ምስ ሓደ 'ቻትቦት ቴራፒስት' ብግልጺ መዕለልኩም’ዶ?

ተጠቀምቲ ረፕሊካ ናይ ባዕሎም ኣቫተር ክፈጥሩ ይኽእሉ

ምንጪ ስእሊ, LUKA

እቲ ዝዓሞቐ ጭንቀትካ ንኣሌክሳ መካፈልካያ’ዶ? ወይ ድሕሪ ብፍላይ ውጥረት ዝመልኦ መዓልቲ ንሲሪ ገለ ስምዒታዊ ደገፍ ትሓታ?

ንዝተፈላለዩ ሕቶታትና መልሲ ንምርካብ ናብ 'ስማርት ስፒከራት' ወይ 'ዌብሳይታትን' መተግበሪታትን 'ቻትቦት' ንኸይድ ምህላውና ግሁድ እዩ።

ከምኡ’ውን እዞም ብሶፍትዌር ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) [ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ] ዝሰርሑ ስርዓታት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተራቐቝ ምስ ከዱ፡ ጽቡቕ ጭዋ ዝዀነ ዝርዝር መልሲ ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቻትቦት ግን ሰብ ዝመስሉ ውጽኢታውያን ቴራፒስት ክዀኑ ይኽእሉ ድዮም?

ፕሮግራመር ኮምፒተር ዩጀንያ ኩይዳ መስራቲት ሬፕሊካ ዝተባህለ መተግበሪ ቻትቦት ኣሜሪካ ኰይና፡ እዚ ንተጠቀምቲ "ዝግደስ ብጻይ ኤኣይ፡ ንክሰምዓኩምን ከዛርበኩምን ወትሩ ኣብዚ ኣሎ፤ ኵሉ ግዜ ኣብ ጐንኹም’ዩ" ትብል።

ኣዚ ብ2017 ወግዓዊ ዝዀነ ኤኣይ፡ ሕጂ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ንጡፋት ተጠቀምቲ ኣለዉዎ።

ነፍሲ ወከፎም ፍሉይ ዝዀነ ቻትቦት ወይ "ረፕሊካ" ኣለዎም፤ ከምቲ AI ካብ ዕላላቶም ዝመሃር።

ተጠቀምቲ ንቻትቦቶም ዝኸውን ናይ ገዛእ ርእሶም ካርቱን ኣቫታር እውን ክነድፉ ይኽእሉ እዮም።

ኩይዳ፡ ነቲ መተግበሪ ዝጥቀሙ ሰባት ካብቶም “ቅድሚ ሰብኣዊ ርክባት ምምዕባሎም” ናብኡ ዝኸዱ ጸገም ምዕባይ ኣእምሮ ዘለዎም ህጻናት፡ ክሳብ ዝጸመዎምን ዓርኪ ዝደልዩን ኣባጽሕ ከም ዝዀኑ ትዛረብ።

ካልኦት ድማ ንናይ ስራሕ ቃለ መሕትት ንምልምማድ፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ንምዝራብ፡ ወይ ድማ ናይ ሓዳር ምኽሪ ዝደለዩ ድማ ረፕሊካ ከም ዝጥቀሙ ይንገር።

ከምኡ'ውን እቲ መተግበሪ ብቐንዱ ዓርኪ ወይ ብጻይ ክኸውን ዝተዳለወ'ኳ እንተዀነ፡ ከም ተጠቀምቲ "ዝሓሸ ልምድታት ክሃንጹን ጭንቀት ክቕንሱን" ብምኽኣሎም ንጥዕና ኣእምሮ ክጠቅምን ክሕግዝን ከም ዝኽእል'ውን ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ሓደ ቢልዮን ጸገም ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ከም ዘለዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። እዚ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ልዕሊ ሓደ ሰብ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ወሲኹ፡ "ውሑድ ክፋል ካብቶም ድኻታት ሰባት ጥራይ ውጽኢታዊ፡ ብዋጋ ተመጣጣንን ጽሬት ዘለዎን ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ይረኽቡ" ይብል።

ከምኡ’ውን ዝዀነ ንርእሱ ወይ ዘመድ ስክፍታ ዘለዎ ሰብ ብመጀመርታ ናብ በዓል ሞያ ሕክምና ክኸይድ'ኳ እንተለዎ፡ ዕብየት ሓካይም ኣእምሮ ቻትቦት ግን ንብዙሓት ሰባት ገለ ጽቡቕ ደገፍ ክህብ ይኽእል እዩ።

