ስኑዕ ስእሊ ንምልላይ ዝሕግዙ ሓሙሽተ መገድታት

ዕንወት ዘርእዩ ዘይተለምደ ምስልታት ተዘርጊሖም ነይሮም

ህቦብላ ሳንዲ ንኢስተርን ሲቦርድ ኣብ ዝሃረመሉ እዋን፡ ነቲ እቲ ዕንወት ዘርእዩ ዘይተለምዱ ምስልታት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ነይሮም።

ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሃንደበት ዘሕዝን ዛንታታት ብዘርእዩ ምስልታት ኣዕለቕሊቖም።

ግራውንድ ዜሮ (ምድሪ እተን ኣብ 9/11 ብግብረሽበራ ዝዓነዋ ማናቱ ህንጻታት) ብማይ ባሕሪ ክዕለቕልቕ፤ ሓወልቲ ሓርነት ብግዙፍ ማዕበል ክህረም፤ ዋላ'ውን ሻርክ ኣብቲ ውሕጅ ዝመልኦ ማያት ኒው ጄርሲ ክዞሩ ዘርእዩ ስእልታት ተዘርጊሖም ነይሮም።

ግን፡ እቲ ህቦብላ ምስሓለፈ፡ ገለ ሰባት ከም ዝተታለሉ ክግንዘቡ ጀሚሮም። ገለ እቶም ስእልታት ናይ ሓሶት እዮም ነይሮም፡ ወይ ከምቲ ኣብቲ ስእሊ ዝተረኣይዎ ኣይነበሩን።

ስለዚ፡ እቲ ናብ ኣዕሩኽትኹም፣ መሳርሕትኹም ወይ ተኸታተልትኹም ክትሰድዎ ዝደለኽምዎ ስእሊ ናይ ብሓቂ ድዩ ኣይኮነን ብኸመይ ትፈልጡ?

ቢቢሲ ፊዩቸር ብናይ ሓሶት ስእሊ ተታሊልኩም እንተኾይንኩም ንምፍላጥ ከምኡ’ውን ዳግማይ ከይትታለሉ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ሓሙሽተ ሓሙሽተ መገዲታት ኣቐሪቡልኩም ኣሎ።

1. ነፍስኹም ተኣመኑ

ነብስኹም ተኣመኑ ማለት ውሽጥኹም ዝነግረኩም ስምዒታት ብምስትብሃል ቅኑዕ ወይ ጌጋ ውሳነ ትወስዱ ከም ዘለኹም ምፍላጥ ማለት እዩ።

'[ሓደ ስእሊ] ምናልባት ስናዕ ስእሊ መሲሉ እንተተራእይኩም ከምኡ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፡' ትብል፡ ጋዜጠኛታት ብኸመይ ዝተሰንዑ ኣሳእል ከም ዘለልዩ እተሰልጥን ዳይረክተር WTSP.com ተሬዛ ኮሎንግተን።

ነቲ ምስሊ ኣጸቢቕኩም ርኣይዎ’ሞ ብልብኹም ሕሰቡ፤ እቲ ስእሊ ሓቂ ይመስል ድዩ? ኣዝዩ ፍጹም ዝኾነ ኮይኑ ተሰሚዕኩም ድዩ? ዝኾነ ጌጋ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕኩም ድዩ?

እቲ ስእሊ ብሓቂ ዘገርም እንተኾይኑ ግን ድማ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዓበይቲ ምንጭታት ዜና እንተዘይወጺኡ፡ ንሓንቲ ካልኢት ደው ኢልኩም ሕሰቡ ትብል ኮሊንግተን።

መብዛሕትአን መርበባት ሓበሬታ ብቕጽበት ነቲ ፍጹም ስእሊ ክጥቀማሉ እየን። እንተዘይተጠቒመናሉ ምናልባት ናይ ብሓቂ ስለዘይኮነ እዩ።

