ንስምዒት ኢጣልያውያን ዝተንከፈ ሕልናዊ ተበግሶ ኤርትራውያን

ንስምዒት ኢጣልያውያን ዝተንከፈ ሕልናዊ ተበግሶ

ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተው፡ ብሕልና ዝተደረኹ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቶም ካብ ባሕሪ ዞቒቖም ዘድሓኑናን ዝተቐበሉናን ጥልያን ኣብቲ ብኮቪድ ዝተጠቕዑሉ እዋን "ምሳኹም ኣሎና!" ንምባል፡ መከላኸሊ ኣፍን ኣፍንጫን ዝኸውን ውሑድ ማስክ እውን ንምግዛእ፡ ብኢንተርነት፡ ጎ-ፋንድ-ሚ (ሓግዙና) ዝብል ጻውዒት ብምቕራብ ዓቕሞም ክገብሩ ናይ ዝፈተኑ ግዱሳት ስደተኛታት ተበግሶ ኣቕሪብናልኩም ነይርና - ሕጂ ከኣ እቲ ፕሮጀክት ኣበይ ከምዝበጽሐን ብኸመይ ከምዝተወደአን ዘረድእ - ዛንተኦም እነሆ።

ድሕሪ ሁበይ ቻይና፡ ህላዌን ዝርገሐን ኮቪድ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ምስተወዓወዐ፡ ሃገራት ዓለም፡ ዳርጋ ዕለታዊ፡ 'ሓደ-ክልተ ሰባት ረኺብና፡ ሓሙሽተ ዓሰርተ በጺሕና፡ ናብ 100ን ሽሕን ደይብና' እናበላ ዝርገሐ ለበዳን ሞትን ብኣማኢትን ኣሻሓትን ክጽብጸብ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ህዝቢ ዓለም ከቢድ ስግኣት'ዩ ሓዲሩ።

ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ከኣ ሃገረ ጥልያን ብኸቢድ ተጠቒዓ። እቲ ብፍቕዲ ኣጻብዕ ዝጀመረ ዜና ሞትን ቅዝፈትን ሰባት ቀልጢፉ ናብ ኣሽሓት ዓሪጉ - ቀባሪ ዘድልዮ ሬሳታት ስለዝበዝሐ ከኣ ሰራዊት ከይተረፈ ብዓበይቲ መካይኖም ተጸምቢሮሞ።

እታ ነዊሕ ታሪኽ ምዕባለ ዘለዋን መበቆል ሮማዊ ስልጣነን ሃገረ ጥልያን ብለበዳ ኮቪድ ተፈቲና። ሆስፒታላታ ብሕሙማት አዕለቕሊቑ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ስለዝኾነ ኣብ ቴንዳታት ከይተረፈ ህጹጽ ዓራውቲ ተሰናዲኡ።

ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ዘበለ ነቲ ለበዳ ንምቅላስ ብዝከኣሎ ክተሓጋገዝ ብወግዒ ጻውዒት ምስ ቀረበ ካብ ኩቫን ቻይናን ከይተረፈ ዝተሓጋገዙ ሓካይም ደሃይ ሂቦም። ሽዑ እዮም እምበኣር እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት 15 ሽሕ ኤውሮ ንምውጻእ ነቲ ሓሳብ ኣንቂሎም ክሰርሕሉ ዝጀመሩ።

ኣባል እታ ኣተኣኻኻቢት ሓገዝ ጉጅለ ኣብርሃም ተስፋይ፡ ኣብ 2015 ጥራሕ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራዊ ንጥልያን ስለዝኣተዉ፡ እንተደኣ እዞም ኣብ ሓደ ዓመት ንጥልያን ዝኣተዉ ሰባት ጥራሕ እኳ ነብሲ ወከፎም ሓሓምሳ ሳንቲም እንተዋጺኦም፡ ብቐሊሉ 15 ሽሕ ክእክብ ይከኣል'ዩ ብዝብል እምነት ነቲ ኣሃዝ ከምዝወሰኑዎ ይሕብር።

