ስለምንታይ ኢና ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ‘ንጸራረፍ?’ ዶ/ር ዮናታን መልሲ ኣለዎ

ስለምንታይ ኢና ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ‘ንጸራረፍ?’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ሰብ ኣብ መላጕም [ኪ-ቦርድ] ኮምፒዩተር እናጠወቐ

ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ዝበዝሕ ግዜ መንነቶም ሓቢኦም ብድፍረት ንውልቀሰባት ይዅን ማሕበረሰባት ክጻረፉ፡ ክዝልፉ፡ ከዋርዱ፡ ከጥቅዑ ንርእን ንሰምዕን ኣለና።

ሰባት ካብቲ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ብንቡር ዘካይድዎ ርክብ ሕልፍ ብዝበለ፡ ንዓሌት፡ እምነት ጾታን ዘጥቅዕን ዘቆናጽብን ኣዕናዊ መሪር ቃላት፡ ጽዩፍ ጸርፊ፣ ኣቕሓሪ ዘለፋ የዘውትሩ። በዚ ከኣ ንሰባትን ማሕበረሰባት ካብ ምትፍናን ሰጊሩ ናብ ምቅትታል ዘምርሕ ይኸውን ኣሎ።

ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቶም ጽልኢ ዝጽሕትሩ ሰባት ንባዕሎም ተገምጢሉ ከጥቅዖም ይርአ።

እዚ፡ ንኣነባብራን ርክባትን ዝጸሉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝዝውተር ጽዩፍ ተግባር “እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና?” ዘብል እዋናውን ኣሻቓልን ተርእዮ እዩ። ስለምንታይ ግን ከምኡ ይኸውን ኣሎ።

ኣብ ፐን-ስተይት ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ዓውዲ ሜድያን ርክባትን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዮናታን ጽገ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ዝጸንሐ ኣገባብ ርክብ ብምዕባለ ቴክኖሎጂ ተቐይሩ፣ ኵሉ ብማዕረ ኣፍራዪ፡ ዘርጋሕን ተጠቃምን ሓበሬታ ክኸውን ዝፈጠሮ ዕድል ምዃኑ፡ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ የረድእ።

እዋናዊ ቴክኖሎጂ እንታይ ዕድል’ዩ ከፊቱ?

ማሕበራዊ ሜድያ፡ ሓበሬታ ንኽትረክብን ክትዝርግሕን ምስ ቀረባን ርሑቕን ክትራኸብን፡ ሓድሽ ዝምድናታት ክትፈጥርን ፍሉይ ዕድል ፈጢሩ።

እቲ እወታዊ ሸነኹ፡ “ብቕልል ዝበለ ኣገባብን ብዝሓሰረ ዋጋን ብጽሑፍ፡ ብድምጺ ብስእልን/ቪድዮን ናብራን ኣነባብራን ዝቕይር ስርሓትን ርክባት ክንፈጥር፡ ስራሕና ከነላሊ፡ ክንዝርግሕ ዘኽእል እዩ” ብምባል ንእወታዊ ሸነኹ ይዝርዝር ዶ/ር ዮናታን።

ብዘይካ’ዚ፡ ባህልን ስነጥበብን ናትና ይዅን ካልኦት ነስተማቕረሉ፡ ዝዀነ ፍልጠት ንረኽበሉ መድረኽ ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ “ሰባት ብናጻ ሓሳባቶም ከንጸባርቝን ከካፍሉን ዘኽእል ባይታ ምዃኑ እዩ፡” ይብል።

እቲ ዝጸንሐ መራኸቢ፡ “ካብ ሓደ ምንጪ [መንግስቲ ይዅን ውልቀ-ትካል] ነቲ ብዙሕ ዝህብ ጥራይ’ዩ፣ እቲ ዝበዝሕ ሰማዒ፡ ኣንባቢ፡ ተዓዛቢ ደኣ’ምበር፡ ሓሳባቱ ከንጸባርቕ ኣይክእልን፣ ወይ ውሑድ እዩ ወይ ከኣ ብምምያ (ሴንሰርሺፕ) ዝሓልፍ እዩ” ይብል።

