ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 23 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ካናዳ ዝተዋጽኣሉ ዮናስ ጸጋይ

ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቆምን

ምንጪ ስእሊ, Henpas Entertainment

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ሽዱሽተ ደቁን

ንሓንቲ ናይ ሕክምናን ስእነትን ጸገማት ዘጋጠማ ኤርትራዊት ስድራቤት ንምድጋፍ ብመንገዲ 'ጎ ፈንድ ሚ' (GoFundMe) ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ጥራይ ብድምር ልዕሊ 700,000 ዶላር ካናዳ ተዋጺኡ።

ዛጊት ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ካብ 10 ዶላር ክሳብ 1200 ዶላር ኣበርኪቶም ኣለዉ።

ኣብ ሓደ፡ ፈለማ ብ"Oreta Ararib" ዝብል ስም ዝተበገሰ ማዕከን ጥራይ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 685,000 ዶላር ኣካናዳ ተወፊዩ ኣሎ። እቲ ስም ሕቶታት ስለዘለዓዓለ ጸኒሑ እቲ ስም ናብ መብራህቱ ሕድራይ ተቐይሩ ይርከብ።

ንተመሳሳሊ ዕላማ ብኻልእ ተስፉ ኪዳነ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ዝተኸፍተ ካልእ ማዕከን ድማ፡ £7,443 ፖውንድ ዓዲ-እንግሊዝ ተዋጺኡ'ሎ። ከምኡ'ውን ብኣኽበረት መሓሪ ዝተባህለት ሰብ ኣብ ኣውሮጳ ዝተኸፍተ ማዕከን'ውን ብግዲኡ ልዕሊ 4000 ዩሮ ኣዋህሊሉ ኣሎ።

ብመንገዲ እዞም ማዕከናት ከበርክቱ ዘይክኣሉ'ውን ብቐጥታ ብሰባት የወፍዩ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብሰንበት 16 ጥሪ ኣብ ሄንፓስ ኢንተርተይመንት [HENPAS ENTERTAINMENT] ዝተብሃለ ናይ ዩትዩብ ቻነል ዝተዘርገሐ ዛንታ ሓደ ብሕማም ናይ ደም መንሽሮ ዝሳቐ ዘሎ ኤርትራዊ ኣቦ ሽዱሽተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናብ ህዝቢ ምስ ተዘርገሐ ብዙሓት ሰባት ክቀባበልሉ ተራእዮም።

ብዙሕ ሰብ እቲ ተቐማጢ ኣብ ዙባ ደቡብ: ንኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከብ ዓዲ-ገዳ ዝኾነ ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣብ መውሃቢ ርእይቶን ኣብ ፌስ ቡክን ርእይቶታቱ ክጽሕፍ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ ብሽሙ ናይ 'ጎ ፉንድ ሚ' ብሓደ ተቐማጢ ካናዳ ኦሮታ ኣራርብ ዝብል ስም ተኸፊቱ፡ ኣብ ውሑድ ሰዓታት ኣሽሓት ሰልዲ ክእከብ ክኢሉ።

ኣብዚ ማዕከን እዚ ጥራይ ኣብ ውሽጢ 23 ሰዓታት ልዕሊ 503 ሽሕ ዶላር ካናዳ ክዋጻእ ክኢሉ።

ነዚ ምውጻእ ናይ ገንዘብ ብዕቱብ ካብ ዝጉስጉሱ ዘለዉ ሓደ ዝኾነ ተቐማጢ ሃገረ ሽወደን መምህር ዩሴፍ ወርቀ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ዮናስ እናተጻዓረ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ንስምዒት ብዙሓት ሰባት ዝተንከፈ'የ ነይሩ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ዮናስ ኣብ ዘረብኡ ንሱ ሓደን ወዲ ስዉእን ምዃኑን ብምግላጽ 'መንዶ ኣለኒ'ዩ መን'ዩ'ሞ ክሕግዘኒ' ዝብል ሕቶ እዩ ዘልዕል።"

እታ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተኸፈተት ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 12 ሰዓታት ልዕሊ 350 ሽሕ ዶላር ካናዳ ተዋጺኡ።

ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ሽዱሽተ ደቁን

ምንጪ ስእሊ, HENPAS ENTERTAINMENT

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ሽዱሽተ ደቁን

እቲ ምውጻእ ብዘይካ እዚ፡ ብውልቅን ብጉጅለን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት'ውን ይዋጻእ ምህላዉ'ዩ መምህር ዩሴፍ ወርቀ ዝገልጽ።

"ብዘይካ እቲ ብውልቅን ብማሕበርን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኮይኑ ሰብ ዘዋጽኦ ዘሎ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ'ውን ብማሕበር ቤት ክርስትያን ኤርትራ ብሽም ዮናስ ጸጋይ ማዕከን ጎ ፋንድ ሚ ኣውጽኦም። ንምሕጋዙ ይሰርሑ ኣለዉ።"

'ሆድኪን ሊፎማ' ምስ ጻዓዱ ናይ ደም ዋህዮታት ዝተሓሓዝ ክሓዊ ዝኽእል ዘይንቡር ሕማም መንሽሮ ኮይኑ፡ ኣብ ክሳድን ቱሽቱሽን ዝረአ ሕበጥ ካብ ቀንዲ ምልክታቱ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ይገልጽ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ብዛዕባ ኩነታት ናይቲ ብሕማም መንሽሮ ደም ዝሳቐ ዘሎ ውልቀሰብ ዝገልጽ ቪድዯ ንገለ ተዓዘብቲ ክርብሽ ይኽእል'ዩ።

Skip YouTube post
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post

መምህር ዩሴፍ ብዙሕ ግዜ ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ምሕጋዝ ንጥፈታት ክሳተፍ ምጽንሑ ብምግላጽ፡ ከምዚ ናይ ዩናስ ጸጋይ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ዝተውሃቦ ርእዩ ከምዘይፈልጥ'ዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጎ ፋንድ ሚ'ውን ጉዳይ ናይ ዩናስ ጸጋይ ካብቶም ቅልጡፍ ገንዘብ ዝተኣኻኸበሎም ዘሎ ብምዃን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ኣሎ።

'ጎ ፋንድ ሚ' እንታይ እዩ? ብኸመይከ ይሰርሕ?

ጎ ፋንድ ሚ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ኮይኑ፡ ሰባት ንጽንብላት፡ ብሓደጋ ንዝተጎድኡ፡ ንዝሓመሙን ካልኦትን ንምሕጋዝ ገንዘብ ዘዋህልሉ ማዕከን እዩ።

እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ካብ 2010 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 120 ሚልዮን ለገስቲ ሰባት ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ ናብ ተሓገዝቲ ከምዘብጸሐ ይገልጽ።

መምህር ዩሴፍ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ተመክሮ ምርኩስ ብምግባር "እቲ ሰልዲ ብመንገዲ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተዋህሊለ፡ ነቲ ትካል ናብ ከምዚ ሕሳብ ወይ ናብ ከምዚ ሕክምና ኣሰጋግረልና ትብሎ፡ እቲ ትካል ኸኣ እቲ ዝግብኦ 'ኮምሽን' ወሲዱ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ናይ ሰልዲ ይፍጽሞ" ይብል።

እዚ ኣብ ግንቦት 2010 ብብራድ ዳምፕሃውስን ኣንድሬው ባላስተርን ዝተመስረት ትካል ኣብ መጀመርታ 2017 ካብ ዓለም ዝዓብየ ናይ ወፈያ ገንዝብ ዝእከበሉ መርበብ ክኸውእ ምብቅዑ ይግለጽ።