ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ዘካየደቶም ሓሙሽተ ምርጫታት እንታይ ይመስሉ?

ምርጫ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MUSTAFA FERHAT BEKSEN

ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንኸተካይድ መዓልቲ በቲኻ ኣብ ምቅርራብ ትርከብ። ኣብዚ እዋን እዚ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ፡ ሕጹያት ሰልፍታት ፖለቲካ ዝምዝገብሉ ኣቐዲሙ ዘውጸኦ ሰሌዳ ግዜ ተወዲኡ እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ 673 ናይ ምርጫ ክልላት ዝካየድ፡ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንክፍጸም 12 ሳምንታት ጥራሕ'ዩ ተሪፉዎ ዘሎ። ን30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ወያናይ ኢትዮጵያዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ኣብ 1984 ስልጣን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ብሄራዊ፡ ክልላዊ፡ ዞባውን ናይ ወረዳን ቤት ምኽርታት ምርጫ ኣካይዱ።

እዚ ከኣ መሰረት ናይቲ ኣብ ምስግጋር መንግስቲ ንዝነበሩ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ እዋኑ ንዝነበረ፡ ብሄራዊ፡ ክልላውን ናይ ወረዳን ኣብያተ ምኽሪ፡ ናይ ምርጫ ቅጥዕን ኣዋጅን ምርጫ ኣተሓባቢሩ እዩ።

ብሔራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሕገ መንግስቲ ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ: ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ምርጫ ኣካይዳ ኣላ። ኣብ ርእሲኡ ናይ ከባቢ ምርጫታት ወሲኻ ሽዱሽተ ህዝበ-ውሳኔን 14 ምርጫታትን ተኻይዱ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተኻየደ ሓሙሽተ ምርጫታት፡ ክንደይ ዝኣክል ህዝቢ መሪጹ፡ ብዝሒ ዝተወዳደራ ሰልፍታት ክንደይ ነይረን፡ ኣብቲ ምርጫ'ኸ መን ስዒሩ ንዝብል ታሪኽ ክንድህስስ ኢና።

ናይ 2007 ምርጫ

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት እዚ ንኸተካይዶ እትዳለወሉ ዘላ ምርጫ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝገበረቶ ምርጫ ዝተፈልየ እዩ።

  • ንኽመርጽ ዝተመዝገበ ህዝቢ 36 ሚልዮንን 851 ሽሕን 461 እዩ ነይሩ።
  • ካብቲ ዝተመዝገበ ህዝቢ እቲ ዝመረጸ 34 ሚልዮን 351 ሽሕን 444 ክኸውን እንከሎ፡ ብሚእታዊት ክረአ እንከሎ 93.2% ድምጺ ሂቡ።
  • ብዝሒ ናይተን ኣብ ምርጫ ዝተወዳደራ ሰልፍታት ፖለቲካ 58 ነይሩ።
  • 1 ሽሕን 828ን ተወዳደርቲ ሕጹያት ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀሪቦም።
  • 3 ሽሕን 991ን ተወዳደርቲ ሕጹያት ናብ ቤት ምኽሪ ክልል ቀሪቦም።

እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ሕጹያት ኣሃዝ ንዝተፈላለያ ሰልፍታት ዝውከል ክኸውን እንከሎ፡ ብውልቂ ንተወከልቲ ቤት ምኽሪ ህዝቢ፡ ትሽዓተ፡ ንቤት ምኽሪ ክልል ከኣ ሰለስተ ተወዳደርቲ ሕጹያት ቀሪቦም።

  • ንውጺኢት ብዝምልከት ኢህወደግ 500 መናብር፡ ብሚእታዊት ከኣ (82.4%) ረኺቡ። ካብቲ ቑጽሪ 212 ወይ ከኣ 38.8% ደቀንስትዮ እየን።
  • ኣብ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ ከኣ ኢህወደግን ዝተፈላለያ ኣጋር/መሻርኽቲ ውድባትን ኩለን መናብር ረኺበን እየን። ካብኣቶም 800 ወይ ከኣ 40.3% ደቀንስትዮ እየን።

ኣብ ምርጫ 2002

ድሕሪ እቲ ታሪኻዊ ዝስመ ናይ 1997ን ምርጫ ኣብ 2002 ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ግንቦት 15/2002 ተኻይዱ። እቲ ምርጫ ኣብ ኩሉ ክልላትን ኣብ ክልተ ናይ ከተማ ምምሕዳርን ተኸናዊኑ።

  • 63 ሰልፍታት ፖለቲካ ተሳቲፈን።
  • እተን ፓርቲታት 2 ሽሕን 188ን ተወዳደርቲ ሕጹያት ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪበን።
  • ናብ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ 4 ሺሕን 746ን ሕጹያት ቀሪቦም።
  • 34 ናብ ውልቂ ሕጹያት ተወከልቲ ንክወዳደሩ ቀሪቦም።
  • 11 ናይ ውልቂ ሕጹያት ናብ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ ንክወዳደሩ ቀሪቦም።
  • ንክመርጽ ዝተመዝገበ ህዝቢ 31 ሚልዮንን 926 ሺሕን 520ን ነይሩ።

ካብቲ ዝተመዝገበ እቲ ዝመረጸ 29 ሚልዮንን 832 ሺሕን 190ን ብሚእታዊት ክረአ እንከሎ ከኣ 93.4% ነይሩ። ብዝሒ መረጽቲ ደቀንስትዮ 47.6 ነይሩ። ብሓፈሽኡ ንመናብር ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ህዝቢ፡ ንምርካብ ኣብ ዝተኻየደ 547 ናይ ምርጫ ክልላት ኢሂወደግ፡ ኣብ ኣርባዕቲኡ ናይ ግንባር ውድባትን ኣጋር መሻርኽቲ ውድባትን 99.6 % መናብር ስዒሩ።

