27 ሚልዮን ህዝቢ ኢንተርነት ተኣጊዱ ብኣሽሓት ፖሊስ ዝህደን ዘሎ ህንዳዊ ሰባኺ መን እዩ?

ህንዳዊ ሰባኺ ኣምሪትፓል ሲንግ ብኣሽሓት ፖሊስ እናተሃደነ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህንዳዊ ሰባኺ ኣምሪትፓል ሲንግ ብኣሽሓት ፖሊስ እናተሃደነ ይርከብ

ርእሳ ዝኸኣለት ዓዲ ንምምስራት ዝግበር ምንቅስቓስ ካሊስታን ከም ዝድግፍ ዝዛረብ ህንዳዊ ሰባኺ ኣምሪትፓል ሲንግ ብኣሽሓት ፖሊስ ኣብ ዝድለየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ገለ ክፋል ሰሜናዊ ግዝኣት ፑንጃብ ህንዲ ንራብዓይ መዓልቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተኸልኪሉ ይርከብ።

ፖሊስ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ልዕሊ 100 ደገፍቱ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ይገልጹ።

እቲ ንርእሱ ሰባኺ ዝብል መዓርግ ዝሃበ ኣምሪትፓል ሲንግ ግን ዛጊት ሃለዋቱ ኣይተፈልጠን።

ብሰሉስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፑንጃብ ብዙሓት ፖሊስ ኣብ ዝደልይዎ ዝነበሩ እዋን፡ ከመይ ገይሩ ካብ ማእሰርቲ ከምልጥ ከም ዝኸኣለ ክፈልጥ ሓቲቱ።

"80 ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ኣለዉ። ከመይ ኢሉ’ዩ ዘይተታሕዘ? እዚ ናይ ስለያ ድኽመት'ዩ" ክብል እቲ ቤት ፍርዲ፡ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዘካየዶ ስርሒት ተፍትሽ ጸብጻብ ከቕርብ ኣዚዙ ኣሎ።

መሻርኽቱ፡ ኣምሪትፓል ሲንግ ብቐዳም ካብቶም ብመኪና ዝከታተልዎ ዝነበሩ ፖሊስ ብመኪና ክሃድም ዘርኢ ቪድዮ ብቐጥታ ብኢንተርነት ድሕሪ ምፍናዎም ፖሊስ ፑንጃብ "ሃዲሙ" እዩ ክብሉ ኣዊጆሞ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ፑንጃብ ኣማኢት ደገፍቱ መደበር ፖሊስ ብምውራር ሓደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሓጋዚ ክፍታሕ ድሕሪ ምሕታቶም ዓመጽ ተላዒሉ።

እቶም መብዛሕትኦም ጠበንጃን ሰይፍን ዝሓዙ ዕስለ ዝተቘጥዑ መንእሰያት፡ እቲ ሓጋዚ ከም ዝፍታሕ መረጋገጺ ምስ ረኸቡ ጥራይ እዮም ካብቲ ቦታ ወጺኦም።

እቲ ሕቶ ዘልዓለ ኵነታት ሲንግ ነቲ ኣነቓቒሑኒ’ዩ ዝብሎ ጃርናይል ሲንግ ቢንድራንዋለ ምምሳሉ እዩ።

ጃርናይል ሲንግ፡ ኣብ 1980ታት ንምግንጻል ዕጡቕ ናዕቢ መሪሑ ተባሂሉ ብመንግስቲ ህንዲ ዝተኸሰሰ ሰባኺ እዩ።

ኣብ 1984 ብሰራዊት ህንዲ ብዝተኻየደ ኣካታዒ ስርሒት ከም ዝተቐተለ ይፍለጥ።

ኣብቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ናዕቢ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም’ዮም።

