ኣብ ስእልታትና ዝረኣዩ ‘መናፍስቲ’ እንታይ እዮም?

'መናፍስቲ'

ምንጪ ስእሊ, iStock

ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃምፕተን ኮርት ለንደን፡ ጓል 12 ዓመት ሆሊ ሃምፕሻየር፡ ንጓል ሓውቦኣ ብሩክ ክትስእላ ኣይፎና ሒዛ ናብቲ ዝነበረትሉ ክፍሊ ንበይና ከይዳ።

ናብቲ ክፍሊ ምስ ኣትወት ንብሩክ በይና ረኺባታ።

ቀጭ! ቀጭ! ቀጭ! ስኢላታ።

ንጽባሒቱ፡ ኣብቲ ክፍሊ ብሩክ በይና ከም ዘይነበረት ፈሊጠን።

ሓንቲ ነዋሕ፡ ግራጭ፡ ካባ ዝለበሰት ትመስል ሰበይቲ ብድሕሪኣ ነይራ። እቲ ዝገርም ነገር እታ ሰበይቲ ኣብቲ ካልኣይ ስእሊ ኣይነበረትን።

ኣብ ካሜራታት ሳሕቲ ዝረአ ምርኢት ዝፈጥር ዘደንጹ ምስሊ ድዩ ነይሩ ወይስ ካልእ ካብዚ ንላዕሊ?

'ስእልታት መንፈስ' ሎሚ እውን ይርአ እዮም - ንኣብነት ኣብዚ ብኣይፎን ዝተሰኣለ ስእሊ ግራጭ ሰበይቲ ‘ትርአ’

ምንጪ ስእሊ, The Sun/News Syndication

መግለጺ ስእሊ, 'ስእልታት መንፈስ' ሎሚ እውን ይርኣዩ እዮም - ንኣብነት ኣብዚ ብኣይፎን ዝተሰኣለ ስእሊ ግራጭ ሰበይቲ ‘ትርአ’

ብሓቂ እዚ ግራጭ ስጊንጢር ነገር ኣብ መሳጢ ታሪኽ ስእሊ ረቒቕ መንፈስ ዝተፈጠረ ዳሕረዋይ ርእየት ጥራይ እዩ።

ካሜራ ካብ ዝመሃዝ ኣትሒዙ፡ መንፈሳት ኣብ ስእልታት ተራእዮም እዮም።

ምስ ነፍሲ ወከፍ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ካሜራ ድማ፡ ሓደስቲ ኣሰራት ዓይነታት 'መናፍስቲ' ይቕልቀሉ ኣለዉ።

"ከም ሰኣላይን ብረቒቕ መንፈስ ዘይኣምንን ሰብ ኰይነ ክርእዮ ከለኹ፡ ኣነ ይጠራጠር’የ... ምስ ገለ ዓይነት ሜላ ስእሊ ክተሓሓዝ ዘይክእል ነገር የለን" ይብል ዋና ዳይረክተር ንጉሳዊ ማሕበር ስእሊ ማይክል ፕሪትቻርድ።

ሻድሻይ ህዋስን ስሚዒትን

ስእሊ 'መናፍስቲ' ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ነይሩ እዩ።

ኣብ 1850ታትን ‘60ታትን ብዙሓት ሰኣልቲ ከም ስቴሪዮስኮፒክ ምስልታትን ድርብ መዳይ ሸነኽን ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ‘ኢፌክትስ’ ይፍትኑ ነይሮም።

ገለ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ሰኣልቲ ግን እዞም ሜላታት እዚኦም ንመኽሰብ ክምዝመዙ ከም ዝኽእሉ ክግንዘቡ ግዜ ኣይወሰደሎምን።

መምለር ብኸምዚ ናይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ኣብርሃም ሊንከን ዝኣመሰሉ ስእልታት ብምትላል ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Lincoln Financial Foundation Collection, Allen Country Public Library

መግለጺ ስእሊ, መምለር ብኸምዚ ናይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ኣብርሃም ሊንከን ዝኣመሰሉ ስእልታት ብምትላል ተኸሲሱ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዊልያም መምለር ዝተባህለ ኣመሪካዊ ኣማተር ሰኣላይ፡ ኣብ መጀመርታ 1860ታት ‘መንፈስ’ ዝሰኣለ ናይ መጀመርታ ሰብ ምዃኑ ይግመት።

