ስደት፡ ኤርትራውን ስደተኛታት ኣብ ሸገራኣብ 'ምፍርራሕ በዚሑና' ይብሉ

ኣብ ጥሪ 2012 ዝተሰኣለ ስእሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሸገራብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥሪ 2012 ዝተስኣለ ስእሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሸገራብ

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ማዓስከር ሸገረኣብ ተዓቝቦም ዘለው ኤርትራውን ስደተኛታት እቲ መዓስከር ዝህቦ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣዝዩ ትሑት ምዃኑን ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከም ዝጎድሎን ይገልጹ።

ትማሊ ሰኑይ 18 ሕዳር 2019 እውን ንጉዳያቶም ንኽሓቱ ኣብ ዝተኣኻኸብሉ፡ ብኣካላት ጸጥታ ሱዳንን ሓለዋ እቲ መዓስከርን ኣደራዕ ከም ዝወረዶም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዞም ኣብ መዓስከር ሸገረኣብ ዝርከቡ ሰደተኛታት፡ እቲ መዓስከር ንህይወቶምን ጥዕነኦምን ምቹእነት ከም ዘይብሉን፤ ጽርየቱ ሕሉው ሰለ ዘይኮነ፡ ኣብኡ ንኽትነብር ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነን ተዛሪቦም።

ትማሊ ሰኑይ እውን ነዞም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰግሩ ኣብ ብዙሕ ትጽቢት ዝነበሩ ስደተኛታት ተስፋ ዝህቦም ምንቕስቃሳት ስለዘየለ 'ዩኤንኤችሲኣር' ቆላሕታ ክገብረሎም ንኽሓቱ ኣብ ዝተኣከብሉ ብወተሃደራት ጸጥታ ሱዳን ኣደራዕ ከም ዘጋጠሞም ኣብቲ ቦታ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሓደ ካብዞም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ዝርከብ ስሙ ክግለጽ ዘይፈቐደ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ "ኣብዚ መዓስከር ካብ 3000-4000 ንኸውን ሰባት ኢና ዘለና፤ 'ንመዓልቲ ካብ 15-20 ሰብ ጥራይ ቃለ መሕተት እናገበሩ መዓስ እዮም ክውድእዎ?' ብምባል ኢና ሕቶና ከነቕርብ ተዳሊና ነይርና" ይብል።

ወሲኹ ድማ "ቅድሚ ሕጅን ሕጅን ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣብ ነቕርበሉ፡ ፈፈልዮም ወሲዶም ናብ ኤርትራ ክንመልሰኩም ኢና እናበሉ እዮም ዘጉባዕቡዑልና" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብቲ መዓስከር ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ቀረበ፡ እቲ ቤት ጸሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት 'ኢንተርነት የለን' እናበለ ይመልሶም ከምዝነበረ ዝሕብሩ እዞም ስደተኛታት ሕጂ ግን ኢንተርነት እውን እናሃለወ ጉዳያቶም ይሳለጥ ከምዘየሎ እዮም ዝሕብሩ።

"ኣብ ደገ ተኻርዩ ዝነብር ይበዝሕ"

ብዝሒ ስደተኛታት ዘስዓቦ ኣብቲ ከባቢ ውጽኣትን ዓሶን ዝሓምም ሰብ ብዙሕ ከምዝኾነ ይዛረብ ሓደ ካብ ስደተኛታት።

"ናብ ሕክምና ኣብ እንኸደሉ መድሃኒት ከምዝተቐበልና ኣብ ቅዳሕ ወረቐት ኣፈሪሞም ካብ ደገ ግዝኡ እዮም ዝብሉና" ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ።

ቅድሚ ሕጂ እቶም ስደተኛታት ንወርሒ 800 ፓውንድ ሱዳን ጥራይ ከም ዝውሃቡ ብምሕባር፡ እዚ ንወርሒ እኹል ከም ዘይኮነ ይዛረቡ።

ምስ ብዝሒ ስደተኛታት ተዛሚዱ እኹል መጽለሊ ስለ ዘይውሃቦም ከኣ ድሕነቱ ኣብ ዘይተሓለወን ብዕንጨይቲ ኣብ ዝተሰርሐ ገዛ ንወርሒ ካብ 1400-1500 ፓውንድ ሱዳን ተኻርዮም ከም ዝነብሩ እዮም ዝገልጹ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ዝርከብ፡ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዘቋረጸ ድማ ይዛረቡ።

ካልእ ስደተኛ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስደተኛ ብወገኑ፡ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሸገራብ ንሓደ ጀሪካን ማይ ብሕሳብ 20 ፓውንድ ሱዳን እናገዝኡ ከም ዝጥቀሙን፡ ኩነታት እቲ መዓስከር ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፈአ ይኸይድ ከምዘሎን ሓቢሩ።

"ቀንዲ ሕቶና እቶም ሰራሕተኛታት ዩ ኤን ኤች ሲኣርን-ኮርን ናብ ቤት ጽሕፈት ካብ ዘይኣትዉ ልዕሊ 8 ኣዋርሕ ስለዝገበሩ ጉዳይና መዓስ ክሳለጥ'ዩ ዝብል እዩ ነይሩ። ነዚ ዘብእስ ከኣ እቲ መዓስከር ሰብ በዚሑ ካብ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ደገ ተኻርዩ ዝነብር ይበዝሕ" ይብል።

"ቃለ መሕተት ግበሩልና፤ መሰል ናይ ጥዕናና ሓልዉልና፤ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይጎድለና ኣሎ ኣብ ዝበልናሉ፡ ሓሙሸተ ሰባት ወከልቲ ስደዱ ኢሎም ሰጊጎሙና" ክብል ወሲኹ የረድእ።

ገለ ክፋል መዓስከር ስደተኛታት ሸገራኣብ 20 ሓምለ 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገለ ክፋል መዓስከር ስደተኛታት ሸገራኣብ 20 ሓምለ 2017

ገንዘብ ዘለዎ ክሰልጦ ዘይብሉ ከኣ. . .

እቶም ስደተኛታት "እዚ ሕቶ ሕቶ ኩልና እዩ" ብምባሎምን ምብታን ስለዝኣበዪን ግን ካብ ሚገርባ ዝብሃል ቦታ ወተሃደራት መጺኦም ከምዘፈራርሕዎም እዮም ዝሕብሩ።

"ብሓይሊ ካብ መጻኹምና፡ ብሓይልኹም እንተኣኽፊትክሞ ክንርኢ ኢና ኢሎም ነቲ ቤት ጽሕፈታት ዓጽየሞ ከይዶም" ይብሉ።

ኣብቲ መዓስከር ንኣዋርሕ ተቐሚጦም ዝኾነ መለለዩ ወረቐት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይረኸቡ ዝሓበሩ እቶም ስደተኛታት፡ ጉቦ ሳዕሪሩ ብምህላው ግን እቶም ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝኸፍሉ ኣብ ሓጺር መዓልታት ኣሳሊጦም ከም ዝኸዱ ብጭቡጥ ዝፈልጡዎ ነገር ከም ዘለዎም ይዛረቡ።

ሓደ ስደተኛ ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝኣቱ ትሽዓተ ወርሒ ከምዝገበረን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ቅጥዒ ናይ ስደተኛታት ከምዘይመለአን ብምሕባር "ብሎሚ ጽባሕ ክሳብ ሕጂ ንጽበ ኣለና፡ ሕጂ ኸኣ ንተስፋና ዘቕህም ነዚ ቤት ጽሕፈት ዓጽየሙዎ ኣለዉ" ይብል።

ቅድሚ ሕጂ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብቲ 47 ሽሕ ዝርከበሉ መዓስከር ሽገራብ ብዓቕሙን ብዝከኣሎን ንስደተኛታት ከምዝሕግዝ፡ እንተኾነ ብዋሕዲ ምወላን ደገፍን ዓቕሙ ከምዝድረት ሓቢሩ ነይሩ።

ሎሚ ምላሽ ንምርካብ ናብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሱዳንን ጀኔቫን ዝገበርናዮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።