ማርፋ ላይትስ፡ ኣሰሮም ዘይተረኽበ ምስጢራዊ 'ብርሃናት'

ማርፋ ላይትስ፡ ቴክሳስ

ምንጪ ስእሊ, ጀምስ በኔል/ቢቢሲ

መግለጺ ስእሊ, ማርፋ ላይትስ፡ ቴክሳስ

ንልዕሊ 135 ዓመታት፡ ሰባት ኣብ ማርፋ፡ ቴክሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣድማስ ዝገርም መብራህቲ ከምዝረኣዩ ይሕብሩ።

ኣዝዩ መሳጢ ዝገብሮ ድማ እንታይ ምዃኖም ብልክዕ ዝፈልጥ ሰብ ዘይምህላዉ እዩ።

ቢቢሲ ኣብ 17 ጥሪ 2018 ነዚ ምስጢራዊ ‘ብርሃን ሙት መንፈስ’ ዝዳህሰሰሉ ጽሑፍ ክነካፍለኩም መሪጽና።

ክፋል ቴክሳስ፡ ክፋል ብሩክሊን፡ ክፋል ማርስ

ካብ ዶብ ሜክሲኮ ሓምሳ ማይልስ፡ ካብቲ ዝቐረበ ዓቢ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ 200 ማይልስ ርሒቓ እትርከብ ማርፋ፡ ዶራን ከተማ እያ።

ሓንቲ ትራፊክ መብራህትን ትሕቲ 2000 ነበርቲን ኣለዋ።

ካብ 1970ታት ጀሚሩ ካብ ባህላዊ መስመር ወጻኢ ዝኾኑ እዋናዊ ኣንፈታትን ፋሽንን ዝኽተሉን ስነጥበባውያንን ከምኡ’ውን ናብ ከተማ ዝፈልሱ ሰባትን ንማርፋ ናብ ማእኸል ኣቫንጋርድ ቀይሮምዋ እዮም።

ቅድሚኡ ግን ሰባት ነቲ መግለጺ ዘይብሉ ብርሃን ክዕዘቡ ናብ ማርፋ ይመጹ ነይሮም።

ንልዕሊ 135 ዓመታት ኣብዚ ለይቲ፡ ኣብ ሰማይ ምስጢራዊ ክቢ ነገራት ተራእዮም እዮም።

እዞም ‘ማርፋ ላይትስ’ ብዝብል ዝፍለጡ ዘይዓለማዊ ተኣምራት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤመሪካ መግለጺ ዘይብሎም ምስጢራት እዮም።

ከተማ ማርፋ፡ ቴክሳስ

ምንጪ ስእሊ, ኣሌክስ ማርክስ/ቢቢሲ

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ማርፋ፡ ቴክሳስ

ቀዳሞት ርእየታት

እቲ ናይ መጀመርታ ክስተት ኣብ 1883 እዩ ነይሩ።

ሮበርት ሪድ ኤሊሰን ዝተባህለ መንእሰይ ኣብ ሰውሒ ከብቲ እናሓለወ ከሎ ምስጢራዊ ዝኾነ ሳዕስዒት መብራህቲ ረኣየ።

ኣዝዩ ስለዝሰንበደ ንኹሉ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ሰብ ብዛዕባ እቲ ብርሃን ነጊርዎም።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ሓረስቶት፣ ኣባላት ኣገልግሎት ካልኣይ ውግእ ዓለምን መጻምድቲን፡ ኣብቲ ደቡባዊ ምብራቕ ማርፋ ዝርከብ ፓይሳኖ ፓስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰብ ዘይነብረሉ በረኻ፡ መሰጥቲን ሕብራዊን ኩዕሶታት ብርሃን ከም ዝረኣዩ ጸብጺቦም እዮም።

እቲ ተዋሳኣይ ጀምስ ዲን፡ ኣብ 1956 ‘ጃይንት’ ትብል ፊልም ኣብ ዝቐርጸሉ ዝነበረ እዋን፡ በቶም ብርሃናት ኣዝዩ ስለዝተዋሕጠ ኣብ ክፍሊ ሆቴሉ ማርፋ ቴሌስኮፕ ኣቐሚጡ ከምዝነበረ ይንገር።

ሎሚ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰባት፡ ጸሓይ ኣብ ትዓርበሉ ንጹር ለይቲ ኣብ ማርፋ ላይትስ ቪውይንግ ኤርያ ኮይኖም ነዚ ዘይልሙድ ፍጻመ ክርእዩ ብተስፋ ይጽበዩ።

ማርፋ ላይትስ፡ ቴክሳስ

ምንጪ ስእሊ, ጀምስ በኔል/ቢቢሲ

መግለጺ ስእሊ, ማርፋ ላይትስ፡ ቴክሳስ

‘ብርሃን ሙት መንፈስ?’

