ሕብረተሰብ ክሳብ መዓስ’ዩ ብሓገዝ ‘ጎ-ፋንድ-ሚ’ ክሕከም ዝኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Caitlin Hillyard/KHN illustration; Getty Images
ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ‘እገለ ሓውና፣ እገሊት ሓብትና ከቢድ ጸገም ጥዕና ስለዘጋጠሞ/ማ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ/ዳ ንኽትሕከም ወጻኢታት ሕክምና ኸኣ ልዕሊ ዓቕሚ ስለዝዀነ. . .' እናተባህለ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ‘ሓግዙና/ንሓግዞም’ ዝብሉ ሓያሎ ምሕጽንታታት ጎ-ፋንድ-ሚ ክዝርግሑ ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ፖሎቲካዊ፡ ቍጠባውን ምምሕዳራውን ሽግራት፡ ህዝቢ ብቝዕን ዝተማልአን ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኤሌክትሪክን ማይን ካልእ መሰረታዊ ቀረባት ሓጺርዎ፡ ከም ሳዕቤኑ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሽግራትን ሕሰምን ተቓሊዑ ይርከብ።
ብሰንኪ'ቲ ውሽጣዊ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት ኤርትራ፡ ብዙሓት ካብኡ ንምምላጥ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ፡ ብኡ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ምዕራብን ካልእን ፋሕ-ፋሕ ክብሉ ዓመታት ተቘጺሩ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ኢትዮጲያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ዘለው ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርዶም ዘሎ ኣደራዕ፡ ብቐረባ ኣብ ቢቢሲ ይዅን ካልኦት ማዕከናት ዜና'ውን ክንገር ቀንዩ’ሎ።
እዚ ዋሕዚ መንእሰያትን ክኢላዊ ዓቕምታትን ከኣ ብሓፈሻ፡ ንብቕዓትን ኣሰራርሓን ትካላት 'ታ ሃገር ብርኡይ ጐዲእዎ እዩ።
እዚ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ዘሎ ኵነታት ኣገልግሎት ጥዕናን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝምዕብል ዘሎ ተርእዮ ጎ ፋንዲ ሚ ኣድሂብና ክንድህስስ።
ዝርግሐ ትሕተ ቅርጺ ሕክምና ኣብ ኤርትራ፡ ብፍላይ ምህናጽ መደበራት ጥዕና፡ ማእከላት ጥዕናን ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ጽቡቕ ሰጕሙ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ግዜ ግን ብዓቕሚ ሰብን መሳርሒታትን ብርኡይ ተዳኺሙ፤ ምስቲ ዝስጕም ዘሎ እዋናዊ መሳርሒታትን ምዕባለ ቴክኖሎጂ ሕክምናን ግን ክመዓራረ ኣይከኣለን።
ብሰንኪ'ዚ፡ ደረጃ ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ ብዓቕሚ ሰብን መሳርሒታትን ዘድሊ ቀረብ መድሃኒታትን ስለ ዝተዳኸመ፡ ብዙሕ ሰብ ናብ ጐረባብቲ ወጺኡ ክሕከም ግዲ ኰይንዎ'ሎ። ሓደ ሓደ ሰባት ከኣ ወጻኢታት ምስ ከበዶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወይ ኣብ ሱዳን ኰይኖም ወደይ፡ ሓወይ፡ ኣደይ ከምኡ’ውን ኣቦይ ብኸቢድ ሓሚሙ ስለዘሎ ርድኡና ብምባል ብማሕበራዊ ሜድያ ሓገዝ ክሓቱ ይርኣዩ እዮም።
ዝበዝሑ ካብቶም ሓገዝ ዝሓቱ ከኣ ነቲ ዝደልይዎ ሓገዝ ከይረኸቡ ከምዝተርፉን ኣብ ከቢድ ስቃይ ከምዝርከቡን ይግለጽ።
እዚ ጕዳይ ግን፡ “ክሳዕ መዓስ እዮም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ብጎ ፋንድ ሚ ክሕከሙ? ንሓዋሩ የዋጽእ ድዩ’ኸ? እቶም ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሓግዙና ክብለሎም ዝኽእል ወገን ዘይረኸቡ ወይ ናይ ኢንተርነት መሳለጥያ ዘይብሎም ሰባት’ከ እንታይ ይዅኑ?”
