ጉዳያት ፖለቲካ፣ ጥዕናን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ ንምንታይ ኣብ ክለብሃውስ ይዝረበሎም ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
‘‘ኩላትና ብዛዕባ ሃገርና ተሻቒልና ኣለና’’ ይብል ተቐማጢ ኔዘርላንድ ዝኾነ ናይ ፖለቲካን ድሕነትን ተንታኒ ኣደም ካሴ ኣበበ (ዶ/ር)፡፡
ብኲናት፣ ናህሪ ዋጋን ማሕበራዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ናበይ ክተምርሕ ትኸውን? ነዞም ጸገማት ከ ብኸመይ እዩ መፍትሒ ክርከቦም? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣለዉ፡፡
ኣብ እንዳ ቡን፣ ኣብ ውሽጢ ታክሲ፣ ኣብ መኣዲ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈታት፣ እንዳ ጸጉሪ. . . ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ብሓፈሻ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምልዓል ኣይተርፍን።
ማሕበራዊ ሚድያ እውን ካልእ ናይ ዘተ መድረኽ እዩ፡፡ ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ይውጋዕ እዩ፡፡
ዶ/ር ኣደም ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘተ እንተሃልዩ ይሳተፍን ይጽሕፍን እዩ፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እውን ሓሳቡ የካፍል፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ክለብ ሃውስ ቅልቅል ኢሉ ኣሎ፡፡
‘‘ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኩሉ ሰብ ኣብ ጭንቀት እዩ ዘሎ’’ ዝብል ዶ/ር ኣደም፡ ኣብ ክልተ ናይ ክለብሃውስ ዘተታት ተኸፋሊ ነይሩ፡፡
ክልቲኦም ብዛዕባ ኲናት ትግራይ ዝምልከቱ ነይሮም፡፡ ኣብቲ ዘተ ካብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታትን ዝተወጻጽኡ ተሳተፍቲ ሓሳቦም ተለዋዊጦም፡፡
‘‘ክለብሃውስ፡ ሓደን ክልተን ሰባት ካብ ዝህብዎ ዘረባ ዝሰፈሐ መድረኽ ዝፈጥር እዩ፡፡ኩሉ ሰብ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ኩነታት ስለዝተሸቐለ፡ ኣብ ዕብይ ዝበለ ጉጅለታት ኮይንካ ምዝርራብ ዝሓሸ ስምዒት ይህብ’’ ክብል ነቶም ዝካየዱ ዘተታት ይገልጾም፡፡
ክለብሃውስ ካብ ዝጅመር ዓመታት ኣቑጺሩ እዩ፤ መስረትቱ ድማ ፖል ደቪሰንን ሮሃን ሴትን ዝበሃሉ እዮ፡፡
ነቲ መተግበሪ ኣብ ስልኮም ዝጸዓኑ ሰባት ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ናይ ዘተ ጉጅለ ክፈጥሩን ንዝደልዩዎም ሰባት ክሳተፉ ክዕድምዎምን ይኽእሉ፡፡
እቲ መድረኽ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ሂስ ዝካየድ ብምዃኑ ብዙሓት ዝፈትውዎ እንትኾን ከም ቻይና ዝበላ ሃገራት ግን ጠቕሊለን ከልኪለነኦ እየን፡፡
‘‘ክለብሃውስ ግጉይ ግምት ንምንጻር ዕድል ዝህብ እዩ’’
ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወጻእን ዝዳለዉ ናይ ክለብሃውስ ዘተታት እናበዝሑ መጺኦም እዮም፡፡
ጉዳያት ጥዕና፣ ቴክኖሎጂ፣ ስነ ጾታ፣ ስነ ጽሑፍ፣ ፖለቲካ፣ ሙዚቃ ወዘተ ኣብ ክለብሃውስ መዛተዪ ዛዕባ ኮይኖም እዮም፡፡