ወሲኹ፡ “ሕጂ ግን ሓበሬታ ትህብ/ትቕበል፣ ግብረመልሲ ትህብ፡ ትጽሕፍ፡ ተሰጋግር፡. . . ንጡፍ ተሳታፊ ክትከውን ዕድል ኣሎ፡” ብምባል ነቲ ዝነበረ ድሩትነት ብመንጽር ዝተኸፍተ ዕድል የረድእ።

ማሕበራዊ ሜድያ፡ ዓለም ዝቕይር ዘሎ መድረኽ እዩ ዝበለ እቲ ምሁር፡ እዚ ኸኣ ንመስርሕ ዲሞክራሲያውነት’ውን ከም ዝቐየሮን፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስታት ይዅን ዓበይቲ ትካላት ሓበሬታን ዝሕጸር ዝነበረ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ነቲ ውልቀሰብ ሂብዎ ወይ ናጻ ገይርዎ እዩ፡ ይብል።

ዶ/ር ዮናታን፡ “እቲ ኣገዳሲ ዛዕባ ግን ሕጂ ነዚ ናጽነት’ዚ ብኸመይ ንጥቀመሉ እዩ?” ክብል የቐምጥ።

ዘይተገደበ ናጽነት ማሕበራዊ ሜድያ ሳዕቤኑ እንታይ እዩ?

ኵልና ነናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ክንገልጽ ምኽኣል ጽቡቕ’ኳ እንተዀነ፡ “ብሓባር ኣብ ዘገድሰና፡ ብፍላይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ግን ተሓታትነት ዘይምህላው ሓደገኛ ይገብሮ፡” ብምባል፡ እቲ ያታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ደረት ስለዝገብር፡ ተሓታትነት ስለዘስዕብ ኣብዚ መዳይ ብልጫ ከም ዘለዎ የረድእ።

እተን ዝጸንሓ ማዕከናት ዜና፡ “ዝዝርግሓኦ ሓበሬታ ብዅሉ ሸነኻት ተሓታትነት ስለዘስዕበለን፣ ሕጋዊ ገንዘባውን ብተቐባልነት’ውን ሃስያ ስለዝስዕበለን ዓቲበን ይሰርሓሉ እየን፡” ይብል።

ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ግን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ገዛኡ ኰይኑ፡ “ሓበሬታ” ሰሪሑ ክሰድድ እንከሎ፡ ብዛዕባ ዝኸስሮ ዝናን ካልእን ዘጨንቘ፡ ተሓታትነት ዘምጽኣሉ ነገር’ውን ዘይክህሉ፡ ወይ’ ውን ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ይኽእል’ዩ።”

ሳዕቤን ናይዚ እንከረድእ ከኣ ዮናታን፡ “እዚ ንዘይሓላፍነታዊ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ከተባብዕ ይርአ፣ ነቲ መድረኽ ብዅሉ መዳያቱ ዘይሓላፍነታዊ ትሕዝቶ ይጐብኦ’ሞ፡ እቲ ሓቀኛ - ጻዕሪ ዝተገብሮ፡ ሰባት ዝተመራመሩሉ፡ ምዙንን ርጕጽን ሓበሬታ እናሃለወ፡ እቲ ዝበዝሕ ተራ ሰብ ነየናይ ከምዘልዕል ስለዝጠፍኦ፣ ግዳይ ክኸውን ይርአ፡” ክብል ነቲ ሳዕቤናት የነጽር።

ሞያውነት ዘይምህላው

ብዙሕ ዘይሞያዊ ሰብ ናብቲ መድረኽ ብማዕረ ክድይብ ዕድል ምርካቡ፡ ተጠቀምቲ ነዚ ዘይሓለፍነታዊ ሓበሬታ ክቃልዑ ምኽንያት ኰይኑ ምህላው’ውን ዮናታን የረድእ።

“ዝሰልጠነ ሞያዊ ጋዜጠኛ፡ ዋላ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ኢዱ ሒዙ እናሃለወ’ውን፡ ሳዕቤን ናይቲ ሓበሬታ ክሓስብ ሞያኡ የገድዶ እዩ።”

እቲ ዘይሞያዊ ተራ ሰብ ግን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ተሓታትነት ዘይብሉ ምዃኑ፡ ሳዕቤን ናይቲ ዝዝርግሖ ጽሑፍ ይዅን ስእሊ/ቪድዮ - እቲ ኮነ ኢሉ ብዕላማ ዝገብር ገዲፋካ - ብመንጽር ሞያውነት ዘይምፍላጥ’ውን ኣሎ።

