ቅድሚ 50 ዓመት ንመጀመርታ ብሞባይል ዝደወለ ኩፐር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ መጀመርታ ጻውዒት ተንቀሳቓሲ ተሌፎን - ሞባይል ካብ ዝግብር 50 ዓመታት ኣቝጺሩ።
ብ1973 ኣብ ናሳ ፕሮግራም ኣፖሎ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣሜሪካዊ መሃንዲስ ዮኤል ኤንገል፡ ኣብ ዓለምና ናይ መጀመርታ ናይ ኢድ ሞባይል ንምምሃዝ ይፈታትን ነበረ።
ኣብቲ ኤንገል ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቤተፈተነ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ መኪና-ተሌፎናት ኣብ ምምዕባል ኣበርክቶ ገይሩ ነይሩ።
ድሕሪኡ ግን ጕጅለኡ ነቲ ቴክኖሎጂ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ክትወስዶ ትፍትን ነይራ፣ እዚ ኣብ ዝደለናዮ እዋን ናብ ዝደለናዮ ቦታታት ተሰኪምናዮ ክንከይድ እንኽእል መሳርሒ’ዩ።
ብ3 ሚያዝያ ግን ኣብ ቤተ-ፈተነ ኤንገል ዝነበረት ስሩዕ መስመር ተሌፎን ደወል ኣስሚዓ፤ ኣልዒሉዋ።
“ሃይ ዮኤል" በለ እቲ ኣብቲ ካልእ ጫፍ ናይቲ መስመር ዝነበረ ድምጺ።
እዚ፡ ማርቲን ኩፐር እዩ ነይሩ።
ማርቲን ኩፐር፡ መራሒ ተወዳዳሪ ጕጅለ መጽናዕቲ 'ሞቶሮላ' ዝተባህለ ኣፍራዪ ተንቀሳቐስቲ ስልኪ ኩባንያ ሬድዮን ኤሌክትሮኒክስን እዩ።
“ብተሌፎን እየ ዝድውለልካ ዘለኹ፡ ግን ትኽክለኛ ስልኪ - ውልቃዊ፡ ብኢድ ዝትሓዝ፡ ተንቀሳቓሲ ስልኪ” በለ ሓበን እናተሰምዖ።
እቲ ንሕንሕ ክኣ፡ በዚ ኣኽተመ።
ኩፐር፡ ኣብ ኒውዮርክ ፊት ሆቴል ሂልተን ሞድታውን ኣብ ቅድሚ'ቶም ስእሉን ክወስዱ ዝተኣከቡ ሰኣልትን ክኢላታት ካሜራን ኰይኑ ነዚ ከበስር እንከሎ፡ ኤንገል 48 ኪሎ ሜትሮ ጥራይ ርሒቝ ኣብ ኒውጀርሲ ነይሩ።
ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ካልእ ሰብ - ዋላ’ውን ምስ ብዙሓት ሰባት ብሓንሳብ – ካብ ዝዀነ ቦታ ኣብ ዝዀነ እዋን ዕላል ምክያድ ተኻእለ።
ድሕሪኡ ሓጸርቲ መልእኽትታት ጽሑፍ፡ ኣስዒቡ ክኣ ስእልታት ምልእኣኽ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኢሞጂታት ኣርኪቦም።
በዚ፡ ተሌፎናት ሰባት ንሓድሕዶም ዝረዳድእሉ ኣገባባት ቀይረናኦ።
ድሕሪ እታ ቅድሚ 50 ዓመት ኩፐር ዝገበራ ናይ መጀመርታ ጻውዒት ሞባይል፡ ሕጂ ተሌፎናት ብዘደንቕ መገዲ ብዙሕ ተግባራት ክዓያ ይኽእላ።
ንህይወትና ድማ ብዕምቈት ቀይሮምዎ እዮም - ሓሓሊፉ ብዘይተጸበናዮ መንገዲ።
እታ ኣፈናዊት ሞባይ ስልኪ ኩፐር ቅርጺ ሕጡብን ጨላይ ሕብርን ዝነበራ ኰይና፡ ዓቢ ኣንቴናን ስክሪን ዘይብላን እያ ነይራ።
ኣዝዩ ሰሓቢ ቅርጺ ዝነበራ ኣይኰነትን፤ ግን መበገሲ ሓደ ፍሉይ ህሞት ኰይና እያ።
እቲ ኩፐር ተሓጒሱ ዓወቱ ከበስር ናብ ኤንገል ዝገበሮ ጻውዒት ስልኪ ድማ፡ ናይ መጀመርታ ብኢድ ዝድወለሉ ናይ ሞባይል ጻውዒት እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ደጋፊ እቲ ፕሮጀክት'ኳ እንተነበረ፡ ብዙሓት ቴክኒካውን ቁጽጽራውን ብድሆታት ነይሮም’ዮም።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሞባይል ተሌፎን ናብ ተጠቀምቲ ንኽቐርብ ተወሳኺ 10 ዓመታት ወሲዱሉ፤ እቲ ዘመን ግን፡ ንህይወትና ብዝተፈለየ መገዲ ዝቐየረ እዩ።
እተን ቀዳሞት ሞባይል ተሌፎናት ክቡራትን ከበድትን እየን ነይረን፤ ኣብ ለንደን ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ መምህር ሚድያን ቴክኖሎጅን ዝነበረ ሌስሊ ሃዶን፡ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ንሞቶሮላ 500 ዶላር ካብ መንጐ ዝዓደጉ ቐዳሞት ተጠቀምቲ ሞባይል እዩ።
“ሕጡብ ኣይነበረን፤ ግን ፍርቂ ሕጡብ'ዩ ነይሩ። ብቐሊሉ ኣብ ጁባኻ ኣይተእትዎን” ይብል።