መናፍስቲ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ብልሓት መምለር ኣዝዩ ተፈታዊ ኰይኑ።

ኣብ መጀመርታ ክኢላታት ብዛዕባ መንፈሳዊ ስእልታት መምለር ዝዀነ ምትላል ክረኽቡ ጽዒሮም።

ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኣማተር ዝነበረ ሰኣላይ ፕሮፌሽናል (በዓል ሞያ) ኰይኑ፤ ኣዝማድ ናይቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ምስቶም ዝፈትውዎም ገለ ዓይነት ልዕለ ባህርያዊ ርክብ ክገብሩ ዝነበሮም ሓያል ድልየት ንመምለር ልዑል ኣታዊ ዘለዎ ንግዲ ኰይንሉ።

መምለር ነዚ ክገብር ዝኸኣለ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተዳለወ ናይቲ መዋቲ ዘይተሓጸበ ምስሊ ኣብ ሓደ ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ ተሃዋሲ ጽላት ጠርሙስ ገይሩ ኣብ ቅድሚት ካሜራኡ ብምግጣም፡ ብድሕሪኡ ዓሚሉ ንምስኣል ተጠቒሙሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እዚ ድርብ መዳይ ሸነኽ (ዳብል ኤክስፖዠር) ሜላ ምስሊ፡ ናይቲ ዓሚል ጥራይ ዘይኰነስ ናይቲ ኣብቲ ጽላት ጠርሙስ ዝተዳለወ 'መንፈሳዊ' ዝመስል ምስሊ እውን ይቐርጽ ነይሩ።

ኣብ ሓደ ካብቲ ዝያዳ ፍሉጥ ጻዕርታት መምለር፡ ‘መንፈስ’ ኣብርሃም ሊንከን ምስ ምስሊ በዓልቲ ቤቱ ሜሪ ቶድ ሊንከን ይርአ።

መምለር ቁጽሪ ዓማዊሉ እናወሰኸ ከይዱ፡ ብኡ መጠን ግን ነቐፍቱ’ውን ወሲኾም።

ሓደ ብፍሉይ ንስራሕ መምለር ዝጠራጠር ዝነበረ፡ እቲ መንፈሳዊ ስእልታት ብጓሂ ዝተደበኑ ስድራቤታት ወይ ውልቀሰባት ጥራይ ዝሃድኑ ምዃኖም ዝገልጽ ምርኢት ዝሰርሕ ፒ.ቲ. ባርኑም’ዩ።

መምለር ስእሊ ናይ ዝሞቱ ኣዝማድ ንምስራቕ ገዛውቲ ሰቢሩ ከም ዝኣተወን፡ ገለ ካብቶም ኣብ ስእልታቱ ዝቐረቡ ‘መንፈሳት’ ብሓቂ ገና ብህይወት ከም ዘለዉን ዝገልጹ ክሲታት ተቐልቂሎም።

ኣስተውዒልኩም እንተርኢኹም ኣብ ስእልታት ዝርከቡ ድብዝዝ ዝበሉ ምስልታት ክትዕዘቡ ትኽእሉ

ምንጪ ስእሊ, Doug Gelser/Flick/CC BY 2.0

መግለጺ ስእሊ, ኣስተውዒልኩም እንተርኢኹም ኣብ ስእልታት ዝርከቡ ድብዝዝ ዝበሉ ምስልታት ክትዕዘቡ ትኽእሉ

መምለር ብምጭብርባር ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ። ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ፡ ከም ናይ መምለር ዝበሉ ምስልታት 'መናፍስቲ' ምስራሕ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ንምግላጽ፡ ሓደ ነቓፊ መምለር፡ ንገዛእ ርእሱ ምስ ‘መንፈስ’ ኣብርሃም ሊንከን ኰይኑ ዘርኢ ስእሊ ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ዋላ'ኳ መምለር ነጻ እንተዀነ፡ ከም መንፈሳዊ ሰኣላይ ዝነበሮ ሞያ ግን ኣብቂዑ'ዩ።

እቲ ንሱ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ሜላታት፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታት ተፈታውነት መንፈሳውነትን ስእሊ መናፍስትን እናዓበየ ምስ ከደ ካልኦት ሰኣልቲ ክጥቀሙሎም ጀሚሮም - ዋላ ክስታት ምትላል ስግኣት ኰይኑ እንተቐጸለ።