ስለዚ፡ ክጻረፍ፡ ድላዩ ክብል ዓሌታዊ ጐንጺ ከላዕል፡ ሰባት ከቃትል ዝኽእል ትሕዝቶ ካብ ምዝርጋሕ’ውን “ዝዓግቶ ሞያዊ ስነምግባር’ውን የለን፡” ይብል።

ኵነታት ኢትዮጲያ ብኣብነት ዝጠቅስ ዶ/ር ዮናታትን፡ ብተደጋጋሚ፡ ኣሰቃቒ ምስልታት ከም ዝርአ፡ ነዚ ግን እቲ ማሕበራዊ ሜድያ ከም ዘረሳስኖ ይገልጽ።

“እዚታት ግን ኣብቲ ፍሉጥ ማዕከን ዜና ዝግባኦ ጥንቃቐ ይግበረሉ እዩ።” ይብል።

ማሕበራዊ ሚዲያታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ባህሪ ሰባትን ባህሪ ቴክኖሎጅን

ዶክተር ዮናታን ጽገ

ምንጪ ስእሊ, YT

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ዮናታን ጽገ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ባህሪ ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ባህሪ ናይቲ ድሕሪ ኮምፒተር ኮፍ ኢልካ ዝግበር ዝርርባት’ውን እዩ፡ ይብል ዶ/ር ዮናታን።

“ሰባት ካብቲ ገጽ ንገጽ ንገብሮ ዝርርባት፡ ብኮምፒዩተር ወይ ብሞባይል ተሓቢእና ክንዘራረብ እንከለና ዝተፈላለየ ባህሪ እዩ ዘለና።”

በዚ መረዳእታ’ዚ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ስምዒታዊ ኰይኑ ዝዛረብ ሰብ፡ ብኣካል ከምኡ ኣይኰነን፡ ማለት እዩ።

ነዚ ብክልሰ ሓሳብ ሜድያ እንከረድእ፡ ዶ/ር ዮናታን፡ እዚ “ኦንላይን ዲስኢንሂቢሽን ኢፈክት” ከም ዝበሃል የረድእ። ብመሰረት’ዚ መጽናዕቲ፡ ሰብ ኣብ ኦንላይን ክኣቱ እንከሎ “ኣይግታእን ወይ ፍኑው ይኸይድ፡” ማለት እዩ።

ነዚ ካብ ዝድርኽ ረቛሒታት ሓደ ‘ኣናኒሚቲ’ ማለት፡ ሽም ዘይምህላው ማለት እዩ። እቲ መድረኽ ብዝህበካ ዕድል፡ ብዘይሽምካ ክትጽሕፍ፡ ክትዛረብ ትኽእል። ስለዚ ብዙሕ ሰብ ብናይ ሓሶት ሽም ይኣቱ’ሞ ዝመሰሎ ክፍኑ፣ ወይ ናይ ዘይምግታእ ናጽነት ክስምዖ ይኽእል።

ስለዚ፡ “እቶም ተጻራሪ፡ ብጽልኢ፡ ብስምዒት ዝጽሕፉን ዝዛረቡን መብዛሕትኦም ተሓቢኦም ዝጽሕፉ እዮም።” ክብል ይገልጽ።

ሽምካን ስእልኻን ዘይጥቃዕ እንተዀይኑ፡ ትስከፎ ሰብ፡ ትሓፍረሉ ማሕበረሰብ ስለዘየለ፡ እቲ ስክፍታን፡ እቲ ሰገጥ ምባል፡ እቲ ‘የኽፍኣለይ እዩ’ ዝብል ሕልናን ምስኡ ከም ዝጠፍእ ኣተሓሒዙ ይገልጽ።

ተዛሚዱ፡ ‘ኢንቪዚብሊቲ’ [ስዋረ] ዝበሃል ከም ዘሎ የመልክት’ሞ፡ “ኣብ ኦንላይን ልክዕ ከምዚ ኣብ ጸልማት ተሓቢእካ ዘለኻ እዩ ዝስምዓካ፡” ብምባል እቲ ኣብ ተጠቅምቲ ዘሎ ንፍንውነት ዝደፍእ ስምዒት የረድእ።

