'እቲ ዘገድስ እቲ ሕልና እዩ - ጥልያን ክሕገዙ ኣለዎም' ወፍሪ ኤርትራውያን

ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኮሮና ቫይረስ ንዝተጠቕዐት ሃገር ጥልያን ንምሕጋዝ ዝተበገሰ ወፍሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት።

ድሕሪ ውሃን ቻይና ብኮሮና ቫይረስ ዝተጠቕዐት ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊት ሃገር ጥልያን እያ።

ኣብ ዞባ ሎምባርዲያን ቬኒቶን ብፍቕዲ ኣጻብዕ ዝጀመረ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ በብቑሩብ እናስፋሕፈሐ፡ ፈለማ ዓሰርተታት፡ ዳሕራይ ኣማኢት፡ ካብኡ ኣሽሓት ሰባት ለቢዱ። ሆስፒታላት እቲ ዞባ ብሕሙማት አዕለቕሊቑ፡ ሰራሕተኛታት መቓብር ክሳብ ዝጨናነቑ ቁጽሪ መወትቲ ከኣ ብኡ መጠን ዓሪጉ።

ኣብ መዓልቲ ኣማኢት ሰባት ክሞቱ ስለዝጀመሩ ሬሳታት ብቃፍላይ መኪና ናብ መቓብር ክጓረት ተራእዩ።

ብሕጽረት መሳርሒታት ሕክምና ዝተለኽፉ ልዕሊ 60 ምኩራት ሓካይም ንሕሙማቶም ከድሕኑ ነብሶም ረሲዖም ክውፈዩ ግዳይ እቲ ቐዛፊ ቫይረስ ኮይኖም ሞይቶም። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሕክምና ነርሳትን ቴክኒሻናትን እውን ተጎዲኦም። ነቲ ኩነታት ብማዕከናት ዜና ዝከታተል ህዝቢ ጥልያን ዓለምን በቲ ፍጻሜ ሓዚኑን ነቢዑን።

ይርግኣለም ፍስሓጽየን
መግለጺ ስእሊ, ይርግኣለም ፍስሓጽየን

ማሕበረ ሰብ ዓለም እውን ከም ቻይናን ኲባን ዝኣመሰላ ሃገራት ንጥልያን ክሕግዛ ሓካይምን መሳርሒታት ሕክምናን ልኢኸን፡ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ነዊሕ ከይጸንሓ ደኣ ንባዕላተን በቲ ቫይረስ ተወሪረን እምበር ዝኽእልኦ ከወፍያ ኢደን ክዝርግሓ ፈታቲነን ነይረን።

ጥልያን ኩሉ ዝኽእል ዘበለ ዓዓቕሙ የወፊ - ነዛ ሕማቕ እዋን ተሓጋጊዝና ንውጽኣያ ክብሉ ብማዕከናት ዜና ተማሕጺኖም። እቲ ጻውዒት፡ ከም ኣብ አእዛን ብዙሓት ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት በጺሑ። እቲ ሕልናን መንፈስን ስለዝዓቢ ነንኽእሎ ኣዋጺእና ንሓግዝ ተበሃሂሎም።

ደስታ ዘንቀላ ሓሳብ ንኣብርሃም ኣካፊሉዎ፡ ኣብርሃም ይሕግዙ እዮም ዝበሎም ሓሙሽተ ብጾቱ፡ ንስዒድ ነጋሽ፡ ይርግኣለም ፍስሓጼን፡ ሰናይ ዓዲሙ እቲ ሓሳብ ብሓባር ዘትዮሙሉ። ኣብ መወዳእታ ብዙሓት ብጥልያን ዝሓለፉ መጓዕዝቲ ሰሃራን ባሕርን ብጾቶም ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ዓለም ስለዘለው፡ "ከም መርኣያ ፍቕርና!" ብዝብል ናይ ሕልና ፕሮጀክት 15ሽሕ ኤውሮ ኣዋህሊሎም ንሕክምና ጥልያን ከወፍዩ ተበጊሶም።

ደስታ ልዑል
መግለጺ ስእሊ, ደስታ ልዑል

ስዒድ ነጋሽ "ብዙሓት መጓዕዝቲ ስደትና፡ እቶም ትማል ብጸገምና ዝነብዑን ኣብ ጎድንና ዝጸንዑን ብኮሮና ቫይረስ ንዝተሃስየ ጥልያን፡ ብዝወሓደ እታ ኣብ ቡን ዘጥፍኡዋ ገንዘብ ክሕግዙ ድሕር ስለዘይብሉ እቲ ዝሓሰብናዮ ክሰምር እዩ" ይብል።

ደስታ ልዑል "ናይ ብሓቂ ጥዑማት ህዝቢ እዮም። ስለዚ ዋላ እውን ብድምጺ ኣጆኹም ምባሎም ተስፋ እዩ" ክብል እንከሎ ሰናይ "ኣብ ጉዕዞ ስደትና ዝተፈላለያ ሃገራትን ህዝብን ርኢና ኢና እሞ ጥልያን ግን ናይ ብሓቂ ፍቕሪ እዮም" ክብል ይገልጾም።

ኣብ ጥልያን ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠት ቀደም ብስራሕ ንጥልያን ዝኣተወት ይርግኣለም ፍስሓጼን፡ "ኣብ ጥልያን ልዕሊ እቲ ኣብ ሃገረይ ዝተቐመጥኩዎ ስለዝነበርኩ ጥልያን ንዓይ ካልአይቲ ሃገረይ እየ ዝርእያ፡ እቲ ህዝቢ ከኣ ህዝበይ እዩ" ብምባል፡ ምስ መሓዙታ ጥልያን ዘሕለፈቶ ፍቕርን ሓልዮትን ብልቢ ከምእትዝክሮ ትዛረብ።

