ኣብ ኤርትራውያንን ካልኦትን ስደተኛታት ዝካየድ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ደው ክብል ጻውዒት ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, FOREIGN AFFAIRS OF ETHIOPIA FB
ካብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ፍሉይ ዓይነት ግፋ ይካየድ ከም ዘሎ ምንጭታት ገሊጾም። እቲ ግፋ ሱዳን ብዘውጽኣቶ ንወጻእተኛታት ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝምልከት ሕጊ ምዃኑ ይግለጽ።
ኤርትራውያን ፓለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ሱዳን፡ ነቲ ግፋ ኣመልኪተን ኣብ ዝጸሓፈኦ ደብዳበ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ካልኦትን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ 'ዘይፍትሓዊ' ተግባር ደው ክብል ጸዊዐን።
እተን ውድባትን ማሕበራትን ናብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳንን ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ሱዳንን ኣብ ዝጸሓፈኦ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ብዘይካ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳያት፡ ኣብ ካልእ ልክዕ ከም ዜጋታት ሱዳን ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምህላው ብምግላጽ እቲ ማእሰርቲ ደው ክብል ሓቲተን።
እቲ ደብዳበ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)፡ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን (ሓዲለ) ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባርን (ኤሃግ) እዩ ተጻሒፉ።
በቲ ግፋ ዜጋታቱ ይንገላትዑ ከም ዘለው ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብመንገዲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኣምባሳደሩ ኣቢሉ ይከተተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ሽፈራው ጃርሶ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ከም ዝተዘራረቡሉን እቲ ሓድሽ ሕጊ ንኢትዮጵያውያን ከም ዘይምልከት ከም ዘረጋገጸሉን፡ እቲ ኣምባሳደር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እቲ ዕላማ ንሰብ ዋኒን ንዓበይቲ ትካላት እዩ ነይሩ። ክሳብ ክንድዚ ኣብ ታሕቲ ምውራዱ ቅኑዕ ከም ዘይነበረ ተገሊጹልና" ኢሉ።
ተቐማጢ ካርቱም ዮናስ ኢዮብ እቲ ግፋ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዕላማ ዝገበረ ከም ዝኾነን ዳርጋ ኩሎም ድኳናት ተዓጽዮም ምህላዎም ሓቢሩ።
ዮናስ ወሲኹ፡ መንእሰያት ካብ ፈቐድኡ ጽርጊያታት'ውን ይግፈፉ ብምህላዎም፡ ሰብ ብፍርሒ ተዋሒጡ ኣብ ገዝኡ ተዓጽዩ ምህላው ገሊጹ።
ነዚ ኣመልኪትና ዝተወከስናዮ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዩኤንኤችሲኣር ሱዳን፡ ብዛዕባ ማእሰርቲ ክልተ ኤርትራውያን ጥራይ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ከምቲ ዝጥቀስ ዘሎ ዕብየት ዘለዎ ግፋ ዝምልከት ዝበጽሖ ሓበሬታ ከም ዘየለ ሓቢሩ።
"ካልኣይ ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣብ ስራሕ ብምውፋሮም ዝተትሓዙ ክልተ ኤርትራውያን ከም ዘለው ሓበሬታ በጺሑና። እቲ መቕጻዕቲ 50 ሽሕ ጂነ ሱዳን'ኳ እንተነበረ፡ ናብ 30 ሽሕ ከም ዝጎድል ጌርና ኣሎና። ነዚ'ውን ክጎድል ይግባይ ንምባል ሕጋዊ ናይ ሕጊ ወኪልና ይሰርሓሉ ኣሎ።''
"እቲ ካልኣይ ናይ ስራሕ ፍቓዱ ኣብ ገዛ ከም ዘሎ ስለ ዝገለጸ ቅዳሕ ብምርካብ ክነፍትሖም ንጽዕር ኣሎና" ይብል ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ እቲ ትካል ሮናልድ ሾንቦወር።
ኣብ ሱዳን ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ 'ቡጣቓ' ክትሰርሕ ዘየፍቅድ እኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብዝበጽሖ ስምምዕ ኢትዮጵያውያን ክሰርሑ ከም ዝፍቀደሎም ኣምባሳደር ሽፈራው ይገልጽ።
ንሱ ወሲኹ፡ ነዚ ስምምዕ ብምጥሓስ ከባቢ 100 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ተኣሲሮም ምህላዎም ሓቢሩ።
"ካብ ንቡር ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ኣኪቦም: ኣብ ሓደ መዓልቲ 50 ሽሕ ቀጺዖምዎም። እዚ ግና ብዓቕሚ ኢትዯጵያውያን ኣብዚ እዋን ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢልና ድሕሪ ምጥራዕና፡ ደው ኣቢልናዮ ኣሎና ኢሎምና፤ ካብ ትማሊ ዳርጋ ደው ኣቢሎምዎ ኣለው" ኢሉ።
እንተኾነ ግና እቶም እሱራት ናብ ቤትፍርዲ ብምቕራቦም ብይን ስለዝተወሃቦም ነቲ ብይን ንምቕያር ውሳነ ላዕለዋይ መንግስቲ ስለ ዘድልይ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝተዘራረቡሉን ክሰርሓሉ ምዃኑ ከም ዝሓበሮን ኣምባሳደር ሽፈራው ገሊጹ።
ብወገን ኤምባሲ ኤርትራ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ እኳ እንተዘይሰለጠ፡ ገጽ ፌስቡክ YPFDJ-Sudan ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን እቲ ማሕብረኮምን ነቲ ጉዳይ መፍትሒ ንምርካብ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ።
"ኤምባሲና ኣብ ሱዳንን ማሕብረኮምናን ንጉዳይ ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም ኣብዚ ግዜ እዚ ንዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ስራሕ ፈቓድን ዓመታዊ መንበሪ ፈቓድን ብዝምልከት ንምፍትሑ ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ሱዳን ይዘራረቡን ፍታሕ ንምርካብ ጻዕርታት የካይዱን ኣለዉ፡፡"





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