“ንሓደ ደራፋይ ንኣብነት፡ ደስ እንተዘይሉካ፡ ኣነዋሪ ጸርፊ ክትጸርፎ ድፍረት ክስምዓካ ይኽእል’ዩ፤ እቲ ዝጻረፍ ኣብ ኣእምሮኡ ተሓቢአ ኣለኹ ዝብል ስምዒት ስለዘለዎ፡ ልክዕ ከምቲ ተሓቢእካ ዝግበር/ዝበሃል ድላይካ ትብል፡” ይብል።

እቲ ሳልሳይ ረቛሒ፡ ‘ኣሲንክሮሲቲ’ [ ዘይቀጥታውነት] ዝበሃል እዩ። ዝበዝሕ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝግበር ዝርርባት ቀጥታዊ ኣይኰነን። ቀጥታዊ እንካን ሃባን፡ ከም ፊት ንፊት ዘለኻ ስምዒት ይህብ እዩ፣ ዘይቀጥታዊ ክኸውን እንከሎ ድማ ብኣንጻሩ።

ስለዚ፡ “እዚ ዘይቀጥታውነት ድማ ሰባት ድላዮም ክጽሕፉን፣ ከምዚ ሰብ ከይረኣየካ ድርብይ ኣቢልካዮ ትኸይድ ዓይነት ስምዒት ዝፈጥር ኵነታት’ውን ኣለዎ።”

እቲ ራብዓይ ነጥቢ፡ ‘ሶሊፕሲስቲክ ኢንተርጀክሽን’ [ባዕልነታዊ] ዝበሃል ምዃኑ ዮናታን ይጠቅስ። እዚ ዝያዳ ንጽሑፍ ዝምልከት ኰይኑ፡ ጽሑፍ፡ ዘይከም ድምጺ ወይ ቪድዮ፡ እንታይነት መልእኽቱ ብልክዕ ክትርድኦ ከም ዘጸገም ይዛረብ።

“ንኣብነት ‘ጽቡቕ ስራሕ’ ኢሉ ሓደ እንተጽሒፉልካ፡ ድምጹን መግለጺታት ገጹን ስለዘይትርእዮ ‘ብልቡ ድዩ ወይስ ኣሽካዕላል’ዩ?’ ኢልካ ‘እንታይ ማለትካ ደኣሉ?’ ናብ ዝብል ነቲ ዝጐደለ ድምጽን ስምዒትን ኣብ ርእስኻ ሰሪሕካ ናብ ነገር ክትኣቱ፡ ይዕድም፡” ይብል።

ምስዚ ዝኸይድ ‘ዲሶሲየቲቭ ኢማጅነሽን’ [ ነብስኻ ኣግሊልካ ባዕልኻ ሓደ ስእለ-ኣእምሮ ምፍጣር] እዩ። ብመሰረት መግለጺ ዶ/ር ዮናታን፡ ኦንላይን ዝፈጥሮ፡ እቲ ኻልእ ሰብ እንታይ ይስምዖ ይኸውን ኢልካ ሰገጥ ዘይምባል ስምዒት ኣሎ።

ብኣካል ትረአአ እንተለኻ እቲ ስምዒት’ውን ክረኣየካ ይኽእል’ዩ።

ኣብ ኦንላይን ግን፡ “እቲ ስምዒት ክትግንዘቦስ ይትረፍ ሰባት ምዃኖም’ውን ክሳብ ትርስዖም ኢኻ ትኸውን፤ ነብስኻ ኣርሕቕ ኣቢልካ፡ ነገራት ኣቕሊልካ ክትርእዮም፡ ንሓንሳእ’ውን ጸወታ ክመስለካ ይኽእሎ’ሞ ቀይዲ በተኽ ትኸውን - እዚ እቲ ማሕበራዊ ሜድያ ዝፈጥሮ እዩ፡” ይብል።

ምስኡ ተዛሚዱ እቲ ምርሕሓቕ’ውን ስለዘሎ፡ ኣብኡ ምስ ኣተኻ፣ ክሳዕ ካልእ መንነት ብኣእምሮኻ ትፈጥር፣ መን ኣበይ ከየርክበለይ ኢልካ ድፍረት ይስምዓካ፣ ድላይካ ትብል።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፡ “ኣብ ኢንተርነት ድላዩ ዝብልን ዝገብርን ፈጺሙ ብሕጊ ክሕተት ኣይክእልን’ዩ ማለት ኣይኰነን፡” ክብል ዮናታን የዘኻኽር። እቲ መስርሕ ግን ዝኸበደን ዝተሓላለኸን ምዃኑ የመልክት።