ፑንጃብ ክሳብ ሕጂ በሰላ ናይቲ ዓመጽ ተሰኪማ ትርከብ።

ገሊኦም ግን ህቡብነት ሲንግ ካብቲ ዝግባኦ ወጻኢ ከም ዝዀነ ይምጕቱ።

ኣብታ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጉሩ ናናክ ደቭ ዝምህር ፕሮፌሰር፡ ፓርሚንደር ሲንግ "ዋላ'ኳ እቲ ናይ ምግንጻል ስምዒት ምሉእ ብምሉእ ሞይቱ እንተዘይፈልጥ፡ ኣብ 1990ታት ግን ህዝባዊ ደገፍ ስኢኑ'ዩ። ኣብታ ግዝኣት ኵሉ ሰብ ከም በዓል ኣምሪትፓል ሲንግ ዝኣመሰሉ ሰባትን ዓመጽ ዝመልኦ ምንቅስቓስ ንኽግበር ዘለዎም ጠለብን ኣይድግፍን። እቶም ዝድግፉ ኣዝዮም ንእሽቶ ክፋል እቲ ህዝቢ'ዮም" ይብል።

ሓላፊ ሚኒስተር ፑንጃብ ዝዀነ ባግዋንት ማን ብተወሳኺ ኣብታ ግዝኣት "ኵሉ ሰብ ብስኒት ከም ዝነብር"ን ንምጥፋእ ፈተነታት እኳ እንተተገብረ ኣብ መንጐ ማሕበረሰባት "ፍሉይ ምትእስሳር" ከም ዘሎ ይገልጽ።

ንሱ ንደገፍቲ ሲንግ ብምጥቃስ "ሽሕ ሰባት ንፑንጃብ ኣይውክሉን" ይብል።

መብዛሕትኦም ደገፍቱ ጠበንጃን ኣስያፍን ዝሓዙ ዕስለ መንእሰያት እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕትኦም ደገፍቱ ጠበንጃን ኣስያፍን ዝሓዙ ዕስለ መንእሰያት እዮም

ኣምሪትፓል ሲንግ መን እዩ?

ብዛዕባ ቀዳሞት ዓመታት ህይወቱ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኣብ ኣውራጃ ኣምሪትሳር ፑንጃብ ነባሪ ጃሉፑር ኬራ ኰይኑ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 2012 ናብ ዱባይ ብምኻድ ናብ ናይ ስድራኡ ንግዲ መጓዓዝያ ተጸንቢሩ።

ኣብ ሊንክዲን ዘሎ ድሕረ ባይታኡ፡ ካብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ፑንጃብ ናይ መካኒካል ምህንድስና ዲግሪ ከም ዘለዎን፡ ኣብ ሓደ ናይ ጽዕነት ኩባንያ ከም "ኦፕሬሽናል ማናጀር" ኰይኑ ከም ዝሰርሐን ይገልጽ።

ንነዊሕ ዓመታት፡ ህቡብነቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ ዝተሓጽረ ኰይኑ፡ ኣብ ሓድነትን መንግስትነትን ሲክ ብዝነበሮ ኣረኣእያ ብዙሕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ነሓሰ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብቶም ጸጕሩን ጭሕሙን ብጽፉፍ ተቐምቂሙ ዘርእዮ ናይ ቀደም ስእልታት ብግልጺ ዝተፈልየ መልክዕ ሒዙ ካብ ዱባይ ናብ ህንዲ ተጓዒዙ።

ሕጂ፡ ውፉይ፡ ኣማኒ ሲክ ይመስል - ነዊሕ ጸጕሩ ብሰማያዊ ዕማመት ወይ ጥምጣም (ተርባን) ተጠቕሊሉ፡ ጭሕሙ ነዊሑ፡ ኣብ ኢዱ ብሓጺን ዝተሰርሐ በናጅር ገይሩን ኣብ ሽምጡ ኪርፓን ዝበሃል ንእሽቶ ቅዱስ ሽቶል ዳጋር ኣንጠልጢሉ ይርአ።

ኣምሪትፓል ሲንግ ምስ ላቭፕሪት ቱፋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣምሪትፓል ሲንግ ምስ ላቭፕሪት ቱፋን