ኮሊንግተን፡ ስእልታት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ብቕልጡፍ ክዝርግሑ ይኽእሉ እዮም ትብል። ምኽንያቱ ሰባት ስለዝፈርሑ፡ ፍርሒ ድማ ኣብ ስምዒት ጥርጣረና ከይነዳምጽ ይገብረና እዩ።

"ብዝኾነ ብዙሕ ዘይእመን ስእልታት አሎ፡ ስለዚ ሰባት ዝእመንን ዘይእመንን ናይ ምግንዛብ ተኽእሎኦም ከስፍሑ ኣገዳሲ ዝኾነሉ እዋን እዩ። ናይ ብሓቂ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ስምዒትኩም ንምድማጽ፡ ተወሳኺ ካልኢት ወሲድኩም ነቲ ነፍስኹም ዝነግረኩም ስምዒት አስተብህሉ" ትብል ተሬሳ።

2. ብርሃን እቲ ስእሊ ኣስተውዒልኩም ርኣይዎ

"ናይ ሓሶት ስእሊ ኣብ ምድላው ዝኸበዱ ነገራት ብርሃን፡ ጽላሎትን ነጸብራቕን እዮም" ይብል ሃኒ ፋሪድ።

ንሱ ኣብ ዳርትማውዝ ኮሌጅ ኒው ሃምፕሻየር ክኢላ ዝተመዓራረዩ ምስልታትን መስራቲ ናይቲ ሰባት ናይ ሓሶት ንኽፈልጡ ስእሊ ንኽፈልዩ ንምሕጋዝ ውፉይ ዝኾነ ኩባንያ ፎርኤንድሲክስ ቴክኖሎጂስ ኢንኮረፖሬትድ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ህቦብላ ንነገራት ከም ዝሓላለኸ ይዛረብ።

"እቶም ምስልታት ኩነታት ኣየር ዝተሓላለኹ እዮም፡ ምኽንያቱ ሓደ ካብቲ እንጥቀመሉ ነገራት ከም ብርሃንን ነጸብራቕን ሃሳስ ነጥብታትን ዝኣመሰሉ ነገራትን እዮም። ኣብቶም ምስልታት ድማ ብሓቂ የለዉን" ብምባል ሓደ ሓደ ግዜ ግን እቲ ብርሃን ፍንጪ ክኾነና ከምዝኽእል የረድእ።

ኢራን ኣብ 2008 ዘርኣየቶ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ንሓንቲ ከይተተኮሰት ዝፈሸለት ሚሳይል ንምእላይ ምተዕርራይ ተገይሩላ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Fourandsix.com

መግለጺ ስእሊ, ኢራን ኣብ 2008 ዘርኣየቶ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ንሓንቲ ከይተተኮሰት ዝፈሸለት ሚሳይል ንምእላይ ምተዕርራይ ተገይሩላ’ዩ

እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዓቢን ንዓለም ዘጥፍእ ዝመስልን ህቦብላ ንሓወልቲ ሓርነትን ንከተማ ኒውዮርክን ክውሕጥ ተዳልዩ ዘርኢ ስእሊ ርኣዩ።

ኣብ ደበናታት ዘሎ ብርሃን ቐሪብኩም እንተርኢኽሞ፡ ድሕሪኡ ድማ ነታ ኣብ ቅድሚት ናይቲ ስእሊ ዘላ ጃልባ እንተርኢኹም፡ ክልቲኡ ካብ ሓደ ምስሊ ከምዘይኮኑ ንጹር ይኸውን።

ተሬሳ ኮሊንግተን፡ “ብሓቂ ነቲ ስእሊ ብቐረባ ርኣይዎ” ትብል። ኣብ ቅድሚት ንዘሎ ​​ነገር መሪጽኩም ምስቲ ኣብ ድሕሪት ዘሎ ብርሃን እንተ ኣነጻጺርክምዎ፡ ፍልልያቱ ዝያዳ ርኡይ ክኸውን ይኽእል።

