ልዕሊ 700 ሽሕ ዶላር ዝተዋጻኣሉ ኤርትራዊ ንሕክምና ካብ ኤርትራ ከምዝወጸ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Henpas Entertainment/youtube
ብሰንኪ ዘይንቡር ሕማም መንሽሮ ደም፡ ኩነታት ጥዕንኡን መነባብሮ ስድራቤቱን ኣብ ሕማቕ ዝወደቐ ዮናስ ጸጋይ ዝተባህለ ኤርትራዊ በቲ ዝተገብረሉ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከም ዝኸኣለ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብመሰረት ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ፡ እቲ ሕማሙ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክሕከም ከም ዘይክእል ዝተነግሮ ዮናስ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሃገረ ቱርኪ በጺሑ'ሎ።
እቲ ኣቦ 6 ቆልዑ፡ ኣብ ሓደ 'ሄንፓስ ኢንተርቴመንት' (HENPAS ENTERTAINMENT) ዝተባህለ ናይ ዩቱብ ቻነል ቀሪቡ ብዛዕባ ኩነታቱ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን ብመንገዲ 'ጎ-ፋንድ-ሚ' ((GoFundMe) ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ዝኸፈትዎ ማዕከን፡ ካብ ትጽቢቶም ንላዕሊ ብዙሕ ገንዘብ ውሒዙ።
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ከኣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ካናዳ ክዋጻእ ክኢሉ። እታ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተኸፈተት ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 12 ሰዓታት ልዕሊ 350 ሽሕ ዶላር ካናዳ ተዋጺኡ።
ምስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዝተዋጽአ ብምድማር ድማ ልዕሊ 700,000 ዶላር ከምዝተዋጽአ ይፍለጥ።
ንሱን ቤተሰቡን ኣብ ተመሳሳሊ ቻነል ብምቕራብ ነቲ ብህዝቢ ዝተገብረሉ ደገፍ ልዕሊ ትጽቢቱ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንኹሎም ለገስቲ ኣመስጊኑ ነይሩ።
'ሆጅኪንስ ሊምፎማ' እንታይ ዓይነት መንሽሮ'ዩ?
'ሆጅኪንስ ሊምፎማ' ምስ ጻዓዱ ናይ ደም ዋህዮታት ዝተሓሓዝ ክሓዊ ዝኽእል ዘይንቡር ሕማም መንሽሮ ኮይኑ፡ ኣብ ክሳድን ቱሽቱሽን ዝረአ ሕበጥ ካብ ቀንዲ ምልክታቱ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Henpas Entertainment
ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ መጽናዕትታትጠንቂ ናይቲ ሕማም ብንጹር ዝፍለጥ የለን። ተፈጥሮኣዊ ምውርራስ ግን ከም ሓደ ናይ ተቓላዒነት ረቛሒ ክውስድ ከምዝኽእል ሰብሞያ ጥዕና ይዛረቡ።
ኤርትራዊ ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት ምስዚ ናይ ዮናስ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት: "ምፎሳይት ዝተብሃሉ ዓይነታት ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ካብቲ ንቡር ምዕባል ናይ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ወጻኢ ከይማዕበሉ ብዘይ ምቁጽጻር ዕቤትን ምትእኽኻብን ክፈጥሩ እንከለዉ ዝፍጠር ሕማም" ምዃኑ ይገልጽ።
"እዞም ሊምፎሳይት ብሓፈሻ ኸኣ ጸዓዱ ውሃዮታት ደም ቀንዲ ስርሖም ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና፡ ዝኾነ ከም ረኽሲ ናይ ጀርምታት ኣብ ዘጋጠምሉ እዋን ንኣካላትና ድርዒ ኮይኖም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ደም ከም ምዃኖም መጠን ዘይንቡር ዕቤት ናይዞም ውሃዮታት ክፍጠር እንከሎ እቲ ሰብ ንሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ዝለዝዳኸም ብዝኾኑ ተበለጽቲ ሕማማት ክጥቃዕ ይኽእል'ዩ።"
'ጎ ፋንድ ሚ' እንታይ እዩ? ብኸመይከ ይሰርሕ?
ጎ ፋንድ ሚ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ኮይኑ፡ ሰባት ንጽንብላት፡ ብሓደጋ ንዝተጎድኡ፡ ንዝሓመሙን ካልኦትን ንምሕጋዝ ገንዘብ ዘዋህልሉ ማዕከን እዩ።
እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ካብ 2010 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 120 ሚልዮን ለገስቲ ሰባት ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ ናብ ተሓገዝቲ ከምዘብጸሐ ይገልጽ።
መምህር ዩሴፍ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ተመክሮ ምርኩስ ብምግባር "እቲ ሰልዲ ብመንገዲ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተዋህሊለ፡ ነቲ ትካል ናብ ከምዚ ሕሳብ ወይ ናብ ከምዚ ሕክምና ኣሰጋግረልና ትብሎ፡ እቲ ትካል ኸኣ እቲ ዝግብኦ 'ኮምሽን' ወሲዱ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ናይ ሰልዲ ይፍጽሞ" ይብል።
እዚ ኣብ ግንቦት 2010 ብብራድ ዳምፕሃውስን ኣንድሬው ባላስተርን ዝተመስረት ትካል ኣብ መጀመርታ 2017 ካብ ዓለም ዝዓብየ ናይ ወፈያ ገንዝብ ዝእከበሉ መርበብ ክኸውእ ምብቅዑ ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







