ብናይ ሓሶት ዜና ከይንታለል እንታይ ክንገብር ይግባእ?

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብርክት ዝበለ መመራጺ ምንጭታት ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ኣብዚ ሕጂ እዋን ማሕበራዊ መራኸቢታትና ብ‘ኣማራጺ ሓቅታት’ ዝተመልኡ እዮም። ቢቢሲ ፊዩቸር፡ ነዞም ‘ኣማራጺ ሓቅታት’ ንትንትነሉ ርትዓዊ ዝዀነ ኣገባብ ይምርምር።

ኣብ ሓደ እዋን እቲ ‘ዘሲምፕሰንስ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐርብ ተኸታታሊ መደብ ቲቪ፡ ኣብ 2000 [ኣ. ኣ] ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ፣ ዝብል ወረ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ። ንግስት ኤልሳቤጥ እውን ኣብ ትራምፕ ቅትለት ብዛዕባ ምፍጻም ከምዘሽካዕለለት ዋዛ ዝመልኦ ዛንታ ተወርዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ግንባር ኲናት ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ብራድዮ ክዛረብ ዘርኢ ኣብ ፈይስቡክ ዝተዘርገሐ ስእሊ ነይሩ። ይዅን እምበር እቲ ስእሊ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዛንታታት ሰራዊት ኣሜሪካ ንዝቐረበ መበቈላዊ ስእሊ ብ'ፎቶሾፕ' ምትዕርራይ ተገይሩሉ ወይ ከምቲ ዝድለ ንኽመስል ተቐይሩ ዝቐረበ ስእሊ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ “ክልተ መዘከርታ ሳንቲም ወፍዩ” ዝብል ዜና ኣቓልቦ ስሒቡ ነይሩ። እቲ ሓቂ ግን ሓደ ኣካል መንግስቲ ኣሜሪካ ዘይኰነ ዋይት ሃውስ ጊፍት ሾፕ ዝበሃል ናይ ብሕቲ ኩባንያ እዩ ነተን ሳናቲም ዝሸጠን።

ኢንተርነት ንብዙሓት ተጠቀምቲ ቀንዲ ምንጪ ዜናን ሓበሬታን ኣብ ዝዀነሉ ዘመን፡ ሰባት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ንናይ ሓሶት ዜና ንኽቃልዑ ሓደጋ ኣለዎ። ውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኮኑስ ጸጥታን ልኡላውነትን ሃገራት'ውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝዀነ ይዅን ሰብ ኢንተርነት እንተሃልይዎ ዳርጋ ከም ጋዜጠኛ ክቝጸር ይኽእል እዩ። ከም ፈይስቡክ፡ ቲክቶክ፡ ኢንስታግራም፡ ዩትዩብ፡ ትዊተርን ካልኦት ውልቃዊ ብሎግን ዝኣመሰሉ ብዙሓት መድረኻት ስለዘለዉ፡ ኣብ ክውንነት መሰረት ዘይብሉ ቅኑዕ ዝመስል ዜና ምፍጣርን ምዝርጋሕን ቀሊል’ዩ። ብተወሳኺ’ውን እቶም መርበባት ተመሳሳሊ ድልየትን ወገናውነት ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ዘራኽብ ስለዝዀነ እቲ ናይ ሓሶት ዜና ወይ ወረ ብቐሊሉ ክእመንን ዝያዳ ክዝርጋሕን ተኽእሎ ኣለዎ።

ብዙሓት ዜናታት ሓሶት ‘ስንባደ’ ንምፍጣር ወይ ንኣንባቢ ንምምሳጥ እዮም ዝጽሓፉ። ነዚ እዩ ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ንህቦ ስምዒታዊ ምላሽ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንኽጸንሕ ሃያሲ ወይ ንዅሉ ብሕቶ ዝቕበል ቅኒተ-ሕልና ምምዕባል ኣገዳሲ ዝኸውን።

ኣጋጣሚ ኰይኑ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ፡ ምስ ናትና ኣረኣእያ ዘይሰማምዑ ሓቅታት ሸለል ኢልና፡ ነቶም ዝሰማምዑ ስለምንታይ ከምእንኣምን ክርድኡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብዚ ጽሑፍ ብሓሶት ዜና ንኽይትታለሉ ዘኽእሉ ሽዱሽተ ሜላታት ቀሪቦም ኣለዉ።

ብቐሊል ኣቀራርባ ኣይንታለል

ንሓደ ሓሶት፡ ግልጺን ቀሊል ኣቀራርባን ተጠቒምካ ተኣማንነቱ ክውስኽ ምግባር ብዘገርም መልክዕ ቀሊል ከምዝዀነ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት የመልክቱ።

