ብሞባይል ክልለዩ ዝኽእሉ ምልክታት ሕማም ልቢ

መርመራ ብሞባይል

ምንጪ ስእሊ, Justin Chan/University of Washington

ናይ መጀመርታ ጻውዒት ተንቀሳቓሲ ተሌፎን - ሞባይል ካብ ዝግበር 50 ዓመታት ኣቝጺሩ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሞባይል ተሌፎናት ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ተራእዮም እዮም።

ሕጂ ድማ ሞባይላት፡ ጥዕናና ንምፍላጥ ክሕግዛና ከም ዝኽእላ ይንገር ኣሎ።

ጸገም ምርጋእ ደም ዕቱብ እዩ።

ደምና እንተቐጢኑ፡ ሓደጋ መፍሰስቲ ደም ከጋጥመና ተኽእሎ ኣሎ፡ እዚ ድማ ክሳብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል። ደምካ ካብ መጠን ንላዕሊ እንተረጊኡ፡ ሓደጋ ትሮምቦሲስ (ርግኣት ደም) ከጋጥመና ተኽእሎ ኣሎ፡ እዚ ድማ ወቕዒ ልቢ ከስዕብ ይኽእል።

ሓካይም ርግኣት ደም ከም ዘለና ክምርምሩ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ንምግባርን ግን ብደምና ዝመልአ ስሪንጋ መርፍእ የድልዮም።

ኣብ ሓጺር ግዜ ግን ስማርትፎን ተጠቒምና ኣብ ገዛና ባዕልና ፈተነ ክንገብር እንኽእለሉ ኵነታት ክፍጠር ይኽእል’ዩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ እቲ ንፈለማ እዋን ሞባይል ዘማዕበለ ጕጅለ ዝመርሐ ማርቲን ኩፐር፡ ሞባይላት ጥዕናና ንምክትታል ኣገዳሲ መሳርሒ ክዀና እየን ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ። እቲ መብጽዓ ድሮ ይፍጸም ኣሎ።

ኣብ መጋቢት 2022፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን፡ ኣብ ሓንቲ ንጣብ ርግኣት ደም ንምልላይ ኣይፎን ተጠቒሞም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ሊዳር (ብርሃን ንምልላይን ርሕቀት ንምፍላጥን ዝሕግዝ) ሴንሰር ተጠቒሞም፡ እዚ ድማ ናህሪ ዘለዎ ጩራ ተጠቒሙ ኣብ ከባቢ’ታ ስልኪ 3D ምስሊ ይሰርሕ። እዚ እታ ሞባይል ነቲ ሓቀኛን ሓሳባውን ዓለም ምስ ክውንነት ንምውህሃድ፡ ናይ ዝዀኑ ነገራት ወይ ርሕቀት ቅኑዕ ዓቐን ንምልካዕ ዘኽእላ ቴክኖሎጂ እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ፍርናሽ ኣብ ክፍልኹም እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል ከርኢ ይኽእል፣ ስእሊ ክትስእሉ ከለኹም ድማ ኣውቶፎኮስ ንምምሕያሽ እውን ይሕግዝ።

እቲ ሴንሰር ግን ኣብ ደም ዝፍጠር ርግኣት ንምልላይ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ። እቲ ብርሃን ከከም ዘለዎ ሕፍሰት፡ በቲ ፈሳሲ ክበታተን እንከሎ፡ እቶም ናይ ጩራ ናህሪታት፡ ፍሉይ "ቅዲ ነቝጣ" የፍርዩ።

ንኣብነት ኣብ ጸባ ዝርከብ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ስብሒ፡ ነቲ ቅዲ ብዝርአ መንገዲ ይቕይሮ፡ ደም ክረግእ ከሎ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ይቕይሮ’ዩ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ብሓንቲ ንእሽቶ ንጣብ ደም፡ ዝረግአን ዘይረግአን ደም ክለልዩ ከም ዝኸኣሉ ፈሊጦም።

ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ምዕባለ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ስማርትፎን ዝርከብ ሞተር ተዘዝታን ካሜራን ተጠቒሙ፡ ኣብ ንጣብ ደም ናይ ዝርከብ ነቝጣ ነሓስ ምንቅስቓስ ብምክትታል፡ ርግኣት ደም ክምርምር ክኢሉ።