ኣተሓሒዙ፡ እዚ ተርእዮ ማሕበራዊ ሜድያ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሕብረተሰባት ገኒኑ፣ ብፍሉይ ንሓደ ሕብረተሰብ ዝምልከት ጥራይ ኣይኰነን ይብል።

ተወሳኺ ግደ ቴክኖሎጂ/ኣልጐሪዝም

ሶሻል ሚድያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዶ/ር ዮናታን ከም ዘረድኦ እቲ ቐንዲ ጸገም እቲ ባይታ ማሕበራዊ ሜድያ ዘለዎ ‘ቢዝነስ ሞደል’ እዩ።

እቲ ዝህቡና ኣገልግሎት ናጻ ዘይኰነ “ኣቓልቦና” እንኸፍለሉ ኣገልግሎት እዩ፡ ይብል። እቲ ንግሆ ተንሲእካ ሞባይልካ ብምኽፋት ዝጅምር “ሃሰውስው ሓበሬታ” ናብ ገንዘብ ከም ዝቕየር ይገልጽ።

እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ሰባት ናብ ቈይቂን ምትፍናን ክኸዱ ባይታ ዝጸርግ? ዝብል ሕቶ መሰረታዊ እዩ።

“እዘን ትካላት ኣብ ከቢድ ውድድርን ህልኽን እየን ዝነብራ፡” ብምባል ዶ/ር ዮናታን፡ እዘን ትካላት ሓደ ሰብ ነታ ኣብ መዓልቲ ዘጥፍኣ ሓንቲ ሰዓት ወይ ክልተ ወይ’ውን ልዕሊኡ፡ “ኣብቲ ናተን ፕላትፎርም ክሕሽሻ፡” እየን ዝሰርሓ፡ “እቲ ምስጢር ድማ ኣብዚ እዩ፡” ይብል።

በዚ መሰረት፡ ትካል ሜታ ኣብተን ናቱ፡ ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ዋትስኣፕ ክትውዕል ይደሊ፤ ጐግል ከኣ ካብቲ ናቱ ዝዀነ ዩትዩብ፡ ክትወጽእ ኣይደልን። ስለዚ፡ “ንተጠቃሚ ብግቡእ የጽንዕዎ፣ ካብቲ ትርእዮን ሃሰስ ትብሎን እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካ እቲ ኣልጎሪዝም የለልየካ፡” ይብል ዮናታን።

ኣልጐሪዝም ዝያዳ ዘገድሶ ስምዒትካ እዩ፣ ‘ኢንጌጅመት’ ብዝብልዎ ረቛሒ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ከመይ ዝበለ ትሕዝቶ እዩ ዝጽመድ ይልለ። እዚ ድማ ካብቲ ትጽሕፎ ርእይቶ፡ ወይ ትህቦ ግብረመልሲ፡ ስምዒትካ ይልለ’ሞ እቲ ብስምዒት ትኣትዎ ትሕዝቶ ከም ዝቕረበልካ የረድእ።

ብኣብነት እንከረድእ ዮናታን፡ ኣብ ፈይስቡክ ካብ ዘለው ኣዕሩኽትኻ ንኣብነት፡ ካብቲ ኵሉ ዝጥቃዕ፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመላለስካዮ ዝመሳሰል እዩ ኣብ ቅድሚት ዝቕረበልካ፡ ይብል።

ኣልጐሪዝም ነቲ ንኣኻ ብስምዒት ዝጸምደካ ትሕዝቶታት እዩ ዝቕርብ፣ “ነፍስ ወከፍ ‘ምጥዋቕ’ ምዝጉብ እዩ። ዝሓለፈ ግዜ እንታይ ኣንቢብካ፣ እንታይ ቀው ኢልካ ወይ ግዜ ሂብካ ርኢኻ ስኑድ እዩ።”