ኣብዚ ጽሑፍ ዝቐረቡ ቀዳማይን ካልኣይ መንገዲታት ግን ከይተሓሰበ ከጋግዩና ከምዝኽእሉ ፋሪድ ይኣምን።

“ውሽጣዊ ስምዒትና ዝነግረና ልክዕ ዝኾነሉ ዝተወሰኑ ነገራት ኣለዉ። ኣብ ካልኦት ድማ ናይ ብሓቂ ዝጋገየሉ ኩነታት ኣለዉ” ክብል ይዛረብ።

ሓደ ካብ’ቲ ዝጋገየሉ ኩነታት፡ ብርሃን ናይ ሓደ ምስሊ ምትዕርራይ ዝተገብረሉ ድዩ ኣይኮነን ምሕባር ከምዝኾነ ይሕብር።

“ብሓፈሻ ብብዙሓት ባእታታት ዝቖመ ዝተሓላለኸ ምስሊ ኣብ ምቕላልን ምውዳብን ውሽጣዊ ስምዒትና ምእማን ሓደ ነገር ኮይኑ፡ በቲ ጭቡጥ ኣካላዊ ባህርያት ውሽጥና ምትእምማን ብዝምልከት ግን ንፉዓት ኣይኮነናን።”

ስለዚ ቀዳማይን ካልኣይ መንገዲታት ተጠቒምኩም ሕጂ’ውን ርግጸኛታት እንተዘይኮይንኩም፡ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሓምሻይ ዘለዉ ሜላታት ፈትኑ።

3. ሰባት ዝገበርዎን ዝተኸደንዎን ከምኡ’ውን ነቲ ሰማይን ዓይነት እቲ ስእሊን ርኣዩ

ኣብ 2004 ኣብ ዘጋጠመ ሱናሚ፡ ኣብ ቻይና ብ2002 ኣብ ሩባ ቺያን ታንግ ጂያንግ ዝተሳእሉ ሓያሎ ስእልታት ተዘርጊሖም ነይሮም።

ተሬሳ ኮሊንግተን፡ እቲ ኣብ ድሕሪት እቲ ስእልታት ዝርአ ዝነበረ ሰማይ ናይታ ብሱናሚ ዝተሃርመት ፑኬት ስለዘይነበረ ናይ ሓሶት ከምዝኾነ ፈሊጣ። ጽሬት ናይቲ ምስልታት ምልክት ኮይንዋ።

እቲ ምስሊ ካብ ፊልም ዝተስኣለ ወይ ካብ ጋዜጣ ዝተቐድሐ ከይኸውን ተጠራጢራ።

እቶም ኣብቲ ስእልታት ዘለዉ ሰባት ዝተኸደንዎ ወይ ዝገብርዎ ነገር እውን ርኣዩ።

ንኣብነት እቶም ኣብ 2004 ናይ ዘጋጠመ ሱናሚ ተባሂሎም ዝተዘርግሑ ስእልታት ቐሪብኩም እንተርኢኽምዎም፡ ብዙሓት ሰባት ዝስሕቑ ወይ ፍሽኽ ዝብሉ ይመስሉ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝሃርም ማይ ካብ’ቲ ታይዳል ቦር ዝበሃል መስሕብ በጻሕቲ ቻይና ስለዝኾነ እዩ።

እቲ ስእሊ ናይ ሱናሚ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ሰባት ክሳብ ክንድ’ዚ ሕጉሳት ኮይኖም ኣይምተርኣዩን ነይሮም።

እዚ ስእሊ ግን ብሓቂ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝተስኣለ ከምዘይኮነ መረጋገጺ ኣብቲ ስእሊ ፍሽኽ ዝበሉ ሰባት ኣለዉ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ስእሊ ግን ብሓቂ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝተስኣለ ከምዘይኮነ መረጋገጺ ኣብቲ ስእሊ ፍሽኽ ዝበሉ ሰባት ኣለዉ

4. ቅድሚ ሕጂ ነቲ ስእሊ ዝረኣኽምዎ ኮይኑ ተሰሚዕኩም ድዩ?