እዚ ምስ “ኣእምሮኣዊ ስሉጥነት” ዝተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሓሳብ ብቐሊሉ ክንርድኦ እንተኽኢልና፡ ናይ ምእማን ዕድልና ልዑል እዩ። ካልእ ይትረፍ ብቐሊል ኣጸሓሕፋ ወይ ብዝማርኽ ዓይነት ፊደል (font) እንቐሪቡ፡ ኣብ ምእማንን ዘይምእማንን እቲ ሓበሬታ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣለዎ።

ብተመሳሳሊ ሓደ ሰብ ንፈልጦ ኰይኑ እንተተሰሚዑና (ንኣብነት ኣብ ቲቪ ደጋጊምና ዝረኣናዮ ሰብ እንተዀይኑ) ነቲ ዝብሎ ነገር ክንኣምኖ ተኽእሎና ዝለዓለ እዩ። ዋላ’ውን ኣብቲ ዝብሎ ዘሎ ሓሳብ ብንጹር ፍልጠት ከምዘይብሉ እናተረኣየ’ኳ ሓሳቡ እቶም ከም ዝፈልጥዎ ዝተሰምዖም ሰባት ብቐሊሉ ክኣምንዎ ይኽእሉ እዮም።

ስለዚ ኵልሳዕ ካብቲ ጽቡቕን ቀሊልን ኣቀራርባ ብዝሓልፍ እቶም ምንጭታት እቲ ዜና ከመይ ዝበሉ ከምዝዀኑ ክንሓትት ይግባእ።

ብቐሊል ኣቀራርባ ከይተታለልና ምንጪ ዜና ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ።

ምንጪ እቲ ዜና ፍሉጥ ወይ ዝውቱር ምንጪ ድዩ? ዘይተለምደ ዓይነት እንተዀይኑ ናይ ሓሶት ምንጪ ናይ ምዃን ተኽእሎታት ኣሎ።

ንኣብነት፡ ብሎገራት ዘይፍለጡ ምንጪ እንተዀይኖም ኣብ ጕግል ፈተሻ ብምክያድ እቲ ምንጪ ብዛዕባ ዘለዎ ሞያ፡ ዕላማን ወዘተ ኽንፈልጥ ንኽእል።

ኣብ ዝተቐየሩ ወይ ዝተመሓየሹ ምስልታት ንቝሓት ንዅን

ሓደ ዛንታ ወይ ዜና ጽቡቕ ተቐባልነት ንኽህለዎ ካብ ዘኽእሉ እቲ ሓደ፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ምስሊ እንተሃልይዎ እዩ። ይዅን እምበር - ዕድመ ንቴክኖሎጂ - ምስልታት ብቐሊሉ ክመሓየሹን ክቕየሩን ኣብ ኣተሓሳስባና ዝኽርናን እውን ዓቢይ ለውጢ ከምጽኡን ይኽእሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ዝተቐየሩወይ ዝተመሓየሹ ምስልታት ሓቀኛን ብክኢላታት ዝተሳእሉን ክሳዕ ዝመስሉ ኣደናገርቲ ክዀኑ ይዅሉ እዮም።

ምስልታት፡ ንእንታይነት ሓደ ዛንታ ናይ ምፍላጥ ስሉጥነት ክውስኹ ይኽእሉ’ዮም። ሳላ ፎቶሾፕ ዝኣመሰለ ሶፍትዌር ብቐሊሉ ምምሕያሽ ወይ ምስናዕ ክግበረሎም ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ እቲ ዛንታ ተዘካሪ ንምዃን ክሳብ ክንደይ ብቐሊሉ ክቈጻጸሮ ከም ዝኽእል ክርድኣካ ይግባእ።

ሓደ እዋን ስሌት (Slate) ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ሓደ ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ። ስእልታት ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ፍጻመታት ንኣንበብቲ ኣቕሪቡ። ገለ ካብቶም ምስልታት ግን ናይ ሓሶት ፍጻመታት ዘርእዮ እዮም ነይሮም። ብድሕሪኡ ንኣንበብቶም ሕቶ ምስ ኣቐረቡሎም፡ ዳርጋ ፍርቆም፡ ነቶም ናይ ‘ሓሶት ፍጻመታት’ ከጋጥሙ እንለዉ ከምዝዝክሩ ገሊጾም።

እዚ ማለት ብፎቶሾፕ ምስልታት ምቕያር ወይ ምስናዕ፡ እቲ ሓሶት ተኣማንነት ክህልዎ ዘኽእል ሜላ ክኸውን ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ብቕጽበት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘሎ ዜና ጥራይ ኣሚንና ካብ ምቕባል፡ ተመሳሳሊ ዜና ካብ ብዙሓት ምንጪ ሓበሬታታት ክነረጋግጽ ክንፍትን የድልየና።