"ጥልያን ሰብ ውዕለትና እዮም - ክሕገዙ ከኣ ኣለዎም" ዝብል ሓያል ስምዒት ዘለዎ ኣብርሃም" ንሓደ ህዝቢ ኣብ ጸገምካን ሽግርካን ኢኻ ጣዕሙን ሕሰሙን ትፈልጥ። ኣብ ጸገምና ምሳና በኽዮም፡ ነቢዖም እዮም" ብማለት ኣሽሓት ኤርትራውን ካልእ ዓሌት ስደተኛን ብልባዊ ሰብኣዊ ሓገዝን ሓልዮትን ካብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ምድረ ጥልያን ከምዝረገጸ ዘኪሩ ኣብዛ ናይ ጸገም እዋን ብዝከኣሎ ክሕግዝ ተማሕጺኑ።

ኣብርሃም ተስፋይ

ምንጪ ስእሊ, ኣብርሃም ተስፋይ

እዞም ብሕልና ዝተደረኹ ሰባት፡ ጥልያን ኣደ ስደተኛታት ስለዝኾነትን ውድቀት ዓዲ ጥልያን ከኣ ውድቀት ናይ ነብሲ ወከፍ ኣብ ጥልያን ዝነብር ስደተኛ ስለዝኾነ፡ ብዝከኣለና ኢድና ክንሕውስ ይግባእ ብምባል፡ ነቲ ፕሮጀክት ከምዘንቀልዎን ድሮ እውን እቲ ተበግሶ ዓቢ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ከምቲ ዝሓሰቡዎ ጽቡቕ ይስጉም ምህላው ይሕብሩ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ መጀመርያ ንዓዲ ጥልያን ስለዝወቕዓ፡ ኩሉ ሰብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ርህራሄኡን ድንጋጼኡን ክገልጽ ጀሚሩ። ገሊኦም ባንዴራ ጥልያን ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም ብምልጣፍ ምድንጋጾም ኣርእዮም።

ከም ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ዝኣመሰሉ ከኣ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣስቤዛ ብምዕዳግ ሓገዝ ኣበርኪቶም። እዞም ኤርትራውያን ከኣ ብቅዱስ ቅንኢ ነዚ ፕሮጀክት ሕልና ኣበጊሶም ይሰርሕሉ ኣለው።

ክሳብ ሕጂ ቴክኖሎጂካዊ መተግበሪ ብ ጎ-ፋንድ-ሚ ኣቢሎም 4,350 ( ኣርባዕተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን) ኤውሮ ከምዝኣከቡ ሓቢሮም። እቲ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ፋይናንሲያዊ ሓገዝ እትእክበሉ ፍሉጥ ፕላትፎርም ጎ-ፋንድ-ሚ ብዓለማውነቱን ግሉጽነቱን ሓጋዚ ምዃኑ ኣረዲኦም።

መንእሰይ ስዒድ ነጋሽ ሃገረ ጥልያን ንኹሉ ዝረገጻ ዘበለ ሓንጎፋይ ኢላ ስለእትቕበልን፡ ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ስእትህብን እቲ ዘይነጽፍ ልግሳ ኣብ እዋን ጸገማ ዋላ እውን ብዝወሓደ ዓቐን ዋላ እውን ብሕልና ክምለሰላ ይግባእ ይብል።

መንእሰይ ስዒድ ነጋሽ
መግለጺ ስእሊ, መንእሰይ ስዒድ ነጋሽ

ኣብርሃም ተስፋይ ብወገኑ "እቲ ሓገዝ ምብዝሑን ምውሓዱን ዘይኮነ፡ እቲ መንፈስ ዝህቦ ሞራል እዩ ዓቢ። ከም ሓቂ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሽግር ንህዝቢ ጥልያን ኣጆኻ ምሳኻ ኣሎና ምባሉ ጥራይ እኹል እዩ" ክብል ዝየዳ ነቲ ሕልና እዩ ዝርኢ።

ኩሎም ብሓባር፡ እቲ ኣብዚ እዋን ከቢድ ስነ-አእሙሮኣዊ ሃስያ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ህዝቢ ጥልያን በዓል ውዕለትና ብምዃኑ ብሞራል ምድጋፍ ንዓና ጸጋ እዩ ይብሉ።

ንሕና ከም ስደተኛታት ኣብ ጥልያን ስለእንነብርን ብቑጠባዊ ህይወት እታ ሃገር ስለእንጽሎን፡ ህዝቢ ጥልያን ካብዚ ኣጋጢሙዎም ዘሎ በሰላ ኮሮና ወጺኦም ብኽልተ እግሮም ጠጠው ኢሎም ክንርኢ ኢና ንደሊ ይብሉ ኩሎም እዞም ሰብ ሕልና።

መንፈሶም ርእይተኦም ሓሳቦም ተመሳሳሊ እዩ። "ዋላኳ ንሕና እንተጀመርናዮ: እቲ ሓሳብ ኣብ ልቢ ኩሉ ህዝቢ ከምዝጸንሐ ርግጸኛታት ኢና ስለዚ ሐሳብና ሓሳብ ህዝብናን መጓዕዝቲ ስደትናን እዩ ብምባል እቲ ንህዝቦም ኣሚኖም ዝጀመሩዎ ንእሽቶ ተበግሶ ኩርዓት ናይ ኩሉ ህዝቢ ከምዝኸውን ልዑል እምንቶ ኣለዎም።

ኮሮና