'ብዙሓት ተምሃሮ ትግራይ፡ ፈተና መእተዊ ዩንቨርሲቲ ኣይወሰዱን' ተባሂሉ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ፡ "ብዙሓት ተምሃሮ ትግራይ ኣይተፈተንዎን" ተባሂሉ ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተምሃሮን ወለድን፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ፡ እቲ ሃገራዊ ፈተና "ሕዚ ምውሃቡ ትኽክለኛ ውሳነ ኣይኮነን" ይብሉ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮፕያ ብወገኑ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ ለካቲት 29 ክሳብ መጋቢት 02 ዝተኻየደ ፈተና 12 ክፍሊ (መእተዊ ዩንቨርሲቲ)፡ "ብሰላም ተዛዚሙ" ኢሉ።
ኣብ'ዚ ፈተና፡ ብደረጃ ሃገር ልዕሊ 385 ሽሕ ተምሃሮ ከምዝተፈተኑ ድማ ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰብመዚ ትምህርቲ ክልል ትግራይ፡ ካብቶም ኣብ'ታ ክልል ፈተና ክወስዱ ዝግበኦም ተምሃሮ "ውሑዳት ጥራይ" ከምዝተፈተኑ ይገልጹ።
እንተኾነ፡ ብዝሒ ናይ'ቶም ተምሃሮ ኣይገለጹን።
"ኣብ ህይወትና ሓደ ዓመት ንኸስር ኣለና"
ቢቢሲ ዘዘራረባ፡ 12 ክፍሊ ወዲኣ ኣብቲ ኣብ'ዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መዛዘሚ ፈተና ንዘይምስታፍ ዝወሰነት ተምሃሪት "ድልዋት ኣብ ዘይኮንናሉ ኩነታት ክካየድ ኣይምተገብኦን" ትብል።
ንሳ ወሲኻ፡ "ኣብ ህይወትና ሓደ ዓመት ከሲርና" ኢላ።
"ዘይምፍታንና የሕዝነና ግና ድማ፡ ቅድም ክብል ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ሕዚ ድማ፡ ምስቲ ኩነታት፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኲናት ሰላም ስለዘየለ፡ ብኡ ምኽንያት ኢና ዘይተፈተንና" ክትብል ትዛረብ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ፈተና፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ፡ ኣብ'ዚ ዓመት ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።
ሕዚ ድማ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ካብ ፈተና ከምዝቦኸሩ ተምሃሮ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ጎንጺ እንታይ እዩ?
ኣብቲ ክልል፡ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ዝነበረ ምስሕሓብ፡ ሕዳር 4 ናብ ቅሉዕ ጎንጺ ምስ ኣምረሐ፡ ቀዳመይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ፌዴራል መንግስቲ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ እቲ ኲናት ከምዘብቀዐ እንተገለጸ'ኳ፡ ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ይገልጹ።
ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ'ታ ክልል ኣማኢት ኣሸሓት እንትመዛበሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ይግለጽ።
ኣብ ትግራይ፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከጻሪ ክፍቀደሉ ምሕታቱን ይዝከር።
"ናይ ትምህርቲ ነገር ረሲዕናዮ ኢና"
ካብተን ፈተና ዘይወሰዳ ተምሃሪት፡ ነቲ ፈተና ዝኾነ ምድላው ከምዘይገበረት እያ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ምስ'ቲ ዘሎ ኲናት ናይ ትምህርቲ ነገር ረሲዕናዮ ኢና ነይርና። ካብ ኣዕርኽተይ ዘይተፈተንና ኢና ንበዝሕ። ቅድም ክብል በቲ ኮቪድ፡ ሕዚ ድማ በቲ ኲናት ምኽንያት ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኮፍ ኢልና ነይርና። ንፈተና ዝኾነ ምድላው ኣይገበርናን። ምስ'ቲ ኩነታትን እቲ ኲናትን፡ ኣእምሮና ኣብ ካልእ ስለዝነበረ፡ ንፈተና ድልው ኣይኮነን" ኢላ።
እቲ ፈተና ሃገራዊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስቶም ኣብ ካልኦት ክልላት ዝርከቡ ብዙሕ ምድላው ዝገበሩ ተምሃሮ ከምዝወዳደሩ ዝሓበረት እታ ተምሃሪት፡ "ምድላው ኣብ ዘይገበርሉ ምፍታን ግቡእ ኣይኮነን" ኢላ ከምእትኣምን ትዛረብ።
"ክተንብብ ክትፍትን እንተለኻ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ሰባት ተፈናቒሎም ወይ ከኣ፡ በዚ ኲናት ምኽንያት ህይወቶም ዝሓለፉ ኢኻ ትርኢ፤ እቲ ዝነበረ ደብዳብ ይርብሸካ፤ ክተጽንዕ ዘለዓዕል ነገር ኣይነበረን" ኢላ።
ወለዲኸ እንታይ ይብሉ?
