ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ብኣልማማ ይግፈፉ ከምዘለው ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ምንጭታት ካብ ካርቱም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ን14 ዓመታት ኣብ ካርቱም ክነብር ዝጸንሐ ንድሕነቱ ከማል* ብዝብል ስም ክጽዋዕ ዝመረጸ ኤርትራዊ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምስ ህሉው ኵነታት ሱዳን ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ “ግፍዒ” ምዃኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣባላት ጸጥታ እታ ከተማ ንሰባት ብኣልማማ እናኣስሩ፡ ካብ 400-500 ዶላር ኣሜሪካ ከፊሎም ንኽወጽኡ የገድዱዎም ከምዘለው ምንጭታትና ሓቢሮም።
ብሰንኪ’ዚ ከኣ እቲ ብቐደሙ እውን ከቢድን መሪርን ናብራ ሱዳን መመሊሱ ይኸፍእ ከምዘሎ ገሊጾም። እዚ ካብ ንኣሽቱ ነቝጣታት ብዝዋፈሩ ኣባላት ጸጥታ ዝግበር ንገንዘብን መኽሰብን ዝዓለመ ከምዝዀነ ካብቶም ግዳያት ይዛረቡ።
በቲ ኵነታት ዘማረረ ከማል፡ ገንዘብ ከፊልካ እውን ከምዝኸፈልካ ዘረድእ ዝዀነ ይዅን ቅብሊት ከምዘይህቡ፡ ንሰባት ገገፊፎም ብምእሳር ገንዘብ ኣኽፊሎም ከምዝሰዱዎም ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኵነታት እናኸፍአ ምስ ከደ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ተዘራሪቡ ነቲ ጉዳይ መግትኢ ክግበረሉ ከምዝተሓተተ፡ እንተዀነ ሰበስልጣን፡ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዝግበር ዘሎ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉን፡ ብናይ ከባቢ ፖሊስ፡ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዝግበር ናይ በለጽ ተግባር ምዃኑ ከምዝተሓበሮም የረድእ።
ኤርትራውያን “ዋላ እውን ተጻጊሞም ገንዘብ ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ኣረኣእያ ስለዝማዕበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ንገንዝብን ረብሓን ዝዓለመ ግፋን ማእሰርትን ዝውቱር ምዃኑ ከማል የረድእ።
ካልእ ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ካርቱም ከባቢ ጅሬፍ ዝነብር ኣለም ዑቕባይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን ወቕቲ እናሓለኻ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ግፋን ማእሰርትን ልሙድ ምዃኑ፡ ይዅን እምበር ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነቶም መንበሪ ወረቐት (ኢቓማ) ዘይብሎም ኤርትራውያን ዘተኮረ ምንባሩ ብምሕባር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ቍጠባዊ መነባብሮ ስለዝኸበደ ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ንስልጣኖም ምንጪ ገንዘብን ረብሓን ይጥቀምሉ ከምዘለው ይሕብር።
ዳርጋ እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገር ብዘይ ፍቓድ ስለዝስደዱ ናብ ኤምባሲ ከይዶም ሓገዝ ክሓቱ ከምዝጽገሙ ዝሓበረ ኣለም፡ እቶም ንረብሓን ገንዘብን ዝዋፈሩ ሓይልታት፡ ኤርትራዊ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ስለዝፈልጡ ነቶም ዜጋታት ስደቶም ከይኣኽሎም ከምዘሸግሩዎም የረድእ።
ተመሳሳሊ ርድኢት ዘለዎ ከማል ብወገኑ፡ ንኢትዮጲያውን እውን ከምዝሕዙዎም ግን፡ ‘ኣይንኸፍልን ኢና እንተደሊኹም ንዓድና ስደዱና’ ስለዝብልዎም ድሕሪ ቝሩብ ከምዘውጽኡዎም ወይ ናብ ዓዶም ከምዝመልሱዎም ይሕብር። ዝበዝሕ እቲ ኤርትራዊ ግን ካብ ዓዱ ብዘይ ፍቓድ ስለዝወጽእ እንተተመሊሱ ጸገማት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ስለዝርዳእ ዝተባህሎ ስለዝኸፍል ነቶም ኣባላት ጸጥታ ምንጪ እቶትን ረብሓን ከምዝዀኖም ይገልጽ።
እቶም ኣባላት ጸጥታ ነቶም ስደተኛታት ንስኻትኩም ኣብ መዓስከራት እምበር ኣብ ከተማታት ክትነብሩ ኣይፍቀደኩምን እዩ ብምባል ከምዝኣስሩዎም ዝሓበረ ከማል፡ ናብራ መዓስከራት ከኣ ከቢድ ብምዃኑ እቶም ስደተኛታት ተለቂሖም ተመርቂሖም ኣብ ስደት ዝነብሩ ቤተሰብን ኣዕሩኽን እናሸገሩ ነቲ ዝሕተቱዎ ገንዘብ ከይፈተው ከምዝኸፍሉ፤ ነቶም ፈጺሞም ክኸፍሉ ዘይክእሉ ሰባት ክሳብ ዝከኣሎም ከምዘሰራጥዩዎም እምበር ሒዞም ናብ መዓስከራት ከምዘይመልሱዎም ጠቒሱ.