ዊልያም ስታይንተን ሞዘስ ዝበሃል እንግሊዛዊ ካህንን መጋቢን፡ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት መርማሪ መንፈሳዊ ምስልታት'ዩ ነይሩ።

ክለብ መንፈሳውያን፡ ብ1862 ዝተመስረተትን ኣብ ዓለም እቲ ዝጸንሐ ኣብ ክንዮ-ባህርያዊ ነገራት መጽናዕቲን መርመራን ዘካይድ ጉጅለ ምዃኑ ይእመን።

ኣቦ መንበር'ቲ ክለብ ኣላን ሙርዲ ከም ዝገልጾ፡ ዊልያም ስታይንተን “ክሳዕ 1875 ልዕሊ 600 መንፈሳዊ ዝተባህሉ ስእልታት መርሚሩ። ንሱ፡ ክንዮ-ባህርያዊ ክዀኑ ዝኽእሉ ምናልባት ካብ ደርዘን ዘይበዝሑ እዮም ይብል።”

ይኹን'ምበር ዋንነት ካሜራታት እናወሰኸ ምስ መጸ፡ ስእሊ መናፍስቲ’ውን እናበዝሐ ከይዱ።

"ኣብ 1880ታት ንገለ ካብቶም ብስምዒታት ሰባት ክጻወቱ ድሌት ዝነበሮም ሸፋቱ ማዕጾ ከፊቱሎም" ይብል ፕሪትቻርድ።

እዚ ስእሊ ናይ ሎርድ ኮምበርሚር 'መንፈስ' ኣብነት ናይቲ ድርብ መዳይ ሸነኽ (ዳብል ኤክስፖዠር) ነዊሕ ምቅላዕ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Sybell Corbett

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ኣብነት ናይቲ ድርብ መዳይ ሸነኽ (ዳብል ኤክስፖዠር) ነዊሕ ምቅላዕ፡ እዚ ስእሊ ናይ ሎርድ ኮምበርሚር 'መንፈስ' እዩ

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ስእልታት መናፍስቲ፡ ኣብ 1891 ዝተሰኣለ እዩ።

ሲቤል ኮርቤት ኣብ ቸሻየር ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ኮምበርሚር ኣቢ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ስእሊ ይስእል ነይሩ። ኣብ ሓደ ስእሊ፡ ሓደ ኣብ መንበር ኮፍ ዝበለ ሰብ ደብዛዝ ቅርጺ ርእሲ፡ ኳሌታን የማናይ ቅልጽምን ይርአ።

እቲ ኣብቲ ስእሊ ዝርአ ሰብ፡ መንፈስ ናይቲ ኣብቲ እዋን ስነስርዓት ቀብሩ ዝፍጸም ዝነበረ ሎርድ ኮምበርሚር ምዃኑ ይንገር። እቲ ድርብ መዳይ ሸነኽ (ዳብል ኤክስፖዠር) ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ነይሩ - እዚ ድማ ብዙሓት ተጠራጠርቲ፡ ኣብቲ ሰዓት ውሽጢ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ናብቲ ክፍሊ ኣትዩ ንሓጺር እዋን ኣብቲ መንበር ኮፍ ኢሉ ከም ዝነበረ ክሓስቡ ምኽንያት ኰይኑ።

መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ገዛ ግን፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ቀብሪ ሎርድ ኮምበርሚር ከም ዝነበሩ ይዛረቡ።

ዝኽሪ

ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ መንፈሳውነትን ስእሊ መናፍስትን ከም ጸሓፊ ልብ-ወለድን ኣባል ክለብ መንፈሳውያን ዝዀነ ሰር ኣርተር ኮናን ዶይል ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ደገፍቲ ረኺቡ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ኲናት ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት፡ ምስ ዝጠፍኡ ወይ ዝሞቱ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ዳግማይ ክራኸቡ ይምነዩ ነይሮም።