ዝብሉን ካልእ መሰረታውያን ሕቶታት’ውን ስለዘልዓለ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ንክኢላ ሕማማት ልቢ ዶክተር ሃብተኣብ ብጹኣምላኽን ንክኢላ ሕማማት ኵላሊት ዶ/ር ኣስቴር ኣለምሰገድን ካብ ኣሜሪካ፡ ከምኡ እውን ንክኢላ ሕማማት ስነ ኣእምሮ ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ ካብ ካናዳ ኣዘራሪቡ ኣሎ፤ ርእይቶኦም ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።
ንምዃኑ ብሓግዙና ጥዕና ክወሓስ ይኽእል ዶ?
ሓኪም ስነ ኣእምሮ ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ንጽጕም ምሕጋዝ ብእምነትን ባህልን ዝድገፍ ሰናይ ተግባር’ኳ እንተዀነ፡ ብፍላይ እቲ ንጥዕናን ሕክምናን ዝምልከት ጕዳይ ግን፡ እቲ ጸገምን ሕጽረትን ካብ ሱሩ እንተዘይተፈቲሑ፡ ብሓገዝን ለመናን ክስገር ስለዘይከኣል ክሕሰበሉ ከምዘለዎ ይመክር።
"ኣብዚ ቐረባ ግዜያት ብዙሕ ሰብ ብፍላይ ንጥዕና ኣብ ዝምልከት ጕዳይ ሓግዙና/ ንተሓጋገዝ ብምባል ብመገዲ ‘ጎ-ፋንድ-ሚ፡’ ምሕጽንታ የቐርብ ኣሎ። ግን ክሳብ መዓስ እዩ ክቕጽል? እቲ ናይ ኢንተርነት መሳለጥያን ዕድልን ዘይረክብ፣ ወይ ዝነግረሉን ዘእውየሉን ዘይብሉ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብር ውጹዕ’ከ እንታይ ይዅን? ንዝብል ሕቶ ዝምልስ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ጥበብ ምትሕግጋዝ ክሕሰብ ኣለዎ፡” ይብል።
ክኢላ ሕማም ኵላሊት ዶክተር ኣስቴር ብወገና፡ እቲ ብጎ-ፋንድ- ሚ ዝሕተት ሓገዝ ሰባት ምስ ተጨነቝ ዝፍትንዎ ናይ ዓቕሊ ጽበትን ጭንቅን ምልክት ምዃኑ ብምግላጽ፡ “መንግስቲ ንህዝቡ መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ከቕርብ ግዴታ ስለዘለዎ፡ መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንምቕራብ ክጽዕርን ክሰርሕን ይግባእ” ክትብል እቲ ሓላፍነት ንመንግስቲ ተሰክም።

ምንጪ ስእሊ, DR. ASTER/DR. HABTEAB
ንኣብነት እቲ ንሕማም ካንሰር እናተባህለ ክዋጻእ ዝሕተት ገንዘብ፡ ዋላ'ውን 100 ሽሕ ዶላር ይተኣከብ ነቲ ሕማም ንምፍዋስ እዅል ኣይኰነን። እዚ ገንዘብ እዚ ግን ብዝተማእከለን ዝተወደበን ኣገባብ ኣብ ጥዕናዊ ልምዓት ህዝቢ እንተዝውዕል ብዙሕ ነገር ከቃልል ምኸኣለ።
ጥዕናዊ ውጥን ሓንቲ ሃገር ብቐንዱ ሕማማት ኣብ ምክልኻል እዩ ከተኵር ዝግባእ። ሕብረተሰብ ቅድሚ ዝኣገረ ጥዕናኡ ንኽከታተል ግቡእ ጻዕርን ጐስጓስን ትምህርትን እንተተዋሂቡ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ብዕድመን ሽምግልናን ዝስዕብ ዘይተርፍ ሕዱር ሕማም ንምክልኻል ከምዝቐልል ተረድእ - ዶ/ር ኣስቴር።