እቶም ብርሃናት መዓስን ኣበይን ከም ዝረኣዩ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ዓመት ዳርጋ 30 ግዜ ይርኣዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ጸሓይ ምስ ዓረበት ወይ ክትበርቐ ከላ ጥራይ እዩ።

ገለ ሰባት፡ እቶም ብርሃናት ዓቐኖም ብግምት ክንዲ ኩዕሶ ሰኪዔት ከምዝኾኑን ኣብ ልዕሊ እቲ በረኻ ብዘይ ምቁራጽ ከምዝወናጨፉ ወይ ድማ ከምዝንሳፈፉ ይገልጹ።

ካልኦት ድማ ሕብራዊ ኮይኖም ኣብ ርሑቕ ይረኣዩ ይብሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ቀያሕቲ’ዮም፡ ካልእ ግዜ ሰማያዊ፡ ብጫ ወይ ጻዕዳ ብርሃናት ይረኣዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ሓደ ክቢ ቅርጺ ዝሰርሐ ብርሃን፡ ናብ ካልእ ከም ዝምቀል፣ ዝሕወስ፣ ዝንሳፈፍ ወይ ዝመክኽ መሲሉ ይርአ እዩ።

እቶም ልዕለ ባህርያዊ መስመራት፡ ካብ ዩፎ ክሳብ ዝጠፍኡ መንፈሳት ስጳኛውያን ወረርቲ ወይ ካብ ርሑቕ ዝረኣዩ ናይ መካይን ናይ ቅድሚት መብራህቲ ከምዝኾኑ ይእመን።

ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ እንታይ ምዃኖም ወይ’ውን ፈጺሞም ምህላዎም ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ዝኾነ ሰብ የለን።

እቲ ሚስጥር ብሓቂ ኣብኡ’ሎ

ምናልባት ካብ ጀምስ በኔል ንላዕሊ ብዛዕባ ማርፋ ላይትስ ዝፈልጥ ሰብ የለን።

እቲ ጡረተኛ፡ መሃንዲስ ኣየርን ህዋን ናሳ፡ ኣብቲ ከባቢ ዓብዩ፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማርፋ ድማ ተማሂሩ።

ኣብ 2000 ዓ.ም. ናብ ማርፋ ተመሊሱ ነቲ “ዝኾነ ርትዓዊ መግለጺ ክረክበሉ ዘይከኣልኩ ዘሰንብድ ናይ ብርሃን ምርኢት” ከምዝረኣየ ይዛረብ።

ንዝቐጸሉ 12 ዓመታት በኔል፡ እንታይነት እቲ ምስጢር ማርፋ ላይትስ ብሳይንሳዊ መገዲ ንምጽራይን ንምፍታሕን ጻዕሪ ጀሚሩ።

ኣብ ደንበታት ጎረባብቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ-ብርሃንን ከምኡ’ውን ብዓይኒ ዘይርአ ክፍሊ ዝርጋሐ ብርሃን ዘለወን 10 ካሜራታት ተኺሉ፡ ምንቅስቓስ ናይ’ቶም መብራህቲ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ሒዙ፡ ቅዲታት እቶም ብርሃናት ክርዳእ ፈቲኑ።

"ቅዲ ዝበሃል የብሎምን" ይብል።

ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ በኔል ኣብ ትሕቲ መሬት ዝፍጠር ምትሕንፋጽ ኣብ ልዕሊ ቆላታት ማርፋ ከመይ ገይሩ ኤሌክትሮማግኔታዊ ብርሃን ከም ዘፍሪ ዘጠቓልል ውሑድ ክልሰ-ሓሳባት ኣለዎ።

እንተኾነ ግን፡ ነቲ መበቆላዊ ሕቶኡ ዝምልስ ውዱእ መርትዖ ወይ መረዳእታ የብሉን፡ “እንታይ እዮም እዚኦም?” ኢሉ ይሓትት።

ሕልማዊ መድረኽ

ማርፋ ላይትስ፡ ቴክሳስ

ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ ቪድዮ

መግለጺ ስእሊ, ማርፋ ላይትስ፡ ቴክሳስ

እቲ ካብ ክልተ ቀንዲ ጎደናታት ማርፋ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ሰውሒ፡ ንነዊሕ እዋን ከም መድረኽ ስነ-ጥበብን ልዕሊ ክውንነትን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ’ዩ።

