ኢትዮጵያ፡ ‘ኦፕያን’ ተስፋ ዝህብ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ጥዕና

ዘልኣለም

ምንጪ ስእሊ, ARON SIMENEH

ዘልኣለም ግዛቸው፡ መስራትን ሓላፍን እቲ ብ2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውⶂጳ] ዝተጣየሰ ኦፕያን ቴክ እዩ፤ እቲ ትካል 21 ሰራሕኛታት ዘለዎ ኮይኑ እተን 8 ደቂ ኣንስትዮ እየን፡፡

ኦፕያን ቴክ ዝተጣየሰሉ ዕላማ ማእከላት ጥዕና ብቐሊሉ ምርካብ ኣብ ዘይከኣለሎም ከባቢታት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣገልግሎት ጥዕና ንምብጻሕ እዩ፡፡

ዘልኣለም ግዛቸው ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ናብ ዓውዲ ሕክምና ተዛዊሩ ቴክኖሎጂ ምርመራ ቤተፈተነ [ላባራቶሪ] ከጽንዕ ወሲኑ።

ምስ ተመረቐ ድማ ኣብ ኢንዳስትሪ ጥዕና ናይ ክኢላ ቤተፈተነ ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካብ ኣዲስ አበባ ወጻእን ኣገልጊሉ፡፡

ውሽጡ ንዳታ ኣናሊስስ፣ ቴክኖሎጅን ሶፍትዌር ኣናሊስስን ቅርበት ከም ዝነበሮ ይገልጽ፡፡

ጎና ጎኒ ዝሰርሐሉ ዓውዲ ድማ ብምሸታዊ ኮምፒዩተር ሳይንስ ተማሂሩ፤ ክልቲኡ ዓውዲታት ብምዝማድ ንኢንዳስትሪ ጥዕና ዝሕግዝ ነገር ብመልክዕ ቴክኖሎጂ ንምቕራብ ወሲኑ ከኣ ኦፕያን ቴክ ከፊቱ፡፡

‘‘ኣብቲ እዋን ክልተ ዘይራኸቡ ዓውዲታት ትምህርቲ ኣዛሚድካ ምስራሕ ዝተለመደ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ኣጋጣሚ ምስ ተርኣየኒ ስቕ ኢለ ክሓልፎ ኣይደለኹን ነይረ፡፡ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ኮነ ኢለ ንኽልቲኦም ትምህርቲታት ዘዛምዱ ስራሕቲታት ብምድላይ ምስራሕ ጀሚረ’’ ይብል፡፡

ኦፕያን ቴክ እንታይ እዩ?

ኦፕያን ቴክ ኣብ ውሽጢ ኣገልገሎት ጥዕና ሓደ ማእከል ዘድልዮ መሳርሒ፣ በዓል ሞያን በጀትን ቀዲምካ ብምግምጋም ጉድለት ዘለዎ ኣቐዲሙ ብምፍላይ ዘማልእ ስርዓት እዩ፡፡

ሶፍትዌር ‘ኦፕያን ቴክ’፡ ሓደ ናይ ጥዕና ማእከል ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝህቦ ኣገልግሎት፡ ናይ ተሓካሚ ቁጽሪ ወሲኹ ንምትንባይ ዘኽእል ‘ኣርቴፍሻል ኢንተለጀንስ’ ከም ዘለዎ ዘልኣለም የረድእ፡፡

እዚ ድማ ነቲ ማእከል ዘመሓድር ኣካል እቲ መረዳእታ ብምጥቃም ብዓቕምን ቀረብን ንምውዳድ ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ይሕግዝ፡፡

ሰራሕተኛታት

ምንጪ ስእሊ, ARON SIMENEH

ኦፕያን ቴክ ዘምጽኦ መፍትሒ እንትገልጽ ድማ ‘‘ምስ ኣቑሑት፣ መድሓኒት፣ ዕድጊት ናውታትን ቀረብን ተኣሳሲሩ ኣቐዲምካ ክሕሰበሎም ዝግብኡ ነገራት ክቐርፍ ከም ዝኽእል ኣይጠራጠርን’’ ይብል፡፡

ብተወሳኺ ‘‘ክሳብ ሕዚ ንማእከላት ጥዕና ዘድልዩ ዕድጊታት ብሰብ'ዮም ዝካዱ። ልዕሊ እቲ ዝድለ ዓቐን ዝተገዝኡ ኣፋውስ ኣብ ጥቕሚ ከይወዓሉ መዓልቶም ሓሊፉ ዝጎሓፉሉ ኩነታት ምርኣይ ዝተለመደ እዩ፡፡ እዚ ብኽነት ገንዘብን ንብረትን እዩ ዘስእብ። ብተዛማዲ ድማ እኹል ብዘይኮነ መጠን ይእዘዝ እሞ፡ ክግልገሉ ዝመጽኡ ተሓከምቲ ይተኣጓጎሉ" ክብል ኦፕያን ንኸምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ዝዓብስ ምዃኑ የረድእ።