ብናይ መሓዙቱ ድፍኢት ኣብ ክለብ ሃውስ ምስታፍ ከምዝጀመረ ዝገልጽ ዶ/ር ኣደም፡ ካብ ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያታት ብዝተፈለየ ንዘተ፣ ሕቶ ንምሕታትን ሓሳብ ኣዕሚዩቕካ ንምግላጽን ምቹው ከምዝኾነ ይዛረብ፡፡
‘‘ብትዊተርን ካልእ መንገድን ምዝራብ ምጽሓፍን ይከኣል እዩ፡፡ ክለብሃውስ ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ዘተ ወይ ዝርርብ መድረኽ ምዃኑ እዩ፡፡ ሓሳባት ይለዓሉ፣ ሕቶ ይቐርብ፤ መብርሂ ምሃብ እውን ዝከኣለሉ እዩ፡፡’’
ሓሳብ ብጽሑፍ ወይ ካልእ መገዲ ቀሪቡ፡ ኣንበብቲ ወይ ሰማዕቲ ሕቶ እንተሃልዩዎም እሞ ካብቲ በዓል ሓሳብ መብርሂ እንድሕር ዘይረኺቦም፡ እቲ ሰብ ክብሎ ካብ ዝደለየ ብተቓራኒ ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም፡፡
ምድንጋር ክፈጥሩ ካብ ዝኽእሉ መገዲታት ድማ ንሕቶን መልስን ዕድል ዝህቡ መድረኻት ዝሓሹ ከምዝኾኑ ዶ/ር ኣደም ይኣምን፡፡
‘‘ክለብ ሃውስ ግጉይ ግምት ንምንጻር ዕድል ይህብ እዩ፡፡ ንዘይምርድዳእ ብዙሕ ክፍተት ኣይህብን፡፡’’
ማሕበራዊ ሚድያ ከምቲ ሃናጻይ ጎኑ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እውን ኣለዎ፡፡ ሰባት ይጸራረፉ፤ ጫፍ ዝወጸ ርእይቶ ይወሃሃቡን ስኑዕ ሓበሬታ ይመሓላለፈሉን፡፡
ክለብሃውስ ነቲ መተግበሪ 'people are at the center of every moment' ብምባል እዩ ዝገልጾ፡፡ ሰባት ናይ ዝኾነ ክስተት ማእከል እዮም ከም ምባል እዩ፡፡
ዶ/ር ኣደም እውን ‘‘ክለብ ሀውስ ከም ካራ እዩ፤ ካራ ጽቡቕ ስራሕ ክስረሐሉ ወይ ሰብ ክቕተለሉ ይኽእል እዩ’’ ብምባል ናይቲ መተግበሪ ኣገልግሎት ብናይ ተጠቀምቲ ባህሪ ከምዝውሰን የረድእ፡፡
ሓቛፍን ሓሳብ ማእከል ዝገበረ ፖለቲካዊ ዘተ ዝካየደሎም መድረኻት ውሱናት ብምዃኖም ክለብሃውስ ብኣገባብ ኣብ ጥቕሚ እንተውዒሉ ነቲ ሓጓፍ ክመልኦ ከምዝኽእል እውን ይኣምን፡፡
ጥዕና ዝምልከት-‘የጤና ወግ’
ዶ/ር ፍጹም ጥላሁን ኣብ ኣመሪካ ናይ ጥዕና ስፔሻሊስት እዩ፡፡ ምስ ናይ ሞያ መሓዝኡ ብምዃን ‘ የጤና ወግ’ ዝተባህለት ድህረ ገጽ መስሪቱ፡፡
እታ ቅድሚ ሓደ ዓመታን ፈረቓን ኣቢላ ዝተመስረተት ገጽ፡ ምስ ጥዕና ኣብ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ንማሕበረሰብ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምሃብ እያ ተመስሪታ፡፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ክመኻኸሩን ክመሃሃሩን እውን ትሕግዝ፡፡
‘የጤና ወግ’ ኣብ ፌስቡክ 36 ሽሕ፣ ኣብ ትዊተር 4 ሽሕ፣ ኣብ ቴሌግራም 2 ሽሕ ኣባላት ኣለዉዋ፡፡ መዓልታዊ ካብ 150 ክሳብ 200 ሰባት ይከታተልዋ፡፡ ዛጊድ 40 ክፋል ዝበጸሐ ፖዶካስት ተሓላሊፉ፡፡
ኣብዚ እዋን ድማ በቢክልተ ሰሙን ሓደ ግዘ ኣብ ክለብሃውስ ናይ ጥዕና ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡
ዶ/ር ፍጹም ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ጥዕና ክእለት ዘለዎም ሰብ ሞያ ተዓዲሞም መብርሂ ክህቡ ይግበር እዩ፡፡
‘‘ክለብሃውስ ኣሳታፋይ እዩ፡፡ ንኣብነት ፖዶካስት እንትንሰርሕ፡ ኣነን ዶ/ር ኤርምያስን (መሳርሕቱ) ጥራይ ኢና እንዛረብ፡፡ ኣብ ክለብሃውስ ግን ኣድማጺ እውን ተዛራቢ ይኸውን እዩ፡፡ ስለዚ ዋላ ንሰዓታት እንተተዛረብና ኣይስልቹን፡፡’’
