ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ኵነታቶም ከም ዘይተመሓየሸ ይገልጹ፣ ሕቡራት ሃገራት ከ እንታይ ይብል?

መዓስከር ኣለምዋጭ

ምንጪ ስእሊ, The Act Of Good Samaritan

ኣብ ኢትዮጲያ ክልል ኣምሓራ፡ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝተደኰነ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝናብ ክራማት ብዘስዓቦ ኵነታት፡ ኵነታቶም መሊሱ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝወረደ ገሊጾም።

ኣቦ መንበር ንስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል ‘ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ’ ዝዀነ ኣቶ ሃብተኣብ እዮብን ኣብቲ መዓስከር ሻድሻይ ርእሳ እትነብር ዮዲት ዝተባህለት ኤርትራዊት ስደተኛን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቕ፡ ኣብዚ ወርሒ ክዘንብ ዝጀምረ ዝናብ ክራማት ተወሲኽዎ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ስቓይን ብዅሉ ሸነኻቱ ዘይምቹእ መነባብሮን ወዲቘም ከምዘለው ይገልጹ።

ዮዲት፡ “እቲ ቦታ ጀቕጀቕ ጨፈቃ፡ ጭፍን ዝበለ ግመን ጭው ዝበለ በረኻን ስለዝዀነ፡ ንድሕነትካ’ውን ኣስጋኢ’ዩ፤ ብቐሊሉ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን፡” ትብል።

እንተዀነ፡ ነዚ ባህሪያዊ ኵነታት ይዅን ቀረብ፡ መግቢ፡ ሕክምናን ውሕስነት ጸጥታን ንምምሕያሽ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ኮሚሽን ጕዳይ ስደተኛታትን ዛጊት ዝተገብረ ኣድማዒ ስጕምቲ ከም ዘየለ ኸኣ ይገልጹ።

ነዚ ስምዕታ ምርኵስ ብምግባር ቢቢሲ ትግርኛ ንኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወኪስዎ’ሎ።

እቲ ኮሚሽን፡ ነዚ ዝምልከት ስጕምትታ ከም ዝተወስደን ይውሰድ ከም ዘሎን ብምግላጽ፡ ቀረብ መግቢ ዝሓጸረሉ ምኽንያታት ጠቒሱ ንምምሕያሹ፡ ንባዕሉ’ቲ ኮሚሽን ምወላ ይጽበ ከምዘሎ፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ጸጥታን ንምምሕያሽ’ውን ኣብ ርእሲ’ቲ ክግበር ዝጸንሐ ስጕምቲ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጲያ ምዝርራብ ይግበረሉ ከም ዘሎ መብርሂ ሂቡ’ሎ።

ስደተኛታት ብኸመይ ኣብኡ በጺሖም?

“ኣመጻጽኣና ከቢድ እዩ። ቅድሚኡ፡ ቅድሚ’ቲ ኲናት’ውን ብሰንኪ ኮሮና ናብራና ከቢዱ እዩ ጸኒሑ፡” ትብል - ዮዲት።

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ብዝተፈጥረ ኵነታት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሽግር ኣሕሊፎም ካብ መዓስከራት ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ኣለምዋጭ ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ ኣብኡ ድማ ዝኸፍአ ነገራት የጋጥሞም ከም ዘሎ ዮዲት፡ በቲ ዝወርዶም ኵነታት ኣምሪራ ትዛረብ።

ንሳቶም ከም ዝገልጽዎ፡ ድሕሪ ኲናት፡ ካብ መዓስከራት ትግራይ ሃዲሞም ናብ ኣለምዋጭ ንምብጻሕ፡ እቲ ንደላሎን ኣስገርትን ዝሕተት ክፍሊት ዘይተኣደነ እዩ። “ብዙሓት ክዳኖም ሸይጦም ዝመጽኡ፡ ኣብ መገዲ ዛሕዛሕ ዝበለ ሬሳ፡ ምርሻን፡ ዝምታ፡ ዓመጽ ሰጊሮም" ከምዝኣተው ይገልጹ።