“እቲ ምኽንያት፡ መርከቢ ገንዘብ እዩ፣ ዋጋ ዕዳጋ ኢኻ ከኣ ትገብር፡” ይብል።
ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ ሱዳን ዘለውዎ ኣብ ስዊድን ዝነብር መብራህቱ ክፍሎም፡ "ወርሒ መጸት ብፖሊስ ተታሒዝና ሓግዙና ዝብል ርድኡና ጥራሕ ኢና ንሰምዕ፡ ኤርትራዊ ኣብ ሱዳን ዳርጋ ክሪብቶ ካረንሲ ተቐይሩ" ብምባል በቲ ዘውጽኦ ገንዘን ብዙሕ የማርር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብዚ እዋን’ዚ ሱዳን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምትፍናንን ቀጻሊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላውን ዋሕዲ ቀረብ መሰረታዊ ሃለኽትን ሓያል ብድሆታት ከምዘጋጠማ ዝገልጽ ኣቶ ኣለም፡ ዜጋታት ኮነ ስደተኛታት ናብራ ከቢድዎም ብቐጻሊ የማርሩ ከምዘለው ይሕብር።
ከም ሳዕቤኑ ከም ዓሶ፡ ሸሮኽ፡ ረስኒ ደንጊ፡ ቺኩንጉንያ ዝኣመሰሉ በብዓመቱ ዝኸሰቱ ሕማማት ኣብ ጥዕና ከቢድ ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎ ዩኤንኤችሲኣር ይሕብር።
ብተወሳኺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም 14.3 ሚልዮን ሰባት፡ ኣስታት 2.9 ሚልዮን ብሰንኪ ኵናትን ደርቅን ዕልቕልቕን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ሱዳናውያን፡ ኣስታት 900,000 ተመለስቲ ሱዳናውያን፡ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዝዀኑ ከኣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ከምዝዀኑ ይገልጽ።
ይዅን እምበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ናይቲ ገዚፍ ተጸባይ ረድኤት ክነሶም ግዳይ ሓይልታት ጸጥታ ይዀኑ ምህላዎም ኣቶ ኣለም የረድእ።
ኣቶ ከማል፡ እዚ ተግባር እዚ ክቃላዕን ዝምልከቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ግቡእ ፍታሕ ክገብሩሉ ከምዝግባእን የተሓሳስብ።
ኣብዚ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቀጻሊ ተቓውሞታት ስለዘጋጥሞ ርጉእ ፖለቲካዊ ቁመና ከምዘይብሉ ይግለጽ።
“ኤምባሲ ኤርትራ ‘ውን ከይተሓለለ፡ ንመሰላት’ቲ ዝከላበት ዘሎ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መኽሰብ ከይደለየ ክጠባቐሉ ግቡእን ሓላፍነቱን እዩ፡” ይብል።
ኣብ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትጵዮያውንን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ። ኣብ ምብራቕ ሱዳን ጥራይ፡ ኣስታት 113 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ካብ'ዚኦም ድማ ልዕሊ 83 ሽሕ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ። ዝተረፉ 30 ሽሕ ድማ ኣብ ከተማታት ሱዳን ሰፊሮም ይነብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