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ሲንግ ሓላፊ ትካል ዋሪስ ፑንጃብ ደ (ወረስቲ ፑንጃብ) ኰይኑ ተመዚዙ።

እዚ ትካል ዲፕ ሲድሁ ብዝተባህለ ብሓረስቶት ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምስ ዓመጽ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ተዋሳኣይን ተጣባቕን ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ ዲፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደጋ መኪና ከም ዝሞተ ይፍለጥ።

እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ቁሸት ቢንድራዋለ ኣብ ዝርከብ ሮድ እዩ ተኻይዱ።

ሲንግ ስለምንታይ ህቡብ ኰይኑ?

ደገፍቲ ሲንግ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ "መነቓቕሒ" ዝብሎ ቢንድራንዋለ የነጻጽርዎ።

ሲንግ ኣብ መደረታቱ ንቢንድራንዋለን ተሪር ኣረኣእያታቱን ይመስል - ሲክስ ፍልይቲ ግዝኣት ንኽትከውን ይጽውዕ።

እዚ ድማ ኣብ ፑንጃብ ንዘጋጠመ ክርክር ማይ ክሳብ ወልፊ ሓሽሽን ምብስባስ ባህሊን እንኮ "ቀዋሚ መፍትሒ" ምዃኑ ይገልጽ።

ሲንግ ግን ነቲ ምውድዳር ብውልቁ ይነጽጐ።

"ኣነ ማዕረ ሓመድ እግሩ'ውን ኣይኮንኩን። በቲ ንሱ ዘርኣዮ መንገዲ ጥራይ እየ ዝኸይድ" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንጋዜጣ ዘ ኢንዲያን ኤክስፕረስ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓንጃብ ዝምህር ፖለቲካዊ ሳይንቲስት ፕሮፌሰር ኣሹቶሽ፡ ዕድመ ሲንግ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃንደበት ናብ ስሙይ ደረጃ ምድያቡ "ምስጢራዊ" ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ይዛረብ።

እንተዀነ፡ ሲንግ ኣብ መንጐ ሓሳብ ልኡላውነትን ሃገራዊ መንነት ሂንዱን ምምስሳል ብምፍጣር ኣብ ጭንቀት ሲክ ክጻወት ከም ዝኸኣለ እቲ ፕሮፌሰር ይገልጽ።

ኣምሪትፓል ሲንግ ኣብ ታሕሳስ 2021 ሕግታት ሕርሻ ምስ ተሰረዙ ካብ ዱባይ ናብ ህንዲ ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣምሪትፓል ሲንግ ኣብ ታሕሳስ 2021 ሕግታት ሕርሻ ምስ ተሰረዙ ካብ ዱባይ ናብ ህንዲ ተመሊሱ

ፑንጃብ፡ ክሳብ ሕጂ ብተዛማዲ ጽቡቕ ሃብቲ ዘለዋ ግዝኣት እያ።

ክኢላታት ግን ቀጻሊ ጸገም ሽቕለት ኣልቦነትን ቅልውላው ሕርሻን ንማሕበራውን ቍጠባውን ደረጃ እታ ግዝኣት ከም ዝነከዮ ይዛረቡ።

"ደገፍቲ እቲ ኣብ ምምሕዳር ዝርከብ ሰልፊ ባራቲያ ጃናታ፡ ብሄር ሂንዱ ክህሉ ኣብ ዝጭድሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ገለ ሲክ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ በደላት ዝዛረብን ንረብሓታቶምን ጸገማቶምን ክውክል ዝኽእልን መራሒ ከም ዘድሊ ይስምዖም" ይብል ፕሮፌሰር ኣሹቶሽ።

ፕሮፌሰር ካሊድ መሓመድ'ውን ካብ ዩኒቨርሲቲ ፓንጃብ ኰይኑ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሲንግ "ምስ ሓፋሽ ብቐሊሉ ክራኸብ" ስለ ዘኽኣሎ ኣብ ተፈታውነቱ ልዑል ተራ ከም ዝተጻወተ ይዛረብ።