ሽዑ ካብቶም ክእለቶም ክጥቀሙ ኣዝዮም ድሉዋት ዝነበሩ ሓደ፡ ድሮ ስሩዕ ሰኣላይ 'መናፍስቲ' ዝነበረ እንግሊዛዊ ዊልያም ሆፕ’ዩ።

ዊልያም ሆፕ ኣብቲ ፍሬም መንፈሳት ከም ዘለዉ ዘመስል ድርብ መዳይ ሸነኽ (ዳብል ኤክስፖዠር) ምሂዙ

ምንጪ ስእሊ, National Media Museum

መግለጺ ስእሊ, ዊልያም ሆፕ ኣብቲ ፍሬም መንፈሳት ከም ዘለዉ ዘመስል ድርብ መዳይ ሸነኽ (ዳብል ኤክስፖዠር) ምሂዙ

ልክዕ ከም መምለር፡ ሆፕ እውን ብምትላል ተኸሲሱ፤ ኣብ 1922 ማሕበር ስነ-ኣእምሮኣዊ ምርምር፡ ሃሪ ፕራይስ ብዝተበሃለ ብፍሉጥ ተመራማሪ ክንዮ-ባህርያዊ ነገራት ዝተመርሐ መርመራ ኣካይዱ።

እንተዀነ ግን ሆፕ ዘይከም መምለር፡ ድሕሪ ምቅላዑ’ውን ከም መራኸቢን መንፈሳውን ሰኣላይ ኰይኑ ምስራሕ ቀጺሉ፤ ደገፍ ብዙሓት ውዕዉዓት ሰዓብቱ ድማ ይረክብ ነይሩ።

ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት፡ ሃሪ ፕራይስ ዝያዳ ዘደናግሩ ጉዳይ እውን መርሚሩ እዩ።

ብ1936፡ ካብ መጽሔት ካንትሪ ላይፍ ዝዀኑ ክልተ ሰባት፡ ኣብ ረይንሃም ሆል፡ ኖርፎክ፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ መደያይቦ ደው ኢሎም ተሳኢሎም።

ሰኣላይ ካፕቴን ሁበርት ፕሮቫንድን ተሓጋጋዚኡ ኢንድረ ሺራን ነቲ ቀንዲ መደያይቦ ክስእሉ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን፡ ሺራ ሃንደበት "በብቑሩብ መልክዕ ጓል ኣንስተይቲ ዝሕዝ ቅርጺ" ብመደያይቦ ናብኦም ገጹ ክወርድ ርእዩ። ድሕሪ ካልኢታት ብታህዋኽ ዝተሰኣለ ስእሊ ኣብ ካንትሪ ላይፍ ተሓቲሙ፤ ‘ዘ ብራውን ሌዲ’ ዝብል ስያመ ድማ ተዋሂብዎ።

ገለ ሰባት፡ ናይታ ኣብ 1726 ምስጢራዊ ሞታ ዘጋጠማን ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ኣብቲ ኣዳራሽ ትመላለስን ከም ዝነበረት ዝንገረላ እመቤት ዶሮቲ ታውንሸንድ ምዃኑ ይኣምኑ ነይሮም።

‘ዘ ብራውን ሌዲ’፡ ኣብዚ ስእሊ ዝርአ ዘሎ መንፈሳዊ ቅርጺ፡ ድርብ መዳይ ሸነኽ ንምፍጣር እቲ ካሜራ ንነዊሕ እዋን ስለዝተወዝወዘ ከም ዝመጽእ ይሕሰብ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Captain Provand

መግለጺ ስእሊ, ‘ዘ ብራውን ሌዲ’፡ ኣብዚ ስእሊ ዝርአ ዘሎ መንፈሳዊ ቅርጺ፡ ድርብ መዳይ ሸነኽ ንምፍጣር እቲ ካሜራ ንነዊሕ እዋን ስለዝተወዝወዘ ከም ዝመጽእ ይሕሰብ ነይሩ

ፕራይስ፡ እቲ ስእላዊ መርትዖ ዘይተመዓራረየ እዩ ዝብል ርእይቶ ነይርዎ።

"መጀመርያ ተመሲጠ። ፍጹም ቀሊል ዛንታ’ዩ ተነጊሩኒ። ኢንድረ ሺራ፡ ኣብታ ካፕቴን ፕሮቫንድ ርእሱ ብጸሊም ጨርቂ ዝሸፈነላ ህሞት ነቲ ተርእዮ ብመደያይቦ ክወርድ ከሎ ርእዩ። ጨዲሩ - እቲ ጸሊም ጨርቂ ተኣልዩ... እቲ ፍላሽ ኣምፑል ተኲሱ (ተወሊዑ)፣ ውጽኢቱ እቲ ንርእዮ ዘለና እዩ። ዛንታኦም ዘይምእማን ኣይከኣልኩን፤ ክኽሕሶም ድማ መሰል ኣይነበረንን። እቲ ዘይተሓጸበ ፊልም ዝዀነ ይኹን ምትላል ኣይነበሮን” ይብል ፕራይስ።

