መረጻ ፍሊፒንስ፡ 'ፖለቲከኛታት ናይ ሓሶት ታሪኻት ክዝርግሕ ቈጺሮምኒ'ዮም'

ኣብ ቅድሚ ኮምፒዩተር ኰፍ ዝበለ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሎሚ፡ ፊሊፒናውያን ንዝቕጽሉ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ክመርጹ'ዮም። ፍትሓውነት እቲ መረጻ ግን ኣዝዩ ኣካታዒ'ዩ።

ንዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ሕጹያት ተወዳደርቲ እቲ መረጻ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ስኑዓት ኣካውንታት ማሕበራዊ ሚዲያን ተጠቒሞም ጽልዋ ክፈጥሩ ጸኒሖም'ዮም ዝብል ክስታት ክቐርበሎም ጸኒሑ።

"ብፖለቲካዊ ኣዘራርባ ኣማኻሪ ሸመታ ማሕበራዊ ሚዲያ'የ።"

ጆን -ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኮነን - ግን ከኣ ኣካል ኣብዚ ቀጻሊ ፕረዚደንት ፍሊፒንስ ንምምራጽ ኣገዳሲ ዝዀነ ኢንዳስትሪ እዩ።

መዓልታዊ ንሽዱሽተ ሰዓታት ኣማኢት ንፖለቲከኛታትን ጐስጎስቶምን ዝጠቕሙ ናይ ፈይስቡክ ገጻትን ናይ ሓሶት ድሕረ ገጻትን እናመሓደረ ይውዕል።

ዓማዊሉ፡ ኣመሓደርቲ፡ ኣባላት ኮንግረስን ከንቲባታትን ከም ዝርከብዎም ይገልጽ።

ስኑዕ መለለዪ መንነት
መግለጺ ስእሊ, ጆን ዝተፈላለዩ ገጻት ፈይስቡክ ንምኽፋት ዝጥቀመሎም ስኑዓት መለለዪ መንነት

ሎሚ፡ ፊሊፒናውያን መረጽቲ ቐጻሊ ፕረዚደንትን ካልኦት ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝውክሉ ሕጹያትን ክመርጹ'ዮም።

እዚ፡ ሮድሪጎ ዱተርተ ብ2016 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ መረጻ ኰይኑ፡ ነቐፍቱ ብማዕበል ዜና ሓሶት ዝመጽአ'ዩ ይብሉ።

ከም ተዓዘብቲ መረጻን ክኢላታት ምውዛሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዝተመሓየሸ ነገር ከም ዘየሎን እቲ ኵነታት እናኸፍአ ከም ዝመጽአን ይገልጹ።

ጆን፡ ኣካል እቲ ምዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታታት እዩ። ኣብ ትሕቲኡ 30 ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።

ዕላማኦም፡ ዋላ'ውን ብናይ ሓሶት ሓበሬታ እንተኾነ ዓማዊሎም ፖለቲካዊ ድጋፍ ክረኽቡ ምግባር እዩ።

ንሱ፡ እዚ ንዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ምዃኑ ይዛረብ።

"ብ2013፡ ኣብ ሓደ ኣነ ዝከታተሎ ዞባ ናይ ሓሶት ዜና ዘረጊሕና። ቁጽሪ ስልክን ስእልን ሓደ ፖለቲከኛ ገይርና፡ ንዕኡ ኣምሲልና 'ውሽማ ይደሊ'የ' ዝብል ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ልኢኽና። ብዝገርም ኵነታት፡ ዓሚለይ ተዓዊቱ፡" ይብል።

ፌስቡክ

ምንጪ ስእሊ, Photo supplied

ቢቢሲ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ናብ ዝተፈላለዩ ጆን ዘመሓድሮም ገጻት ፈይስቡክ ዝሰርሓሎም ሰባትን ሓደ ቪድዮን ስክሪን ሾት፡ ኣብ ሞንጐኦም ዝተገብረ ምልውዋጥ መልእኽቲ፡ ወረቓቕቲ ባንክ፡ ስኑዕ መለለዪ መንነትን ሲም ካርድን ልኢኹ።

ንድሕነቱ ስለ ዝሰግእ መንነቱ ክዕቀብ ገይርና ኢና።

ካልእ ዝጥቀመሉ ሜላ ክዛረብ እንከሎ ድማ ፖለቲካዊ ዘይኮኑ ገጻትን ጕጅለታትን ተጠቒሙ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ይዝርግሕ።

ወናኒ ፈይስቡክ ኩባኒያ ሜታ፡ ኣብ ፊሊፒንስ ብዙሓት ሰባት ንምግጋይ ዝተኸፈቱን ፖሊሲታቱ ዝጥሓሱን ልዕሊ 400 መጥቃሚታት፣ ገጻትን ጕጅለታትን ከም ዝዓጸወ ይገልጽ።

'ቅሉዕ ሚስጢር'

ብዙሓት ሕጹያት ተወዳደርቲ እዚ መረጻ ምንዛሕ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ውጽኢት እቲ መረጻ ጽልዋ ከሕድር'ዩ ክብሉ ጸኒሖም'ዮም።

ሕጽይቲ ፕረዚደንት ሌኒ ሮብሬዶ ምስ ማዕኸን ዜና ፊሊፒኖ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ነቲ ዘሎ ጸገም ስኑዕ ዜና ዕሽሽ ኢላቶ ከም ዝነበረት ተዛሪባ።

"ሓሶት ክደጋገም እንከሎ ግን ሓቂ'ዩ ዝኸውን፡" ኢላ።

ሌኒ ሮብሬዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣጻረይቲ ሓቂ፡ ሌኒ ሮብሬዶ እታ ዝዓበየት ግዳይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እያ ይብሉ