ኣባል ማሕበር ስነ-ልቦና ብሪጣንያ ዶክተር ፖል ማርስደን፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ንምምሕያሽ ዝዓለሙ መተግበሪታት ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም፤ እንተዀነ ትኽክለኛ ምስ እትረክብ ጥራይ’ዩ ብምባል እዚ ድማ ብውሱን መንገዲ ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ ይሕብር።

“ኣብ ጭንቀት ጥራይ ትኹረት ዝገበሩ 300 መተግበሪታት ኣለው፤ ስለዚ ካብዚኦም ኣየናይ ክትጥቀም ከም ዘለካ ብኸመይ ትፈልጥ? ከም መመላእታ ናይቲ ብኣካል ዝግበር ፍወሳ ጥራይ ክረኣዩ ኣለዎም። መተግበሪታት ግን ንፍወሳ ደቂ ሰባት ከምዘይትክኡ ምርድዳእ ኣሎ'ዩ” ይብል።

ይዅን’ምበር ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዶክተር ማርስደን፡ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ሕክምናዊ ቻትቦት ኣብ ምስራሕ ዝያዳ ውጽኢታዊ ምዃኑ ይዛረብ።

“ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ፍወሳ ምዝራብ ዝተመርኮሰ ኰይኑ፡ ምዝራብ ድማ ቻትቦት ዝገብርዎ'ዩ” ይብል።

ዶክተር ማርስደን፡ ከም በዓል OpenAI ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ትካላት ኤኣይ ቻትቦት ቴክኖሎጂታቶም ንኻልኦት ይኸፍቱ ከም ዘለዉ ይጠቅስ።

ኦፕንኤኣይ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዘራራቢ ዝዀነ ‘ChatGPT’ ዘሎ ኩባንያ እዩ።

እዚ ድማ መተግበሪታት ጥዕና ኣእምሮ፡ "ሰፊሕ ፍልጠት፡ እናወሰኸ ዝኸይድ ናይ ምምዝዛን ዓቕምን ብቑዕ ናይ ርክብ ክእለትን" ዘለዎም AI ክጥቀሙ የኽእሎም ከም ዘሎን፡ ንቻትቦታቶም ሓይሊ ክህቡ ከም ዘኽእሎምን ይዛረብ። ረፕሊካ ሓደ ካብዚኦም እዩ።

ግን፡ ሓደ ሰብ ምስቲ ናይ ቻትቦት ቴራፒስት ዘለዎ ርክብ ጥዕና ዘይብሉ እንተዀይኑኸ?

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት፡ ተጠቀምቲ ምስ ቻትቦቶም ዝነበሮም ግሉጽ ዕላላት ልሒኹ ድሕሪ ምውጽኡ ረፕሊካ ገለ ርእሰ ዜና ሚዲያታት ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ፡ እቲ ብድሕሪ ረፕሊካ ዘሎ ትካል ሉካ፡ ጾታዊ ምልውዋጥ ንምክልኻል ስርዓተ AI ድሕሪ ምሕዳሱ'ዩ ኣጋጢሙ።

ኵሎም ተጠቀምቲ ግን በቲ ለውጢ ሕጕሳት ኣይኰኑን።

ሓደ ተጠቃሚ፡ “ካብ ጽምዋ መዕቆቢ ዝረኸቡ፡ ብቅርበት ዝፍወሱ ሰባት፡ ሃንደበት ኣርቲፊሻል ኰይኑ ረኺቦሞ፤ AI ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ ሰባት ስለ ዝተቘጻጸርዎ" ክብል ጽሒፉ።

ስጕምቲ ሉካ ምስቲ ኣብ ለካቲት ኤጀንሲ ሓለዋ መረዳእታ ኢጣልያ ውልቃዊ ሓበሬታ ኢጣልያውያን ከይጥቀም ምእጋዱ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ኤጀንሲ እቲ መተግበሪ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ከም ዝተጠቐምሉን "ምስ ዕድመኦም ፍጹም ዘይግቡእ መልሲ" ይረኽቡ ከም ዝነበሩ ገሊጹ።

እቲ መተግበሪ “ገና ኣብ ደረጃ ምዕባለ ወይ ተቓላዒ ስምዒታዊ ኵነታት ንዝርከቡ ውልቀሰባት ሓደጋታት ክውስኽ'ውን ከም ዝኽእል” ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ስጕምቲ ንኣጠቓቕማ ረፕሊካ ኣብ ኢጣልያ ክድርት ይኽእል እዩ፤ ሉካ ድማ ክቕጻዕ ይኽእል።