"ብሰንኪ ጥሜት፡ ድኻም፡ ሞት፡ ሃለዋቶም ዝጠፍአን ብዙሕ’ዩ፡” ብምባል እቲ ጕዕዞ ኣሰቃቒ ምዃኑ ኣቶ ሃብተኣብ ይገልጽ።

ኵነታት መዓስከር ኣለምዋጭ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ኣብቲ ከባቢ ዳባት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተደኰነ መዓስከር ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ከም ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብቲ ቦታ እናተመላለሰ ሓገዛት ዝገብር ኣቶ ሃብተኣብ፡ ካብ ማሕበር ‘ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ'፡ ብመሰረቱ እቲ መዓስከር ኣብ ዘይምቹእ ቦታ ሕርሻ ዝተደኰነ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ቴንዳታት’ውን ከቢድ ዝናብን ንፋስን ክጸውር ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ “ኣብቲ ጭቃ ዝኣተወ እንስሳ፡ እግሩ ተቘሪጹ እዩ ዝወጽእ፡” ብምባል ንኣሸጋሪ ክሊማዊ ኵነታት’ቲ ከባቢ ይገልጽ።

“ብፍላይ ህጻናት ከቢድ ስቓይ የሕልፉ ኣለው፣ ኣብ ከቢድ ኣሰካፊ ኵነታት ዓጸቦ እዮም ዘለው፡” ኢሉ ትዕዝብቱ ይገልጽ።

ዮዲት ብወገና “ካብ ዓድና ዝተሰደድና ‘ኮ ደቅና ዝሓሸ መጻኢ ንኽህልዎም እዩ፡” ብምባል ኣብ ትግራይ ኲናት፡ ኣብ ኣለምዋጭ ድማ ዝኸፍአ ናብራ ከም ዝተጓነፎም፡ ካልእይ ይትረፍ እቶም ክመሃሩ ዕድመኦም ዝኣኸለ’ውን መባእታዊ ዕድል ትምህርቲ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ፡ ንመጻኢኦም ከም ትስከፍ ትዛረብ።

ዮዲት፡ ኣብቲ መዓስከር ክትኣቱ እንከላ፡ ንዓኣን ንሓሙሽተ ደቃን ዝኸውን መቝነን እኽሊ ሓንሳእ ምስ ተዋህባ፡ ክሳብ ሕጂ መግቢ ከም ዘይተዋህቦም፡ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ’ውን ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ መግቢ ከም ዘይረኸቡ ትዛረብ።

“ተደጋጊፍና ኢና ንሓልፎ፣ ብዝሒ ኣባላት ስድራ ዘለዎ ቅሩብ ይሓይሽ፡ ናይ ኵሎም ኣጠራቒሙ ይናበር፡” ትብል’ሞ፡ እቶም ንውልቈም ዝነብሩ ግን፡ ፈጺሙ ከምዘይኣኽሎምን ኣመና ከም ዝሽገሩን ተረድእ።

ንመሰንከቲ ዝኸውን ዕንጸይቲ ከም ዝወሃቦም ትገልጽ ዮዲት፡ ምስቲ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣየር፡ መሰንከቲ ቦታን ንባዕሉ እቲ ዕንጸይቲ’ውን ተርኪሱ ኣጸጋሚ ምዃኑን ትዛረብ።

“ኣብቲ መዓስከር ፈጺምካ ኮፍ ክትብል ኣይትኽእል፣ ዓቕልኻ ዘጽብብ እዩ፡” ብምባል ዝበዝሕ ሰብ ዳባት ክውዕል ከም ዝመርጽ ትገልጽ።

እንተዀነ፡ “ኣብታ ከተማ በጺሕካ ክትምለስ’ውን ዘይትተኣማመነሉ እዩ። ኣብ መገዲ ትዝመት፡ ትስረቕ፡ ‘ኤርትራዊ ገንዘብ እዩ’ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ። ስርቅን ዘይምቕሳንን ግኑን እዩ፣ ገንዘብ ኣለዎ ኢሎም ዝጠርጠርዎ፡ ከቲሮም ይሃርምዎ ይዘምትዎ፡” ብምባል፡ ስደተኛ ግዳይ ስርቂ፡ ክትራን ዓመጽን ከም ዝዀነ’ውን ተረድእ።

ኣብቲ መዓስከር ብዅሉ ዅሉ ክነብር ምኽኣል ዝሰኣነ ድማ፡ ተጻጊሙ፡ ካብ ኣዝማዱ ቅሩብ ደገፍ እናረኸበ 500 ብር ከፊሉ ኣብ ዳባት ተኻርዩ ክጸንሕ ዝመረጸ ሓያለ ስደተኛ ከም ዘሎ’ውን ትገልጽ።