ኣብ ዝዀነ ወብሳይት ክንኣቱ እንከለና፡ “ኩኪስ” ንምዝግብ ኢና፣ ትሰማማዕ ዲኻ ኢሉ ዝመጽኣካ ሕቶ’ሎ። እቲ ኩኪስ እምበኣር ሓበሬታ ዝሕዝ ፋይላት ማለት እዩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ‘ኢኮቻምበር’፡ እንብሎ እቶም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለካ ዝእክብ ስርዓት ኣሎ። እዚ ኢኮቻምበር ድማ፡ ጕጅለታት ዝፈጥር፡ ኣብ ነናትካ ጸግዒ ሒዝካ ክትጻረፍን ንኻልኦት ከተጥቅዕን ዘዋድድ እዩ፡ ይብል።

“ኣዕሩኽትኻ ዝጻረፉ እንተሃልዮም’ሞ፡ እቲ ትሕዝቶ ንዓኻ’ውን ከም ዘጻርፈካ ፈሊጡ ስለዘሎ፡ የምጽኣልካ. . . ብስምዒት ክትኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል’ዩ።”

ርኡይ ኣብነት ናይዚ ኣብ ኣሜሪካ ሕጂ እቶም ሕሉፋት የማናውያንን ጸጋማውያንን ተተጐጂሎም ዝገብርዎ ምጥቕቓዕ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ’ውን ይርአ'ዩ።

ስለዚ፡ እቲ ናይ ሰባት ምትፍናን ኣብ ስምዒት ምእታው፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ተጸሚድካ ምውዓል ነተን ትካላት ረብሓ ስለዝዀነ ንዕኡ ዓቲበን ከም ዝሰርሓሉ፡ ዮናታን የነጽር።

“ኣብ ሚያንማር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓሌት ሮሂንግያ ዝዀኑ ኣስላም ዝወረደ ህልቂት፡ ፈይስቡክ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ ዘሎ፡” ብምባል ድማ ንሓደገኛነት ማሕበራዊ ሜድያ የቐመጥ።

ኣብ ሚያንማር ኣንጻር ኣስላም ኣዝዩ መርዛም ዝዀነ ዘመተ ክጅመር እንከሎ፡ ፈይስቡክ ነቲ ዘመተ ክቈጻጸሮስ ይትረፍ መሊሱ ከም ዝጐልሕ ገይሩ፣ ነቲ፡ ‘እዚኦም ክጠፍኡ ኣለዎም፡ ክሕረዱ ኣለዎም፡’ ዝብል ሰባት ዘለዓዕል ዘረባታት ጽልኢ ኣብ ቅድሚት እናመጽአ ሰብ ኣወዲኡ እዩ፡ ይብል።

“ኣብ ፈይስቡክ ኣንቢቦም፣ ካብኡ ወጺኦም ብቐጥታ ኣብ ኣባይቲ እቶም ሰላማውያን ሮሂንግያውያን ከይዶም ዝሓረድዎም፡ ዘቃጸልዎም፡ ብዙሕ ጉዳያት ተራእዩ እዩ፤ ኣመና ኣስካሕካሒ ተራ’ዩ ተጻዊቱ።”

ኣብ ኢትዮጲያ’ውን፡ ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ክፍጸም እንከሎ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተራእዩን፡ ነቲ ዘሎ ግጭት፡ ምትፍናን ምቅሕሓርን ህልኽን ኣብ ምግዳድ ተራ ከም ዘለዎ የረድእ።

“እቲ ዝተገብረ ሕማቕ ተግባር ሓንሳእ ተገይሩ ኣብ ቦታኡ ተሓጺሩ ኣብ ክንዲ ዝተርፍ፡ ከም እንደገና ብማሕበራዊ ሜድያ ይቕጽል፣ ንኻልኦት መሊሱ ይበጽሕ፣ ስምዒት ይትንክፍ መሊሱ ነቲ ምትፍናን ከብእሶ ተራእዩ እዩ።”

እዚ ዅሉ ክግበር ዝኽእል ዓቕሚ እዘን ብዝበለጹ ኢንጂነራት ዝሰርሓ ትካላት ግን፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክቈጻጸራኦን ክገትኣኦን ቀሊል እዩ። እንተዀነ ንረብሓአን ስለዘይኰነ፡ ከምኡ ኣይገብራኦን፡ “ዝግደሳሉ’ውን ኣይመስለንን፡” ይብል።

ብመሰረቱ እዘን ትካላት፡ ባዕላተን ዝሰርሓኦ ወይ ዘፍርያኦ ሓበሬታ የለን። ኵሉ ተጠቃሚ፡ ገሊኡ ጸሓፊ፡ ሰኣሊ፡ ደራፊ ኰይኑ እዩ ነቲ ጥርሑ ገዛ ዝመልኦ።