ማርፋ ካብ ብደንበታት ዝተመልአት ዝደቀሰት ከተማ ናብ በረኻዊ ጽፉፍ ምድረበዳ እዋናውያን ፈጠርቲ ክትልወጥ ዝጀመረት፡ ኣብ 1971 ዶናልድ ጁድ ዝተባህለ ዓቢ ስነጥበባዊ ካብ ከተማ ኒውዮርክ መጺኡ ክነብር ምስ ጀመረ’ዩ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ መደበር ሰራዊት እታ ከተማ ገዚኡ፡ ንኽልተ ኣረጊት መዳፍዕ ብልዕሊ 100 ስነ-ጥበባዊ ስርሓት መሊኡ፡ 15 ዓበይቲ ናይ ኮንክሪት-ሳንዱቕ ስነ-ጥበባዊ ስርሒታት ኣብቲ ጽምዋ መጓሰዪ ፋሕ ኣቢልዎ።

ሎሚ፡ ናይ ጁድ 340 ኤከር ዝስፍሓቱ ቻይናቲ ፋውንዴሽን፡ ስነ-መጎት ዝጻረሩ ዝመስሉ ልዕለ-ክውንነታዊ በረኻዊ መልክዕ ስነ-ጥበብ ኣነቓቒሑ ኣሎ።

ሓደ ካብዚኦም ኣብ ሓደ ሜዳ ዝርከብ ብናይ ሓሶት ዲዛይነር ቦርሳታትን ሸኾናታትን ዝመልአ ስኑዕ ቡቲክ ፕራዳ ማርፋ እዩ።

ማርፋ ላይትስ፡ ቴክሳስ

ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ ቪድዮ

መግለጺ ስእሊ, ማርፋ ላይትስ፡ ቴክሳስ

ዝርገሐ እቲ ኣፈ-ታሪኽ

ጁድ ኣብ ሰብዓታት ንቶም ዝተጠንጠኑ ህንጻታት ማርፋ ናብ ጋለሪታት ክቕይሮም ምስ ጀመረ፡ በጻሕቲ ብብዝሒ ክመጹ ጀሚሮም።

እንተኾነ ግን፡ ወዲ 92 ዓመት ኣርማንዶ ቫስኩዝ እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ኣፈ-ታሪኽ ምስጢራዊ ብርሃን ማርፋ ኪኖ ኣኽራናት ቻይናቲ ፈጺሙ ኣይምተዘርግሐን ነይሩ።

"ነቶም ብርሃናት ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣኹዎም ኣብ 1971'ዩ፡ ተገሪመ ድማ - ጽውጽዋይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ይብል ቫስኩዝ።

“ንግዲ [ኣብ ማርፋ] ዝሑል’ዩ ነይሩ፡ እዞም ብርሃናት ንከተማና ክህልዎም ዝኽእል ዓቕሚ ድማ ተረዲአ።”

ስለዚ፡ ንዝቐጸላ 20 ዓመታት፡ ቫስኩዝ ንበጻሕቲ፡ ካብተን ክልተ መዕረፊ ኣጋይሽ ማርፋ ናብቲ ምድረበዳ እናወሰደ ነቶም ብርሃናት የርእይ ነይሩ።

ኣርማንዶ ቫስኩዝ

ምንጪ ስእሊ, ኣሌክስ ማርክስ/ቢቢሲ

መግለጺ ስእሊ, ኣርማንዶ ቫስኩዝ፡ 'ጽውጽዋይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ' ይብል

“ንዓመታት፡ ብዘይካ’ቶም ነቶም ብርሃናት ክርእዩ ዝደልዩ ሰባት ካልእ ሰብ ኣይነበረን” ይብል ቫስኩዝ።

"ማርፋ ነበርቲ ዘይብላ ከተማ ከይትኸውን ፈሪሐ ነይረ፡ ግን እዚ ተርእዮ፡ ከተማና ከይትመውት ስለ ዝሓገዘ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ።"

ቫስኩዝ ንዓመታት ነቲ ተርእዮ ንምድንፋዕ ክሕግዝ ንቤት ምኽሪ ንግዲ ማርፋ ጥርዓን ኣቕሪቡ’ኳ እንተነበረ ውጽኢት ግን ከይረኸበ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ 1986 ናይ መጀመርታ ፈስቲቫል ብርሃን ማርፋ ኣዳልዮም።

ድሕሪ 32 ዓመት፡ እቲ ዓመታዊ በዓል ክሳብ ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስከረም ይካየድ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተዓዘብቲ ድማ ይስሕብ ኣሎ።

ኣህረርቲ ብርሃናት

“ወለደይን ኣያታተይን [ነቶም ብርሃናት] ርእዮምዎም እዮም። ኩሉ ግዜ ኣብዚ ነይሩ’ዩ” ትብል 80 ዓመት ዝዕድመኣ ኣውሪ ዌስት።

ስድራኣ ኣብ 1880ታት ማርፋ ንክትምስረት ሓጊዞም እዮም።

“ብዛዕባ’ቲ ኣብቲ ደገ ዘሎ ፈጺሞም ከምዘይፈለጡ ተስፋ እገብር። ምስጢራት ህይወት መሳጢ ክትከውን ይገብሩ’ዮም።”