ኢጣልያ፡ ‘ቻትጂፒቲ’ ዝኣገደት ፈላመይቲ ምዕራባዊት ሃገር ኰይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢጣልያን ነቲ ምዕቡል ቻትቦት ቻትጂፒቲ ዝኣገደት ፈላመይቲ ምዕራባዊት ሃገር ኰይና።
በዓል መዚ ሓለዋ ዳታ ኢጣልያ ከም ዘመልከቶ፡ እቲ ብኣሜሪካዊ ትካል ኦፐንኤኣይ ዝተማህዘን ብማይክሮሶፍት ዝድገፍን ቴክኖሎጂ፡ ንብሕትውና ('ፕራይቨሲ') ተጠቀምቲ ኣብ ዝምልከት ኣሰካፊ ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ስጕምቲ ከም ዝተወስደ ኣመልኪቱ።
ቻትጂፒቲ ኣብ ሕዳር 2022 ካብ ዝጅምር ነንጀው ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክጥቀሙሉ ጀሚሮም ኣለዉ።
እቲ ተክኖሎጂ፡ ኢንተርነት ከም ዳታቤዝ ተጠቒሙ፡ ተፈጥሮኣዊ፡ ሰብ ዝመሰል ቋንቋ ተጠቒሙ ሕቶታት ክምልስ ዝኽእልን፡ ዝዀነ ካልእ ቅዲ ጽሑፍ ክቐድሕን ይኽእል’ዩ።
ማይክሮሶፍት ነዚ ንምምዕባል ቢልዮናት ዶላር ዘውጽአ ኰይኑ፡ ብተወሳኺ ኣብ ዎርድ፡ ኤክሰል፡ ፓወርፖይንትን ኣውትሉክን ዝኣመሰሉ ናይ ኦፊስ መተግበሪታቱ ከምዘስርጾ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ዛዕባ ሰብሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI)] ስራሕ ሰባት ዝምንጥል ምዃኑ ብዘሎ ስግኣት፡ ምዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታን ወገናውነትን ዝኣመሰሉ ስክፍታታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ፈለማ መዓልታት እዚ ሰሙን፡ ኢሎን መስክ ዝርከቦም ወሰንቲ ኣካላት ቴክኖሎጂ፡ ነዞም ዓይነት ስርዓታት ብልሒ ንምምዕባል ዝግበር ዘሎ ውድድር ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ምዃኑ ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን፡ ክቋረጹ ጸዊዖም ነይሮም።
እቲ ኢጣልያዊ ተቘጻጻሪ ትካል፡ ንቻትቦት ኦፐንኤኣይ ምእጋድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓፈሻዊ መምርሒታት ሓለዋ ዳታ ዝሰማማዕ ድዩ ኣይኰነን’ውን ክምርምር ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ትካል፡ ውልቃዊ ዳታ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል፡ ይትንተንን ይዕቀብን መምርሒ ዝህብ ኣካል እዩ።
እዚ ኢጣልያዊ ትካል ምቍጽጻር ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ እቲ መተግበሪ ብ20 መጋቢት ኣብ ዕላል ተጠቀምቲን ሓበሬታ ክፍሊትን ዘጠቓልል ምፍርሻሕ ሓበሬታ ከምዘጋጠሞ ገሊጹ።
"ንኣሰራርሓ እቲ ቴክኖሎጂ መሰረት ዝዀኑ ኣልጎሪዝማት 'ንምስልጣን' ተባሂሉ ጅምላ ውልቃዊ ሓበሬታት ምእካብን ምኽዛንን" ዝምኽነየሉ ዝዀነ ሕጋዊ መሰረት ከምዘየለ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ዕድመ ተጠቀምቲ ንምርግጋጽ ዘኽእል ዲ ስለዘይብሉ፡ እቲ መተግበሪ "ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ንደረጃ ምዕባለኦምን ንቕሓቶምን ዘይምጥን መልሲ ከቃልዖም ከም ዝኽእል" ገሊጹ።
ባርድ ዝተባህለ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዝውዕ ዘሎ፡ መወዳድርቲ ሰብሰርሖ ብልሒ ቻትቦት ጉግል ዝዀነ ምህዞ፡ ብሰንኪ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስክፍታታት፡ ንተጠቀምቲ ልዕሊ 18 ዓመት ጥራይ’ዩ ዘገልግል።