ካልኦት ግና ክንድኡ ዝኣክል እምነት ኣይነበሮምን። ብ1937፡ ዘ ሶሳይቲ ፎር ሳይኪካል ሪሰርች፡ እታ ካሜራ ንሽዱሽተ ካልኢት ኣብ ዝነበረት ‘ኤክስፖዠር’ ስለ ዝተናወጸት ጥራይ ምዃኑ ደምዲሙ።

"እቲ መበቆላዊ ፋይል መጽናዕቲ ኤስፒኣር ክሳብ ዝረክብ ኣብ ብራውን ሌዲ ኦፍ ሬይንሃም ሆል ምናልባት ገለ ነገር ኣሎ ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ" ይብል ሙርዲ።

ሙርዲ ከም ብዙሓት መርመርቲ፡ ሰባት ኣብ ፊልም ዝተቐረጹ መንፈሳውያን እዮም ኢሎም ዝኣምንዎ ብዙሓት ስእሊ ርእዩ እዩ። "ከም መርትዖ ክንዮ-ባህርያዊ ነገር ክቑጸሩ ዝኽእሉ ስእልታት ኣዝዮም ውሑዳት ይመስለኒ" ይብል።

‘ስለንደር ማን’ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምዕሩይ ስእልታት ዳርጋ ኣይርአን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Bob Mical/Flickr/CC BY 2.0

መግለጺ ስእሊ, ‘ስለንደር ማን’ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምዕሩይ ስእልታት ዳርጋ ኣይርአን እዩ

ካብ ዲጂታል ዝተፈለዩ

ናይ ሎሚ ዲጂታላዊ ካሜራታት’ውን ልክዕ ከምኡ ናይ ሓሶት ስግኣት ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ኣለወን። ንኣብነት እታ ኣብ ሃምፕተን ኮርት እትርከብ “ግራጭ እመቤት”፡ ካብቲ ኣብ ካሜራ እታ ጓል ዘሎ ቴክኖሎጂ ዝመጸት እያ።

ዘይከም ኣናሎግ ፊልም፡ ስልክታት ኣብ መስርሕ ምስኣል፡ ስእሊ ብደረጃታት ክወስዳ ይኽእላ እየን - ከምቲ ስካነር ኣብ ወረቐት ዝንቀሳቐሰሉ ኣገባብ ቐስ ብቐስ ማለት'ዩ። ብፍላይ ኣብ ጸልማት ቦታታት ኣብቲ ናይ ካሜራ ስልኪ እቶም ናይ ምስሊ ሰንሰራት እኹል ሓበሬታ ስእሊ ንምቕራጽ ዝያዳ ግዜ ስለዘድልዮም እቲ መስርሕ ድንጉይ እዩ።

እዚ ድማ 'ኢሜጅ ኣሊያሲንግ' ይበሃል። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብቲ ምስኣል ዝንቀሳቐስ ዝዀነ ይኹን ነገር ዝተዛብዐ ክመስል ይኽእል እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢንተርነት ሚማት፡ ስእሊ መናፍስቲ ዳግማይ ይርአ ኣሎ፤ ንኣብነት ‘ስለንደር ማን’ ብዙሓት ሰባት ሰባት ኣብ ስእልታት ዘእተውዎ ክንዮ-ባህርያዊ ገጸባህሪ እዩ።

ብዛዕባ ስኑዕ ስእልታትን ብኮምፒተር ዝፍጠሩ ምትዕርራያትን ኣፍልጦ'ኳ እንተሃለወና፡ ገለ ሰባት ግን መናፍስቲ ብካሜራ ክቕረጹ ከም ዘይኽእሉ ክኣምኑ ገና ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኣይመስሉን።

ብርግጽ ካብ 2013 ዝተገብረ ዳህሳስ፡ 42 ሚእታዊት ኣመሪካውያን ብመናፍስቲ ይኣምኑ፤ ኣብ 2014 ዝተገብረ ተመሳሳሊ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ ድማ፡ 39 ሚእታዊት ብሪጣንያውያን፡ መናፍስቲ ንሓደ ገዛ ክቆጻጸሩ ከም ዝኽእሉ ይኣምኑ።