እቲ ሓወልቲ ሓርነት ብማዕበል እናተሃርመት ዘርእይ ምስሊ ዝፍለጥ ይመሰል። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ካብታ ‘ዴይ ኣፍተር ትሞሮው’ ትብል ፊልም ስለ ዝተወስደ እዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ቅድሚ ሕጂ ዝተርኣዩ ስእልታት ከም እንደገና ክዝርግሑ ይኽእሉ እዮም ይብል ፋሪድ።

ስለዚ ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦ ስእሊ እንተመሲሉና ምናልባት ንፈልጦ ስእሊ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎ።

እዚ ስእሊ ካብታ ኣብ 2004 ዝተሰርሐት ኣክሽን ፊልም ዘ ደይ ኣፍተር ቱሞሮ ዝተወስደት’ያ
መግለጺ ስእሊ, እዛ ስእሊ ካብታ ኣብ 2004 ዝተሰርሐት ኣክሽን ፊልም 'ዘ ደይ ኣፍተር ቱሞሮ' ዝተወስደት’ያ

5. እቲ ስእሊ ዘይእመን ነገር እንተሃልይዎ ምናልባት ናይ ሓሶት ክኸውን ይኽእል እዩ

ድሕሪ ህቦብላ ሳንዲ ሓያሎ ምስልታት ሻርክ ተራእዮም’ዮም ነይሮም። ናይ ብሓቂ ከምዘይኮኑ’ውን ዳርጋ ርዱእ’ዩ።

እዞም ኣብ ኒው ጄርሲ ኒው ዮርክ ሻርክታት ክንቀሳቐሱ ዘርእዩ ስእልታት እንተርኢና ኣብ ውሕጅ ዝኸደሉ መገዲ ክረኣዩ ኣዝዩ ዘይእመን ነገር’ዩ።

ካብኡ ንላዕሊ ድማ ዝኾነ ሰብ ክስእሎም ዝኽእለሉ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰሉ ስእልታት ቅድሚ ምዝርጋሕና ዝተመዓራረየ ስእሊ ወይ ፎቶሾፕ ከምዘይኮነ ከነረጋግጽ ይግባእ።

ድሕሪ ህቦብላ ሳንዲ ሓያሎ ምስልታት ሻርክ ተራእዮም’ዮም ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ህቦብላ ሳንዲ ሓያሎ ምስልታት ሻርክ ተራእዮም’ዮም ነይሮም

ኣይንተዓሾ

ከም ሮይተርስን ኤፒን ዝኣመሰሉ ማዕከናት ዜና ከይተረፉ ብናይ ሓሶት ስእሊ ተታሊሎም ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ንሕና እውን እንተተታሊልና ሕማቕ ክስምዓና የብሉን። የግዳስ ጥንቃቐ ኣብ ምግባር ከነተኩር ይግባእ።

ሓደ ስእሊ ስኑዕ ከምዝኾነ ነዘን ሓሙሽተ መገዲ ጠጠቒምና ክነረጋግጽ እንተዘይክኢልና ብዛዕባ እቲ ስዕሊ ሓበሬታ ክንረኽበሉ ንኽእለሉ ዝተፈላለዩ መድለይ መርበባት ሓበሬታ ኣለዉ።

ስለዚ ቅድሚ ኩሉ፡ ሓደ ስእሊ ቅድሚ ምዝርጋሕና ደው ኢልና ንሓንቲ ካልኢት ንሕሰብ። ድሕሪኡ ድማ ነዞም ዝስዕቡ መርበባት ሓበሬታ ተጠቂምና ብዛዕባ እቲ ስእሊ እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ንፈትን።

ሓደ ስእሊ ናይ ሓቂ ይኹን ናይ ሓሶት ከምዝኾነ ወይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢንተርኔት ከምዝተዘርገሐ ንምርግጋጽ ነዞም ዝስዕቡ መርበባት ሓበሬታ ተጠቐሙ።

  • Google Image Search
  • ReverseEye reverse image search
  • TinEye
  • Yandex Images