ጓሉ 12 ክፍሊ እንተወደአት'ኳ ኣብዚ እዋን ግን ናብ ፈተና ክሰድዳ ከምዘይደለየ ዝሓበረና ሓደ ነባሪ ከተማ መቐለ ብወገኑ፤ ንድሕነት ጓሉ ስግኣት ስለዘሓደሮ፡ ከም ወላዲ ናብ'ዚ ውሳነ ከምዝበጽሐ ኣረዲኡ።
"እቶም ቆልዑ ዕድሎም ይበላሾ ከምዘሎ ርዱእ እዩ፤ ግን ከኣ ከም ወላዲ ምስ ጓለይ'ውን ተረዳዲእና ዝገበርናዮ ንሱ እዩ። ዘይተምሃርዎ ንተራ ፕሮፖጋንዳ ተባሂሉ፤ ከምኡ ክግበር ትኽክል ኣይኮነን። እቲ ቐንዲ ግን እቲ ከባቢ ወተሃደራት ዘለውዎ እዩ። ጸጥትኡ ውሕስ ኣይኮነን። ቆልዑ ኣውጺኻ ንደገ ክትሰድድ ኣሸጋሪ ግዜ ስለዝኾነ፤ ብዚ ኢና [ናብ ፈተና ከይከዱ] ወሲንና፡ ደቅና ይሓሹና ብምባል እዩ።" ይብል።
እቲ ምእንተ ውሕስነቱ ስሙ ዘይንጠቕሶ ወላዲ ከምዝብሎ፡ ደቆም ነቲ ፈተና ዝዳለውሉ ኩነታት'ውን ኣይነበረን፡ ምስ'ቲ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ድማ ደቆም ኣውጺኦም ናብ ፈተና ክሰዱ 'ሕልነኦም ኣይፈቐደሎምን'።
ሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ከ እንታይ ይብሉ?
ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣይተ ጌታቸው ወዳጆ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራይ ኣስታት 3600 ተምሃሮ ነቲ ሃገራዊ ፈተና ክወስዱ ትጽቢት ይገብር ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ እቲ ፈተና ግን ሎሚ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከምዘይነበሮም ተዛሪቡ።
"[ተምሃሮ] ምንም ሓገዝ ኣይተገበረሎምን። ኣብ ኲናት'ኮ ኢና ዝኒሀና። ቅድሚኡ'ውን ብኮሮና ምኽንያት ተቛሪጹ እዩ ነይሩ። ትምህርቲ ካብ እነቋርጽ ዓመትና ኢና ገይርና። ኣብ መቐለ'ኳ ዘይሓገዝናስ ኣብ ካልእ ተገይሩ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ከምኡ ስለዝኾነ'ውን ሕዚ ክፍተኑ መደብ ኣይነበረናን። ትኽክል'ውን ኣይኮነን ኢና ንብል ዘለና። ክፍተኑ ከምዝኽእሉ ብሚድያ ኢና ሰሚዕናዮ። ድሌት ዘለዎም ይፈተኑ ተባሂሉ" ኢሉ።
ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ክህቡና ዝደወልናሎም ጊዝያዊ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ፡ እቲ ፈተና ብሚንስትሪ ትምህርቲ ይምራሕ ብምህላዉ ዝኾነ ዓይነት መብርሂ ክህቡ ከምዘይክእሉ እዮም ገሊጾምልና።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
'ኣብ ትግራይ 25 ምኢታዊት ኣብያተ ትምህርቲ ዓንዩ'
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቢሮ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት [UNOCHA] ኣብ'ዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻቡ፡ በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ፡ ኣስታት 25 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዓነዋ ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ጠቒሱ ጸብጺቡ።
ከምኡ'ውን ኣስታት 48500 መምህራን ትግራይ፡ ስነልቦናውን ማሕበራውን ሓገዛት ከምዘድልዮም ሓቢሩ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘሎን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንስልጠና ካብ ዝተጻውዑ መምህራን ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትመህርቲ፡ ናይተን 55 ኣብያተ ትምህርቲ "ጥቕዓት ክበጽሐና እዩ" ብዝብል ስግኣት ከምዘይተረኸቡ'ውን ሓቢሩ።
"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ውሕስነት ተምሃሮን መምህራንን ምርግጋጽ ወሳኒ እዩ" ኢሉ እቲ ጸብጻብ።
ብፍላይ ድማ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ መዕቖቢ በቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ከምዝኾኑን፤ ገለ ድማ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምዝኾኑን እቲ ጸብጻብ የብርህ።
ምስ'ዚ ተዛሚዱ፡ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተን መሕጸብን ማይ፣ ምስ ለበዳ ኮቪድን ካልኦት ተላገብቲ ሕማመትን ትምህርቲ ምጅማር ኣስጋኢ ከምዝገብሮ ይገልጽ።
ከምኡ'ውን ኣብቲ ክልል ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኣሳሲሩ፡ ሕጽረት ምግቢ ካልእ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።
ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ምስ ግዳማዊ ሓገዝቲ ብምትሕብባር፡ ንኣስታት 228 ሽሕ ተምሃሮ ድጋፍ ንምግባር ይንቀሳቐስ ከምዘሎ'ውን እቲ ጸብጻብ የብርህ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







