ጣሊባን፡ ደቀንስትዮ ኣብ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከይሰርሓ ኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣፍጋኒስታን ዝመርሕ ዘሎ ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከይሰርሓ ዝኸልከለሉ ምኽንያት ‘ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታውያን ትካላት ቅጥዒ ኣከዳድና ሕጃብ ስለዝጥሓሳ’ እየን ኢሉ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጣሊባን ደቀ’ንስትዮ ኣብ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከይስርሓ ዝእግድ ኣዋጅ ‘መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝግሃሰ’ዩ’ ክብል ኰኒንዎ።
ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ካብ ዩኒቨርስቲ ክእገዳ መምርሒ ድሕሪ ምውራዱ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ እዚ ኣዋጅ ብወግዒ ተገሊጹ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነቲ ጣሊባን ዘውጽኦ መምርሒ ብምንቃፍ እቲ ውሳነ ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ዘሰንብድ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።
ኣብ ናብራአን ዝሓሸ እቶት ዝነበረን ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታውያን ትካላት ፍርሒ ከምዝተሰምዐን ንቢቢሲ ገሊጸን።
ሓንቲ ካብተን ንቢቢሲ ርእይቶአን ዝሃባ ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ “ናብ ስራሕ ከይደ እቶት እንተዘይረኺበ ንስድራይ መን’ዩ ክሕግዞም?” ክትብል እንከላ ካልእ ወሃቢት ርእይቶ ድማ እቲ ዜና ኣዝዩ ዘሰንብድ ክትብል ገሊጻቶ።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ግዳይ፡ መምርሒ ጣሊባን “ዓለም ስቕ ኢላ ትርእየና እምበር ዋላ ሓንቲ ዝገበረቶ ነገር የለን” ኢላ። ቢቢሲ ሽም ናይተን ቃለ መጠይቕ ዝሃባ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋናውያን ንድሕነተን ክብል ኣይጠቐሶን።
እቲ ትማሊ ቀዳም ካብ ሚኒስተር ቁጠባ ኣፍጋኒስታን ተሓቲሙ ንዓለምለኻውን ዘቤታውን ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝተወሃበ ደብዳበ ነቲ ሓድሽ መምርሒ ዘይትግብር ዝዀነ ይዅን ዘይመንግስታዊ ትካል ክሳዕ ፍቓድ ስራሕ ምምንጣል ዘውሰድ ስጕምቲ ከምዝውሰደሉ ኣጠንቂቑ’ሎ።
ኣብ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ሕጊ ሸሪዓ ጥሒሰን ሒጃብ ከምዘይገብራ ኣብቲ ደብዳበ ተጠቒሱ ይርከብ።
ውሳነ ጣሊባን ዓለምለኻዊ ቍጥዐ ፈጢሩ’ዩ።
ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ መምርሒ ኣብታ ሃገር ረድኤት ንዘደልዮም ብሚልዮን ዝቝጸሩ ሰባት ዝግበር ሓገዝ ከተዓንቕፎ’ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ብሊንከን ኣስዒቡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝርግሐ ሰብኣዊ ሓገዛት ቀንዲ ንጡፋት ኣባላት ከምዝኾና ብምጥቃስ ንሳተን ኣብ ዘይመንግስታውያን ትካላት ክሰርሓ ምእጋድ ማለት ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ኣሰንባዲ ዜና’ዩ ኢሉ።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም እቲ ውሳነ “መምርሒታት ሰብኣውነት ብቕሉዕ ዝጥሓሰ’ዩ” ኢሎም።
ሓንቲ ሰራሕተኛ ‘ሰቭ ዘ ቺልድረን’ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እትሰርሓሉ ትካል ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ሓለፍቲ ጣሊባን ክዘራረብ መደብ ከምዘለዎ ብምግላጽ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከይስርሓ ዝእገዳ እንተዀይነን ገሊአን ትካላት ከምዝዕጸዋ ሓቢራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







