ዘመናዊ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ሞባይል - '5G' ጠንቂ ሕማማት ክኸውን ይኽእል`ዶ?

ሞባይል ስልኪ እትጥቀም መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

5G - ብሓምሻይ ወለዶ ዝፍለጥ ሓድሽ ሽቦ-ኣልቦ ኣገልግሎት ኔትወርክ ሞባይል ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ መጀመርታ ርብዒ ዓመት 2019 ኢዩ ክተኣታቶ ጀሚሩ።

እንተኾነ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ከምኒ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቤልጅየምን ስዊዘርላንድን ዝርከብአን ብዙሓት ሃገራት፡ እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ዝፍንዎ ጸርጊ (ጨረር) 'ኣብ ጥዕና ሰባት ጉድኣት የውርድ ኢዩ' ብምባል ንግዚኡ ኣብ ስራሕ ከይውዕል ኣጊደንኦ ይርከባ።

ዋላ`ኳ እቲ በዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ዝፍኖ ጸርጊ ኣብ ጥዕና ሰባት ዝኾነ ሳዕቤናት የብሉን እንተተበሃለ እተን ሃገራት ግን ነዚ ቅቡል ኣይገበራን።

ኣብ ገለ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ 5G ክሰርሕ ብምጅማሩ፡ እቲ ዝተኣታተወ ሓድሽ ቴክኖሎጂ 'ኣብ ጥዕና ሰባት ጉድእት የውርድ ዲዩ?' ዝብል ሕቶታት ኣላዒሉ ኣሎ።

እቲ ሻቕሎት ካበይ ኢዩ ዝብገስ፡ ነቲ ዝተልዕለ ሻቕሎት ዝድግፍ ዝኾነ መርትዖ ይህሉ'ዶ?

line

ፍሉይነት 5G

ከምቶም ዝሓለፉ ናይ ሞባይል ወለዶታት ኔትወርክ፡ 5G`ውን ኣብ ናይ ሪድዮ ማዕበል [ሪድዮ ዊቭስ] ምልክታት [ሲግናልስ] ኢዩ ዝምርኮስ። ገለ ክፋል ናይ'ቲ ኤሌክትሮማግኔቲክ ብርሃን በቲ ናይ ቴሌፎን ኣንቴና ወይ ድማ ዓንዲ ኢዩ ዝመሓላለፍ።

ኩሉ ግዜ ካብ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ዝፍኖ ሲግናል ከምኡ`ውን ካብ ዝተፈላለየ ቴክኖሎጂታት፡ እንተላይ ካብ ሞባይል ቴሌፎናትን ካብ ተፈጥራዊ ናይ ጽሓይ ብርሃንን ብዝፍኖ ኤሌክትሮማግኔቲክ ጸርጊ [ጨረር] ምስተኸበብና ኢና።

5G ካብተን ቅድሚኡ ዝነበሩ ወለዶታት ኔትወርክ ዝለዓለ ማዕበል ፍሪኲንሲ ብምጥቃም ዝያዳ መሳርሒታት ኣብ ሓደ እዋን ቅልጡፍ ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት ንኽጥቀማ የኽእለን።

ደቡብ ኮርያ ኣብ ምሉእ ሃገር ቴክኖሎጂ ኔትወርክ 5G ዘርጉሓ ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቡብ ኮርያ ኣብ ምሉእ ሃገር ቴክኖሎጂ ኔትወርክ 5G ዘርጉሓ ትርከብ

እዚ ናይ 5G ማዕበል ሓጺር ርሕቕት ኢዩ ዝጉዓዝ። ስለዚ ስርዓተ-መርበብ 5G ካብተቶም ቀዳሞት ቴክኖሎጂታት ብዝያዳ ናብ መሬት ዝቐረበን መተሓላለፊ ዓንድታትን የድልዮ።

እንታይ ኢዩ ዘሻቕል ዘሎ?