ብሰንኪ’ዚ፡ ብፍላይ እቶም መንእሰያት ኮፍ ከም ዘይብሉን፡ ብሕቡእ ናብ ከተማ ጐንደር 8 ሽሕ ብር ከፊሎም ከም ዝኸዱ ትገልጽ።

“ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ናብ ዝጠዓሞም ይኸዱ፡” ከኣ ትብል።

“ገሊኦም ካብኡ ንሱዳን፡ ብሰሃራ ገይሮም ንሊብያ ዝኸዱ ዝበጽሑ፣ ኣብ መገዲ ሕማቕ ዘጋጠሞም ኣለው፡” ይብል ኣቶ ሃብተኣብ።

እቶም ስደተኛታት ጕዳዮም ብወከልቶም ኣቢሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት እዮም ዘቕርቡ።

መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ

ምንጪ ስእሊ, The Act Of Good Samaritan

ዮዲት፡ “ትምህርቲ ምስ ተወድአ ብግዚያውነት ናብቲ ኣብ ጥቓና ዘሎ ቤት ትምህርቲ ከነግዕዘኩም ኢና፡” ዝበሃል ዘረባታት ብመገዲ ወከልቶም ከም ዝመጽአ ብምግላጽ፡ ንሓዋሩ ዝኸውን ፍታሕ ግን ዛጊት ከምዘየለ ትዛረብ።

ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፡ ዝበዝሐ ዓቕሚ ዘለዎ ስደተኛ ናብ ከተማ ከይዱ እዩ ዝሕከም።

“ካብ መዓስከር ወጺእካ፡ ናብ ከተማ ዘይኰነስ ናብቲ ኻልእ ኣንፈት ቀዳማይ ረዲኤት ዝወሃበሉ ሕክምና ከም ዘሎ ተነጊሩና፣ ግን ጭው ዝበለ በረኻ እዩ፡ ናብኡ ገጽና ኣይንኸይድን ውሕስነት የብሉን።” ትብል።

ኣቶ ሃብተኣብ ብወገኑ፡ እቲ ቦታ ስእነት ጸጥታ ከም ዘለዎ፡ ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ከም ዝንቀሳቐሱን ይገልጽ።

“ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ ዕጡቓት ናብቲ መዓስከር ኣትዮም ዘሚቶም ከይዶም እዮም፡” ብምባል፡ ብድሕሪኡ ሓይልታት መንግስቲ መጺኦም ከረጋግእዎ ፈቲኖም ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ “እንተዀነ ሕጂ’ውን ጸጥታ ፈጺሙ ዘተኣማምን ኣይኰነን፡ ስርቂ፡ ክትራን ዓመጽ ቀጻሊ ተርእዮ እዩ፡” ይብል።

ሃብተኣብ ከም ዝገልጾ፡ ካብ መዓስከር ኣለምዋጭ ወጻኢ፡ ሃይቅ ኣብ ዝተባህለ ቦታ’ውን ብተመሳሳሊ ሰለስተ ሚእቲ ዝዀኑ ካብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ፡ ኤርትራውያን’ውን ኣብ ቴንዳን ሃሩርን፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘለው ይገልጽ።

እዚኣቶም፡ ስደተኛታት ዘይኰኑ፡ ኣብ ከተማታት ትግራይ ኣብ ንግድን ካልእ ዝተፈላለየ ስርሓትን ተዋፊሮም ናብራኦም ዝመርሑ ዝነበሩ ኰይኖም፡ “ካብኡ ሃዲሞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓይልታት መንግስቲ ተኣሲሮም ነይሮም፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ምስተረጋገጸ፡ ኣብ ሃይቅ ጥቓ ደሴ፡ ኣብ መዓስከር ይነብሩ ኣለው።” ብምባል፡ ንዅሎም ስደተኛታትን ተፈናቐልቲ ቈላሕታ ከም ዘድልዮም ለበዋኡ የቕርብ።

ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ከ እንታይ ይብል?

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብፍሉይ ንጕዳይ ስደተኛታት ኣለምዋጭ ኣመልኪቱ ንኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNHCR] ኣብ ኢትዮጲያ ተወኪስዎ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ምላሹ፡ እቲ መዓስከር ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኵነታት ሓመድ ናይቲ ቦታ ንዋሕዚ ውሕጅ ጥጡሕ ከም ዘይገብሮ ጠቒሱ፡ ነዚ ንምምሕያሽ ከኣ ካናለታት ውሕጅ ከህነጽ ከም ዝጸንሐን፣ ንመዕገቲ ዕልቕልቕ ዝዝውተር ሓመድ ዝመልአ መሸማዓት ኣብ ነፍስወከፍ ቴንዳ ከም ዝኸቦ ብምግባር፡ ውሕጅ ንውሽጢ ከይኣቱ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ ይብል።

እቲ ኮሚሽን ኣተሓሒዙ፡ ኣብ መጻኢ ክስዕብ ንዝኽእል ዕልቅልቕ ንምውጋድን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ሓደጋ ንምክልኻልን ክከኣል፣ ነቲ ቦታ ብመሰረቱ ንምምሕያሹ ግን UNHCR ዝያዳ ገንዘባዊ ሓገዝ ይጽበ ከም ዘሎ ይገልጽ።

ንሕጽረት ቀረብ መግብን መድሃኒትን ስደተኛታት ዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶ ኣመልኪቱ፡ UNHCR ኣብ ኣለምዋጭ ንዘለው ኣካየድቲ፡ ህይወት ኣድሕን መድሃኒት፣ ቀረብን መሳርሕታትን ሕክምና ኣብተን ዘለዋ ትካላት ጥዕና ንስደተኛታት ንኽቕርቡ ዘድሊ ደገፍ ከም ዝገብር ይገልጽ።

ተወሳኺ ክንክን ዘድልዮም’ውን ኣብ ደባርቕን ጐንደርን ኣብ ዘለው ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ‘ሪፈራል’ ይወሃብ’ዩ። “እንተዀነ ስደተኛታት ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ምእንቲ ክረኽቡ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ስርዓተ ክንክን ጥዕና [ኢትዮጲያ] ከምዝወሃሃዱ ንምግባርን ንሰበስልጣን ንኸነእምን ንጽዕር ኣለና፡” ይብል እቲ ብዩኤንኤችሲኣር ዝተዋህበ ምላሽ።

ንቐረብ መግቢ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ’ውን፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ግንቦት 2022 ጀሚሩ ኣብ ኣለምዋጭ ንዝርከቡ ስደተኛታት መቝነን መግቢ ክህብ ከም ዝጸንሐ፡ እቲ ኮሚሽን የመልክት።

እንተኾነ ብሰንኪ ዓለማዊ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፡ ግጭትን ክሊማዊ ምዝባዕን ዝመጽአ ምንካይ ሰብኣዊ ዓቕሚ፣ ዝረአ ዘሎ ሕጽረት ምወላ፡ መጠን መቝነን መግቢ ብዓቢኡ ብ 40 ሚእታዊት ንኽጐድል ምኽንያት ኰይኑ ከም ዘሎ እቲ ኮሚሽን ይኣምን።

“እዚ ማለት ብዙሓት ስደተኛታት እኹል መግቢ ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ፣ ኣብ ውሕስነት መግቦምን ኣመጋግባኦምን ጽልዋ ፈጢሩ’ሎ፡” ይብል።

በዚ መሰረት ድማ እቲ ኮሚሽን፡ ስደተኛታት ዘድልዮም መግቢ ንኽረኽቡ ንምሕጋዝ፡ ምወላታት ለገስቲ ንክቕጽል ጻውዒት ምቕራብ ይቕጽል ምህላው ሓቢሩ።

ነቲ ዘይተመሓየሸ ኵነታት ጸጥታ’ቲ መዓስከር ብዝምልከት ንዝቐረበ ስምዕታ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ክምልስ እንከሎ፡ ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያን ግንቦትን 2022፡ እቲ መዓስከር ብግጭት ተሃስዩ እዩ ኢሉ የረጋግጽ።

እቲ ኮሚሽን ከም ዝብሎ፡ ከኣ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ምስቶም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኵነታት ጸጥታ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዘኽእል ስጕምቲታት ሓለዋ ክወስዱ ድፍኢት ክገብር ጸኒሑ’ሎ።

ከም ውጽኢቱ፡ ኣባላት ጸጥታ ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም ከምኡ’ውን ንጸጥታ ናይቲ ከባቢ ስደተኛታት ዝሕሉ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዘተዋፈረን፣ ኣብ ኣፍደገ’ቲ መዓስከር’ውን መፈተሺ ነቝጣ ከም ዝተተኽለን፡ ይገልጽ።

ብዘይካ’ዚ፡ ድሕነት ስደተኛታት ንምርግጋጽ፡ ንጸጥታ ዝምልከት፡ ኣብ መንጐኦምን ኣባላት ጸጥታን ብቐጻሊ ምልውዋጥ ሓበሬታ ከም ዝካየድ፡ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምላሽ ይህብ።