ህይወት ይደግሙ ምህላዎም ክኣምን ኣይከኣልኩን” ድማ ይብል።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ እዋን “ካልአይቲ ኣደ ዝኾነት ሃገር” ብምርካቡ ግን የመስግን። “ሱዳን ካልአይቲ ሃገረይ እያ ክብል ከለኹ ብዘይገለ ምግናን እዩ” ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ነታ ዋና ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ምስተቖጻጸረ ከምዝተዓወተ’ኳ ወግዓዊ እንተገበረ ሕዚ’ውን ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኲናት ቀጺሉ’ሎ።

በዓል ኣይተ ገብረእግዚኣብሄርን ሙልጌታን ዝርከብዎም ናብ ሱዳን ዝተሰዱ ተወለድቲ ትግራይ መዓዝ ናብ መረበቶም ይምለሱ ይኾኑ፤ ንሱምን ደቆምከ ብሰንኪ ካልእ ኲናት ዳግም ከምዝስደዱ ከይፈርሑ ህይወቶም የቕንዑ ‘ዶ ይኾኑ ዝብል ግን ማንም ዝፈልጦ ኣይኮነን።