ገለ ሰባት እቲ ሞባይል ቴለፎናት ዝጥቀማሉ ኤሌክትሮማግኔቲክ ጸርጊ ኣብ ጥዕና ሰባት ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ከሻቕሎም ጀሚሩ ኣሎ። እንተላይ ገለ ዓይነት ሕማም መንሽሮ የማዕብል ኢዩ ዝብል ሻቕሎት`ውን ፈጢሩሎም ይርከብ።

ኣብ 2014 ውድብ ጥዕና ዓለም [WHO]፡ ``ሞባይል ቴሌፎናት ዝኾነ ዓይነት ሳዕቤናት ኣብ ጥዕና ሰባት ከምዘስዕባ ዝተረኽበ ጭቡጥን ዝተረጋገጸን መርትዖ የለን`` ኢሉ።

line

እንተኾነ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሓባር ምስ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሕማም መንሽሮ [International Agency for Research on Cancer, IARC] ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኩሉ ዝፍኖ ናይ ሬድዮ ፍሪኲንሲ እንተላይ ሞባይል ቴሌፎናት ዝፍንውኦ ሲግናል ``ሕማም መንሽሮ ከምጽኡ ተኽእሎታት ከምዘለዎም`` ገሊጾም።

"ዋላ`ኳ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጥዕና ሰባት ሳዕቤናት ኣለዎ ኣይብሃል ድኣ`ምበር፡ ሕማም መንሽሮ ክስዕብ ተኽእሎታት ስለዘለዎ ኢዩ ድማ ኣብዚ ተርታ`ዚ ዝተሰርዐ" ኢሎም።

ኣብ ኣቼቶን ጨውን ዝተዘፍዘፈ ኣሕምልቲ ምብላዕን ጻዕዳ ሓርጭ [ፓውደር] ኣብ ኣካላትካ ምንስናስን ኣብ ጥዕና ሰባት ሓደ ዓይነት ደረጃ ሳዕቤናት ኣለዎም።

ኣልኮላዊ መስተን ዝተመስርሐ ስጋን ምዝውታር ምስቶም ዝለዓለ ሳዕቤናት ሕማም መንሽሮ ዘምጽኡ ኢዮም ዝስርዑ።

ክፍሊ ጥዕና ኣሜሪካ ኣብ 2018 ብዛዕባ ስነ-መርዚ ኣብ ዘውጽኦ መረዳእታ፡ ንናይ ሬድዮ ፍሪኲንሲ ጸርጊ ዝተቓልዑ ተባዕታይ ኣናጹ ኣብ ልቦም መንሽራዊ ሕበጥ ከምዘማዕበሉ ገሊጹ።

እቶም ተባዕታይ ኣናጹ ትሽዓተ ስዓታት ኣብ መዓልቲ እሞ ንኽልተ ዓመት ዝእክል ናብቲ ብሞባይል ቴሌፎናት ዝፍኖ ጸርጊ ኢዮም ተቓሊዖም።

ኣብተን ኣንስቲ ኣናጹ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ግና ዝኾነ ናይ መንሽሮ ሕማም ኣይተራእየለንን።

line

ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ከምዝበሎ፡ እቲ ኣብተን ኣናጹ ዝተግበረ ናይ ጸርጊ መጽናዕቲ፡ ብቐጥታ ኣብ ሰባት ክወዳደር ኣይክእልን። ዋላ ኣብቶም ብብዝሒ ሞባይላት ዝጥቀሙ ሰባት።

እንተኾነ፡ ገለ ሙሁራትን ሓካይምን ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሰደድዎ ደብዳብ እቲ ሕብረት ምትእትታው 5G ንግዚኡ ደው ክብሎ ጠሊቦም።

ጽሓይ እትፍንዎ ጨረር [ኣልትራ ቫዮሌት]`ውን ኣብ ተርታ ሃሳዪ ጨረር ኢዩ ዝስራዕ። ምኽንያቱ እቲ ካብ ጽሓይ ዝፍኖዕ ጨረር ናይ ቆርበት መንሽሮ ስለዘስዕብ።

ብጭቡጥ፡ ሞባይል ቴሌፎናት ኮነ ሽቦ-ኣልቦ ስርዓተ መርበብ ዝኾነ ናይ ጥዕና ጸገማት ከምዘየስዕብ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።