ኣብቲ እዋን፡ ቀንዲ ተግባር ሞባይል ስልኪ ንስሩዕ ስልክታት ደው ምባል እዩ ነይሩ፡ ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደርቢ ላዕለዋይ መምህር ኮምፒተር ክሪስቶፈር ዊንድሚል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዞም ጦብላሕታታት ነዊሕ ከይጸንሑ ተረሲዖም፤ ዓይነትን ቅርጸዕን ሞባይል ቴሌፎናት ድማ ብተዓጻጻፊ መልክዑ እናማዕበለ መጺኡ።
ብ2006 ዝተዘርግሐት ኖክያ ኤን95፡ ኤፍ ኤም ራድዮ፡ ሕብራዊ ስክሪን፡ ስፒከርን ቪድዮ ካሜራን ነይርዋ። ኣዝዩ ትሑት ኢንተርነት’ውን ነይሩዋ።
ኖክያ ኤን95፡ ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ዕዳጋ ዓለም እታ ዝበለጸት ስልኪ እያ ነይራ።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣፕል ኣይፎን ዝተባህላ ስልኪ ከፍሪ ጀሚሩ።
ኣብዚ ኣብ 2020ታት፡ ኣይፎናት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኵሉ ቦታ ኣለዋ፤ "N95" ድማ ዳርጋ ካብ ዓይነታት ማስክ ኰይነን ኣለዋ።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ እተን ቀዳሞት ስማርትፎናት ኢንተርነት፡ ካሜራታት፡ ሓባሪ ቦታ፡ ላምባዲና፡ ብሉቱዝን ሓንቲ ስልኪ ኣብ ምንታይ ኩርናዕ ከም ዝተታሕዘት ክፈልጥ ዝኽእል መስመርን ዘጠቓለላ እየን።
ሕጂ እንጥቀመለን ዘለና ስማርትፎናት ድማ፡ ኣብ ጁባና ዝትሓዛ ካብ ምንቅስቓሳት ባንክ ጀሚሩ ክሳብ ፊልም እንርእየን ሲነማታትን ሙዚቃ እነጻውተለንን . . . ኰታ ዕለታዊ ህይወትና እንመርሓለን ኣዝየን ቀለልቲ ኣቕሓ ኰይነን እየን።
ኢንተርነት'ውን 5G ናብ ዝበሃል ዓብዩ ኣሎ። ኣፍረይቲ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት 6G ንምትእትታው ይዘራረቡን ይሰርሑን ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናብተን ቅድሚ 50 ዓመት ዝፈረያ ሞባይል ተሌፎናት ንመለስ።
ውጽኢት ኩፐር ዝዀና ሞቶሮላ ዲይናታክ 8000ኤክስ፡ ኩፐር ናይ መጀመርታ ጻውዒት ስልኪ ምስ ገበረ፡ ድሕሪ 11 ዓመታት ብ1984 ዓ.ም (ኣ. ኣ) እየን ናብ ዕዳጋ ኣትየን።
እዚ ስልኪ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋኡ 11 ሽሕን 700 ዶላር ከም ዝዀነ ኣመሓዳሪ ቤተ መዘክር ሞባይል ቤን ውድ ይዛረብ።
እዚ ስልኪ ብዛዕባ ዝህቦ ኣገልግሎት ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ “ኣሃዛት ምጥዋቕ ጥራይ’ዩ፤ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣይልእኽን፣ ካሜራ የብሉን። ን30 ደቒቓ ጥራይ ኢኻ ክተዋግዓሉ እትኽእል። ባትሪ ንምምላእ 10 ሰዓታት ይወስድ። ኣብ ርእሲኡ ልዕሊ 5 ሴንቲ ሜትር ኣንቴና ኣለዎ” ይብል።
ወሲኹ፡ “ክብደቱ ድማ 790 ኪሎ ግራም ይምዘን፤ እዚ ኣርባዕተ ዕጽፊ 172 ግራም ዝምዘን ኣይፎን 14 እዩ፡” ኢሉ።
ኩፐር፡ ዋላ’ውን ሞባይል ስልኪ ሓደ እዋን ተንቀሳቓሲ፡ ኣዝዩ ዝተራቐቐ፡ ካሜራን ኢንተርነትን ዘለዎ ኣገልግሎት ዝህብ ክኸውን እዩ ኢሉ ኣተንብዩ ዝፈልጥ እንተዘይኰነ፡ ኣብዚ ዘመን ብዘለዋ ስርሓት ሞባይል ኣይድነቕን።
“ሕጂ ዘለዋ ስልክታት ዘደንቓ ኣይኰናን፤ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረለን ንታሕቲ’የን፤ ብብዙሕ መልክዑ ጽቡቓ ስልኪ ኣይኰናን። ሕሰቡዎ እስኪ . . . እትደልዩዎ ዓይነት ኣገልግሎት ንምርካብ ቀጢን ስርሓት ፕላስቲክን ቍራጽ መስትያት ኣብ እዝንኹም ተቐምጡ። ብዘይምችእ መልክዑ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ትውዕሉ፤ ነዚኦም ንኽትጥቀም ድማ መጀመርታ መተግበሪ ክህልወካ ኣለዎ” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