ኣብርሃም ተስፋይ
መግለጺ ስእሊ, ኣብርሃም ተስፋይ፡

እንተኾነ እቲ ዝተጠቕምሉ ኣገባብ ኣተኣኻኽባ፡ መታን ንግሉጽነት ክጥዕም ተባሂሉ ጎ-ፋንድ-ሚ ብዝተሰነየ ብኢንተርነት ዝካየድ ብምዃኑ፡ እቲ ናይ ኢንተርነት መሳለጥያን ኣኻእሎን ዘይብሉ ወገን ከምቲ ዝድለ ክጥቀመሉ ዘይምኽኣሉ ሓደ ካብቲ በታ ጉጅለ ዝተገምገመ ነጥቢ እዩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ካብ እስራኤል ደደዊሎም ብኦን ላይን ገንዘብ ምስዳድ ከምዝተጸገሙ ዝሓበሩ ነይሮም።

ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን ትብል ወይዘሮ ይርግኣለም፡ እቲ ንጥልያን ንምሕጋዝ ናይ ጎ-ፋንድ-ሚ ፕሮጀክት ዝተጀመረሉ እዋን፡ ብዙሓት ካልኦት ኤርትራውያን ጉጅለታት እውን ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሊብያን ንዘለው ኤርትራውያን ክሕግዙ ገንዘብ ከዋጽኡ ስለዝጀመሩ፡ እታ ጉጅለ ነቲ ኩነታት ተረዲኣ ናብቲ ዝተለመቶ ሸቶ ንኸይትበጽሕ ጎስጓሳ ስለዝነከየቶ እዩ ከምኡ ኮይኑ።

እቲ ቀንዲ ዘገድስ እቲ ዕላማ'ዩ ዝብል ዘርእሰናይ፡ እቶም ብ ጎ-ፋንድ-ሚ ብኦንላይን ከበርክቱ ዘይከኣሉ ኣብ ጥልያን ዝነብሩ ስደተኛታት ብምሉኦም፡ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ-ክርስትያንን ሱፐር ማርኬትን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ የበርክቱ ስለዝነበሩ፡ እቲ ገንዘብ ዋላ'ኳ ናብቲ ዝተተለመ ፕሮጀክት እንተዘይኣተወ፡ ዘይሩ ዘይሩ ኣብ መኸተ ምክልኻል ኮቪድ ስለዝወዓለ ዕጉባት ምዃኖም ይገልጽ።

ካብ ፈለምኡ እውን እቶም ስደተኛታት ሕልናዊ ድሌቶም ንኸርእዩ እምበር ንሓንቲ ዓባይ ሃገር ዝበቅዕ ሓገዝ ክኣኻኽቡ ኣይነቐሉን።

ይርግኣለም ፍስሓጽየን
መግለጺ ስእሊ, ይርግኣለም ፍስሓጽየን

ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ እውን፡ ንሓደ ሃብታምን ድኻን ዘበርከቱዎ ሓገዝ ብምንጽጻር፡ ' እቲ ብዙሕ ዘለዎ ካብ ሃብቱ ገሚዑ እንተሃበ፡ እቲ ምንም ዘይነበሮ ድኻ ከኣ ነታ ዝርካባ ዝነበረቶ ሳንቲም እንተሃበ፡ ብሕልናን መንፈስን ካብ ፍርቂ ናይቲ ሃብቱ ዝሃበ ሚልዮነር፡ ናይቲ ሳንቲም ዝሃበ ግዳም ሓደር ከምእትዓቢ ብኣብነት ጠቒሱ ይዛረበሉ እዩ።

ነገር ሕልና ግዱሳት ስደተኛታት ኢጣልያ ከኣ ምስዚ ኣብነት እዩ ዝተኣሳሰር። ነዚ ኣበሃህላ እዚ ብምድጋፍ ከኣ እዩ ኣብርሃም፡ " እቲ ወሳኒ እቲ ሓሳብ እዩ። እቲ ኣጆኹም ምሳኹም ኣሎና። እንተዝህልወና ብዙሕ ምገበርና፡ ግን ካብተን ብጸጋኹም እንረኽበን ቁሩብ ቁራቦ ትሕዝቶ እነሀዋ እዘን ሰናቲም ምባልና ክብሪ እዩ" ክብል ነቲ ኤርትራውያን በብዓቕሞም ዝገበሩዎ ኣበርክቶ ብልቢ የመስግን።

ሕጂ እውን እንተኾነ፡ እዞም ሰባት፡ ቁጠባዊ ውድቀት ጥልያን፡ ውድቀት እቶም ኣብታ ሃገር እንነብር ስደተኛታት፡ ውድቀት እቶም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ካብ ቁጠባ እታ ሃገር እንምገብን እንናበርን ስለዝኾነ ኣብ ትንሳአ ቁጠባ እታ ሃገር ዓቕምና ብዝፈቕዶ ከነበርክት ኢና ይብሉ - ብውሑዱ ብሞራልን ብወለንታዊ ዕዮን።

ቱሪዝም ሓደ ካብቲ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዎ ጽላት እዩ። ኣብ 2019፡ ኣስታት 13% ናይቲ ሃገራዊ እቶት ብቱሪዝም እዩ ዝሽፈን ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከኣ ኣበርክቶ እቶት ቱሪዝም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር እናወሰኸ'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ቅድሚ ኮቪድ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ንኣብነት፡ ኣብ 2020 ሃገረ ጥልያን ካብ ቱሪዝም ኣስታት 268 ቢልዮን ኤውሮ ኣታዊ ክትረክብ ምዃና ተገምጊሙ ነይሩ።

ዘርእሰናይ ዑቁባይ

ሕጂ ግን እዚ ጽላት'ዚ ብኮቪድ ኣጸቢቑ ተወቒዑ ኣሎ። እቲ ኣብ ፈቐድኡ ገማግም ባሕሪ ዝተሃንጸ ሆቴላትን መዘናግዒ ማእከላትን ሰብ የብሉን። ዋላ እውን ናይ ነፈርቲ ምንቅስቓስ እንተተፈቕደ መላእ ቁጠባ ዓለም ብዕጽዋ ተኸታታሊ ኣዋርሕ ተተንኪፉ ስለዘሎ፡ እዚ ኢንዱስትሪ'ዚ ቀልጢፉ ክትንስእ ትጽቢት ኣይግበረሉን እዩ። ኣብ 2017 ንኣብነት ኣስታት 1.17 ሚልዮን ሰባት ኣብ ቱሪዝም ይሰርሑ ነይሮም። ሕጂ ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም ስራሕ የብሎምን።

እቶም ኣብ ዕርገት ለበዳ ኮሮና " ነዛ ሕማቕ እዋን ተሓጋጊዝና ንውጽኣያ" ዝበሉ ጥልያን ሕጂ እውን እንተኾነ ገና መኸተ ኮሮና ስለዘይተወደአ ዝኽእል ዘበለ ከበርክትን ክተሓጋገዝን ይጽውዑ ኣለው።

ኣብ መወዳእታ እቶም ነቲ ተበግሶ ዘንቀሉ ግዱሳት ኤርትራውያን እቲ ብጎ-ፋንድ- ሚ ዝተኣከበ ሽዱሽተ ሽሕ ገንዘብ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከምዝበጽሐን - ዝምልከቶም ኣወሃሃድቲ ሓገዝ ኢጣልያ ናይ ምስጋና ደብዳበ ከምዝለኣኹን ነቲ ተበግሶ ብምድናቕ ገና ሓገዝ የድሊ ብምህላው ክሕግዙ ንዝደልዩን ንዝኽእሉን ንገሩልና ከምዝበሉዎምን ይሕብሩ።