ብፍላይ ድማ እቲ ዜና ወይ ዛንታ ኣብ ፍሉጣትን እሙናትን ማዕከናት ዜና ወጺኡ እንተዀይኑ፡ ሓሶት ከይከውን ይኽእል እዩ።

ዘይምፍላጥና ንቀበሎ

ብዙሓት ሰባት ልዕሊ ዓቐን ብርእሰ-ምትእምማን ይሳቐዩ። ካብቲ ማእከላይ ሰብ ንላዕሊ ከምዝፈልጡ ይኣምኑ። ኣብ ጫፍ ኣጻብዕትና ደረት ኣልቦ ፍልጠት ዘለወን ስማርትፎናትና ድማ ነዚ ጽልዋ’ዚ ከጋድዳኦ ይኽእላ።

ውጽኢቱ ድማ፡ ንዝዀነ ምሳና ዘይሰማማዕ ነገር እናነጸግና፡ ኣብቲ ነቲ ግምታትና ዘደልድል ሓበሬታ ውሑድ ነቐፌታ ክነልዕል ክገብረና ይኽእል።

ካብ ከባቢና ወጺእና ንሕሰብ

ዛርያ ጎርቨት ብዛዕባ ‘ጕጅለ ምትፍናን’ (group polarization) ኣብ ዝጸሓፈቶ ዛንታ፡ ሰባት ብኣረኣእያኦም ብኣካላዊ ይዅን ብሕልማዊ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ክመሳሰሉ ባህርያዊ እዩ። ይዅን እምበር ካብቲ ኣተሓሳስባ ከባቢኦም ወጻኢ ምሉእ ዓለም/ክውንነት ከምዘሎ ዝርስዑ ኣለዉ።

ስለዚ ካብቲ ናትና ዝተፈልየ ኣረኣእያ ምስ ዘለዎም ሰባት ክንዘራረብ ንፈትን፣ ካብቲ ኵልሳዕ ነንብቦም ምንጭታት ዜና ወጺእና ካልኦት ምንጭታት ነንብብ። ነቲ ከም ንቡር ዝወሰድናዮ ሓቅታት ኣብ ሕቶ ዘእቱ ሓበሬታ ክንረክብን ክንግረምን ንኽእል ኢና።

ንኽንፈልጥ ድልየት ይሃልወና

ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ ቶም ስታፎርድ፡ ኵላትና ዝያዳ ንኽንፈልጥ እንተደሊና ዝያዳ ክንከስብ ከም እንኽእል ይሕብር። ዝተረሓሓቐ ኣተሓሳስባ ንምቅርራብ ትምህርቲ ጥራይ እዅል ኣይኮነን። ዝያዳ ንኽፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ግን በቲ ዝጸንሐ ስነ-ሓሳቦም ከይዓወሩ ሳይንሳዊ መርትዖታት ተጠቒሞም ዝያዳ ሚዛናዊ ብዝዀነ መንገዲ ናይ ምግምጋም ዕድል ኣለዎም።

ንኣንጻር ሓሳብና ዕድል ንሃብ

ከምቲ ስታፎርድ ኣብቲ ጽሑፉ ዝገለጾ፡ ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ዝነበሩ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ሞት ፍርዲ ዝገልጽ ጽሑፋት ከንብቡ ተሓቲቶም። ካብቶም መምርሒታት ሓደ፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ፡ እቲ መጽናዕቲ ባዕሉ ኣንጻራዊ ዓይነት ውጽኢት እንተዝህብ ነይሩ፡ ተመሳሳሊ ልዑል ወይ ትሑት ገምጋማት ምገበርካ’ዶ? ዝብል ንርእስኹም ሕተቱ” ይብል።

ስለዚ ንኣብነት፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ንመጠን ቅትለት ከም ዘጕድሎ ዝሕብር መረዳእታ እንተቐሪቡ፡ እቶም ተሳተፍቲ ኣገባብ ናይቲ መጽናዕቲ ክትንትንዎን፡ ነቲ ኣንጻራዊ ውጽኢቱ ኸኣ ንኽምልከቱን ተሓቲቶም። እቲ ውጽኢቱ፡ እቲ ሜላ ናይቶም ተሳተፍቲ ወገናውነት ከምዝንኪ የረጋግጽ። ምስቲ ዝጸንሐ እምነቶም ዘይሰማማዕ መርትዖታት ምቕባልን ነቲ ዝነበረ ግምታቶም ዝድግፍ መርትዖታት ድማ ዝያዳ ክነቕፉ/ሕቶ ከልዕሉን ገይርዎም።

ከም ውጽኢቱ ድማ ብሓፈሻ ዝያዳ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ኣንጸባሪቘም።