መርፍእ ቁልፊ፡ ህንዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ትንኮያ ንምምካት ዝጥቀማላ ንእሽቶ ዕጥቂ

ብመርፍእ ቁልፊ ዝደመየ ኢድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዳርጋ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ ኣብ ጽዑቕ ህዝባዊ ቦታታት ዘጋጠመን ጾታዊ ትንኮያታት ዝገልጽ ዛንታ ዘለወን እየን።

እቶም ትንኮያታት ድማ ኣጥባተን ብምትንካፍ፡ ንመቐመጫአን ብምሓዝ፡ ብብርኪ ኢዶም ንኣካላተን እናሓሳሰዩ ወይ ንነብሶም ምስ ኣካላተን ብምጽግጋዕ ዝፍጸሙ እዮም።

ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ኣብ ልዕሊኤን ትንኮያታት ዝፍጽሙ ሰባት ንምምካት ዝረኸባኦ ነገር እየን ዝጥቀማ ነይረን። ንኣብነት ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ካልካታ ተመሃሮ ኮለጅ ኴንና በተን ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቓ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ክንመላለስ ከለና፡ ኣነን መሓዙተይን ዝሓዝናዮ ጽላልና ኢና [ከም መመከቲ] ንጥቀም ነይርና።

መብዛሕቲኤና ጽፍርና ነዊሕን በሊሕን ጌርና ነተን ቀንጠብጠብ ዝብላ ኣእዳው ንብሕጭረን ነይርና። ካልኦተን ድማ ነቲ በሊሕ ነዊሕ ጫማአን ተጠቒመን ነቶም ነቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዘሎ ምጽቕቓጥ ተጠቒሞም 'ኣካላቶም' ብድሕሪት ዘጸግዑ ደቂ ተባዕትዮ ይወቕዕኦም ነይረን።

ካልኦት ብዙሓት ድማ ነቲ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርከብ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነ መሳርሒ ድሕነት - መርፍእ ቁልፊ - ይጥቀማ።

መርፍእ ቁልፊ (ፒን) ኣብ 1849 ካብ ዝምሃዝ ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ክዳውንቲ ንከተሓሕዛ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክጥቀማሉ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

ብደረጃ ዓለም እውን ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር እቶም ኣብ ልዕሊኤን ዝፍጸሙ ግህሰታት ንምምካት፡ ክሳብ ምፍሳስ ደም ዝበጽሕ ከይተረፈ ክጥቀማላ ጸኒሐን እየን።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ ኵሉ ግዜ ኣብ ቦርሳአን መርፍእ ቁልፊ ከም ዝሕዛን፡ ኣብ ጽዑቕ ቦታታት ንዘጋጥመን ጾታዊ ትንኮያታት ንምምካት ዝመርጻኦ መሳርሒ ምዃኑን ኣብ ትዊተር ኣፍሊጠን ነይረን።

ሓንቲ ካብኣተን - ዲፒካ ሸርጊል - መርፍእ ቁልፊ ከም መከላኸሊ ንዝተጠቐመትሉ ፍጻመ ብምዝካር ጽሒፋ ኣላ። ናብ ስራሕ ንምምልላስ ብቐጻሊ ኣብ ትጥቀመላ ዝነበረት ኣውቶቡስ ከምዘጋጠመማ ሸርጊል ንቢቢሲ ብተዘክሮ ትዛረብ።

እቲ ፍጻመ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት እዩ ተፈጺሙ፤ እንተዀነ ክሳብ ሎሚ ነቲ ዝርዝራት ትዝክር።

ንሳ ጓል 20 ዓመት ኣቢላ፡ እቲ ዘሳቕያ ዝነበረ ሰብ ድማ ኣብ መፋርቕ 40ታት ዕድመ ነይሮም። ንሱ ኵሉ ግዜ ግራጭ ሳፋሪ (ብሰራሕተኛታት መንግስቲ ህንዲ ዝፍቶ ክልተ ኢዱ ሕጽር ኢሉ ዝስራሕ ምስ ሱፍ ዝመሳሰል - ሳርያን ዓይነት - ክዳን)ን ክፉት ጫማን ይገብር ነይሩ። ቆርበት ቦርሳ ድማ ይሕዝ ነበረ።

"ኵሉ ግዜ መጺኡ ኣብ ጐድነይ እዩ ተጸጊዑ ደው ዝብል። ብሕቘይ ተጸጊዑ ደው ዝብል ኰይኑ መራሒ መኪና ፍሬኖ ኣብ ዝሕዘሉ እዋን ድማ ኣብ ልዕለይ ይወድቕ ነይሩ።"