ኦፕያን ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝስራሕ ናይ ትልሚ ዕዮ ናይ ምስላጥ ዕላማ እውን ኣለዎ፡፡

ብሚኒስትሪ ጥዕና ካብ ሓድሕድ ከባቢ ዝእከቡ ሓሬታታት ጥዕና ዝእከቡሉ መገዲ ብምስላጥ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስራሕ ብዘይስሕተት ንምውጋን ኣማራጺ ከም ዝህብ ብምግላጽ፡ ከምዚኦም ዓይነት ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ብተመጣጣኒ ዋጋ ብቐሊሉ መፍትሒ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ይሕብር፡፡

ንሱ ኦፕያን ቴክ እንትኸፍት፡ ጸገማት ማእከላት ጥዕና ብሓገዝ ቴከኖሎጂ ንምፍታሕ ይሕሰብ እምበር ‘‘እዚ ቴክኖሎጂ ንኹሎም ጸገማት ግልጋሎት ጥዕና ይፈትሕ ማለት ግን ኣይኮነን’’ እዩ ዝብል፡፡

ምኽንያቱ ድማ ከም ናይ ኢንተርነትን መብራህትን ዝበሉ ምቁራጻት ስራሕቶም ስለ ዘተኣጓጉሎም ምዃኑ ይጠቅስ፡፡

ኣብ መጀምርታ ከም ኦፕያን ዝበሉ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ከውዕሉ፡ ኢንተርነትን ንሓድሕዱ ክናበብ ዝኽእል ዝተዘርገሐ ኔትርዎርክን ስለ ዘድልዮ ናይ መብራህቲ ጸገም ኣብ ዘለዎ ከባቢ ወይ መብራህቲ ኣብ ዝጠፍአሉ ግዜ ስርሑ ዘቋርጽ ብምዃኑ ከቢድ ዕንቅፋት ኮይኑዎም ከም ዝነበረ ይዛረብ፡፡

ነዚ ካልእ መፍትሒ ኣናድዮምሉ።

"መረዳእታ ምስ ተዋህበ መብራህቲ እንተጠፊኡ፡ መብራህትን ኢንተርነትን ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ቀልጢፉ ብምርኻብ ክናበብ ከም ዝኽእል ጌርናዮ፡፡ ብተወሳኺ መብራህቲ'ኳ እንተዘይተመሊሱ ብናይ ሞባይል ኔትወርክ ተጠቒምና ኣብ ሰሙን ሓደ ግዘ ክናበብ ጌርናዮ ኢና’’ ኢሉ።

እቲ ቴክሎጂ ኣብቲ ስርዓት ዝተመዝገቡ መሳርሕታት እንትበላሸዉ ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምታት ይሕብር፤ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዘጋጥሙ ናይ 'ሃርድዌርን ሶፍትዌርን' ጸገማት ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ እውን ኣለዎ፡፡

ኦፕያን ቴክኖሎጂ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፡ ምስ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ብምትሕብባር ናብ 23 ሃገራት ክስፋሕፋሕ ከም ዝተገበረ ዘልኣለም ሓቢሩ፡፡

ኢስዋቲኒ፣ ርዋንዳ፣ ካሜሩን፣ ኮትዲዩቫር፣ ስዋዚላንድ፣ ቦትስዋናን ሌሴቶን ካብተን እቲ ቴክኖሎጂ ኣገልግሎት ዝህበለን ሃገራት ይጥቀሳ።

እዚ ተሞክሮ ናብ ካልኦት ሃገራት እውን ናይ ምግፋሕ ድልየት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ታይላንድ ንሃገራት ደቡብ እስያ ስልጠና ከም ዝሃቡን፡ እተን ሃገራት እቲ ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ንምግባር እንትውስና ብቐሊሉ ተግባራዊ ንምግባር ከም ዝሕግዞምን ኣብሪሁ፡፡

ዘልኣለም ከም ዝሕብሮ ውጽኢታት ሕክምና ኣብ እዋኖም ንምብጻሕ ሲምካርድ ዝቕበል ፕሪንተር ዲዛይን ገይሮም እዮም፡፡

ኣብዚ እዋን ፍልጠት፣ ዓቕምን ክእለትን ዘለዎም መናእሰይ ምርካብ ከም ዘጸግመሎም ዝሕብር እዚ በዓል ሞያ ‘‘ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ፡ እናሰልጠናን እናተኸታተልናን ምስ ተመረቑ እንቖጽሮም መናእሰይ ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