ደብዳብ መዓስከር ስደተኛታት ሊብያ ብደጋዊ ሓይሊ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ

ስደተኛታት ኣብ ሊብያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሊብያ ዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፡ ካብ ካሊእ ሃገር ብዝመጸት ነፋሪት ከምዝተፈጸመ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘካየዶ ምስጢራዊ መርመራ ከምዘረጋግጽ፡ ጽብጻብ ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ ኣመልኪቱ።

ዋላ'ኳ ኣብቲ ጸብጻብ ዝኾነት ሃገር ዘይተጸርሐት (እንተ ዘይተጠቕሰት)፡ ውሽጣዊ ምንጪታት ግን እቲ መርመራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘተኮረ ከምዝነበረ ገሊጾም።

እታ ሃገር ኣብዚ ጉዳይ ብቢቢሲ ንዝቐረበላ ሕቶ ዝኾነ ዓይነት መልሲ ኣይሃበትን።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተፈጸመ፡ 53 ሰባት ዝቐተለን 130 ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ኣየር፡ገበን ኲናት ከም ዝኾነ ሕቡራት ሃገራ ገሊጹ ነይሩ።

መብዛሕተኦም ግዳያት እቲ ኣብ ምብራቓዊ ትሪፖሊ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ታጁራ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፋሪት፡ ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ዜጋታት ትሕቲ ሳህራ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም።