ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ይግፈፉ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ነበርትን ስደተኛታትን ብኣካላት ፀጥታ ሱዳን ብጅምላ ተገፊፎም ይእሰሩ ከምዘለዉ ተገሊፁ።
እዚ ግፋ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይፍፀም ከምዘሎን ብዙሓት ንርእሶም ንምድሓን ኣብ ገዝኦም ተዓፅዮም ከምዝርከቡ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣይተ ሃብቶም ኣብ ሱዳን እዩ ተወሊዱ ዓብዩ፤ ብሰንኪ እቲ ጃምላዊ ሓፈሳ ብዙሓት ካብ ዕለታዊ ስራሕቶም ክቦኽሩ ከምዝተገደዱን ኣብ ፀገም ከምዝወደቑን ይገልፅ።
“ዕለታዊ ምንቅስቓስ የብልናን፤ ገዛ ንገዛ ይኣትዉ ኣለዉ፤ ኣብ ሱዳን ዘለና ኩለና፡ ዋላ ኣብዚ ተወሊድና ዝዓበና ኮነ ካብ ዓዲ ዝመፅአ ሰብ፡ ንግፋዕ ኢና ዘለና” ብምባል "ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና” ኢሉ።
እዚ ፅዑቕ ግፋ ሓደ ወርሒ ከምዘቑፀረ ዝገልፅ ኣይተ ሃብቶም፡ ተሓፊሶም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝተወሰዱ ድማ 400 ዳላር ክኸፍሉ ይገደዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ነዚ ገንዘብ ንኣካላት ፀጥታ ዝኸፈለ ሰብ ጥራሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወፅእ ዝዛረብ ኣይተ ሃብቶም፡ “እንድሕር ዘይብልካ ግና ንሽድሽተ ወርሒ ትእሰር እሞ ናብ ዓድኻ ይጥርዙኻ” ይብል።
ኣብታ ንሱ ዝነብረላ ከተማ ካርቱም ብፍሉይ ኡንድርማን፣ ዴም፣ ሰሓፍን ጅሬፍን ካብ ዝበሃሉ ከባብታት ልእሊ 100 ሰባት ተገፊፎም ሁዳ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከምዘለዉ ገሊፁ።
“ትማሊ እኳስ ኣደ ቆልዑ ዝርከብኦም ክልተ መኻይን መሊኦም ወሲዶም” ብምባል ንደቂኣንስትዮን ህፃናትን እውን ግዳይ ከምዝገበረ ኣረዲኡ።
ካልእ ነባሪ ሱዳን ኣይተ ሚኪኤለ ብወኑ: እዚ ግፋ ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዘነፃፀረ ከምዝኾነን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ዝተሰደቱ ተጋሩ’ውን ግዳያት ከምዝኾኑ ይዛረብ።
“እዚ ግፋ ኣብ ኩሉ እዩ፡ ምስቲ ካብ ትግራይ ዝተመዛበለን ኣብዚ ንነብርን ብዙሓት ስለዝኾንና፡ ንሕና ኢና ብሰንኪ እዚ ግፋ ኣብ ፀገም ወዲቕና ዘለና። ኤርትራውያን’ውን ግዳይ እዚ ግፋ እዮም” ኢሉ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ክሳብ ሕዚ ዝገበረሎም ደገፍ ከምዘየለ ድማ ኣይተ ሚኪኤለ ይገልፅ።
እዚ ፀገም ንዘይበፅሖም ሰባት ተቓላዕቲ ንከይኾኑ፡ ኣብ ካርቱም ንርከብ ተጋሩ ብማሕበር ተወዲብና ንሰርሕ ኣለና ዝብል ኣይተ ሚኪኤለ፡ “ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ኩነታት ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ክሳብ ሕዚ ግና ዝገበሮ ምንቅስቓስ የለን” ይብል።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ብወተሃደራውን ሲቪላውን ጥምረት ክትመሓደር ዝፀንሐት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልእ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምትእንጋዳ ዝዝከር እዩ።
ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዝመርሕ ዝነበረ ጀነራል ዕብድል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ኣልዒሉ ሕዚ ስልጣን ንበይኑ ብሒትዎ ይርከብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