  • እቲ ዝተረፈ ብሓደ ሰልፍን ብተወዳዳሪ ግልን ተታሒዙ ኣሎ።
  • ናይ ክልላት ቤት ምኽሪ ምስ እንርኢ ኢህወደግን አጋር መሻርኽቲ ውድባትን ምሉእ ብምሉእ መናብር ረኺቦም።
  • ካብኣቶም ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ 12.4 % እዩ።
  • ኣብ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ መናብር ዝረኸባ ደቀንስትዮ 15.3% እየን።

ናይ 1997 ምርጫ

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከም ምርጫ 1997 ዓ.ም ከም ዓቢ ምዕራፍ ዝረአ የለን።

ፖለቲካ ምህዳር ካብ ካልእ እዋን ፍልይ ብዝበለ ኣብ ዝተፈለላየ ናይ ፖሊሲ ኣማራጺታት ውዕውዕ ክርክር ዝተገብረሉ፡ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተሻሪኾም ናይ ምርጫ ጎስጓስ ብምክያዶም ነቲ ኩነታት ትስፉው ገይሮሞ ነይሮም።

  • ንኽመርጽ ዝተመዝገበ ህዝቢ 27 ሚልዮንን 372 ሽሕን 888 ን ነይሩ።
  • ካብቲ ዝተመዝገበ ህዝቢ እቲ ዝመረጸ 22 ሚልዮንን 610 ሽሕን 690ን እዩ።
  • ኢህወደግ 327 ናይ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ መናብር ስዒሩ
  • ቅንጅት ንሓድነትን ደሞክራስን (ቅንጅት) 109 መናብር፡
  • ናይ ኢትዮጵያ ደሞክራሲያዊ ሓይልታት ሕብረት (ሕብረት) 52 መናብር
  • ናይ ኦሮሞ ፌዴራሊስት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ (ኦፌዴን) 11 መናብር ስዒሩ።
  • ናይ ኢህወደግ አጋር ውድባትን ካልኦት ናይ ፖለቲካ ፓርቲትን ዝተረፈ መናብር ረኺቦም።
  • ኣብ ናይ ቤት ምኽሪ ክልል ብዝምልከት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢህወደግ /ኦህዴድ 387፣ ሕብረት 105፣ ኦፌዴንን ቅንጅትን 43 መናብር ረኺቦም።
  • ኣብ ክልል ኣምሓራ ኢህወደግ (ብአዴን) 187፣ ቅንጅት 107 መናብር ረኺቦም።
  • ኣብ ትግራይ ኢህወደግ (ህወሓት ) 151 መናብር ረኺቡ።
  • ኣብ ዓፋር አብዴፓ 84፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላ፣ ሶማልን ሓረሪ ናእ ኢሂወደግ አጋር/መሻርኽቲ ውድባት መብዛሕቲኡ መናብር ክረኽባ እንከለዋ ኣብ ጋምቤላ፣ ቤንሻንጉን ሓረሪ ከኣ ቅንጅት ሽዱሽተ መናብር ስዒሩ።

ኣብ ምርጫ 1992

  • ክመርጽ ዝተመዝገበ ህዝቢ 21 ሚልዮን 655 ሽሕን 752ን ነይሩ። ካብቲ ዝተመዝገበ እቲ ዝመረጸ ህዝቢ 19 ሚልዮንን 602 ሽሕን 783ን እዩ።
  • ኣብ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ዝሰዓረ ኢህወደግ ክኸውን እንከሎ ኣብ መንጎ እተን ኣርባዕተ መሻርኽቲ ውድባት ዝነበረ ናይ ድምጺ ክፍፍል ከኣ ኦህዴድ 176፣ ብአዴን፣ 124፣ ህወሓት 38፣ ደኢህዴን ክልተ መናብር ረኺቦም።
  • እቲ ዝተረፈ 13 መናብር ዝተፈለላዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ስዒሮም
  • ኣብቲ ናይ ቤት ምኽሪ ክልል መናብር ክንርኢ እንከለና ከኣ ኢህወደግ፡ ኣብ ኩሉ ክልላትን ምምሕዳራትን 1 ሽሕን 102 መናብር ክስዕር እንከሎ፡ 27 ብውልቂ እተወዳደሩ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት መናብር ረኺቦም።

ናይ 1987 ምርጫ

  • ንኽመርጽ ዝተመዝገበ ህዝቢ 21 ሚልዮንን 337 ሽሕን 379ን ነይሩ። ካብቲ ዝተመዝገበ ህዝቢ እቲ ዝመረጸ 20 ሚልዮንን 68 ሽሕን 513ን እዩ።
  • ብሓፈሽኡ ናይ ፓለቲካ ፓርቲታትን ናይ ውልቀ ተወዳደርትን ወሲኽካ 536 ደቂ ተባዕትዮ ናይ ቤት ምኽሪ መናብር ክረኽቡ እንከለው፡ 10 ደቂ ኣንስትዮ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ መናብር ረኺበን። ካብቶም ተመረጽቲ እቶም 10 ብውልቂ እተወዳደሩ እዮም።
  • ኣብ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ ምስ እንርኢ 1 ሽሕን 355 ደቂ ተባዕትዮን 77 ደቀንስትዮን ኣብ ትሽዓተ ክልላት ኣብ ዝነበሩ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ መናበር ረኺቦም።
  • ካብኦም እቶም 47 ብውልቂ እተወዳደሩ እዮም ነይሮም። ኣብቲ ምርጫ 43 ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተሳቲፈን።

ምንጪ፦ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