“ኣብኡ እናወዓልና፡ ኣቓልቦና ብምሃብ ኢና ነገልግሎም፡ ዝተጋነነ መኽሰባት ከኣ ይግሕጡ። ስለዚ፡ ምእንቲ ሰላምን ርግኣትን ሕብረተሰባትን ዓለምን ሓላፍነት ክስምዖም ምተገብአ፡” ብምባል ዮናታን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ዘቀራሕን ዘተፋንን ሰባት ዘዋድእ ኣዕናዊ ነገራት ብፍላይ እዘን ትካላት፡ “ሕልና” ክገብራ ይጽውዕ።

. . . ኣብ መወዳእታ ንመንእሰያት

ካብዚ [ኣልጐሪዝም] ወጻኢ ግን፡ እቲ ተጠቃሚ ብፍላይ መንእሰያት ባዕላቶም ዘፍርይዎ ዘለው፡ ኣብ ኵሉ መዳይ ቀይዲ በተኻዊ ዝዀነ ጽሑፋት፡ ዘረባታትን ተግባራትን ስእሊታትን ኣሰካፊ ምዃኑ ብሰፊሕ የዛርብ እዩ።

ኣብዚ ነጥቢ’ዚ፡ እቲ ዘለናዮ ኵነታት ይጸልወና እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን፡ ዮናታን ይዛረብ። ኣብዚ እዋን ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኢትዮጲያውያን ብርዱእ ምኽንያታት ኣብ ስደት ምስ ኵሉ ሕልኽላኻቱ ይነብሩ ብምህላዎም፡ ኣብቲ ዝርአ ቀይዲ በተኽነት ተራ ኣለዎ፡ ይብል።

“እዚ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ስደት ንዘሎ ተጠቃሚ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት’ውን ዳርጋ ስለዘየለ ካብዚ ወጻኢ እዩ፡” ኢሉ የቐምጥ።

“ኣብ ደገ ምህላው፡ ካብ ወለድኻ፡ ዓበይቲ ኣሕዋትካ፡ ኣያታትካ፡ ብዓቢኡ ካብቲ ሕብረተሰብ ተፈሊኻ ምንባር፡ ክኣሊ፡ ክገንሕ ዓገብ ክብል ካብ ዝኽእል ወገንን ክብርታቱን ምርሓቕ ማለት እዩ፡” ብምባል፡ እዚ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝግበር ዘይእርኑብን ጽዩፍን ተግባራት ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ይገልጾ።

ኣብ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን እምነትና ኣኽረርቲ ዘይምዃን፡ ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳባት ምኽባርን ምቕባልን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዶ/ር ዮናታን፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ወጺእካ ዝግበር ንውሱናት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕብረተሰብን ሃገርን ስለዝጸሉ ንሳዕቤናቱ ሓላፍነት ክስምዓና ከም ዝግባእ የዘኻኽር።

“እቲ ሎሚ ብስምዒት ተረሳሲንካ፡ ገሊኡ ድማ ዕድመኡ ደፊእዎ ዝብሎ፡ ዝጽሕፎን ዝገብሮን፡ ንናይ ሕጅን መጻእን ሂወቱ ዝጸሉ እዩ፡” ይብል።

ብዙሓት፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብኡ ዝገበርዎ፡ ኣብ ግዜ እቲ ኵነታት ይዅን ኣተሓሳስባ ይቕየር’ሞ፡ ኣብኡ ተሓምሺሾም ዝተርፉ፣ ካብኡ ወጺኦም’ውን ሳዕቤኑ ምጻር ስኢኖም ሂወቶምን ናብራኦምን ዝተበላሸወ፣ ክሳብ ርእሰ ቅትለት ምፍጻም ዝበጽሑ መንእሰያት ምርኣይ ግኑን እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሓንሳእ ዝተፈነወ ክሕከኽ’ውን ስለዘጸግም፡ ፈቲና ጸሊእና መካየዲ ዝተረፈ ህይወትና ምዃኑ ተገንዚብና ደጋጊምና ክንሓስበሉ፣ ኣጠቓቕማና ከነመሓይሽን ከም ዝግባእ ዶ/ር ዮናታን ጽገ ይመክር።