ሰብሰርሖ ብልሒ ‘ኤኣይ’ ስራሕ 300 ሚልዮን ሰባት ክትክእ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI)] ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ 300 ሚልዮን ሰባት ክትክእ ከምዝኽእል ጸብጻብ ባንኪ ኢንቨስትመንት ጐልድማን ሳክስ ሓቢሩ።
ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ጥራይ ንርብዒ ዕማማት ስራሕ ሰብ ክትክእ ዝኽእል ኰይኑ፡ ምኽንያት ሓደስቲ ዕድላት ስራሕን ዕቤት ኣፍራይነትን ክኸውን ከምዝኽእል’ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ከምኡ’ውን ኣብ ጠቕላላ ዓመታዊ ዋጋ ናይቶም ብዓለም ደረጃ ዝፈርዩ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን 7 ሚእታዊት ክውስኽ ክገብሮ ይኽእል።
ካብ ስራሕ ደቂ ሰባት ዘይፍለ ትሕዝቶ ክፈጥር ዝኽእል ‘ጀነሬቲቭ ኤኣይ’ "ዓቢ ምዕባለ" እዩ ይብል እቲ ጸብጻብ።
ናይ ስራሕ ተስፋታት
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ምስ ሰብሰርሖ ብልሒ ብዝተሓሓዝ ኣብ ሃገሩ ንዝካየድ ወፍሪ ዘተባብዕ ኰይኑ፡ "ኣብ ሓፈሻዊ ኣፍራይነት ዕብየት ከምጽእ" ከምዝኽእል ይገልጽ።
ዘኸትሎ ጽልዋ ዘስግእ ከምዘይከውን ድማ ንህዝቢ ከረጋግእ ይፍትን።
ጸሓፊት ቴክኖሎጂ ሚሸል ዶነላን ንጋዜጣ ዘ ሳን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኤ.ኣይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንእንሰርሓሉ ኣገባብ ዝሕግዝ ምዃኑ ከነረጋግጽ ንደሊ፤ ንዕኡ ዝዘርግ ኣይኮነን። ንዕድላት ስራሕ ዘመሓይሽ እምበር ዝምንጥል ኣይኮነን" ኢላ።
ጽልዋ ሰብሰርሖ ብልሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዝፈላለ ምዃኑ ዝሕብር እቲ ጸብጻብ፡ 46 ሚእታዊት ዕማማት ኣብ ምምሕዳራዊ፡ ኣብ ዓውደ-ስራሕ ሕጊ ድማ 44 ሚእታዊት በቲ ቴክኖሎጂ ክሳለዩ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ዓውደ ህንጻ 6 ሚእታዊት ኣብ ጽገና ድማ 4 ሚእታዊት ጥራይ ዕማማት ክሽፍን ከምዝኽእል እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ገለ ስነጥበባውያን ‘ብኤ.ኣይ’ ዝፈርዩ ስእልታት ንናይ ስራሕ ዕድሎም ክፀልዉ ከምዝኽእሉ ስግኣቶም ምግላጾም ቢቢሲ ኒውስ ቅድሚ ሕጂ ጸብጺቡ ነይሩ።
'ትሑት ደሞዝ'
ምሁር ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ካርል በነዲክት ፍረይ"ክንደይ ስራሕ ብጀነረቲቭ ‘ኤኣይ’ ክትካእ ከምዝኽእል ዝፈልጠሉን ርግጸኛ ዝዀነሉን መገዲ የለን" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።
"ንኣብነት ‘ቻትጂፒቲ’ [ChatGPT]፡ ሰባት መፅናዕቲታትን ድርሰታታን ከዳልዉ ዘኽእሎም ማእከላይ ክእለት ምጽሓፍ ከማዕብሉ እዩ ዝገብር። ስለዚ ጋዜጠኛታት ዝያዳ ውድድር ከጋጥሞም እዩ። ደሞዝ እውን ከጕድል'ዩ” ይብል።
"ጀነሬቲቭ ኤኣይ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ፈጠራዊ ዕማማት እውን ተመሳሳሊ ጽልዋ ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
እቲ ዝተጠቐሰ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ 60 ሚእታዊት ሰራሕተኛታት ብ1940 ኣብ ዘይነበረ ዓይነት ሞያታት እዮም ተዋፊሮም ዝርከቡ።
ካልኦት መጽናዕትታት ግን ካብ 1980ታት ጀሚሩ ዝመጸ ለውጢ ቴክኖሎጂ፡ ካብቲ ዝፈጠሮ ዕድላት ስራሕ ብዝዛየደ ሰራሕተኛታት ብቕልጡፍ ክመዛበሉ ከምዝገበረ ይሕብሩ።
ጀነሬቲቭ ኤኣይ እውን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እንተዀይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዕድላት ስራሕ ከጕድል ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይድምድም።
ሰብሰርሖ ብልሒ ከሕድሮ ዝኽእል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጽልዋ ብዝምልከት ግን ርግጸኛ ምዃን ኣይከኣልን።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል መጽናዕቲ ሪዞሊሽን ፋውንደሽን ዝዀነ ቶርስተን ቤል ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ቴክኖሎጂ ብኸመይ እናማዕበለ ከምዝቕጽል ወይ ትካላት ምስ ኣሰራርሓኦም ብኸመይ ከም ዘዋሃህድዎ ኣይንፈልጥን" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ኤ.ኣይ ንኣገባብ ስራሕና ኣይዕንቅፎን ማለት ኣይኮነን። እንተዀነ ካብ ዝለዓለ ዓቕሚ ኣፍራይነትን ዝሓሰረ ኣገልግሎትን ኣብ ዝርከቡ መኽሰባት መነባብሮ እውን ከነተኩር ይግባእ” ክብል ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