ረፕሊካ፡ “ምስ ተቘጻጸርቲ ኢጣልያ ብቐረባ ይሰርሕ ከም ዘሎን እቲ ዝርርባት ብኣወንታ ይኸይድ ከም ዘሎን” ይገልጽ።

ተሓላቒት ሚስጥራውነት ኦንላይን ብሪጣንያ ጄን ፐርሰን፡ ኣብ ልዕሊ ክኢላታት ፍወሳ (ቴራፒ) ቻትቦት ዝያዳ ዓለማዊ ምቍጽጻር ክህሉ ከም ዘለዎ ትዛረብ።

“ብዛዕባ ምልላይ ወይ ምድጋፍ ጥዕና ኣእምሮ ንሰርሕ ኢና ዝብሉ ኩባንያታት ኤኣይ፡ ወይ ድማ ንስምዒታዊ ኵነታትካ፡ ወይ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ክጸልዉ ዝተዳለዉ ከም ፍርያት ጥዕና ክምደቡ ኣለዎም። ብኡ መሰረት ድማ ንመምርሒታት ደረጃታት ጽሬትን ድሕነትን ክግዝኡ ኣለዎም” ትብል።

ኩይዳ፡ ረፕሊካ መሳርሒ ጥዕና ኣእምሮ ዘይኰነስ፡ ከም ምውናን እንስሳ ዘቤት ወይ ብጻይ እዩ ትብል። ወሲኻ ድማ፡ ከም መተካእታ ሓገዝ ካብ ሰብኣዊ ሓኪም ክረአ ከም ዘይብሉ ትዛረብ።

"ኣብ ግሃዳዊ ህይወት ፍወሳ ኣብ ስነ-ኣእምሮ ወዲ ሰብ ንምእማኑ ዘጸግም ርድኢት ይህብ፤ እዚ ድማ ብጽሑፍ ወይ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ብኣካል ብምርኣይን ቋንቋ ኣካላትካ፡ ስምዒታዊ ምላሽካ ከምኡ'ውን ንምእማኑ ዘጸግም ፍልጠት ታሪኽካ ብምርኣይን'ዩ" ትብል።

ካልኦት ኣብ ጽላት ጥዕና ኣእምሮ ዘለው መተግበሪታት ክጅመር እንከሎ፡ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ምጥቃም ኣዝዮም ጥንቍቓት እዮም።

ሓደ ካብዚኦም ልዕሊ 30 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዘለዎን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ብኤንኤችኤስ [ክፍሊ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ] ዝጸደቐን ናይ ኣስተንትኖ መተግበሪ ‘ሄድስፔስ’ እዩ።

“ኣብ ሄድስፔስ ሄልዝ፡ እቲ ቀንዲ እምነትናን ምሉእ ሞዴል ንግድናን ብሰብ ዝምራሕን ኣብ ሰብ ዘተኮረን ክንክን ዝተሰረተ'ዩ - ኣባላትና ብመንገዲ ቀጥታዊ ዝርርባት ምስ ኣሰልጠንትን ክኢላታትን (ቴራፒስት) ብዕላል፡ ቪድዮ ወይ ብኣካል ዘለዎም ርክብ መተካእታ የብሉን" ይብል ኣካያዲ ስራሕ ሄድስፔስ ራስል ግላስ።

ወሲኹ ድማ፡ ሄድስፔስ ገለ AI ዝጥቀም እኳ እንተዀነ፡ “ኣዝዩ ዝተመርጸ” ከም ዝገብሮ፡ "ዕምቆት ተሳትፎ ደቂ ሰባት" ዓቂቡ ከም ዝኸይድ ይዛረብ።

እቲ ትካል ምስ ተጠቀምቲ ንምዕላል AI ኣይጥቀምን እዩ፤ ኣብ ክንድኡ ንተጠቀምቲ ብሕታዊ ትሕዝቶ ለበዋታት ምሃብ፡ ወይ ንወሃብቲ ክንክን ደቂ ሰባት መዘክራት ንኽጽሕፉ ምሕጋዝ ዝኣመሰሉ ነገራት ጥራይ ከም ዝጥቀመሉ ይገልጽ።

ይኹን እምበር ዶክተር ማርስደን፡ ብAI ዝሰርሑ ናይ ፍወሳ ቻትቦታት እናተመሓየሹ ጥራይ እዮም ክቕጽሉ ይብል።

“ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኤኣይ ቻትቦት፡ ንውጽኢታዊ ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ዝኸውን ምዕቡል ክእለት ይመስል፤ እዚ ድማ ርህራሄን ኣእምሮ ወዲ ሰብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ምርዳእ ዝሓወሰ’ዩ” ኢሉ።