ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምኽልካሉ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስረሓን ደዉ ኣቢለን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምኽልካሉ ኣብታ ሃገር ዝሰርሓ ዝነበራ ሓሙሽተ ዓበይቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስረሓን ደው ኣቢለን።
ኬር ኢንተርናሽናል፣ ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይን (ኤን ኣር ሲ) ሴቭ ዘ ቺልድረንን “ብዘይ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታትና” ስራሕና ክንቅጽል ኣይከኣልናን ኢለን።
ብተወሳኺ ኢንተርናሽናል ረስክዩ ኮሚተን ከምኡ'ውን ኢስላሚክ ረሊፍ ንጥፈታቶም ደው የብል ከምዘሎው ኣፍሊጦም።
ንኣፍጋኒስታን ዘመሓድር ዘሎ ጣሊባን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብቐጻሊ ክግድብ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምኽልካሉ እዩ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስቲ ትካላት እገዳ ገይሩ ዘሎ።
ወሃቢ ቃልቢ ቃል ሚኒስትሪ ቁጠባ ዓብደል ራሕማን ሓቢብ፡ ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካላት ወጻኢ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕጃብ ብዘይ ምኽዳነን ቀንዲ ሕግታትና ጥሒሰን ክብል ከሲሱ።
ነቲ ዝተገበረ ክልከላ ዘይፍጽሙ ትካላት ፍቓዶም ክስረዝ ምዃኑ እውን እቲ ጉጅለ ኣጠንቂቑ።
እቶም ትካላት ግን ሰራሕተኛታቶም ናብ ስረሐን ክምለሳ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።
መራሕቲ ኬር፣ ኤንኣርሲን ሴፍ ዘቺልደረንን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ብዘይ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላትና “ካብ ነሓሰ 2021 ጀሚሩ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሚልዮናት ኣፍጋናውያን ብጥምረት ኣይምበጻሕናሎምን” ኢሉ።
“ኣብቲ መግለጺ መብርሂ ክሳብ ዝወሃበና፡ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን እነሳልጦ ህይወት ናይ ምድሓን ሓገዝ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብማዕረ ክሰርሕዎ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ መደባትና ነወንዝፎ ከምዘለና ንሕብር።”
ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ኣስታት 3 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዘለወኦ ኣይኣርሲ ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣብ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታቱ ዝተመስረተ ከምዝኾነ ገሊጹ።
እስላሚክ ረሊፍ ብወገኑ “ኣብ ኣፍጋኒስታን ህይወት ኣድሕን ዘይኮኑ ስራሕቲ ብግዝያዊነት ደው ናይ ምባል ከቢድ ውሳነ ከምዝወሰደ” ዝሓበረ ኮይኑ ሰብመዚ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታዊ ትካላት ዘንበርዎ ክልከላ ከልዕሉ ጸዊዑ።
ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ራሚዝ ኣላክባሮቭ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ክልከላ ክለዓል ይፍትን ከምዘሎን እቲ ብጣሊባን ዝተወሰደ ስጉምቲ “ንመላእ ማሕበረሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀይሕ መስመር” ከምዝኾነን ኣፍሊጡ።
ጣሊባን ነቲ ክልከላ እንተዘይኣልዒልዎ፡ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣፍጋኒስታን ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ደው ከብል ከምዝኽእል እቲ በዓል መዚ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ኤንኣርሲ ጃን ኤግላንድ፡ ካብ 1400 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እተን 500 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾናን ባህላዊ ኣከዳድናን ምንቅስቓስን የኽብራ ከምዝነበራን ተዛሪቡ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት እቲ ሕጊ ክቕየር ተስፋ ከምዝገብር ዝገለጸ ኢግላንድ፡ ስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ እንተተዓናቒፉ ግን ሚልዮናት ንሓደጋ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።
ገለ ስድራቤታት ዝመርሓ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ድሕሪ እቲ ክልከላ ዝተሰመዐን ስግኣታት ንቢቢሲ ገሊጸን ነይረን።
እቲ ክልከላ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ንሚልዮናት ዝቐርብ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ከየተዓናቕፎ ኣጠንቂቑ።
ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ኣብ ዝተመለሰሉ፡ ካብቲ ኣብ 1990ታት ዝነበሮ ምሕደራ ዝሓሸ መንገዲ ከምዝጥቀም እኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ምዕፋን ቀጺሉ ኣሎ።
ማዕጾ ካልኣይ ብርክን ዩኒቨርሲቲን ዝተሓየረን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒታን፡ መዘናግዒ ማእከላትን እንዳ ስፖርትን ናብ ዝርከቡዎም ህዝባዊ ማእከላት እውን ክኣትዋ ኣይፍቀደለንን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