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ "ኣዝያ ስለዝፈርሐትን ኣቓልቦ ሰባት ክትስሕብ ስለ ዘይደለየትን" ንኣዋርሕ ብስቕታ ከምዝተሳቐየት ትዛረብ።

ዲፒካ ሸርጊል

ምንጪ ስእሊ, DEEPIKA SHERGILL

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ምሸት ግን "ባዕሉ ብባዕሉ ጾታዊ ርውየት ክፍጽምን ኣብ መንኵበይ ክፈስስን ምስ ጀመረ" ካብዚ ንላዕሊ ክትጻወሮ ከምዘይብላ ወሰነት።

“ዝረኸስኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ገዛ ምስ በጻሕኩ፡ ነዊሕ ግዜ ነብሰይ ተሓጺበ። ንኣደይ'ውን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኣይነገርክዋን" ትብል።

"ኣብታ ምሸት እቲኣ ድቃስ ስኢነ፤ ስርሐይ ደው ከብል'ውን ሓሲበ። ድሕሪኡ ግን ብዛዕባ ሕነ ምፍዳይ ክሓስብ ጀሚረ። ዳግማይ ከምዚ ዝበለ ተግባር ኣብ ልዕለይ ከይፍጽም ንምግባር ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት ከውርደሉ ደለኹ።"

ንጽባሒቱ ሸርጊል ነቲ ትሕት ዝበለ ጫማኣ በቲ ልዕል ዝበለን ብልሒ ዝነበሮን ሂል ጫማኣ ቀይራ፤ ነታ ናይ ድሕነት መርፍእ ቁልፊ ተዓጢቓ ናብታ ኣውቶቡስ ተሰቐለት።

"መጺኡ ኣብ ጐነይ ደው ምስ በለ ካብ ኮፍ መበሊየይ ተሲአ ኣጻብዕቲ እግሩ ብሸኾናይ ጨፍሊቐዮ። ናይ ቓንዛ ድምጹ ሰሚዐዮ፤ ዓቢይ ሓጎስ ድማ ተሰሚዑኒ። ድሕሪኡ በቲ መርፍእ ቁልፊ ተጠቒመ ኣብ ቅልጽሙ ወጊአዮ ቀልጢፈ ካብታ ኣውቶብስ ወጻእኩ” ትብል ብተዘክሮ።

ካብታ መዓልቲ ንደሓር ንዓመት በታ ኣውቶቡስ ምምልላስ'ኳ እንተቐጸለት ንዕኡ ግን ካብታ መዓልቲ ንደሓር ርእያቶ ኣይትፈልጥን።

ዛንታ ሸርጊል ዘሰንብድ እኳ እንተኾነ ዘይተለመደ ግን ኣይኮነን።

ኣብ 30ታት ዕድመኣ እትርከብ መሳርሕታ’ውን ኣብ መንጐ ደቡባዊ ከተማታት ኮቺንን ቤንጋሉሩን (ባንግሎር) ኣገልግሎት ትህብ ኣብ ዝነበረት ናይ ለይቲ ኣውቶቡስ፡ ሓደ ሰብኣይ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ትንኮያ ይፍትን ከምዝነበረ ተዘንቱ።

"ኣብ መጀመርታ ብኣጋጣሚ ዝተፈጸመ መሲሉኒ ስቕ ኢለ ሓሊፈዮ" ትብል።

ምስ ቀጸለ ግን ኮነ ኢልካ ከም ዝተገብረ ስለዝተረደአት፡ ነቲ ኣብ ዝተዓመመቶ ሻርባ ዘጽንሓቶ ናይ ድሕነት መርፍእ ቁልፊ ብምጥቃም "ካብታ መዓልቲ ድሒና።"

"ምስ ወጋእክዎ ካብ ተግባሩ ተቘጢቡ። ግን ድማ ደጋጊሙ ስለዝፈተነ ኣነ ድማ መመሊሰ ክወግኦ ፈቲነ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቋሪጹ። እቲ መርፍእ ቁልፊ ሒዘ ብምጽንሐይ ሕጕስቲ እየ። ግን ምልስ ኢለ ከይጸፋዕክዎ ብምትራፈይ ዕሽነት ይስምዓኒ” ትብል።

"ኣብ እዋን ንእስነተይ ግን፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ትንኮያ እንተነጊረዮም ክድግፉኒ ኣይክእሉን ብዝብል ካብ ምዝራብ ይጥንቀቕ ነይረ" ክትብል ትውስኽ።