በዓል መዚ ሓለዋ ዳታ ኢጣልያ፡ ኦፐንኤኣይ፡ ነቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ጉዳይ ትካል ብኸመይ ከም ዝፈትሖ ንምግላጽ 20 መዓልቲ ጥራይ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ በዚ ድማ 20 ሚልዮን ዩሮ ወይ ክሳብ 4 ሚእታዊት ካብ ዓመታዊ ኣታዊታቱ መቕጻዕቲ ከም ዝኸፍል ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ፡ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝነብሩ ሰባት ውልቃዊ ሓበሬታኦም ናይ ምሕላው መሰረታዊ ሓላፍነት ዘለዎ ትካል ኮሚሽን ሓለዋ ዳታ ኣየርላንድ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንቀሊ ውሳነኦም ንምርዳእ ምስቲ ኢጣልያዊ ምክትታል ይግበር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ምስቲ እገዳ ብዝተኣሳሰር ምስ ኵሎም ኣካላት ሓለዋ ዳታ ሕብረት ኣውሮጳ ሓቢርካ ክስራሕ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ነጻ ተቘጻጻሪ ዳታ ብሪጣንያ እውን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንምዕባለታት ኤኣይ "ዝድግፍ" ምዃኑን፡ እንተዀነ ንሕግታት ሓለዋ መረዳእታ ዝጥሕስ ዝዀነ ነገራት ንምፍታሽ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
ዳን ሞርጋን ካብ ወሃቢ ደረጃ ድሕነት ሳይበር ‘ሴኩሪቲ ስኮርካርድ’፡ እዚ እገዳ ኣብ ኣውሮጳ ዝንቀሳቐሳ ኩባንያታት ኣገዳስነት ምኽባር ስርዓታት ድሕነት ዘረጋገጽ ምዃኑ ሓቢሩ።
"ንግዳዊ ትካላት፡ ንድሕነት ውልቃዊ ሓበሬታ ቀዳምነት ክህባን ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝተደንገገ ጽኑዕ ሕግታት ውህስነት ሓበሬታ ክኽተላን ኣለወን፡” ብምባል፡ ምኽባር ደንቢታት መተካእታ ከምዘይብሉ ኣስሚሩሉ።
'እዅል ቍጽጻር ኣይተገብረሉ’
ብተወሳኺ፡ ጉጅለ ተጣባቒ ተጠቀምቲ [BEUC] ኣብ ኣሜሪካ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ሰበስልጣን ሃገራት ኣውሮጳ፡ ትካላት ድሕነት ሓበሬታ፡ ንቻትጂፒቲን ተመሳሰልቲ ቻትቦታትን ክምርምሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ሕጊ ኤ.ኣይ ንምትእትታው ይሰርሕ ኣሎ።
እንተዀነ ስክፍታ 'BEUC'፡ እቲ ሕጊ ሰብሰርሖ ብልሒ ተግባራዊ ክኸውን ዓመታት ክወስድ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ተጠቀምቲ ብሰንኪ’ቲ እኹል ቍጽጽር ዘይተገብረሉ ቴክኖሎጂ ንሓደጋ ከቃልዖም እዩ፡ ዝብል እዩ።
ምክትል ዋና ዳይረክተር ቢኢዩሲ፡ ኡርሱላ ፓችል፡ ተጠቀምቲ "ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቲ ሰብሰርሖ ብልሒ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት እኹል ውሕስነት ከምዘይብሎም" ኣጠንቂቓ።
"ቻትጂፒቲን ተመሳሰልቲ ቻትቦታትን ንሰባት ብኸመይ ከደናግሩን ክቈጻጸሩን ከምዝኽእሉ ስክፍታታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። እዞም ስርዓታት ኤኣይ ዝያዳ ምምርማር የድልዮም፤ ሰበስልጣን መንግስታት ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዳግማይ ቍጽጽር ክካየድ ከም ዝግባእ ከረጋግጹ ይግባእ" ኢላ።
ቻትጂፒቲ ዛጊት ኣብ ሃገራት ቻይና፡ ኢራን፡ ሰሜን ኮርያን ሩስያን ዝርከባአን ሓያሎ ሃገራት ተኸልኪሉ እዩ።
ኦፐን ኤኣይ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ክህብ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