ካልኦት ተመራመርቲ ኣብ ስልኪ ዝርከብ ካሜራ ተጠቒሞም ከም ጸቕጢ ዝኣመሰሉ ካልኦት መዳያት ጥዕና ልቢ ደም ንምዕቃን ዝሕግዙ ሜላታት ከማዕብሉ ጸኒሖም እዮም።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ካናዳን ኣብ ዠጂያንግ ቻይና ዝርከብ ሃንግዙ ኖርማል ዩኒቨርሲቲን፡ ኣብ ስማርትፎናት ንዝርከባ ንቕድሚት ዝጥምታ ካሜራታት ተጠቒሞም፡ ካብ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ዝቐረጽዎም ቪድዮታት፡ ኣብ ዋሕዚ ደም ገጽ ዝፍጠር ዘይረኣዩ ለውጢታት ክምዝግቡ ዝኽእሉ ኣልጎሪዝማት ኣዳልዮም ኣለዉ።

ማርቲን ኩፐር ናይ መጀመርታ ብሞባይል ስልኪ ዝደወለ ሰብ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማርቲን ኩፐር ናይ መጀመርታ ብሞባይል ስልኪ ዝደወለ ሰብ እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልእ ጕጅለ ቻይናውያን ሳይንሰኛታት ድማ፡ ካብ ብስማርትፎን ዝተሳእሉ ኣርባዕተ ስእልታት፡ ካልኦት ምልክታት ጥዕና ልቢ ክምዝግብ ዝኽእል ኣልጎሪዝም ኣማዕቢሎም እዮም።

እዚ ኣልጎሪዝም፡ ኣብ ምዕጉርቲ፡ ብፍላይ ድማ ከም ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዘሎ ብዓይኒ ወዲ ንምልላይ ዘጸግም ስብሒ ዝኣመሰለ ኣብ ግንባርን ኣፍንጫን ዝረአ ረቂቕ ለውጢ ዘተኮረ ይመስል።

እዚ ኣገባብ፡ ኣብ 80 ሚእታዊት ሕማም ልቢ ብልክዕ ከለለ ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ 46 ሚእታዊት ሓደጋ ብጌጋ ኣለልዩ እዩ፤ እዚ ማለት ተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራ እንተዘይደልዮም ኣብ ሕሙማት ገለ ዘየድሊ ጭንቀት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

እቲ መሳርሒ ተወሳኺ መርመራ ዘድልዮም ሕሙማት ንምልላይ "ሕሱር፡ ቀሊልን ውጽኢታውን" መንገዲ ክኸውን ከም ዝኽእል እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ሃገራዊ ማእከል ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ልቢን ይገልጹ።

ስማርትፎናት ዋላ’ውን ንምልላይ ዘጸግሙ ኵነታት ልቢ ንምፍላጥ ዝሓሰረን ተንቀሳቓስን መንገዲ ክህባ ከምዝኽእላ’ውን ተስፋታት ኣሎ።

ኣብ ሆስፒታል ህጻናት ሎስ ኣንጀለስ ሓኪም ልቢ ጀኒፈር ሚለርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዝርከቡ መሃንድሳትን፡ ደም ብኸመይ ብልቢ ይውሕዝ ከምዘሎ ንምክትታል ዝሕግዝ ምስ ስማርትፎን ክተሓሓዝ ዝኽእልን ብኢድ ዝተሓዝን ኣልትራሳውንድ ስካነር ኣማዕቢሎም ኣለዉ።

ብዙሓት ካብዞም ቴክኖሎጂታት ገና ኣብ ደረጃ ምርምርን ፈተነን'ኳ እንተሃለዉ፡ ድሮ ብተሌፎንካ ጥዕናኻ ክትምርምረሉ እትኽእልሉ ገለ መገድታት ኣሎ።

ኤልሳቤጥ ዎይከ፡ ደራሲት ‘ዘ ስማርትፎን፡ ኣናቶሚ ኦቭ ኣን ኢንዳስትሪ’ እትብል መጽሓፍ እያ።

ንሳ፡ ካሜራን ፍላሽ ካሜራን ተጠቒሙ ጸቕጢ ደም ዝከታተል ሪቫ ዝበሃል ኣሜሪካዊ ጀማሪ ትካል ትጠቅስ።

"ኣጻብዕትኹም ኣብ ካሜራ ስማርትፎን ኣቐሚጥኩም ድሕሪኡ ኣብ ሰራውር ደምኩም ዘሎ ማዕበል ቅርጺ ብምዕቃን ጸቕጢ ደም ይከታተል። ብገለ መልክዑ ዘገርም'ዩ" ትብል።