ካልእ ሕጹይ ፕረዚደንት ተጓሳጢት ነበር ማኒ ፓኪዮ፡ ስኑዕ ዜናን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ቁጽጽር ክግበረሉ ከም ዝግባእ ይዛረብ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ሓጋዚ ፕሮፌሰርን ተመራማሪ ግጉይ ሓበሬታን ጆናታን ከጆርፐስ ኦንግ፡ "ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ መተግበሪታት፡ ግጉይ ሓበሬታታት ከቃልዑ ዝጽዕሩ ኣጻረይቲ ሓቂን ምሁራትን፤ ጸወታ ኣንጭዋን ድሙን ኢና ንርኢ ዘለና፡" ይብል።

ብ2018፡ ኦንግ ኣብ ፊሊፒንስ ንሓደ ዓመት መንነቶም ምስ ዝተዓቀበ ስትራተጂስትን ብድሕሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘለው ሰራሕተኛታት ዲጂታልን ቃለ መጠይቕ ብምግባር ጽሒፉ'ዩ።

ኣብዚ፡ ካብ ክኢላታት ርክባት ህዝቢ ጀሚሩ ክሳብ ጸለውትን ኣመሓደርቲ እቶም ናይ ሓሶት ኣካውንታትን ዝሳተፍሉ ውረድ ተዋረድ ከም ዘሎ የረድእ።

እዚ፡ እዞም ሰባት መን'ዮም ዝብል "ቅሉዕ ምስጢር" እዩ ዝብል እቲ ፕሮፌሰር፡ ክፍሊታት "ካብ ባንኪ ወጻኢ" ከም ዝፍጸሙ ሓቢሩ።

ኣብ ፊሊፒንስ፡ ግጉይ ሓበሬታ ዝቃለሱ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ኣመሓደርቲ ትካላት እምነት፡ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ሚዲያን ኣለው'ዮም።

ቢቢሲ ንበዓልቲ ሞያ ምጽራይ ሓቂ tsek.ph ሴሊን ሳምሶንን በዓል ሞያ ሕጊ ቶኒ ላ ቪዳን ኣዘራሪቡ'ዩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ tsek.ph ሕጹይ ፕረዚደንት ፈርዲናንድ "ቦንግ ቦንግ" ማርቆስ ጂኒየር ካብቲ ናይ ሓሶት ዜና ዝዓበየ ተጠቃሚ ከም ዝኾነ፡ መነሓንሕቱ ሌኒ ሮበሬዶ ግን እታ ዝዓበየት ግዳይ ከም ዝዀነት ዝገልጽ መጽናዕቲ ኣውጺኡ።

ክሳብ 1986 ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ ምሕደራ ማርቆስ ሲንየር፡ ንተቓወምቲ ብምቕታልን ብምስቓይን እዩ ዝፍለጥ።

ከም ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትሕቲ ምሕደራኡ 70 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም፡ 34 ሽሕ ተሳቕዮም፡ 3240 ድማ ተቐቲሎም'ዮም።

ሴሊን ሳምሶን "ብ2021 ምስ መረጻ ዝተሓሓዝ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ርኢናዮም ኢና። ኣብዚ ቦንግ ቦንግ ማርቆስ ስድራቤቱ ሃብቲ መንግስቲ ከም ዘይሰረቐን ኣቦኡ'ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘይፈጸመን ገይሩ'ዩ ክስእሎ ፈቲኑ። ኣብ ልዕሊ መነሓንሕቱ ሌና'ውን ብቕዕቲ ኣይኮነትን ዝብሉ ብዙሓት መጥቃዕታት ክወርዱ ርኢና ኢና፡" ትብል።

ወሃቢ ቃል ቦንግ ቦንግ ማርቆስ ግን እቶም ዝቐርቡ ዘለው ክስታት፡ "ውጹእ ሓሶትን መጋገይትን" ብምባል ነጺጉዎም።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ትዊተር ኣማኢት ንቦንግ ቦንግ ማርቆስ ኣጕሊሖም ዝጽሕፉ ዝነበሩ ሕጊ ስፓም ጥሒሶም ብዝብል ኣጊድዎም እዩ።

ቦንግ ቦንግ ማርቆስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቦንግ ቦንግ ማርቆስ

ማርቆስ ጁኒየር ርኢይቶ ክህብ'ኳ እንተሓተተ፡ እዚ ዛንታ ቅድሚ ምሕታሙ ግን ምላሽ ኣይሃበን።

ኣብ ካልኦት ቃለ መጠይቓት፡ "ግዳይ" ናይ ባዕሎም "ፖለቲካዊ ኣጀንዳ" ዘለዎም ኣጻረይቲ ሓቂ እየ ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ጐስጓስ መረጻ ንምሕጋዝ ድማ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ከም ዘይተጠቐመ ይገልጽ።

ጆን ግን፡ ኣብ መረጻ 2022 ሕጹይ ኮይኑ ዝወዳደር መሓዛኡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርግሕ ተሓቲቱ ከም ዘይተቐበሎ ይዛረብ።

እዚ ብሳልሳይ ኣካል ከነረጋግጾ ኣይከኣልናን።

ጆን'ውን እቲ ሕጹይ ፕረዚደንት መን ምዃኑ ክዛረብ ኣየፍቀደን፣ ቦንግ ቦንግ ማርቆስ ከም ዘይኮነ ግን ተዛሪቡ።

ካብ ትዊተርን ፈይስቡክን ብተወሳኺ፡ ዩትዩብ'ውን ካብ ለካቲት 2021 ክሳብ ጥሪ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ 400 ሽሕ ካብ ፊሊፒንስ ዝተጻዕኑ ቪድዮታት ኣልየ ይብል።