ዶክተር ሃብተኣብ ብወገኑ፡ እዚ ብጎ-ፋንድ-ሚ ንሕክምና ዝሕተት ሓገዝ ገንዘብ ከምዚ “ሓደ ገዛ እናተቓጸለ እንከሎ፡ በብወገንካ ብኹባያ ማይ ገይርካ ከተጥፍኦ ምፍታን’ዩ ዝቝጸር” ክብል እቲ ተግባር ዓቕሎም ዝጸበቦምን ዝጨነቘም ሰባት ይገብሩዎ’ኳ እንተለው ብቐንዱ ግን እቲ ሓላፍነት ንመንግስቲ እዩ ዝምልከት ይብል።
“ኤርትራውያን ሞያውያን ሓካይም፡ መባእታዊ መሳርሒታትን መድሃኒትን እንተቐሪቡሎም ብዘይ ናይ ግዳም ደገፍ ብዓቕሞም ብዙሕ ክሰርሑን ህዝቦም ከገልግሉን ይኽእሉ እዮም” ዝብል ዶ/ር ሃብተኣብ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ሓንቲ ሃገር ዝብርኽ “ቅርዑይ ፖለቲካዊ መሪሕን ጽፉፍ ፖሊሲ ጥዕናን” ምስ ዝህሉ እዩ ይብል።
በዚ ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብጎ ፋንድ ሚ ንሕክምና ውልቀ ሰባት ዝሕተት ሓገዝ፡ መንግስቲ ጽፉፍ ፖሊሲ እንተሓንጺጹን ግሉጽን ርትዓውን ምሕደራ እንተተኸቲሉን፡ ብዙሕ ነገር ክሳለጥ ከምዝኽእል እምነቱ ይገልጽ።
ዶ/ር ኣስቴር፡ እዚ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሓገዝ ዝሓትት ዘሎ ዓቕሉ ዝጸበቦ ወገንና ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከምዝበሃል፡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ከም ህዝቢ ክንዮ ጎ ፋንድ ሚ ክንሓስብ፡ መንግስቲ ንዜጋታቱ ናይ ኮቪድ ክታበት ክወስዱን ጥዕናኦም ክከላኸሉን ከፍቅድ ክንሓትትን ሓላፍነቱ ክስከምን ክንጽውዕ ይግባእ ትብል።
ባህሊ ምትሕግጋዝ
“ሓደ ሓዉ ወይ ሓፍቱ፡ ኣቦኡ ወይ ኣደኡ፡ ቀረባኡ ዝሓመሞ ዝተጨነቐ ሰብ፡ ጭንቁ ጥራይ ስለዝረኣዮ ንህዝቡን ወገኑን ሓግዙኒ ክብል ሓቁ እዩ። ግን ብጎ ፋንድ ሚ ዝርከብ ሓገዝ ግዝያዊ እምበር ዘላቒ ፍታሕ ስለዘየምጽእ ከም ዜጋታት ንነባሪ ፍታሕን ኣገልግሎት ጥዕናን ክንሰርሕ እዩ ዝግባእ፡” ትብል።
ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ግቡእ መሰረታዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ስለዘይረኸቡ፡ ንኽሕከሙ፡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ዱባይን ቱርክን ገይሾም እቲ ወጻኢታት ልዕሊ ዓቕሞም ምስ ኰነ’ዮም ንህዝቢ ርድኡና ዝብሉ ዘለው፡ ዝብል ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ፡ ኣብ ዓዲ ርኡይ ሕጽረት ኣገልግሎትን ብቕዓትን ትካላት ሕክምና፡ ከቢድ ድኽነትን ቍጠባን ስለዘሎ ኣብ ስደት ናብ ዝነብሩ ደቈም ወይ ቤተሰቦም ከምዘእውዩ የረድእ።
እንተዀነ ይብል ኣቶ ዮሃንስ ብፍላይ እቲ ንጥዕና ዝምልከት ኣርእስቲ ብጎ ፋንድ ሚ ክፍታሕ ስለዘይከኣል፡ መንግስቲ ጥዕና ህዝቢ ንምውሓስ ዝከኣሎ ክገብር ይጽውዕ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