እዚ ፍርሕን ሕፍረትን ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ንዓመጽቲ ክቃልዓን ነቲ ጸገም ክሰፍሕን ከምዝገብር ደለይቲ ፍትሒ ይዛረቡ።

ናብ ኣውቶብስ ዝድይቡ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2021 ኣብ 140 ከተማታት ህንዲ ብኢንተርነት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 56 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ጾታዊ ትንኮያ ከምዝበጽሐን የመልክት።

ናብ ፖሊስ ከይደን ዝሓበራ ግን እተን 2 ሚእታዊት ጥራይ እየን። መብዛሕትአን ባዕሎም ስጕምቲ ከምዝወስዳ ወይ ድማ ነቲ ኵነታት ዕሽሽ ክብልኦ ከምዝመርጻን ይግለጽ።

ነዚ ዝገብራሉ ምኽንያት ድማ ጉዳየን ከይዋዓዋዕ ወይ ድማ ነቲ ኩነታት ከየጋድዶ ስለዝጭነቓን እዩ።

ልዕሊ 52 ሚእታዊት ድማ ብሰንኪ፡ "ስግኣት ድሕነት" ትምህርትን ዕድላት ስራሕን ከቋርጻ ከምዝተገደዳ ይዛረባ።

"ፍርሒ ጾታዊ ዓመጽ ካብቲ ጭቡጥ ዓመጽ ንላዕሊ ንስነ-ኣእምሮን ምንቅስቓስን ደቂ ኣንስትዮ ይጸልዎ እዩ" ትብል ሴፍቲፒን ዝተባህለ ድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውሓስን ተሳትፎ ኣብ ምርግጋጽን ዝሰርሕ ማሕበራዊ ትካል ዝመስረተት ካልፓና ቪስዋናዝ።

ንሳ፡ ግህሰታታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንዲ ጥራይ ዘጋጥም ጸገም ዘይኮነስ ዓለማዊ ጉዳይ ምዃኑ ትሕብር።

ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እውን ናይ ድሕነት ፒን (መርፍእ ቁልፊ) ከም ዝሕዛ ነጊረናኒ ትብል።

መጽሔት ስሚዝሶኒያን ከም ዝጸብጸቦ ድማ፡ ኣብ 1900ታት ከይተረፈ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣሜሪካ ንጾታዊ ርውየት ኣዝዮም ንዝጽግዕወን ደቂ ተባዕትዮ ንምውጋእ ናይ ቆቢዕ መርፍእ (ሃትፒን) ይጥቀማ ነይረን።

ኣብ ጣብያ ባቡር ዝተኣከቡ ሰባትን ኣባላት ፀጥታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ርእሰ ከተማ ደልሂ፡ ኣውቶቡሳት ጉድኣት ዝወረደን ሓበሬታ ዝህባሉ ዝጥወቕ መሳርሒ ድምጺ ከምኡ’ውን ሲሲቲቪ ካሜራታት ተገጢሙለን እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ መካይን ብብዝሒ ክቝጸራ ከምኡ’ውን ተሓጋገዝቲ እተን ኣውቶብሳት ንደቂ ኣንስትዮ ተሳፈርቲ ዝያዳ ክተሓባበሩ፤ ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡሳት ተቘጻጸርቲ ክዋፈሩ ተገይሩ ኣሎ።

ፖሊስ’ውን ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ንምርካብ ክጥቀማሉ ዝኽእላ መተግበርን ቁጽሪ ስልኪ ሓገዝን ኣብ ረብሓ ኣውዒሉ ይርከብ።

ቪስዋናት ግን ኵሉ ግዜ ናይ ፖሊሲ ጸገም ከምዘይኮነ ትዛረብ።

"እቲ ኣገዳሲ መፍትሒ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ክንዛረብ ዘለና ይመስለኒ። ሰባት ቅቡልን ዘይቅቡልን ባህሪ እንታይ ምዃኑ ብዕምቆት ንኽግንዘቡ ኣብ ምግባር ኣጽዒቐን ዝሰርሓ ሚድያ ክህልዋ ኣለወን" ትብል።

እዚ ክሳብ ዝኸውን ግን ሸርጊልን መሳርሕተይን ከምኡ ድማ ብሚልዮናት ዝቑጸራ ህንዳውያን ደቂ ኣንስትዮን ነታ ናይ ድሕነት ፒን (መርፍእ ቁልፊ) ኣብ ኢደን ክሕዛ ክግደዳ እየን።