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክለብሃውስ ኣብ ዝተዳለዉ መድረኻት፡ ብዛዕባ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን፣ ምክልኻል ዝምቡዕ ሓበሬታን ኣእምሮ ጥዕናን ዘተ ተኻይዱ እዩ፡
ብዙሓት እንድሕር ዘይሓሚሞም ብዛዕባ ጥዕና ምስማዕ ክስልችዎም ስለዝኽ እል፡ ነዚ ንምቕራፍ ‘‘ጃዝ ኣወር’’ ምስዝበሃል ክለብሃውስ ጥምረት ፈጢሩ እዩ፡፡ ስለዚ እቶም ዘተታት ብልስሉስ ሙዚቃ ተዓጂቦም እዮም ዝቐርቡ፡፡
‘‘ክለብሃውስ ፍሉይ ዝገብሮ ሰብ ሞያ ምዕዳምናን ሰማዕቲ ብቐጥታ ሕቶ ክሓቱ ምኽኣሎምን እዩ’’ ዝብል ዶ/ር ፍጹም እቲ መተግበሪ ካብ ኣፕልን ኣንድሮይድን ወጸኢ ንዘለዉ ተጠቀምቲ ተበጻሒ ዘይምዃኑ ግን ገደብ ከምዘለዎ ይገልጽ፡፡
ክለብሃውስ ፈጠራ ዘበረታትዕን እውን እዩ፡፡
ቴክኖሎጂ ዝምልከት- ሓበሻ ኢን ቴክ
ቴክኖሎጂ ዝምልከቱ ዘተታት ብዙሓት ኣይኮኑን፤ ኣብቶም ዘለዉ ዝሳተፉ እውን ውሑዳት እዮም፡፡
ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባንኪ ኣብ ክፍሊ ክላውድ ኢንተግሬሽን ላዕለዋይ ሓላፊ ዝኾነ ተፈሪ በቀለ ካሳ፡ ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ክራኸቡ ኢሉ እዩ ሓበሻ ኢን ቴክ ዝተባህለ ክለብሃውስ ከፊቱ፡፡
እቶም ሰብ ሞያ ዘጋጠሞም ብደሆታትን ዝረኸብዎ ዓወትን የካፍሉ፡፡ እቶም ሰብሞያ ካብቶም ሰማዕቲ ከሰልጥንዎም ኢሎም ዝወስዱዎም ሰባት እውን ኣለዉ፡፡
ተፈሪ ኣብቲ ክለብሃውስ ዝካየዱ ዘተታት ቀዲሑ ናብ ፖዶካስት ይቕይሮም፡፡
‘‘ማይ ቴክ ጆርኒ ወይ ናተይ ናይ ቴክኖሎጂ ጉዕዞ ብዝብል ሰባት እናተዓደሙ ይዛረቡ እዮም፡፡ ካብኡ ድማ ቴክ ኬርየር ወይ ናይ ዬክኖሎጂ ስራሕቲ ኮይኑ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ዕዉታት ዝኾኑ ሰባት ልምዶም ዘካፍልሉ እዩ፡፡’’
ኣብ ሳይበር ሴኪዩሪቲ፣ ክላውድ ኮምፒቲንግን ካልኦት ዓውዲታት ቴክኖሎጅን ዘተ ይካየድ እዩ፡፡ ሰብሞያ ቴክኖሎጂ ብዛዕባ ስራሓቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ስለዘይጽሕፉ፡ ከም ክለብሃውስ ዝበሉ ገጻት ተመረጽቲ እናኾኑ መጺኦም፡፡
ክለብሃውስ ካብ ፌስቡክ ወይ ዩትዩብ ብዝተፈለየ መልክዕ ኣሳታፊ እዩ፡፡ ሓሳብ ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ዝፍለፍለሉ ዘይኮነስ፡ ናይ ዘተ መድረኽ ምዃኑ ዝዓበየ እዩ፡፡
ኣብ ሓበሻ ኢን ቴክ ሰሙናዊ ካብ 50 ክሳብ 100 ሰባት ይሳተፉ፡፡
ሓበሻ ኢን ቴክ ኣዝዩ ከምዝጠቐሞ እዩ ተፈሪ ዝገልጽ፡፡
‘‘ኣጋይሸይ ብዛዕባ ጥንካረኦምን ውድቀቶምን እንትዛረቡ ብዙሕ ተማሂረ እየ፡፡ ካብ ኣጋይሸይ ጽቡቕ መልሲ ረኺበ እየ፡፡ ኣበረታቲዖምኒ እዮም፤ ሰማዕቲ እውን ከምዘለዓዕሎም ነጊሮም እዮም፡፡’’
መስረትቲ ክለብሃውስ ‘ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ዘደንቑ ነገራት ይዘራረቡ እዮም ዘለዉ፡፡ እናጎየዩ ይኹን እናተጉዓዙ የዳምጹ፡፡ ንሶም/ንሰን እውን ሓሳቦም/ሓሳበን የካፍሉ/የካፍላ’ እናሉ እዮም ነቲ ገጽ ዘፋልጥዎ፡፡
ንግዲ ብኸመይ ይዓቢ? ናይጄርያን ፖሊሳን፣ ሂፕ ሀፕ ሙዚቃ ዝብሉን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ገጻትን መዓልታዊ ትረኽቦም፡፡
ተፈሪ ብወገኑ ‘‘ኣብዚ ቦታ ድምጺ ኣለኒ ዝብል ስምዒት ይፈጥር’’ ኢሉ እዩ ዝገልጾ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