ኣብ ሕዳር፡ ሲንግ ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ንሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ሃይማኖታዊ ሰልፊ ኣብ ዝመርሓሉ እዋን፡ ሲክ ክጥመቐ (ብስነ-ስርዓት ኣምሪት ክሓልፉ)፡ ሓሽሽ ምውሳድ ከምኡ'ውን ከም ገዝሚን ኣብ ዓሌት ዝተመርኰሰ ኣድልዎን ዝኣመሰሉ ልምድታት ክገድፉን ኣተባቢዑ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ሲንግ ሰባት ኣብ ቅድሚ ጉሩ ግራንት ሳሂብ ኣብ መሬት ጥራይ ኰፍ ክብሉ ኣለዎም ኢሉ ምግላጹ ስዒቡ፡ ሰዓብቱ ኣብ ሓደ ጉርድዋራ ኣቝሑ ገዛ ብምዕናዎም እውን ኣርእስታት ዜና ኰይኖም ነይሮም።

ፕሮፌሰር ፓርሚንደር ሲንግ፡ ምውሳኽ ተፈታውነት ሲንግ፡ ምስ ብስጭት ብዙሓት መንእሰያት ፑንጃብ'ውን ክተኣሳሰር ከም ዝኽእል ይዛረብ።

"ኣብ ፑንጃብ ጽቡቕ ሂወት ዘይብሎም፡ ክንድዚ ዘይተማህሩ፡ ዝዀነ ስራሕ ዘይረኽቡን ናብ ወጻኢ ሃገር ንምኻድ ጸጋታት ዘይብሎምን ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኣለዉ። ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ከምዚ ዓይነት ሃይማኖታዊ መሰረት ገጾም ተሰጋጊሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

ህቡብነቱ ስለምንታይ ስክፍታ ፈጢሩ?

ሲንግ ኣብ መደረታቱ መብዛሕትኡ ግዜ ጠለብ ካሊስታን ፍጹም ምኽኑይ ምዃኑ ይምጕት።

ኣብ መንጎ ሰዓብቱ እውን ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ይመስል።

ጃርናይል ሲንግ ቢንድራንዋለ ኣብ 1984 ብወተሃደራዊ ስርሒት ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጃርናይል ሲንግ ቢንድራንዋለ ኣብ 1984 ብወተሃደራዊ ስርሒት ተቐቲሉ

ግን ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ሃንደበታዊ ምዕባለኡን ተፈታውነቱን መዘኻኸሪ ናይታ ዓመጽ ዝመልኦ ታሪኽ ዘለዋ ግዝኣት ኰይኑ ዘገልግል’ዩ።

ድሕሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ደም ምፍሳስ፡ ፑንጃብ ዳርጋ ናብ ንቡር ተመሊሳ ኣላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ገለ ሰባት ዳግማይ ዕግርግር ዝመልኦ ግዜ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።

ኣብ 1980ታት ናብቲ ሓይሊ ዝተጸንበረ ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስ ፑንጃብ ነበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መደበራት ፖሊስ ብዙሕ መጥቃዕቲ ከም ዝረኣየ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ፖሊስ ግን ክሳብ ክንድዚ ሓጋዚ ኣልቦ ኰይኑ ክረአ እዚ ናይ መጀመርታ'ዩ" ይብል።

ፕሮፌሰር ፓርሚንደር ሲንግ ብተወሳኺ፡ ሲንግ ንዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኣስያፍን ጠበንጃን ሒዙ ኣብ ፑንጃብ ይጓዓዝ ከም ዝነበረን ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝዀነ ክሲ ከም ዘይተመስረተን ይሕብር።

"ብሓፈሻ እዚ ኣንፈት ሓደገኛ ስለዝኾነ ክምዕብል ክፍቀደሉ የብሉን። እንተዘይኰይኑ ፑንጃብ ናብ ከቢድ ምዕራፍ ቅልውላው ክትኣቱ እያ።"