“ወዮ ደኣ እቶም ኣብ ስደት እንነብር ደገፍቲ ተቓወምትን መንግስቲ ኴንና ተፈላሊና ኣለና እምበር፡ ንጕዳይ ህዝቢ ኣብ ዝምልከት ነገራት ንኣብነት፡ እቲ ንሓገዝ ጥዕና ዝዋጻእ ገንዘብ ኣብ ሓደ እሙን ማዕከን ተኣኪቡ ዝተጸገሙ ዜጋታት ብማዕርነት ዝግለገልሉ ሲይስተም ሓቢርና ክንፈጥር እንተንኽእል ዝሓሸ ምዀነ፡” ይብል።
ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ንጽጕም ምሕጋዝ ዝጸንሐን ዝነበረን እዩ። ኣብ መታሕት ይዅን ከበሳታት ኤርትራ ንኣብነት ሰባት ኣኣብ ዓዶም ንዘለው ጽጕማት፡ ብጥዕና ይዅን ብዕድመ ዓዲ ዝወዓሉ ሽማግለታት ግራውቶም ሓሪሱ ዘራእቶም ይእክበሎም። ኣደታት ብወገነን ለንቂጠን ጥሒነን፡ ጠቢተን ሰንኪተን ይምግባኦም። ሩባ ወሪደን ማይ የስትያኦም ክዳውንቶም ይሓጽባሎም። ብኸምዚ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ጽጕማቶም ክጥወሩ ዝጸንሐ ባህሊ እዩ።
እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜያት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሕተት ዘሎ ጻውዒት ሓግዙና እውን መሰረቱ እቲ ዝጸንሐ ባህሊ ይዅን እምበር፡ ነባሪ ፍታሕ ስለዘየምጽእ ከም ልምዲ ከይስዕርር ከም ዜጋታት ናብቲ ነባሪ ፍታሕ ከነድህብ ኣለና፡ ትብል ዶ/ር ኣስቴር።
ንሳ ወሲኻ፡ “ተጸጊመ ንዝበለ ወገነይ 100 ወይ 200 ዶላር ብምሃብ ሕልናይ ኣዕጊበ ደቂሰ ክሓድር ይኽእል ይኸውን። ግን ግዝያዊ ፍታሕ እምበር ነባሪ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ብምባል እቲ ንህዝቢ ዘድሊ ዘሎ ነገር ነባሪ ፍታሕ ምዃኑ ብኣጽንዖት ትዛረብ።
ኣቶ ዮሃንስ ብወገኑ፡ ካብ ዝሓለፈ 15-20 ዓመታት ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ጕዕዞ ስደት፡ ኣብ ሰሃራን ሊብያን ኣብ ኣጻምእ ሲናይን ሱዳንን ጅሆ ንዝተታሕዙ ወገናቱ ንኸፍትሑ ክሳብ 30-40 ሽሕ ዶላር ብምኽፋል ናይ ኢዱን እግሩን ከምዝነገፈ ብምርዳእ፡ “እዚ ሕጂ ብብዝሒ ዝቀላቐል ዘሎ ጻውዒት ጎ ፋንድ ሚ ከኣ ገሊኡ ንውልቃዊ ረብሓ ዘድሃበ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ብንቕሓት ክንርእዮን ከም ዜጋታት ንግዝያዊ ፍታሕ ዘይኰነስ ናብ ነባሪ ፍታሕ ከነድህብ ኣሎና” ይብል።
ዶ/ር ሃብተኣብ እውን ንጽጕማት ኣሕዋት ምሕጋዝ ቅዱስ ተግባር’ኳ እንተዀነ እቲ ቀንዲ ጸገም ኣበይ እዩ ዘሎ? ቍስልናን ሽግርናን ኣበይ እዩ ዝርከብ ኢልና ብደቂቕ ኣጽኒዕናን ተመራሚርናን ናብ ነባሪ ሓባራዊ ፍታሕ ከነድህብ ይግባእ ክብል ርእይቶኡ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







