ቢል ጌትስ፡ ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ ወሳኒ ምዕባለ ዘመንና ምዃኑ መስኪሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መስራቲ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስ ምዕባለ ሰብሰርሖ ብልሒ (ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ) ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ዝተርኣየ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ፡ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ልክዕ ከም ምህዞ ማይክሮፕሮሰሰር፡ ኮምፒዩተር፡ ኢንተርነትን ሞባይል ተሌፎንን እዩ ኢሉ።
“ሰባት ዝሰርሕሉ፡ ዝመሃርሉ፡ ዝጓዓዝሉ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ዝረኽብሉ፡ ዝዘራረብሉ መገዲ ክቕይሮ’ዩ” ይብል።
ቢል ጌትስ፡ ብዛዕባ ከም ‘ቻትቦት ቻትጂፒቲ’ ዝበሉ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለታት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ እዩ ከምዚ ኢሉ።
ኦፕን ኤኣይ ዘማዕበሎ ‘ቻትጂፒቲ' (ChatGPT) ቻት ቦት ኤኣይ ኰይኑ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ዝመስልን ቋንቋ ተጠቒሙ ብኢንተርነት ንዝቐርቡ ሕቶታት ንምምላስ ዝተሰርሐ እዩ።
እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ጕጅለ ኣብ ጥሪ 2023 ካብ ማይክሮሶፍት ናይ ብዙሕ ቢልዮናት ዶላር ወፍሪ ረኺቡ እዩ።
ግን እዚ፡ እቲ እንኰ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝሰርሕ ቻት ቦት ኣይኰነን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጉግል ‘ባርድ’ ዝተባህለ ነዚ ቴክኖሎጂ ዝወዳደር ብልሒ ኣተኣታትዩ ኣሎ።
ጌትስ፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ምስቲ ብድሕሪ ቻትቦት ቻትጂፒቲ ዘሎ ኦፐንኤኣይ ክራኸብ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
ጌትስ ኣብ ናቱ ገጽ (ብሎጉ) ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ንጕጅለ ‘OpenAI’ ብ2022 ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ምዕቡል ምደባ (AP) ፈተና ስነህይወት - ምስ A-level ፈተና ዝዳረግ - ክሓልፍ ከም ዝኽእል ንኽሰልጥኑ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።
ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ናይዚ ውጽኢት ወግዓዊ ገይሮም፤ ካብ 50 ነጥቢ ሓንቲ ጥራይ ብምስኣን ዳርጋ ፍጹም ዝዀነ ነጥቢ ረኺቡ።
ድሕሪ እቲ ፈተና፡ ጌትስ ነቲ AI ንሓደ ዝሓመመ ቈልዓ ዘለዎ ኣቦ መልሲ ክጽሕፍ ከም ዝሓተቶ ገሊጹ።
"ካብቲ መብዛሕትና ኣብቲ ክፍሊ ዝነበርና ክንህቦ ዝነበርና ዝሓሸ ክኸውን ዝኽእል ጽቡቕ መልሲ ጽሒፉ። በዚ፡ ካብ ግራፊካል ዩዘር ኢንተርፌስ (GUI) ንደሓር እቲ ኣገዳሲ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ገና ሕጂ ከም ዝረኣኹ ፈሊጠ” ይብል።
‘GUI’ ስእላዊ መርኣዪ ኰይኑ - ሓደ ሰብ ምስ ምስልታትን ምልክታትን ክራኸብ ዘኽእሎ እዩ።
ናይዚ ምዕባለ ኣብ 1980ታት ናብ ‘ዊንዶውስን ማክ ኦኤስን ኦፐሬቲን ሲስተም’ ዝመርሐ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ቁልፊ ኣካል ኮምፒዩተር ኰይኑ ይርከብ።
ቢል ጌትስ ድማ ቴክኖሎጂ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ተመሳሳሊ ምዕባለታት ከምጽእ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ይዛረብ።
መጻኢ ዕድል ሰብሰርሖ ብልሒ
ኣቦ መንበር ገባሪ ሰናይ ትካል ቢል ኤንድ ሜሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን ዝዀነ ጌትስ፡ መንግስታት “ሓደጋታት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ - ሰብሰርሖ ብልሒ - ንምድራት” ምስ ኢንዱስትሪ ክተሓባበሩ ኣለዎም እኳ እንተበለ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ህይወት ንምድሓን ክውዕል ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
"በዚ ብልሒ ዝምራሕ ምምሕያሻት ብፍላይ ነተን ዝበዝሓ ሞት ትሕቲ 5 ዓመት ዘጋጥመን ድኻታት ሃገራት ኣገዳሲ ክኸውን'ዩ። ኣብተን ሃገራት ብዙሓት ሰባት ፈጺሞም ናብ ሓኪም ኣይከዱን። ኤኣይ ድማ ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝያዳ ውጽኢታውያን ክዀኑ ክሕግዞም'ዩ" ክብል ጽሒፉ።
ብተወሳኺ፡ ከም ጠለብ መድሕን ጥዕና፡ ወረቐት ስራሕ ከምኡ’ውን ሓበሬታታት ምውሳድ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ክዓዪ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
እዚ ንኽኸውን ግን ኣብ መጻኢ ኣብ ቴክኖሎጂ ሰብሰርሖ ብልሒ ዒላማ ዝገበረ ኣቀራርባ ክህሉ ጸዊዑ።
"ኣብ ዕዳጋ ዘለው ተዋሳእቲ ጥራይ ብተፈጥሮኦም ንዝደኸዩ ዝሕግዙ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ኣየፍርዩን እዮም፤ ዘተኣማምን ምወላን ቅኑዕ ፖሊሲታትን ተጠቒምካ፡ መንግስታትን ገበርቲ ሰናይን ኤኣይ ዘይምዕሩይነት ንምንካይ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕሉ ከረጋግጹ ይኽእሉ’ዮም።"
"ልክዕ ዓለምና ኣብ ዓበይቲ ጸገማታ ዘተኮሩ በላሕቲ ሰባት ከም ዘድልያ፡ ንሕና'ውን ንብሉጻት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ዓለምና ኣብ ዓበይቲ ጸገማታ ከተኩር ምግባር ከድልየና'ዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







